ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 108 ክፋል
ንጽባሒቱ ንግሆ፡ ንኣካያዲ ስራሕ ኣብታ ጸባብ ክፍሉ ረኺባ ዓመታዊ ዕረፍቲ ከፍቅደላ ሓተተቶ። መሰላ ስለ ዝኾነ ከም ዘፍቅደላ ርዱእ’ኳ እንተ ነበረ፡ ቅጽበታዊ ምዃኑ ግን ቅቡል ኮይኑ ስለ ዘይረኸቦ፡ “ክሳብ ቀዳም ክትጽበዪ ኢኺ፡” በላ። ቅድሚኡ ንዝነበረ ነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ኣካያዲ ስራሕ ከም ድሌታ’ያ ትዛረቦ ነይራ። ንሱ ድሕሪ ምቕያሩ ግን ምስዚ ንዑኡ ዝተክኦ ወላ’ኳ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ዝምድና እንተ ነበራ፡ ድሌታ ንኽትዛረቦ ቍሩብ ይኸብዳ ነይሩ።
“ዓመታዊ ዕረፍቲ ካብ ዘይወስድ ክንደይ ድየ ገይረ?”
“ንሱ ደኣ ድሮ ክልተ ዓመት ሓሊፉ’ሎ። ግን ናይ ሓደ ዓመት ብገንዘብ ተተኪኡልኪ እዩ። ናይዚ ዓመት’ዚ ዕረፍቲ ድማ ክትወስድዮ ምሉእ ናጽነት ኣለኪ። እቲ ዝጽላእ ዘሎ ግን ግድን ጽባሕ ዕረፍቲ ክወሃበኒ ኣለዎ ምባልኪ እዩ። ቍሩብ ሕሰቢ ሮዛ፡ ኣብ ስራሕ ጸገም ክፈጥረልና’ዩ።”
“እሞ ጽባሕ ዘይተርፍ መገሻ ስለ ዘሎኒ ግድነት ዕረፍቲ ክወስድ ደልየ ኣለኹ፡” በለቶ ተሪራ። ብጽፈት ስራሓን ጠባያን የመስግና’ኳ እንተ ነበረ ሃንደበት ከምኡ ዓይነት ሕቶ ምቕራባ ገሪሙዎ፡ “ሮዛ እንታይ ዲኺ ዄንኪ ሎሚ? ክሳዕ ትማሊ ደሓንዶ ኣይነበርክን?” ክብል ተወከሳ።
እዚ ከም ዝመጽእ ዝተጸበየቶ ነገር ስለ ዝነበረ፡ ዘጋጠማ ጕዳይ ሓንቲ ከየትረፈት ብዝርዝር ገለጸትሉ። ስምዒቱን ኣተሓሳስባኡን ገምጊማ ሕስብ ድሕሪ ምሕዳር ዝወሰነቶ ጕዳይ’ዩ ነይሩ። እቲ ክቱር ድፍረታ ኣዝዩ ከሰንብዶ ከሎ፡ ርእሰ ምትእምማናን ቅንዕናኣን ካብ መጠን ንላዕሊ ኣገረሞ። ኣይትፈልጥን እያ’ምበር ንሱ እንተኾነ’ውን ኣባል ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግንባር’ዩ ነይሩ።
“ኣቲ ዓሻ፡ ጥንቅቕ በሊ! ከምኡ ኣይብሃልን’ዩ። ብዘይካ ናይ ስራሕ ሓላፊኺ ምዃነይ መን’የ ኣነ እንታይ ትፈልጢ? ምስዚ ዘሎ ኵነታት ኣብ ዘይሓደጋኺ ከይትኣትዊ ክትጥንቀቒ ኣለኪ፡” በላ ገጹ ኣሲሩ ብሓውሲ ማዕዳን መግናሕትን። ካብ ኣቀራርባኣ ውድብቲ ምዃና ከይተጠራጠረ ኣይተረፈን።
“ክልተ ኣሕዋትካ ተጋደልቲ ከም ዝኾኑ እፈልጥ’የ። ብዘይካኡ ግን ኣርባዕተ ዓመታት፡ ንሰብ ንኽትመዝኖ ቀሊል ግዜ ኣይኮነን። ጕዳየይ ኣግሂደ እንተ ዘይነጊረካ ሕራይ ከም ዘይትብለኒ ስለ ዝፈለጥኩ ድማ ደፊረ ክገልጸልካ ተገዲደ።”
“እስኪ ሓቂ ተዛረቢ፡ ኣይከኣልን’ዩ ኢለኪ እንተ ዝኸውን እንታይ ምገበርኪ ኔርኪ?” በላ ልባ መታን ክፈልጥ።
“ወላ ካብ ስራሕ ይስጐጐኒ ኢለ ምኸድኩ ነይረ።”
“ኣንቲ ዓሻ፡ ንዓኺ ሰጒገ ደኣ ምስ መን ክተርፍ? ዓይነይ እናርኣኹ ክዝመት፡” ኢሉ ድሕሪ ምስሓቕ፡ “ሕጂ ግን ዘረባ ከብዝሓልኪ ኣይደልን’የ፡ ኣብዛ ዓለም ብዙሓት ምስሉያትን ረቀቕትን ሰባት ስለ ዘለዉ ንዝኾነ ሰብ ክትኣምኒ የብልክን። እቲ ግዜ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኮይኑ ስለ ዘሎ ጥንቅቕ እንተ በልኪ ዝሓሸ’ዩ። ሓቲትክዮ ዘለኺ ዕረፍቲ ድማ ተፈቒዱኪ’ሎ። ምናልባሽ ገንዘብ ከየድልየኪ ግን ደሞዝኪ ድሕሪ ቐትሪ ክትወስድዮ ትኽእሊ ኢኺ፡” ኢሉዋ ካብ ኵርሱ ተስአ። ተመራሪሖም ከኣ ነናብ ስርሖም ኣተዉ።
ፍስሃየ ዋኒኑ ከሳልጥ ውዒሉ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ኣጋ ምሸት ደበኽ በለ። ሮዛ ከይኣተወት ስለ ዝጸንሓቶ፡ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢሉ ምስ መለስ ዕላል ጀመረ። ኣይደንጐየትን ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቢላ ኣብ እንዳ መሻጢት ኣምስያ ኣብ ሳሎን እናኣተወት ከላ ንፍስሃየ ኮፍ ኢሉ ምስ ረኣየቶ፡ “ኣጸብየካዶ ፍስሃየ? ስኩዛ፡” በለቶ ብስክፍታ። ተሰብቂላ ካልእ ፍጥረት መሲላ’ያ መጺኣ።
ተቐናጂዋን ገጻ በሪሁን ምስ ረኣያ፡ “ጕዳይ ይለፍ ዝወዳዳእኪ ኢኺ ትመስሊ ዘለኺ፡” በላ እናሰሓቐ።
“ሰብ ኣይጽላእካ ኢዩ ፍስሃየ ሓወይ ሰሊጡኒ፡” እናበለት ቦርሳኣ ድሕሪ ምኽፋት፡ ካብ ቀበሌ ዝተዋህባ ይለፍ እናውጽአት፡ “ይለፍ ዘሎ፡ ጕዳይ ዕረፍቲ ዘሎ፡ ቱቶ ኣቦስቶ፡” ኢላ ወረቓቕታ ኣቐበለቶ።
ነታ ይለፍ ገለ ጕድለት ከይህልዋ ገላቢጡ ድሕሪ ምርኣይ፡ ርእሱ ኣቕኒዑ፡ “ኦ! ደጊም ቅሰኒ። ካብ ሕጂ ንንየው እጃመይ’ዩ ተሪፉ፡” በላ።
“በል ሕጂ ጥዕምቲ ቡን ከፍልሕ’የ ኣዕልል ክነምሲ ኢና። ጽርሃ፡ ኣቕሑ ቡን ቀርብለይ ፕሮንቶ!” ድሕሪ ምባል፡ “ጠሚኻ’ኳ ትህሉ? ቅድም እንጌራ ብላዕ ፍስሃየ ሓወይ፡” በለቶ ሸሓኒ መብልዒ እንጌራ እናልዓለት።
“ብዘይ ቃልዓለም፡ ጸጊበ’የ ዘለኹ ሮዛ፡” በላ። ኣብ ሓደ ሴግረቶ ምስ ገለ ኣዕሩኽቱን ሓለፍቲ ሰራዊትን ቅልዋ በሊዑ፡ ዊስኪ ገልጢሙ እዩ መጺኡ።
“በል ኣብዚ ሳሎን ቈልዑ ቴለቪዥን ክርእዩ ኣየዕልሉናን’ዮም። ጽምው ክብለልና ንኺድ ኣብቲ ሓደ ክፍሊ፡” ኢላ መሪሓቶ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ኣተወት። ስክፍታኣ ጕዳይ ቴለቪዥን ጥራይ ዘይኮነ ደቃ ብዛዕባ ሰለሙን ክዕለል ከሎ ንኸይሰምዑ’ዩ። ኣቕሑ ቡን ክሳዕ ዝቀራረብ ፊት ንፊት ኮይኖም ብዛዕባ ደቁን በዓልቲቤቱን ከዕልሉ ጸኒሖም፡ ጽርሃ ስራሓ ወዲኣ ንበይኖም ምስ ሓደገቶም፡ “በል’ስኪ ሰለሙን ጥዕናኡ ከመይ ኣሎ?” በለቶ።
“ዘማይ ደኣ ወርቂ’ዩ ዘሎ። ቍሩብ ዶኾን ጽልም ኢሉ’ምበር እንታይ ክወጽኦ። ሽጕጡ ዓጢቑ ብቕድሚ’ቲ እንዳ ኩዳር እናሓለፈ ከሎ ምልላዩ ስኢነ። ምዃን ሳሕል’ዩ ዘሎ እሰምዕ ስለ ዝነበርኩ ኣብ ኣቑርደት ክረኽቦ ትጽቢት ኣይነበረንን። ሕልፍ ክብሎን፡ “በየን በሪቕካ’ታ ሰብኣይ?” ኢሉ ክስዕመንን ሓደ ነይሩ። ብድምጹን ፍሽኽታኡን ፈሊጠዮ፡ “ከመይ ኣለኻ ኣታ ዘማይ?” እናበልኩ ድማ ደጋጊመ ስዒመዮ። ሽዑ ምስቲ ካልኣየይ ኣቕሑና ክንሸይጥ ንጓየ ስለ ዝነበርና ብጠጠውና ቍሩብ ድሕሪ ምዕላል ኣብ ስርሑ ክምለሶ ተቛጺርና። ንምሸቱ ኸኣ ኣብቲ ጥቓ ስርሖም ኣብ ዘሎ ባር ኮፍ ኢልና ኣዕልል ኣምሲና።”
ሮዛ ትሽሕሽሖ ዝነበረት ቡን እናቋረጸት ክትስምዖ ጸኒሓ፡ ማዕረ ኣብ ባር ኮፍ ኢልና ዝብል ዘረባ ክተጻሪ፡ “እሞ ካብ ናይ ቀደም ስርሑ ተቐይሩ’ሎ ማለት ድዩ? ከመይ ድዩ ኮይኑ እቲ ገድሊ?” ክትብል ሓተተቶ ተዋጋኢ ሰራዊት ኮይኑ ኣብ ኣቑርደት ኮፍ ክብል ኣይክእልን’ዩ ዝብል ግምት ኣሕዲራ።
ድሕሪ መውጋእቱ ናብ ክፍልታት ከም ዝተቐየረ ካስትሮ ሓቢሩዎ ነይሩ እዩ። እግሩ ቍሩብ ስሕብ ከም ዘብላ’ውን ኣስተውዒሉሉ’ኳ እንተ ነበረ፡ ክገልጸላ ስለ ዘይደለየ “ጽቡቕ ኣለኺ። ቅድም ኣብ ድፋዕ’ዩ ነይሩ። ደሓር ግን ስራሕ ከካይደሎም ግዲ ደልዮሞ ንሳሕል ቀይሮሞ። ኤእ! በዓል ዘማይ ከኣ ክንደይ ጥበበ ዘለዎም፡ ቀለም ዝጸገቡ ሊቃውንቲ’ንድዮም። ንሱ’ኳ ኣይገለጸለይን፡ ተጋደልቲ እዝን እትን ኢሎምዶ ይዛረቡ ኮይኖም። ገለ ካብቶም መሳርሕቱ ገባር ከም ዘዕለሉኒ ግን ነቲ ቼንትራለ ናይ ኣቑርደት ከዕሪ ካብ ሳሕል’ዩ ብህጹጽ ተጸዊዑ መጺኡ። ኮቲ ናይቲ ቦታ ዋና ገባርን ሓዳግን’ዩ ኮይኑ ዘሎ።”
“እሞ እንታይ ደኣ በለካ ቍሩብ? ምዃን ተጋደልቲ ሰበይተይ፡ ደቀይ ምባል ነውሪ ኮይኑ እዩ ዝስምዖም።”
“ኣይምሰልኪ ሮዛ፡ ወላ ተጋደልቲ ይኹኑ ሰባት’ዮም ከማና። ናፍቖት ስድራቤት የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ናፊቕና ብኵነታት ስድራና ተሻቒልና ኢሎም ክዛረቡ ግን ዓቐብ’ዩ ዝኾኖም። ዘይንቡር ህይወት እናሕለፉ ክነሶም ግን ከመይ ኣለኹም እንተ በልካዮም፡ “ነብሲ፡ ሓሪፍ’ምበር፡” ዝብል መልሲ ይህቡኻ። ዓቢኦም ንእሽቶኦም፡ ወዶም ጓሎም ከም ደቂ ሓንቲ ሰበይቲ ወኻዕካዕ ክብሉን ክሰርሑን ክትርእዮም ከለኻ ናይ ብሓቂ ኢኻ ትቐንእ። ንሕና ኸኣ ነዛ ጨናዊት ዓለም ትም ኢልና ንጭነቐላ። ክንሓድር ከይንሓድር ዘይፈለጥና ንኽፍኣት ጥራይ ንዕጠቕ! ኢልካ ካን ነዛ ነብስኻ ንዕቕ ተብላ። አረ ሽዑስ ኵሉ ጠንጢንካ ተሰለፍ ዝብል ሓሳብ’ዩ ክትል ዝብለካ፡” ብምባል ኣስተንቲኑ ተዛረባ።
እቲ ዘውሕዞ ዝነበረ ቃላትን ኣብ ገጹ ዝርአ ዝነበረ ስምዒትን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ትዝታ ኣእተዋ። ንሰለሙን ኣብ ዝግብ ክትረኽቦ ከላ ዝነበረ ኵነታት ከም ስእሊ ኣብ ቅድሚ ዓይና ተሳእላ። ፍስሃየ ኣብ ሓሳብ ከም ዝተሸመመት ተገንዚቡ ናብ ኣርእስቱ ብምምላስ፡ “ዝኾነ ኮይኑ ግን ዘማይ ብዘይካ ሻቕሎትኪ ጽቡቕ’ዩ ዘሎ። ‘ቈልዑ ከመይ ኣለዉ?’ እናበለ ደጋጊሙ ሓቲቱኒ። ተሰኪፉ ግዲ ኾይኑ ብቓል ከምዚ በላ ንሮዛ ኣይበለንን’ምበር፡ ብርቱዕ ናፍቖት ከም ዘለዎስ ኣብ ገጹ ይንበብ ነይሩ። ደሓር ከኣ እቲ ብጫየይ ስለ ዝነበረ ኣብ ቅድሚኡ ክዛረብ ኣይደለየን ይኸውን፡” ምስ በላ ብታሕጓስ ፍሽኽ በለት።
“እሞ መለስ ከም ዝተወልደስ ፈሊጡ ኣሎ?”
“ኣየ ሮዛ! ዘይ ንሕና ኢና ደሃዮም ክንረክብ ዝሕርብተና’ምበር ንሳቶምስ ኵሉ’ዮም ዝፈልጡ። ሓቂ ዘረባ፡ ክላ እንታይ ገበረ ዘጒህዮ ኢለ ሞት ሓማተይን ኵነታት ኣብርሃምን ክገልጸሉ ከቢዱኒ ትም ኢለ ነይረ። ኵሉ ከም ዝሰምዖ ምስ ገለጸለይ ግን ቍሩብ ፍዂስ ኢሉኒ።’
“ፖቨረቶ ሰሌ! ጕዳይ ምግዳል ከይኣኽሎስ ሞት ናይ ኣደኡን ናይ ሓዉን ኣርዲኦሞ? ክንደይ ይጭክኑ ወደይ!”
“ኣይምሰልኪ ሮዛ፡ ካብ ምጭካን ዝብገስ ኣይኮነን። ይትረፍ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ሰብ ሕጂ ምስኦም ዝጸንሐ ብጫዮም ክመውት እናረኣዩ ንሞት ከም ቀሊል ነገር ከም ዝርእዩዎ ፍለጢ። ከም ዘዕለለኒ ግን ነቲ ወረ ብጐቦጎቦ እዩ ካብ ሓደ ንስድራ ሓማተይ ዝፈልጥ ሓድሽ ዝተሰለፈ መንእሰይ’ዩ ኣጣሊሉዎ።”
“ኣንታ ፍስሃየ፡ ኣፈይ ሂቡኒ እዛረብ ኣለኹ’ምበር ኣብኡ በጺሕካ ዝግበር ነገር ኣልዩዶ ኾይኑ! ኣምላኽ የሕጽሮ ጥራይ።”
“ከሕጽሮ’ዩ ግዲ የብልክን።” ብኸምዚ ኣወል ቡን ተሰትያ ካልኣይቲ ተሰኽቲታ ከላ ፍረወይኒ ኣብ ዝጸንሐት ጸኒሓ ሃንደበት ሕውስ በለቶም።
“ኣቲ ፍሬታ! ኣይ ዓባይ ጓል’ንዲኺ ደኣ ኣኺልኪ! ትማሊ ኸኣ ብኣጋ ከይደ ኣይተራኸብናን፡” እናበለ ሰዓማ። ክሬም ወዲ ክሬም ክትጥቀም ከም ዝጀመረት ኣብ ምዕጕርቱ ካብ ዝተረፈ ቅብእን ካብቲ ሃንገፍ ዝበሎ ጥዑም ሽቶን ተረድኦ። ፍረወይኒ ከይመለሰትሉ ቍሩብ ዘዘው ድሕሪ ምባል፡ ከይደ ከይበለት ካብ ትሕቲ መተርኣስ ካሴት ናይ ቴፕ ሒዛ ወጽአት። ንሰብነታ ጢውጢው ኣቢሉ ዝሓዛ ጂንስ ስረን፡ ነጡባታ ካብ ዓቐነን ንላዕሊ ዓበይቲ ዘምሰለን ጸቢብ ጐልፎን ተኸዲና ስለ ዝነበረት፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ሻሙናይ ክፍሊ እናተማህረት፡ ቅርጺ ኣካላታ ዘይፈለየት ለይለይ ትብል ቀጣን ቈልዓ ከላ ንዝረኣያ ፍስሃየ ኣዝያ ተፈልየቶ። ኣዒንቱ ተኺሉ ድማ ብምግራም ጠመታ።
ገጹ ናብ ሮዛ ኣዚሩ፡ “እዛ ፍረወይኒ ደኣ ጐርዞ ጓል’ንድያ ኣኺላ፡” በላ።
“ውሑድ መዓስ ገይራ፡ ዓሰርተ ሽዱሽተ እያ’ኮ ረጊጻ። ናይ ኣቦኣ ስለ ዝወሰደት ግን ዓሻ ቍመት ሂቡዋ ሰላዕ ኢላ።”
“ናይ ቍመት ኣይኮነን ዘዛርበኒ ዘሎ። ጓል እንተ ጐቢዛ ዕላጅ’ያ ሮዛ። መፍቶ’ዞም ርኹሳት ካድሬታት ደርግ ከይኮነት ንዓዲጥልያን ክሰደልኪ። ኣብ ከረን ካብ ንርእዮ ዘለና ዳር ትርኢት ዝኸፍእ ነገር የሎን። ጡብ ኣቐልቅል ከብላ ንዝጀመራ ጭልቅዓት ከይተረፈ ኪነትዶ፡ የወጣት ማህበርዶ ኢሎም እናታለሉ፡ ንገለ ካብኣተን ከኣ እናፈራርሑ ምስ ኣራኸሱወን፡ ኣይንርኣዮ ኣደዳ ባሪስትነትን ጥንስን ኮይነን ኣለዋ። ሰብ ዝኾነ ካን ሰኪሑ። ካብዚ ዝዓቢ መርገም እንታይ ኣሎ’ስኪ? ንወለደን ጓሂ ንዓታተን ከኣ ናይ ዘልኣለም ጣዕሳ!”
ዘረባ ፍስሃየ ዘሰክፍ’ኳ እንተ ነበረ፡ ንበዅሪ ጓላ ካብ ነፍሳ ክትፈልያ ከም ሓሳብ ኣቐልቂላቶ ስለ ዘይትፈልጥ ነቲ ሰናይ ሓበሬታኡ ኣይተቐበለቶን። ብቐጥታ ክትነጽጎ ግን ኣይደፈረትን። “እዚ ትብሎ ዘለኻ ሓቂ እዩ ፍስሃየ ሓወይ። ኣነ ግን እንድዒ ንውላድካ ካብ ጥቓኻ ምርሓቕ ንበላዒ ምሃብ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ፡” በለቶ። ኵነታት ጓላ ግዲ ኣሰኪፉዋ ዘረባኣ እናጐተተት’ያ ትዛረብ ነይራ።
“እቲ ነገር፡ ኣቦታትና ከም ዝብሉዎ ጓል ዝወለደ ከይደቀሰ ይሓድር ኮይኑ’ምበር ጽቡቕ ኣለኺ። ግን እቲ ኤውሮጳ ምዕባለ ስለ ዘለዎ፡ ኣብኡ እንተ ኸዳ መንቋሕቋሕታ ስለ ዝገብራ ሓሲሙ ኣይሓስመንን’ዩ ዝብል ሓሳብ’ዩ ዘሎኒ። ኣብዚ እንተኾይነን ግን ካብ’ዞም ኣዛብእ ቀትሪ ከመይ ኢልና ክንሕልወን ንኽእል? ስለዚ፡ መጻወቲ መንም ውርንጭላ ካብ ዝኾና ዝረኸበ ክረኽበን ንወጻኢ ክኸዳ ዝሓሸ ኮይኑ ይስምዓኒ። ደሃር ከኣ ዘይ ዕድለን’የን ዘልዕላ። እንተኾነ ምህሮ ጸጊበን ሰብ ኣብ ዝበጽሖ ይበጽሓ ወይ ከኣ ወዲ ዓደን ይረኽባ። ካብኡ ተረፈ ግን ካብ መንም ኣምሓራይ ወይ ጋላ ጻዕዳ ኣይሓስመንን’ዩ በሃላይ’የ ኣነስ።”
“ፍስሃየ ሓወይ ኣይትሓዘለይ’ምበር ጓለይ ካብ ቅድሚ ዓይነይ ክትፍለ ነብሰይ’ኳ ኣይገብረለይን። ኤልሳ ከይተረፈት ናብ ጀርማንያ ክትስሕባ ሓሲባስ ደብዳበ ጽሒፋ ለሚናትኒ ኣቕቢጸያ እየ። መሬት ከም ኣፍ ዕንቊ ወላ እንተ ጸበበት ብስነስርዓት ኰስኵሰ ትምህርታ ከወድኣ እየ ዝሓስብ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ይሓግዝኪ ኢልካ ጥራይ መርቐኒ፡” ነቲ ሕቶ መደምደምታ ገበረትሉ።
ትጋገ ከም ዘላ ኣይጠፍኦን። ክገብሮ ዝኽእል ነገር ስለ ዘይነበረ ግን፡ “ኤእ! ከምኡ ካብ በልኪ’ሞ እንታይ ይብሃል ኮይኑ፡ ኣምላኽ ይሓግዝኪ ጥራይ። ብዓንተቦ ኣምላኽ’ምበር ሰብ ሓይሊ የብሉን፡” ድሕሪ ምባል፡ “ኤልሳ’ምበኣር ደሃይ ትገብር ኣላ?” ክብል ተወከሳ። ኣብ ኣእምሮኡ ግን፡ “ንጀርመን ዝኣክል ስልጡን ሃገር ኣይሰዳን ኢላ ክትኣቢ ብሓቂ ዕሽነት’ዩ! ምድረ ኢሰፓን በዓል ካድሬን ደኣ ነዚኣ ትመስል ሚለን ቈልዓ ረኺቦም ከመይ ኢሎም ክሓድጉዋ?” ዝብል ርእይቶ ሕምብሊል ይብል ነበረ።
ሕቶኡ ንምምላስ፡ ኤልሳ ድሮ ሓውያ ጽቡቕ ከም ዘላ፡ ጸጸኒሓ ገለ ዝመጽኡ ሰባት ክትረክብ ከላ ገንዘብ ከም እትሰድድ ሓበረቶ። ድሕሪ ድራር፡ ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ምስ ኣዕለሉ ፍስሃየ ብእዋኑ መዳቕሶኡ ሓዘ። ሮዛ ንደቃ ኣብ ቅድመኣ ኮፍ ኣቢላ፡ ማይጨሎት ክትሕጸብ ምስ ፍስሃየ ክትከይድ ምዃና ሓበረቶም። ብፍላይ ንፍረወይኒ፡ ሰመረ ድሕሪ ሳልስቲ ክሳዕ ዝመጽእ፡ ንመለስ ሓዋ ንበይኑ ከይትገድፎ ደጋጊማ መዓደታ። ደቃ ዓራቶም ምስ ሓዙላ፡ ኣብ ጕዕዞኣ ዘድልያ ነገራት ክትጠራንፍ ቍሩብ ግዜ ወሰደት። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ መገሻ ከጋጥማ ብዛዕባ ዝኽእል ነገራት እናሓሰበት ሕልሚ ዝዓብለሎ ድቃስ ወሰዳ።
መበል 109 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 30/12/2015