ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 114 ክፋል
ሽዑ ለይቲ ሃሩር ካብ ዝቐነዮ ብመጠኑ ዝሓሸ ነይሩ። ሮዛ ኣብ ዓራት ድሕሪ ምድያብ፡ ካብ መቐነታ ንታሕቲ ኣንሶላ ተሸፊና ሬጂበቶኣ እናፈትሐት ናብ ሰለሙን ብምጥማት፡ “ነዛ ጓልመምህርስ እንታይ እንተ ዓደግኩላ ይሓይሽ ትብል ሰሌ? እዚ ዅሉ ከም ኣሕዋት ብሓደ ቀኒናስ ገለ መዘከርታ ዝኸውን ሓደ ነገር ከይሓደግኩላ ከመይ ኢለ እየ ክኸይድ?” ኢላ ርእይቶኡ ተጸበየት። መልሲ ምስ ደንጐያ፡ “ተዛረብባ! እንታይ ክዕድገላ ይሓይሽ?” ኢላ ሕቶኣ ደገመትሉ።
“እንታይ ከም ዝሓይሽ’ንድየ ክሓስብ ጸኒሐ። ንዓኺ ደስ ይብለኪ’ምበር ንሳ’ኳ ከምኡታት የብላን፡” ድሕሪ ምባል ቍሩብ ሕስብ ኣቢሉ፡ “ኣነ’ኳ ረጂን ሙታንታን እንተ ትዕድግላ ይሓይሽ ምበልኩ። ገንዘብ ዘይውሕደኪ እንተኾይኑ ኸኣ ሓንቲ ክሽዅ ትውስኽላ፡” በላ ናብተን ምሉኣት ኣጡባታ እናጠመተ።
“በል ኣዘክረኒ ጽባሕ ቅድሚ ምብጋሰ ክገዝኣላ፡ መስኪነይቲ።”
“እሞ ከምኡ ካብ ሓሰብኪ ካብዚ ጥቓና ዘሎ ድኳን ዓድግላ፡ ኣብ ዋጋ ካብ ካልኦት ንሱ ይሓይሽ፡” በላ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እንታይ ኮይና ኢልኪ ኢኺ ደኣ መስኪነይቲ ዝበልክያኸ?” ክብል ሓተታ።
“ደሓን’ዩ ሰሌ፡ ካብ እመት ስድሪ ኣላታ ተባሂሉ እዩ’ኮ። ተጋዳሊት ስለ ዘይኮንኩ ዲኻ ምስጢር ተሓሲቡ ሓቢእካለይ ቀኒኻ?” በለቶ ብዓይና እናገንሐቶ።
ብዘረባኣ እናተገረመ፡ “እንታይ እዩ’ቲ ዝሓብኣልክን ዘይሓብኣልክን? ዘረባኺ ክርድኣኒ ኣይከኣለን፡” ክብል መለሰላ ከውጽኦ ዝጸንሐ ካብ ኣስመራ ዝተማልኣትሉ ካምቻ ኣብ ልዕሊ ኵርሲ እናኣቐመጠ።
“ሰብኣያ ስውእ ምዃኑ’ምበር፡ ካልእ እንታይ ኣሎ?”
“ነጊራትኪ ድያ?” ክብል ሓተታ፡ ከመይ ኢላ ከም ዝፈለጠት እናገረሞ።
ጓልመምህር ከም ዝነብዐት ክትገልጸሉ ስለ ዘይደለየት፡ “ኦ. . ይ! ንሳ ግዳ ከመይላ’ያ ትነግረኒ? ሓደ’ንድዩ መጽሓፍኩም፡” በለቶ ብጎቦ ዓይና እናጠመተቶ።
“ብኸመይ ደኣ ክትፈልጢ ክኢልኪ?” ኢሉ ብሕቶ ምስ ኣዋጠራ፡ ድሕሪ ምሳሕ መጺኦም ዝነበሩ ተጋደልቲ ከዕልሉ በጋጣሚ ከም ዝሰምዓቶም ገለጸትሉ።
“እሞ ሕጂ እንታይ ኢኺ ደሊኺ? ሰብኣያ ከም ዝተሰውአ ከም ዓቢ ቁም ነገር ሓሲበ ዘተዕለልኩኺ ዲኺ ሕማቕ ተሰሚዑኪ?”
“እንታይ ሳዕቤን ስለ ዘለዎ እዩ’ኸ ዘይሓበርካኒ?”
“ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንስድራቤት ተጋደልቲ የርድኡን ደበስ ይህቡን ነይሮም’ዩ ዝበሃል። ኣብ ህግሓኤ ግን መስዋእቲ ተጋደልቲ ንወለዲ ምንጋር ከም ልምዲ ክስርሓሉ ኣይጸንሐን። ኣነ ግን ሳዕቤን ከይህልዎ ኢለ ኣይኮንኩን ካባኺ ሰቲረዮ። በጋጣሚ ስለ ዘይተላዕለ ኣይተገደስኩሉን። ንሓደ ንቡር ነገርከ ከመይ’ለ ዓቢ ግምት ክህቦ ትሓስቢ?” ኢሉ ቴፕ ክውልዕ ናስትሮታት ክገላብጥ ጀመረ።
“በል ደሓን ሕጂ ኣዕልለኒ። ዓንተቦ ብዛዕባ ደቃ ክተዕልለኒ ምስ ጀመረት ከም ገለ ኢልና ኣብ ካልእ ኣርእስቲ ኣቲና ኣይቀጸለትለይን።”
“ሰብኣያ ካብ ዝስዋእ ሻዱሻይ ዓመቱ’ዩ፡” ኢሉ ቴፕ ወሊዑ ኣብ ዓራት ደየበ። ዓባይ ቴፕ፡ “ጸዊዐኪ ነይረ ኣይሰማዕክንን ዓንተቦ፡ ኣንቲ ጽላል ኣውሊዕ ጽላል ዓባይ ዳዕሮ. . .” ክትብል ድምጻ ፈነወት።
“እሞ ካልእና ከይነዕልል ብዛዕባ ጓልመምህር ከዕልለኪ ዲኺ መሪጽኪ?” በላ ኢዱ ኣብ ዝባና እናዕረፈ። ገጻ በሪሁ ብእወታ ምስ መለሰትሉ፡ “ገለ ካብኡ ባዕላ ዘዕለለትኒ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ካብ ሰብ ዝሰማዕኩዎ እዩ። ምስ በዓልቤታ ኣብ ደቀምሓረ’ዮም ተራኺቦም። ንሱ ነርስ ንሳ ተመሃሪት ከላ ሓደ ቤተሰብ ሓሚሙ ምስ ኣደኣ ክትበጽሕ ንሆስፒታል ኣብ ዝኸደትሉ መዓልቲ ንመጀመርያ ግዜ ተረኣእዮም። ክሓጽረልና ግን ኣብ ፍቕሮም ዝነበረ መስርሕ ገዲፍና ናብቲ ቁምነገር ንስገር። ድሕሪ መርዓ ኣይደንጐዩን ኣብ ሰብዓን ሰለስተን ምዃኑ’ዩ ሓደ ቈልዓ ይወልዱ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ከኣ ጓል ደጊሞም። ካብ ሰብዓን ሰለሰተን ክሳብ ሰብዓን ሓሙሽተን፡ ንሱ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ብንጥፈት ዝዋሳእ ውዱብ ስለ ዝነበረ ካብ ዋህዮኦም ሓደ ሰብ ምስ ተኣስረ ክስለፍ ግድነት ኮይኑ።
“ጓልመምህር፡ ምስ ስድራኣ ተጠርኒፋ ደቃ ክተዕቢ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ግዜ ስትራተጂያዊ ምዝላቕ ከም ሰባ ንመደበር ዕቝባት መጺኣ። ደቀምሓረ ሓራ ከላ ኣብቲ ኣጋ መወዳእታ ምስ በዓልቤታ ተራኺቦም ስለ ዝነበሩ፡ ንሜዳ ድቂ ሒዛ’ያ ተበጊሳ። ብሰንኪ ጽዑቕ ወራራት ጸላኢ መደበር ዕቝባት ካብ ደብዓት ንጀልሃንቲ ክግዕዝ ከሎ ብጽሕቲ ወርሒ ስለ ዝነበረት፡ ጀልሃንቲ እትው ምስ በለት ንጽባሒቱ ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ። ብሰንኪ ኣብቲ ጽንኩር ጕዕዞ ዘጋጠማ ሓፍ ዞቝ ግዲ ኾይኑ ግን እቲ ናጽላ ኣብ ማህጸና ስለ ዝሞተ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ። ሽዑ መጥባሕቲ ክትገብር ብተኣምር ዘይሕሰብ’ዩ ነይሩ። ብዝኾነ ግን እቶም ሽዑ ዝነበሩ ሓካይም ብርቱዕ ጻዕሪ ኣካይዶም ህይወታ ንስክላ ኣትሪፎማ።
“በዓልቤታ መደቡ ኣብ ሕክምና ስለ ዝነበረ፡ እንተ ወሓደ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ክበጽሓ ጸገም ኣይነበሮን። ዳርጋ ብሓደ’ዮም ነይሮም ክብሃል ይከኣል። ቀቅድሚ ሻዱሻይ ወራር ድማ ንቤትትምህርቲ ካድር ክትብገስ ኢኻ ስለ ዝተባህለ ምስ ደቁ ቀንዩ። ዕድል ኣይጸበቐን ኣብታ ዙርያ’ቲኣ ዝነበሩ ካድራት ትምህርቶም ከይወድኡ ምስ ከተቱ፡ ኣብ ወርሒ ኣርባዕተ ሰማንያን ክልተን ተሰዊኡ። መስዋእቱ ክትጻወሮ ስለ ዘይከኣለት ጽቡቕ ኣይሃባን። ልዕሊ ዅሉ ግን ናይ ደቃ ነገር ድቃስ ከሊኡዋ። ምኽንያቱ ቀጻሊ ይርእዮም ስለ ዝነበረ ክርስዑዎ ኣይከኣሉን። ብዛዕባ ኣቦኦም ክሓቱዋ ከለዉ ትምልሰሎም ስለ ዝጠፍኣ፡ “ድሕሪ መስመር ኣሎ፡” ዝብል መልሲ እናሃበት መስዋእቲ ኣቦኦም ንዓመታት ሓቢኣትሎም ድሕሪ ምጽናሕ ግን ቀቅድሚ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ምኻኑ እዩ ክትገልጸሎም ወሲና። ድሕሪኡ ብዙሕ ኣይደንጐየትን ንታዕሊም ወሪዳ።
“ድሕሪ ታዕሊም፡ ምስቲ ዝነበራ ተሞክሮ ተዛሚዱ ኣብ ኮሚሽን ምስናዕ እንዳ ስፌት ተመዲባ። ኣብ መደበር ስለሙና ከላ ኢደ ጥበብን ስፌት ክዳንን ትምህር ስለ ዝነበረት ከኣ ብመንገዲ ሃማደኤ ተጠሊባ ኣብ ኣቑርደት ንዘለዋ ደቂኣንስትዮ ተመሳሳሊ ትምህርቲ ክትህብ ምሳይ ተበጊሳ፡” ኢሉ ቍሩብ ዝን ድሕሪ ምባል፡ “ረሲዐልኪ’ባ ነይረ። ሰብኣያ ምስ ተሰውአ ኣብ ዓመቱ ብዙሓት ኣብ ሕብረተ ሰብን ኣብ ሰውራን ዝፈልጡዋን ወረኣ ዝነበሮምን ሓለፍትን ተራን፡ ካብ ደጀን ይኹን ካብ ድፋዕ ዝመጽኡ ብጾት ንመርዓ ክሓቱዋ ጀሚሮም። ርግቢት ምዃን ግዲ መሪጻ ንኹላቶም ‘ኣይፋለይን’ ዝብል መልሲ ሂባ ኣቕቢጻቶም፡” ብምባል ብዛዕባ ጓልመምህር ዝጀመሮ ዕላል ዛዘመ።
ሮዛ ቀዚዛ ክትሰምዖ ጸኒሓ ፍሕትሕት ድሕሪ ምባል፡ “ኣብ መርዓ መጺእካ’ኳ ምስኣ’ለኹ። ድሕሪ በዅሪ ፍቕርኻን ኣቦ ደቅኻን እንታይ ዝዓብስ መርዓ’ዩ? ብወገነይ ተሓጺብካ ኣብ ጭቃ’የ ዝብሎ፡” በለቶ ገጻ ኣሲራ።
“እሞ ትጋገዪ ኣለኺ። ቀዳማይ ነገር ምስ ዝሞተ ሰብ ኣይትመውትን ኢኻ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ድሕሪ ሞት ሔማኻ ምምርዓው ብባህሊ ሕብረተሰብና ይኹን ብመጽሓፍ ቅዱስ ድጉፍ’ዩ። ርግጽ’ዩ ሓዘንካ ክሳብ ትርስዕ ቍሩብ ክትጸንሕ ንቡር’ዩ። በዚ ትብልዮ ዘለኺ መሰረት ግን ዝኾነት ሰብኣያ ዝሞታ ሰበይቲ ትንኣስ ትዕበ ክትምንኩስ ኣለዋ ማለት’ዩ። እዚ ኸኣ ግብራዊ ኣይኮነን።”
“መቸም ኣነ፡ ኣይበሎ’ምበር ሰብኣየይ ተፈልዩኒ ይትረፍ ክምርዖ፡ ክሳዕ ዝመውት ገጽ ሰብኣይ ኣይምረኣኹን።”
“ብድሕሪ ሰብኣይኪ ስለ ዝተመርዓኺ’ኮ ትጠልምዮ ኣለኺ ማለት’ኮ ኣይኮነን። ካልእ ክትፈልጥዮ ዘለኪ ነገር ፍቕሪ ባህርያዊ’ዩ። ከም ዊንታኻ ትዓጽዎ ወይ ትኸፍቶ ማዕጾ ኣይኮነን። ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ዓለም ሰብኡተን ምስ ሞቱወን ብዝመነና ኢታያት ምተመልአት ነይራ፡” ኢሉ ክምስ በለ።
“ንስኻ ብኸመይ ከም ትርድኦ እንድዒ፡ ኣነ ግን ብድሕረኻ ከፍቅር ዝኽእል ኣይመስለንን። ሕራይ’ስኪ ንስኻ ብድሕረይ እንታይ ምገበርካ?”
“ኣነ’ኳ ንዅሉ ኵነታት’ዩ ዝውስነካ እየ ዝብል። ሕራይ ምመንኰስኩ ክብለኪ ኣይክእልን። ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ፡ ደቀይ ብሰይተ’ቦ መታን ከይዓብዩ ኣይምተመርዓኹን እየ ዝብለኪ። ብዛዕባ መፍቀርካዶ ኣይመፍቀርካን ዝብል ሕቶ ግን ካብ ቍጽጽረይ ወጻኢ ስለ ዝኾነ፡ ብእወታ ወይ ብኣሉታ ክምልሰልኪ ቍሩብ ይኸብደኒ። ምኽንያቱ ኣቐዲመ ከም ዝበልኩኺ ፍቕሪ ናይ ኣጋጣሚ ሕቶ’ዩ። ከፍቅር’የ ኢልካ ኣይተፍቅርን ኢኻ፡ ኣየፍቅርን’የ ኢልካ’ውን ትም ኣይትብልን ኢኻ። ፍቕሪ ኸኣ ሓንሳብ ምስ ተወልደ ከም ሓንቲ ተኽሊ ሱር እናሰደደን እናደልደለን’ዩ ዝኸይድ። ርሑቕ ከይከድኪ ቅድሚ ምሳኺ ምርኻበይ ኣፍቂረ ኣይፈልጥን፡ ከፍቅር’ውን መደብ ኣይነበረንን ክብለኪ እደፍር። ካብዚ ኣብነት’ዚ ፍቕሪ ብውጥን ወይ ብመደብ ዘይምራሕ፡ ናቱ ሕግታት ዘለዎ ባህርያዊ ተርእዮ ከም ዝኾነ ክንርዳእ ንኽእል። ኣብ ነጥብኺ ክምለስ ግን ምናልባሽ ብድሕረኺ ከፍቅር እንተኾይነ እንታይ ምገበርኩ ይመስለኪ፡ ኣቐዲመ ነታ ዘፍቀርኩዋ ሰብ፡ ብጥበብ ደቀይ ከም ዝላለዩዋን ከም ዝፈትውዋን ምገበርኩ። ንዓኣ’ውን በንጻሩ። ንሳቶም ኣጸቢቖም ምስ ተለማመዱ ድማ ቀስ ብቐስ ኣብ ኣተሓሳስባኦም ዝኾነ ረጽሚ ከይፈጠርኩ ምተመርዓኹዋ ነይረ ምበልኩ።”
“እዚ ትብሎ ዘለኻ ነገር ካብ ክትፍጽሞ ክትዛረቦ ይቐልል። ምኽንያቱ ልብኻ ሓንሳብ ምስ ነፈረ ካልኣይ ግዜ ክተፍቅር ዘይሕሰብ’ዩ። ልክዕ ከምቲ ሓንሳብ ሓዊ ዝሃረሞ እኽሊ ተዘሪኡ ክበቍል ዘይክእል፡ ፍቕሪ ተሓሪሙዋ ወይ ተዀሊፋ ብጓሂ ዝሓረረት ልቢ ድማ ሳዕሪ ከብቁል ከም ዘይክእል ምድረበዳ፡ ዳግም ፍቕሪ ክተእንግድ ዘበት’ዩ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ።”
“ኣይምስልኪ! እቲ ጕዳይ ኣኽቢድኪ ኣይትርኣይዮ። ወዲሰብ ድኹም Fትረት’ዩ ሓያል’ዩ ከኣ። ስለዝኾነ፡ ኣብ ህይወቱ ንኽትኣምኖም ዘሸግሩ፡ ኣዝዮም ዘጒህዩ ፍጻሜታት እንተጋጠሙዎ ከይተረፈ ተጻዊሩዎም’ዩ ዝኸይድ። ኮቲ ንዝኾነ ሓድሽ ወይ ፍሉይ ኵነታት ናይ ምርዓም ክእለት ኣለዎ።”
“ምርዓም እንታይ ማለት’ዩ፡”
“ማለተይ ኣእምሮ ወዲሰብ፡ ምስ ዘጋጠመ ሓዲሽ ኵነታት ወይ ተርእዮ ኣብ ውሽጡ ናይ ምትዕርራይ መስርሕ ክገብር ዓቕሚ’ለዎ። በጻብዕ ዝቝጸሩ ሰባት’ዮም ንዘጋጥሞም ፍሉይ ኵነታት ምጽዋር ስኢኖም ኣብ ረጽሚ ዝኣትዉ። ከም ሳዕቤን ከኣ ዝበዝሑ ካብኣቶም ናይ ሓንጐል ምዝንባል የጋጥሞም። ከም ኣብነት፡ እዞም ሓንቲ ዘፍቅራ ጓል ምስ ጠለመቶ ተጸሊሉ ተባሂሎም ዝዝረበሎም ሰባት ገለ ካብኣቶም’ዮም። ኣብ እንተ ንዛረብ ኣለና’ምበር እቲ ጕዳይ ክሳብ ክንድኡ ዝጋነን ኣይኮነን። ሕጂ ድማ ብጓልመምህር’ንድዩ ተላዒሉ’ቲ ኣርእስቲ፡ እንታይ ከም ትብሊ ክፈልጥ ኢለ እየ’ምበር ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ሓደ ማዩ ስትይ ዘበለ ብጻይ ተዛሚዳ’ላ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ነቲ ነገር ግዜ ክትህቦ’ያ መሪጻ። ደሓር ከኣ ደቃ ንኣሽቱ ስለ ዝነበሩ ጸገም ኮይኖማ ነይሮም። እምበር ክትምንኵስ ወዲኣቶ ነይራ ማለት ኣይኮነን። ሕጂ ምናልባሽ ኵነታት እንተ’ፍቂዱ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ይምርዓዉ ይኾኑ ዝብል ግምት’ዩ ዘሎኒ።”
ሮዛ ነዚ ዘረባ’ዚ ምስ ሰምዐት፡ “ሰሌ ሓወይ ሓቅኻ ዲኻ?” ኢላ ርእሳ ኣቕንዐት። ኣብ ገጻ ናይ ሓጐስን ብሩህ ተስፋን ምልክት ይርአ ነበረ። እቲ ክትብሎ ዝጸንሐት ዘረባን ስምዒታን ተጋራጫዊ ኮይኑዎ፡ “ጽቡቕዶ ሓሲባ?” ክብል ሓተታ ናስትሮ ክግልብጥ ኢዱ ናብ ቴፕ እናሰደደ።
“እንታይ ደኣ፡ እንቋዕ ፈጠረላ’ወ።”
“ሕጂ ናብቲ ክብሎ ዝጸናሕኩ መጺእኪ። ኣፍኪ ዝሃበኪ ኢኺ ትዛረቢ ጸኒሕኪ’ምበር ሕልናኺ በንጻሩ’ዩ ዝምጕት ነይሩ ማለት’ዩ። እዚ ኸኣ ልቢ ወዲሰብ፡ ንፍቕሪ ኵሉ ግዜ ክፉት ማዕጾ ዘለዎ ርሒብ ኣዳራሽ ምዃኑ’ዩ ዘረድኣና። ኣብ ጽልኢ መጺእካ ግን ኣዝዩ ከም ዝጸብብ ፍለጢ።”
ሮዛ ብጽሞና ክትሰምዖ ጸኒሓ፡ “ጽቡቕ ኣለኻ። ነቲ ነገር ብናይ ሕጂ ኵነታተይ ስለ ዝገምገምኩዎ እየ’ምበር ግዜ ዘይቅይሮ ነገር የሎን። ግን ወላ ከምኡ ይኹን፡ ነዚ ሕጂ ትምርዓዎ ዘላ ሰብ ማዕረ ሔማኣ ክተፍቅሮ ትኽእል’ያ ዝብል ግምት የብለይን፡ ምኽንያቱ ንሱ ኣብ ልባ ፍሉይ ቦታ ዘለዎ ቦዅሪ ፍቕራ’ዩ።”
“ከየፍቀረቶ ክትምርዓዎ ከም ዘይትኽእል መቸም ፍሉጥ’ዩ። ፍቕሪ እንተ’ልዩ ኸኣ ኵሉ ነገር ተወዲኡ ማለት’ዩ። ፍቕሪ ግን ከም ሓደ ግዙፍ ነገር ፍሉጥ መዕቀኒ የብሉን። ሓንሳብ ልቢ ንልቢ እንተ ተራኺቦም፡ ዕምቈት ናይ ፍቕሮም ባዕላቶም’ዮም ዝፈልጡዎ። ሳልሳይ ኣካል ክፈርዶ ወይ ክግምግሞ ዓቕሚ የብሉን። ኣብ መርዓኦም ዝተዓደመ ሰብ ድማ ርሑስ ጋማ ይግበረልኩም ኢሉ መሪቑ ካብ ምኻድ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ሚዛን ናይ ፍቕሮም ክፈልጥ ኣይክእልን’ዩ ስርሑ’ውን ኣይኮነን። ኣብ ዓለም ዝድለ ኸኣ ብፍቕሪ ጸኒዕካን ተሳኒኻን ምንባርዶ ኣይኮነን? ተረዳዲእናዶ?” ኢሉ ጠመታ።
“ተረዳዲእና’ለና፡” ኢላ ሰዓታ ድሕሪ ምጥማት፡ “ንዓይ ኣፋነኻ ኣብዚ ዓዲ ክትቅኒ ዲኻ ንሳሕል ኢኻ ክትከይድ?” በለቶ ሓዲሽ ኣርእስቲ ብምልዓል።
“እንተጸናሕኩ ሰሙን’የ።”
“ዓለም ስቓይ’ያ ሰሌ፡ ሕጂ ኸኣ መዓስ ከም ንራኸብ ዘይንፈልጥ ክንፈላለ ኢና ማለት’ድዩ?” ኢላ ኣብ ትዝታ ከም ዝኣተወ ሰብ ዝን በለት።
“ኣብ ዝግብ መጺእኪ ከለኺ፡ ቃልስና ነዊሕ’ዩ እንተ በልኩኺ ምቕባል ኣቢኽኒ ኔርኪ። ሕጂ ግን ዝተረድኣኪ ትመስሊ’ለኺ፡” በላ ብኽምስታ።
“ክላ! ሽዑ ደኣ እንታይ ዝፈልጦ ነገር ነይሩኒ። ድሕሪኡ ግን ብዙሕ ፈሊጠን። እቲ ዘሕጕስ ነገር ከኣ ሕጂ ሩስያ ንባዕላ ኣብ ዘይተኣደነ ሽግር ምስ ወደቐት ንደርግ ትጠልሞ ስለ ዘላ፡ ካብ ሱሩ ነቀይ ነቀይ ይብል ምህላዉ እዩ።
“መቸም እቲ ኵነታት ናይ ሽዑን ሕጅን ብዙሕ ፍልልይ ኣለዎ’የ ዝብል። ሕጂ እቲ ቃልሲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ፡ ደርግ ድማ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ተነጺሉሉ ዘሎ እዋን’ዩ። ኮቲ ከም ድላዩ ክዕንድር ዕድል የብሉን። ኮቲ ቃልስና ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከም ዝዕወት’ዩ ዝርድኣኒ።”
“ሎሚ ኣቕሲንካኒ ሰሌ። ካብ ተጋደልቲ ዓወትና ቀሪቡ’ዩ ዝብል ዘረባ ክትሰምዕ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። እዚ ኸኣ ጽቡቕ ፋል’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓጺር ከርተት ኣይበለን። ስለዚ፡ ኣምላኽ ከርህወሉ ትጽቢት ኩላትና እዩ።”
“ክትፈልጥዮ ዘለኪ፡ ተጋደልቲ ደስ ከም ዝበሎም ዘይኮነ፡ ካብ ህሉው ኵነታት ተበጊሶም’ዮም ዝዛረቡ ወይ ዝትንትኑ። እዚ ክብለኪ ከለኹ ድማ በብዝመሰለካ ምልፍላፍ ዘይኮነ፡ ካብ ወግዓዊ ውድባዊ መግለጺ ብዘይወጽእ ኣገባብ ማለት’ዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ድምጺ ሓፋሽ ወግሐ ጸብሐ እንታይ ድያ ትብል ዘላ? ኣይትሰምዕያን ዲኺ?” ዝብል ሕቶ ኣስዓበላ።
“ድምጺ ሓፋሽ ዘይሰማዕኩ ደኣ እንታይ ክሰምዕ? ቈልዑ ከይተስኡ ከለዉ ኣብ ሳሎን ኮይነ’የ ዝሰምዓ።”
“በሊ ሕጂ ጽባሕ ነዊሕ መንገዲ ስለ ዘለኪ እንተደ ቀስና ይሓይሽ። ደሓር ከኣ ወላ ንእሙናት እትብልዮም ሰባት ኣዝማድ ይኹን መሓዙት፡ ‘ኣቑርደት በጺሐ መጺአ’ ዝብል ዘረባ ከይመልቈኪ ምጥንቃቕ ኣገዳሲ እዩ።”
“ጽቡቕ ኣለኻ። ተረዲኡኒ’ሎ፡” ኢላ ኣምባሃቘት።
ሰዓቱ ርእዩ፡ “ትኽስ ኢልኪ ዲኺ?” በላ።
“ዕላልካ ስሒቡኒ’ምበር ደኺመ ግዲ ውዒለ ኣዒንተይ ምኽፋት ስኢነየን እየ ጸኒሐ፡” ኢላ ኣብ ሕቝፎኡ ኣተወት። ቍሩብ ፍሕትሕት ድሕሪ ምባል፡ ምስቲ ከዕልሉዎ ዘምሰዩ ኣርእስቲ ሓደ ሕቶ ብልጭ ኢሉዋ ሃንደበት፡ “ሰሌ” በለቶ።
“እሂ ሮዛ፡ ንደቅስ’ባ!” በላ። እዋን መስዩ ስለ ዝነበረ ከይደቀሱ ኸኣ ስለ ዝወዓሉ ከዕርፉ እዩ መሪጹ ነይሩ። ትብሎ ክሰምዕ ግን ኣይጸልአን።
“ከም ካልእ ነገር ከይትሓሰባ’ምበር ተፍቅደለይ እንተዄንካ ሓንቲ ናይ መወዳእታ ሕቶዶ ክሓተካ?” ኢላ ሰሓቐት።
“ንስኺ’ኮ ሰባብ ኢኺ። ሕጂ’ኸ እንታይ ክተምጽኢ ደሊኺ? መስዩ’ኮ እዩ። ንደቅስ’ባ!” በላ እናሰሓቐ።
“ምስዚ ክነዕልሎ ዘምሰና ሓደ ነገር ትዝ ኢሉኒ። ናተይ’ኳ ቅድሚ ሕጂ ነጊፈ ኣዕሊለካ’የ። ንስኻ ግን ኣብ ህይወትካ ዘጋጠመካ ንፍቕሪ ዝምልከት ነገር ኣዕሊልካኒ ኣይትፈልጥን ኢኻ። በጃኻ ኣዕልለኒ ሰሌ ሓወይ፡” በለቶ ስክፍታ ብዝተሓወሶ ስምዒትን ኣዒንታ ሰለምለም እናበለትን።
ቅድሚኡ ሓቲታቶ ዘይትፈልጥ ነገር ኣብ ሽዑ በጺሓ ምሕታታ ገረሞ። ዓመታት ይገብር ካብ ሃብቶም ዓርኩ ዝሰነቓ፡ “ንሰበይትኻ፡ ብጀካኣ ካልእ ሰበይቲ ተንኪፍካ ከም ትፈልጥ ክትነግራ የብልካን፡” ትብል ምኽሪ ኣብ ሓንጐሉ ደወለት። እቲ ለበዋ ግን ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ወላ ምስ ካልእ ጓልኣንስተይቲ ተሓቛቝፍካ ክትከይድ እንተ ረኣየትካ ከይተረፈ ኣሉ ኢኻ ክትብላ ዘለካ፡” ዝብል ተደራቢ ምኽሪ ነይሩዎ። ሰለሙን፡ ነቲ ዘረባ ሞት እንተኾነ ኣይመበገሶን ነይሩ። ሮዛ ካብ ኣልዓለቶ ግን ተኣፋፊ ነገር’ውን ስለ ዘይነበሮ፡ ነዊሕ ከኣ ስለ ዝገበረ ክገልጸላ ብምውሳን፡ “እቲ ሕቶ ግን ከመይ’ሉ መጺኡልኪ?” ክብል ሓተታ።
“ብጀካይ ካልእ ከም ዘየፍቀርካ ቀደም ነጊርካኒ ኢኻ፡ እኣምነካ እየ ኸኣ። ግን ከም ወዲተባዕታይ መጠን ብገለ ኣጋጣሚ ክትሓልፍ ግድነት ስለ ዝኾነ ሕጂ ክተዕልለኒ ደስ ኢሉኒ። ስኽፍ ክብለካ የብሉን ምኽንያቱ ዝኾነ ነገር ከም ዘይስምዓኒ ቃል እኣትወልካ’ለኹ፡” ክትብል መለሰትሉ። ምሉእ ምትእምማን ስለ ዝነበራ ምስ ትጽቢታ ዝጋጮ መልሲ ኣይተጸበየትን። “በሊ ትኽስ ከይትብሊ’ምበር ካብ በልኪ ኣሕጽር ኣቢለ ናይ ግዜ ቍልዕነተይ ዛንታ ከዕልለኪ እየ፡” ኢሉ መተርኣሱ ኣተዓራርዩ ዘረባ ምስ ጀመረ፡ ክሳዳ ኣቕኒዓ ብርኪ ኢዳ ተመርኵሳ ኣእዛና ጸለወት።
“ሻብዓይ ክፍሊ ክመሃር ከለኹ፡ ሓንቲ ኣስሊ ትብሃል ጓል ገዛውትና ነይራ። ሽዑ ጉብዝና ይጅምረኒ ነይሩ ግን ብጀካ ሕማም ናይ ኵዕሶ እግሪ ምጽዋት፡ ኣብ ፓራለል ምግልባጥ፡ ቺነማ ምርኣይ ካልእ ዝንባሌ ኣይነበረንን። እዛ ዝብለኪ ዘለኹ ጓል ብዕድመ ካባይ ብዓመት ትንእስ’ኳ እንተ ነበረት፡ ናይ ጓል ነገር ኮይኑ ቀዲማትኒ ጐቢዛ። ብሰብነት ዝመጽአ ጕልብትቲ ስለ ዝነበረት ድማ ምሳና ኣጒዶ ኣጒዶ፡ ሳልባቲ፡ ኳዅየ ኳዅ ትጻወት ከም ዘይነበረት፡ ፈረስ ኮይና ኩላትና ምድፋራ ክንስእን ጀሚርና። ናይ ቈልዑ ነገር ኮይኑ ከም ገለ ዘሰሓሕብ ነገር ክርከብ ከሎ፡ ብፍላይ ሃብቶም ዓርከይ ድቕቕ ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ “ኣንታ ርሙስ! ተጠንቀቕ፡ እንተ ዘየሎ ከልፍዓካ’የ፡” ትብሎ። ንሱ ድማ ካብ ጓል ፈሪሑ ከይብሃል ንማለቱ፡ “ንመን ኣደኺ? ገለ” ኢሉ ጥራይ ይምልሰላ።
“ብዝኾነ ናይ ቈልዓ ነገር ጠፊኡኪዶ፡ ከም ገለ ይጐናፈጡ ከም ብሓድሽ ረሲዖሞ ውራይ ጸወታኦም ይገብሩ። ኮቲ ኣብ ካልእ ዕግርግር ከይተባጽሑ እቲ ግዜ ብኸምኡ ይሓልፍ ነይሩ። ልክዕ ኣነ ንፖይንትፎር መርመራ ኣብ ዝገበርኩሉ እዋን፡ ጓል ጐርዞ ብምዃን ከክንዲ ኣራንቺ ዝኾና ኣጡባት ኣውጺኣ ካን ወደል ኮይና። ስለዚ፡ ከምቲ ቐደም ከም ሓውትና ናጻ ኮይና ተዕልሎን ትጻወቶን ዝነበረት ምድጉዳጒን ምስሓቕን ተሪፉ፡ ክትሓፍርን ድንን ክትብልን፡ ፍሉይ ጠባይ ክተርእን ጀሚራ። ብፍላይ ምሳይ ክትራኸብ ከላ ኣዒንታ ተኺላ ትጥምተኒ’ሞ፡ ኣነ ድማ ስለ ዘይርድኣኒ እንታይ ኮይና’ያ ኢለ ሰሪቐ ክጥምታ እንተ ፈተንኩ፡ ከም ገለ ኣብ በይንና ዓይኒ ንዓይኒ ንጋጠም። ኣብ ክንዲ ከም ጓል መጠን ንሳ ትሓንኽ ወይ ድንን ትብል ግን በንጻሩ ኣነ ብሕፍረት ኣብ ጽፍረይ ክኣቱ እደሊ ነይረ።
“ኣብ መወዳእታ፡ ሓደ መዓልቲ ኣደይ ንድኳን ምስ ለኣኸትኒ ንሳ ዝተላእከት ክትመስል ደድሕረይ ስዒባ እናዕለለትኒ ትኸይድ። ኣብኡ ምስ በጻሕና ፈሊጣ ትኹን ከይፈለጠት እዝጊሄር ዋናኣ፡ ብኣፍልባ ኣብ ጐድነይ ጽግዕ ትብል። ሕጂ እንተ ሓሰኹ ትርጕም የብሉን። ሃንደበት ኣብ ምሉእ ሰብነተይ ሓዊ ተዘሪኡኒ። እንታይ ከም ዝኾንኩ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ቅድሚ ሽዑ ዝኾነ ነገር ፈቲነ ኣይፈልጥን’የ። ኣብ ሽዑ በጺሑ ግን ተባዕታዊ ስምዒተይ ንመጀመርያ ግዜ ተፈሊጡኒ። እቲ ኣጋጣሚ ኣዝዩ ጸቢብ ስለ ዝነበረ ግን ዝተለኣኽኩዎ ነገር ሒዘ ካብ ድኳን በተግ ኢለ ወጺአ። ካብ ዝነበርኩዎ ኣይሓሰመንን ቍሩብ ኣተንፊሰ። “ብድሕሪኡ ግን ምሸት ምሸት ኣረድኣኒ እናበለት ንገዛና ክትመጽእ ትጅምር’ሞ፡ ከይተረድኣኒ ምስኣ ከምዚ ጦብላሕታ ነገር ክሓድረኒ ይጅምር። ሓንሳብ ሓንሳብ ኣብ ድኳን ክንራኸብ ከለና ቍሩብ ነዕልል። ከምዚ እናበልና ንገለ ወርሒ ንቕጽል። ለካ ኣነ ከይፈለጥኩ ቈልዓ ብፍቕረይ ነዲዳ ብውሽጣ ትሕመስ’ያ ዘላ። መስኪነይቲ ሓደ መዓልቲ ብቓል ምዝራብ ኣሕፊሩዋ፡ ከመይ ዝበለ ዝተወቀጠ ደብዳቤ ጽሒፋ ኣብ ጥራዘይ ትሓድገለይ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝኾነ መንእሰይ ከፍቅር ከሎ ንመልእኽቱ፡ ፍቕርኺ ከም ማይ ይጸምኣኒ፡ ከም እንጌራ ይጠምየኒ፡ ማይ ውቅያኖስ ቀለም እንተዝኸውን ኣይምኣኸለንን፡ መጀመርያ ምስ ረኣኹኺ ኣደይ ማርያም ካብ ሰማይ ዝወረደት ኮይኑ ተሰሚዑኒ ወዘተ፡ ብዝብል ቃላት’ዩ ዝጅምሮ። ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ ብርቱዕ ማሕበራዊ ጸቕጢ ስለ ዝነበረ፡ ጓልን ወድን፡ ብፍላይ መንእሰያት ዝኾኑ ተመሃሮ ብኣካል ደፊሮም ክገልጹዎ ንዘይከኣሉ ፍቕሪ፡ ደብዳቤ ብምጽሓፍ ዘቝጸልጽል ቃላት ተጠቒሞም መልእኽቶም ከሕልፉ ይግደዱ ከም ዝነበሩ ይርደኣኒ።
ሮዛ ኣፋ ሃህ ኣቢላ ክትሰምዖ ጸኒሓ ሰሓቕ ሰዒሩዋ ካርካር በለት።
“ኣይትስሓቒ! ከምኡ እዩ ነይሩ’ቲ ወቕቲ። እዚ ክብለኪ ከለኹ እቲ ግዜ ኣዝዩ ጥዑም ነይሩ። ምኽንያቱ ኣፍቂረዮ ወይ ኣፍቂራትኒ ክብሃል ከሎ ኣከባባር ነይሩ። ከምዚ ናይ ሎሚ ንሰምዖ ዘለና፡ ኣብ ጥቕሚ ዝተመርኰሰ ፍቕሪ ኣይነበረን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀደም ኣፍቃሪቱ እያ ክበሃል ከሎ፡ ስጋዊ ርክብ ይፍጽሙ ነይሮም ማለት ኣይኮነን ነይሩ። ካብ ሚእቲ ሓደ ኣይኮኑን ነይሮም እቶም ኣብ ከምኡ ግዕዙይ ተግባር ዝኣትዉ ዝነበሩ። ኣብ ዕላለይ ክምለስ ግን ኣስሊ ደብዳቤ ምስ ጸሓፈትለይ ኣንቢበ ንሃብቶም አርእዮ። ሃብቶም ዓርከይ ከኣ “ግድነት መልሲ ክትጽሕፈላ’ለካ” ይብለኒ። ኣነ ድማ ‘እንታይ ኢለ እየ’ሞ ክጽሕፈላ’ እብሎ’ሞ፡ “ስማዕ’ስኪ፡ ፋራ እዩ፡ ፍቕሪ ኣይርድኦን’ዩ ኢላ ክተውርየልካ ደሊኻ! ‘ኣነ’ውን አፍቅረኪ እየ፡ ኵሉ ግዜ ኢኺ ኣብ ሕልመይ ትረኣዪኒ ገለ መለ ትብላ፡’ ይብለኒ። ‘እሞ ኣብ ሕልመይ ዘይትረኣየኒ ከመይ ኢለ ከምኡ ክብላ’ እንተ በልኩዎ፡ ‘ወላ እንተ ዘይተራእየትካ ከምኡ ኢልካ እዩ ዝጸሓፍ” ኢሉኒ። መቸም ናይታ ካባይ ብዕድመ ቍሩብ ምርሕ ዘብለኒ ከእምነኒ ክኢሉ።
“ተማም ተባሃሂልና ፒሮን ወረቐትን ድሕሪ ምሓዝ፡ ወረቐት ክንሕንጥጥ፡ ክንቀድድ ኮቲ ንኽልተ ገጽ ክንጽሕፍ ሰዓት ኣቢሉ ወሲዱልና። ኣብ መወዳእታ፡ ሓንቲ ብግጥሚ ዝተሰነየት ደብዳቤ ጽሒፍና ንገላገል’ሞ፡ ምሸት ኣብ ኢዳ ክህባ ኣሕፊሩኒ፡ ክተጽንዕ ምስ መጽአት ኣብ ማእከል ጥራዛ ሓዲገላ። ንጽባሒቱ ምስ ሃብቶም ንቤትትምህርቲ እናኸድና ከለና ኣብ መንገዲ ምስ መሓዙታ እናኸደት ሰሰሪቓ ትጥምተና። ሽዑ ሃብቶም፡ ‘ሓደ መዓልቲ ቺነማ ሒዝካያ ክትኣቱ ኣለካ፡ ማስቲካ ክትርስዕ የብልካን፡ ደሓር መብራህቲ ምስ ጠፍአ ድማ ትስዕማ’ ይብለኒ። ከምኡ ከም ዝግበር ይርደኣኒ’ኳ እንተ ነበረ፡ ናይ ጀማሪ ነገር ኮይኑ ፈሪሐ ኣብየዮ። ድሕሪ ክንደይ ግን እግበሮ ኣይግበሮ ሕራይ ኣቢሉኒ።
“ብዝኾነ እቲ ነገር ጽቡቕ ኣይቀጸለን። ሓቂ ንምዝራብ ኣነ ፍቕሪ ሒዙኒ ክብል ኣይደፍርን’የ፡ ምኽንያቱ ገና ኣብቲ ኵሉ ክበጽሕ ዕድል ኣይረኸብኩን። እቲ ነገር ከምዚ ሓንቲ ፈልሲ ገረብ ምስ ተኸልካያ ማይ ስኢና ትሓርር ዓይነት’ዩ ነይሩ። ኣብ ሳልስቱ፡ ኣስሊ ንሓንቲ ሶፊያ እትበሃል መሓዛኣ፡ ስለሙን ደብዳቤ ጽሒፉለይ ኢላ ተዕልላ። ሶፊያ ንይሕደጋ፡ ይሕደጋ ንኣለም፡ ኣለም ከኣ ንትምኒት ሓውተይ ትነግራ። ትምኒት ትፈልጥያ ኢኺ ሽኦል’ያ። ‘እዛ ከልቢ ጓል ኣቦይ ባይረ፡ ንሰለሙን ሓወይ ሓደ ስኩኒስ ሓሲባቶስ ‘ደብዳቤ ጸሒፉለይ’ ኢላ ኣብ ምሉእ ቲራቮሎ ተኽፍኦ’ላ፡’ ክትብልል እናሓንሓነት ነደይ ትነግራ። ዘይተሕምቓ ስለ ዝኾነት’ምበር ባዕላ ምተሰሃለታ ነይራ። ሽዑ ሕሰብዮ በዓል ኣደይ ቈልዑ ስለ ዝሓስባና ነቲ ነገር ክጻወርኦ ከም ዘይክእላ ርዱእ’ዩ። ክሳዕ ሎሚ ኣይርስዓን’የ ኣደይ ብሑቕ ክትለውስ’ያ ጸኒሓ። ሰበይቲ ትዛረቦ ኣይትፈልጥን ስራሓ ኣቋሪጻ ብሑቕ ዝተጸየቐ ኢዳ እናወጣወዐት፡ ‘ኣንታ ሙሽሙሽ! ንጓል ባይረ እንተዘይኴንካ ኣይወደይን ኢኻ። ኣበይ ዘላ ቀርናዕ’ያ ደኣ’ዚኣ? መንም ወዲኒ ሓሲባትካ ከምኡ እናበለትካስ ደቂስካ ክትሓድር? ጽባሕ ሓመድ ድፋጫኣ ኣስትያ። ከምኣ እንተ ዘይጌርካ ገብርኤላ ኣይኮንኩን ነቦኻ እንተ ዘይነጊረዮም። ኣይሓድጉኻን’ዮም ከኣ፡ ትንፋስካ ከም ዘምልቑኻ ፍለጥ፡’ ኢላ ድህል ድህል ኣቢላትኒ።
“ኣነ ብዝኾነ መንገዲ ንኣስሊ ክትንክፋ ኣይደለኹን። ነቦይ ኣዝየ እፈርሖ ስለ ዝነበርኩ ግን ገለ ነገር ክገብር ነይሩኒ። ደሓር ከኣ ሰብኣይ ምዃነይ ከመስክር ደልየ። ምኽንያቱ እታ ጓል ደልዳላ ስለ ዝነበረት ዝፈራሕኩዋ ክመስሎም’ዩ ዝብል ሓሳብ ጥራይ ሓዲሩኒ። ብኸምዚ ድማ ተባዕታዊ ትምክሕቲ ሒዙኒ፡ ቀዳም መዓልቲ ኣብ ኣፍደገ ገዛኣ ምስ ረኣኹዋ ጠኒነ እኸዳ። መስኪነይቲ ሕማቕ ከም ዝሓሰብኩ ስለ ዘይፈለጠት ደው ኢላ ተጸብያትኒ። ምናልባሽ ሓሳበይ እንተ ተረዲኡዋ ድሕር ኣይትብልንያ ክትገጥመለይ’ያ ዝብል ገምት ነይሩኒ። ክገርመኪ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዓመታት ምስ ተራኸብና ሓቲተያ ግን ‘ወላ ሓሳብካ ፈሊጠ እንተ ዝነብር ምተኸላኸልኩኻ’ምበር ፈጺመ ኣይምተንከፍኩኻን ነይረ’ ኢላትኒ። ብዝኾነ ኣነ ነቲ ነገር ብዘይ ድሌተይ እፍጽሞ ስለ ዝነበርኩ ክገላገል ጥራይ’ዩ ነይሩ ድሌተይ። ሃሪሙዋ’ንድዩ ተባሂሉ ክውረየለይ። ሓውኪ ቅርብ ኢለ፡ ‘ስምዒ’ስኪ፡ መን ኣደኺ እዩ ደብዳቤ ጽሒፉልኪ?’ ኢለ ገና መልሲ ከይሃበትኒ ከላ ኣላታን የብላን ዝጋምቤቲ ቀሊዐ ኣብ መሬት ዘርጊሐያ።”
“ክንደይ ትሓስም ወደይ!” ኢላ ርእሳ ሓዘት ሮዛ።
“ኣነ እንታይ እፈልጥ ሽዑ! ተገዲደ’የ ከምኡ ዝገብር ነይረ። ሕሰብዮ፡ ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ኣቢለ’የ ነይረ። ርግጽ’ዩ ዕሽነት ነይሩ፡ ድንቍርና ነይሩ’ዩ። እቲ ግዜ ከምዚ ሕጂ ኣይማዕበለን። ኣብ ክንዲ ኸምኡ እቲ ነገር ግቡእ ኣተኣላልያ ረኺቡ እንተ ዝነብር፡ ምናልባሽ ኣብ መርዓ ምበጻሕና ኔርና ንኸውን። ግን ኣብቲ ኵሉ ከይበጻሕና እቲ ነገር ዘይመልክዑ ሒዙ ኣንፈቱ ስለ ዝተቐየረ፡ ርክብና ብኣጋኡ ተቘጽዩ። ብድሕሪኡ ኣደኣ ሓያል’የን ነይረን፡ ሽዑ ሽዑ ከሰምዓ ንገዛና መጺአን። ምስ ኣደይ ገጢመን ክንደይ ህውከት ኮይኑ። ‘ድሕሪ’ዛ ሕጂ ጽንጽያ ዓይና’ሞ ኣንፍረላ ኣንታ ነፋጥ! ኣስሊ ጓለይ ሰናፍ እንተኾይና ጥሕን ጥሕን ክተብለካ እያ። ኣዳህሊልካ ናይ ዝሃረምካያ ሰብኣይ ዝኾንካ ከይመስለካ፡’ ኢለን ፈኪረናለይ። ኣደይ ከኣ፡ ‘እዛ ሸርሙጣ፡ ኣብሪረ ጓልክን ኣፋ ትኣክብ፡ ድሕሪ ሕጂ ንወደይ ተንከስ ኢላ ጥራይ ስሙ ተልዕሎ’ሞ ኣብኣ ትረኽባ! ጥዕይቲ ጓል ከም ዘላትክን ውሑድን ብዙሕን ኣይትዛረባ!” ኢላ ኣፋ ዝሃባ ተዛሪባ።
“ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣስሊ ብጸቕጢ ስድራቤታ ናብ ሓደ ዕድመ ድፍእ ዘበለ ሙኒቺፕዮ ተመርዕያ። ኣይጸንሑን ግን ኣብ ዓመቶም ሓደ ቈልዓ ምስ ወለዱ ተፋቲሖም። ድሕሪ ምፍልላዮም እቲ ቈልዓ ኣይደንጐየን ኣብ ሰለስተ ወርሑ ሞይቱ። ኣስሊ ኣብ ሰብዓን ሸውዓተን ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፋስ ክልተ ግዜ ድማ ተወጊኣ። ኣብ ሰማንያ ዓመተ ምህረት ከኣ ሰንኪላ ኣብ መዓስከር ስንኵላን ጀልሃንቲ ረኺበያ። ኣብቲ ዝገበርናዮ ናይ ኣርባዕተ ሰዓት ዕላል ናይ መጀመርያ ፍቕራ ከም ዝነበርኩ እናነብዐት ገሊጻትለይ። ሕሉፍ ሓሊፋ፡ “እዚ ተመርዕየዮ ዘለኹ ብጻይ፡ ዝምድና ንግበር ዝብሉ ተጋደልቲ ሞኽ ምስ ኣበሉኒ ኣትየዮ’ምበር፡ መርዓ ዝብሃል ኣብ ኣእምሮይ ቦታ ኣይነበሮን” ኢላትኒ። ከም ሽዑ መዓልቲ ጕህየ ኣይፈልጥን። ብድሕሪኡ ግን ክትዛረቦ መዓንጣ ከብድኻ ዝቐርጽ ነገር ሰሚዐ። ከምቲ ዝበልኩኺ እቲ ቃልኪዳን ኣብ ፍቕሪ ዝተሰረተ ስለ ዘይነበረ ክወሃሃዱ ኣይከኣሉን። ክተዕርፍ ኢላ ንስዋኪን ምስ ከደት ድማ ሰሊማ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ኣብ ፖርትሱዳን ነብሳ ቀቲላ ኢሎማ።”
ሮዛ ካብ ክቱር ድንጋጸ ክትነብዕ ቍሩብ ተረፋ። “ጸጸኒሕ ካብ ናትካ ዝሓለፈ ኢኻ ትሰምዕ። መስኪነይቲ ኣስሊ፡ ዕድመኣ ምሉእ ፍቅሪ ከየስተማቐረት ብከርተትን ስቓይን ሓሊፋቶ። ሓንሳብ ሓንሳብ ናይ ዓለም ነገር ጠሪሹ ምርዳእ’ዩ ዝስእነኒ። ዓለም ብሓቂ መዳለዊት’ያ። ኣመና ዘሕዝን ዛንታ ደኣ ኣስሚዕካኒ’ምበር፡ እቲ ዓንተቦ ክካትዓካ ዘምሰኹ ብኣብነት ናይዛ ኣስሊ ትብላ ሰብ ታሪኽ ልክዕ ከም ዘለኹ ሓደ መረጋገጺ እዩ። ምሉእ ህይወታ ብጓሂ ሓሊፋቶ። ርአ በል በዅሪ ፍቕርኻ ማዕረ ክንደይ ሓያል ምዃኑ፡” በለቶ እናስቈርቈረት።
“ንሱ ዓንተቦ ደምዲምናዮ ኢና። ዓሪፍኪ መታን ክትሓድሪ ግን ሓንቲ ተሕጕስ ዛንታ ከዕልለኪ’የ። ሓንጐልኪ ዝብጽብጽ ዛንታ ኣዕሊለኪ ደኣ ከመይ ኢልኪ ክትድቅሲ። ሓጻር ግን መሕጐስ ዕላል ኣላትኒ።”
“ንስኻ እንታይ ጌርካ ባዕለይ’የ ተዃቲዅካ።”
“ሓደ ብጻይና ኣብ ኣስመራ ከሎ፡ ሓንቲ ኣዝዩ ዘፍቅራ ጓል ነይራቶ። ደሓር ግን ኣብ መርዓን ገለን ከይበጽሑ ከለዉ ሃንደበት ብጸላኢ ይህደን’ሞ ናብ ሜዳ ይወጽእ። ምስቲ ኵሉ ፍቕሮም ግን ብጀካ ምስዕዓም ስጋዊ ርክብ ፈጺሞም ከም ዘይፈልጡ እዩ ዝዛረብ። ክሳዕ ሰማንያ ዓመተ ምህረት ኣይምርዓውን’የ ብምባል ንዝኾነት ጓልሄዋን ከይጠመተ ሓሊፉዎ። ሓደ መዓልቲ፡ ‘ንመርሃዊት ወላ ሸርሙጣ ኮይና ገዛ ከፊታ እንተ ዝረኽባ ምተመርዓኹዋ ነይረ፡’ ክብል ኣዕሊሉኒ። ይገርመኪ’ዩ ሮዛ፡ ኣምላኽ ትምኒትካ ኣይከልኣካን’ዩ ክብሃል ሓቂ’ዩ። ድሕሪ’ዛ ዘረባ’ዚኣ ብስራሕ ንዓራግ እንተ ኸደ ንሱ ከይፈለጠ ኣብ ምዝላቕ ተሰሊፋስ ኣብ ወተሃደራዊ ቤትጽሕፈት ተወዚዓ ጸኒሓቶ። ብዛዕባ ዝምድና እንታይ ከም ዝገበረት ምስ ሓተታ፡ ‘ድሕረኻ ሓዳር ክገብር ኣይተመነኹን፡ ንስኻኸ እንታይ ጌርካ?’ ትብሎ። በዚ ተረዳዲኦም ሽዑ ሽዑ ቴንዳ ተፈልዩሎም፡ ወረቐቶም ከኣ ኣእትዮም። ሓለፍቶም ደሓን ይእተዉ ትዕዝብትን ገለን ኢሎም ኣየጸበዩዎምን ኣብ ወርሖም ተመርዕዮም። ሓንቲ ጽብቕቲ ጓል ወሊዶም ከኣ ንዝኾነ ሰብ ዘቕንእ ሓዳር መስሪቶም ይነብሩ’ለዉ፡” ኢሉ ድሕሪ ምምብሃቝ፡ “እሞ ንደቅስዶ ሕጅስ?” በላ።
“ዕላልካ መቂሩኒ’ምበር ድቃስ ካን ተኻኢለ እየ ጸኒሐ። ሰዓት ክንደይከ ኾይኑ?” እናበለት ሓቘፈቶ።
“ሰዓት ሓደን ፈረቓን።”
“ኦይ! ወጊሑ’ባ ኢዩ?”
“ንዓይ’ኳ ገና እዩ ዘሎ፡ ጽባሕ ምብጋስኪ ስለ ዝኾነ ንደቅስ ደኣ ሕጅስ። ማራ ኢና ደኺምና ውዒልና፡” ኢሉ ብግደኡ ሕቝፍ ኣበላ።
መበል 115 ክፋል ይቕጽል