ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል
መበል 13 ክፋል
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሲኞር ፍራንኮ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዓዱ ከሕልፎ ምስ በዓልቲቤቱ ናብ ዓዲጥልያን ስለ ዝገሸ፡ ኣብ ሰሙኑ ልደት ኮይኑ መዓሾ ዘምጽኣ ደርሆ ተሓርደት። እንጌራ ተዓዲጉ፡ ኣረቂ ምስ ለሓፉ ዝማም፡ “ትኽስ’ምበር ኢለ፡” ብምባል ኣብ ዓራት ጎቦ ኮነት። ንመዓሾ ንምርስሳን ዝኣለመቶ ተንኰል ዘይኮነ፡ ዘይለመደቶ ኣረቂ ምስ ጠዓመት ብሓቂ ፈዚዛ ነይራ። መዓሾ ኣብ ዓራት ኮፍ ኢሉ ኢዱ ምስ ኣንበረላ ግን ከም ብሓድሽ ተበራበረት። ሰብነታ ከም እሳተጎመራ ተቓጸለ። ክርሃት ስጋዎ ርክብ ከም ዘይነበራ ኣብ ሽዑ በጺሓ ወሲባዊ ድሌታ ሰማይ ዓረገ። መዓሾ ኵነታታ ተዓዚቡ ኣፍኵስ ኣቢሉ ኣጡባታ ክደራርዛ ምስ ጀመረ ቀልባ ተሰወራ። ብኡንብኡ ድማ ብስጋ ተራኸቡ። ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ መዓሾ ሓቝፉዋ ከም ዘሎ ምስ ተዓዘበት፡ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ዘላ ኮይኑ ተሰምዓ። ልባ ብሃልሃልታ ፍቕሪ ይቃጸል ስለ ዝነበረ፡ ስምዒታ ምጽዋር ስኢናቶ “መዓሾ ሓወይ!” ኢላ ሓቘፈቶ። ክሳብ መሬት ዝጽልምት ድማ ኣብታ ጸባብ ዓራት ፍስሃ ዓሲሉዎም ኣምሰዩ።
ዝማም ድቂ ከም ዝሓዘት ኣብ ካልኣይ ወርሒ’ዩ ተረዲኡዋ። መዓሾ ፈታው ውላድ ምዃኑ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት ግን ክጠልመኒ’ዩ ዝብል ስግኣት ኣይሓደራን። ቅንይ ኢላ ከም ዝጠነሰት ምስ ገለጸትሉ ከም ትጽቢታ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐበላ። እንታይ ምግባር ከም ዝሓይሽ ድሕሪ ምምይያጥ ከኣ፡ ጥንሳ ክሳብ ዝኸብድ ኣብ ስራሕ ክትጸንሕ፡ ድሕሪኡ ግን ካብ ስራሕ ክትሰናበት’ሞ ገዛ ተኻርዮም ምዉቕ ሓዳር ክጅምሩ ተረዳድኡ። ኣብ መበል ራብዓይ ወርሒ ጥዕና ክትስእን ስለ ዝጀመረት፡ ስራሕ ኣቋሪጻ ምስ መዓሾ ክትጥርነፍ ግድነት ኮና። ንሱ ኣይሓመቐን ኣብታ ሓዳስ ዝተኻረዩዋ ጽብብ ኢላ ገዛ፡ ዓቕሙ ዘፍቀደሉ ንእሽቶ ውራይ ድሕሪ ምውዳድ፡ ኣዕሩኽቱን ጐረባብትን ዓዲሙ ሓዳሩ ጀመረ። ናብ ኣስመራ ምስ መጽአ ብጸቕጢ ኣዝማዱ ክልተ ግዜ ተሓጽዩ ከብቅዕ፡ ብፖለቲካ ተኣሲሩ ካብ መርዓ ዝተጓናደበ ህርኩት መንእሰይ ስለ ዝነበረ ድማ ንቡር ብምፍታኑ ፈታዊኡ ዘበለ ተሓጐሰ።
ክልቲኦም ሰብ ሓዳር፡ “መዓሾ ሓወይ ዝማም ሓውተይ” እናተባሃሃሉ ንዝኾነ ሰብ ዘቕንእ ሓዳር መሰረቱ። ዓለም ዘርያቶም ግን ንነዊሕ ከስተማቕሩዎ ዕድል ኣይረኸቡን። ጥንሲ ዝማም ሻሙናይ ወርሒ ምስ ሓዘ፡ ዘይሓልፈላ ጭሩስ መስከረም ትዓውር ከም ዝብሃል፡ ብሰላም ሓሪሳ ክትጥመቕ እናተጸበየት ከላ፡ እቲ ኣብ ዓለም እትኣምኖን እተፍቅሮን እንኮ ሰብ ኣብዚኣ ነጠበ ከይተባህለ ተሸርበ። ዝማም ብጥንስታ ገፈፍ እናበለት ፈቐዶ እንዳ ፖሊስ ዓንዘር ኢላ። ክረምቲ ምድሪ ዝናብ እናወቕዓ፡ ይእትዎ ነይሩ ናብ ዝብሃል ቦታታት ኰሊላ። መዓሾ ግን ከውሒ ዝረገጸ ኣሰር የብሉ፡ ማይ ዝሰተየ ጨና የብሉ ኮይኑዋ። ቅንይ ኢላ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ፡ ምስ ካልኣዩ ናይ ፖለቲካ ጥርጡር ናብ ሱዳን ሰጊሩ. . . ዝብል ተዋቓዒ ወረ ሰምዐት። በጋጣሚ ኣብ እዝና ኣይበጽሐን’ምበር ከሰላ ከይኣተወ ኣብ ሓፊር ዝብሃል ቦታ ምስ ካልኣዩ ብዓሶ ሞይቱ ዝብል ተባራሪ ወረ’ውን ተናፊሱ ነይሩ።
ዝማም፡ ብሰንኪ መዓሾ ምስዋሩ ዝሰዓበ ጓሂ ከይኣኽላ፡ ጥዕና ምስኣን ተደሪቡዋ ገጻ ከሰል መሲሉ፡ ንረኣይኣ ተሕዝን ፍጥረት ኮነት። ንወርሒ ዝኣክል ዝደንገጻላ ጐረባብቲ ኣለይመለይ እናበላኣ ሓሊፋቶ። ኵነታታ እናበኣሰ ምስ ከደ ግን ናብታ እንኮ ክትረድኣኒ ትኽእል’ያ ዝበለታ ሶር ካተሪና ክትብገስ ግድን ኮና። ሓንቲ ካብ ጐረባብታ ኣሰንያታ ድማ ቍልቍለት ሰኒታ ብምውራድ ክሳብ ሓወልቲ እቴገ መነን ሰለይ በለት። ብድኻም ተሰኒፋ ኣብ ሓደ ኵርናዕ ቍሩብ ድሕሪ ምዕራፍ፡ ስና ነኺሳ ገፈፈ እናበለት ሶር ካተሪና ኣብ ዝነበረቶ ቦታ በጽሐት።
እታ ለዋህ ድንግል ነቲ ጸማልያ ስብነታን ብግንባራ ኰረር ዝበለ ርሃጽን ርእያ፡ “ፖቨረታ ዝማም!” ኢላ ቍሩብ ከም ተዕርፍ ድሕሪ ምግባር፡ ናብ ሆስፒታል ሒዛታ ብምኻድ ኣድላዪ መርመራ ከም ዝፍጸመላ ገበረት። ብሓኪም ዝተኣዘዘላ ቪታሚናትን ኣብ ኢዳ ዝጸንሐ ቍሩብ ገንዘብን ሂባ ድማ ብታክሲ ኣፋነወታ።
ጾመ ፍልሰታ ተወዲኡ በዓለ ማርያም ድሕሪ ምሕላፉ፡ ኣብ ካልኣይ ሰሙኑ ዝማም ፈጺማ ተኻኢላ ኣብ ዓራት ተደርበየት። ዝኣልያኣ ዝነበራ ጐረባብቲ ንርእሰን በተኻት ስለ ዝነበራ ዝገብራላ ጨነቐን። ኣብ መወዳእታ፡ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከም ዘሎ ዘስተውዓለት ዝያዳ ትቐርባ ዝነበረት ሰብ ብታክሲ ናብ ኮምቦኒ ወሰደታ። እታ ለዋህ ድንግል ተቐላጢፋ ናብ ሆስፒታል ክፍሊ መወልዳን ሒዛታ ከደት። ዝማም ብዝተገብረላ ቅልጡፍ ረዲአት ጥዕናኣ ብመጠኑ’ኳ እንተ ተመሓየሸ፡ ተሃስያ ስለ ዝጸንሐት ግን ኵነታት ብዙሕ ተስፋ ዝህብ ኣይነበረን። ናይ ኣጋታሚ ነገር ኮይኑ ኣብ ሳልስቱ ናይ ኣጋ ምሸት፡ ማሪያ ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ ኣብታ ዝማም ደቂሳትላ ዝነበረት ክፍሊ ኣተወት። ምስ ዝነበረቶ ኵነታት ህላዌ ዝማም ኣይፈለጠትን። እንተ ትፈልጥ’ውን ኣመና ተቐዪማታ ስለ ዝነበረት ብዙሕ ኣይምተገደስትላን ነይራ።
ሓኪም፡ ዝማም ምስ ዘለዋ ድኻም ብንቡር ክትሓርስ ከም ዘይትኽእል ተረዲኡ ንጽባሒቱ መጥባሕቲ ክገብረላ ወሰነ። ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ግን ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን ናይ ለይቲ ብሰላም ተገላገለት። በዓልቲ ተራ ዝነበረት ምኵርቲ ነርስ ኣስካሉ፡ ነታ ድኹም ትንፋስ ዝነበራ ዝማም እንታይ ከም ትገብረላ እናሓሰበት ከላ፡ ብሸነኽ ጸግዒ ናይ ዝነበረት ማሪያ ድምጺ ሰሚዓ ንዝማም ሓዲጋታ ናብኣ ሰጐመት። ቍሊሕ እንተበለት ድሮ ሕርሲ ከም ዝጀመራ ፈለጠት። ንዝማም ረሲዓ መሳርሒኣ ብምቕራብ ድማ ርብዒ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ብቐሊል ገላገለታ። ብኸምዚ፡ ነታ ብመጥባሕቲ ክትሓርስ ዝተሓስበት ዝማምን ንመሓዛኣ ማሪያን ብሰላም ስለ ዝገላገለተን፡ ሓበን እናተሰምዓ ክትድቅስ ናብ መዕረፊ ክፍሊ እናተበገሰት ከላ ዘይንቡር ድምጺ ሰሚዓ ገጻ ገልበጠት። ንዝማም ትልኽ ክትብል ስለ ዝረኣየታ ጕድለታ እናተረድኣ ናብኣ ቀረበት። ዝማም ግን ካብቲ ሓሳርን መከራን ዝመልኦ ህይወታ ንዘልኣለም ተገላጊላ ጸንሓታ።
መሬት ወጊሑ ሓኪም መጥባሕቲ ከካይድ ኣብ ምዱብ ሰዓቱ ምስ መጽአ፡ ኣስካሉ ነቲ ዘሕዝን ጸብጻብ ኣቐበለቶ። ናብ ዝማም ቀሪቡ ኣድላዪ መርመራ ድሕሪ ምፍጻም ከኣ ናይ ሞት ምስክርነት ኣዳለወ። ቀጺሉ ለይቲ ናይ ዝተወልዱ ዕሸላት ጸብጻብ መዝገበ። ሶር ካተሪና ብኵነታት ዝማም ክትሻቐል ሓዲራ ድሕሪ ቅዳሴ ደሃያ ክትፈልጥ ኣንጊሃ ደበኽ በለት። ብማዕዶ ኣብ ጐድኒ ዓራት ዝማም ብድሮኡ ዘይነበረ ዓራት ቈልዓ ምስ ረኣየት ገጻ ብሓጐስ በርሀ። ናብ ዝማም ገጻ ቍሊሕ ምስ በለት ግን ዘይንቡር ኵነታት ተዓዘበት። ነፍሳ ነጊሩዋ ርእሳ ኣድኒና ዝን ኢላ ከላ፡ ኣስካሉ ናብኣ ቅርብ ኢላ ነቲ መርድእ ኣስምዓታ።
. . . . . . . . . . . ይቕጽል
መበል 14 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 1 ጥቅምቲ