ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 104 ክፋል
ኣብ ጥቅምቲ ሰማንያን ሸውዓተን ጫረ ብጕዳይ ሕክምና ኣብ ኦፒዲ ኣምስዩ ገፈፍ እናበለ ናብ ካስትሮ መጽአ። ድሕሪ መውጋእቲ ካስትሮ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ውድባዊ ጉባኤ’ዮም ተራኺቦም። ሽዑ ግን እኹል ግዜ ኣይረኸቡን ጥራይ ዘይኮነ ክልቲኦም ንዘለኣለም ናይ ዝተፈልዩዎም ብጾት መርድእ ስለ ዝሰምዑ ኣብ ዕምቈት ዘለዎ ዕላል ክኣትው ምቹእ ሃዋህው ኣይረኸቡን። ብፍላይ ካስትሮ ዘሕዝን ወረ ስለ ዝሰምዐ ቃዚኑ እዩ ቀንዩ።
ጫረ ኣብ ሳልሳይን ሻዱሻይን ወራርን ክልተ ግዜ ተወጊኡ። መውጋእቱ ፈኲስ ስለ ዝነበረ ግን ብዙሕ ከይደንጐየ እዩ ናብ ሓይሉ ተመሊሱ። ኣብ ቀዳማይ ገጽ ወፍሪ ባሕሪነጋሽ ከም ማእከልነት ሓይሊ ኮይኑ እናገልገለ ከሎ ድማ ኣብ ጸጋመይቲ እግሩ ብዘጋጠሞ መውጋእቲ ጅማት ዳንጋኡ ስለ ዝተተንከፈ እግሩ ፋሉል ኮይና። ካብ ሕክምና ምስ ተፋነወ ናብ ሓይለይ እንተ ዘይከድኩ ኢሉ ሓያል ወጠጥ ኢሉ። ኣብ መወዳእታ ግን ድሕሪ ክንደይ ህውከት ኣብ ኮሚሽን ዕጥቅን ስንቅን ተወዚዑ። ቅድም ኣብ ዛራ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ሂምቦል ከም ምኽትል ሓላፊ ምዕዳል ዕጥቅን ስንቅን ኮይኑ ድማ ሰሪሑ።
ድራር በሊዖም ሻሂ ክሰትዩ ናብ ሶቬት ኣምርሑ። ካስትሮ ናይ መራፊት ኵነታት ኣዕሊሉ ምስ ወድአ ጫረ ብግደኡ ናይ ድፋዕ ዕላል ጀመረ። ኣብ ሻዱሻይ ወራር ዝነበረ ኵነታት ምስ በጽሐ ዝተሰውኡ ብጾቱ ተዘኪሮሞ ኣብ ትዝታ ኣትዩ ዝን በለ። ዘረባኡ ብምቕጻል፡ “ኣታ ወዲ፡ ድሕሪ ምዝላቕ ዝነበረ ኵነታት’ኮ ንበይኑ ዓይነት’ዩ! ካስትሮ ዓርከይ ደኣ ብቐሊሉ’ንዲኻ ተኻሪጅካ። ናይ ዓዲሓውሻ ውግእ ምስ ናይ በዓል እንዳስጋ፡ ሓምዅሽቲ፡ ሳልፈር ክተወዳድሮ ከለኻ ድንጽው’ዩ ዝብለካ። ቦምባ ብዘይ ዕረፍቲ ስለ ዝዘንበካ፡ ከይሃጅማኻ ኸኣ ስለ ትሰግእ፡ ሓደሓደ እዋን ካብ ጕድጓድካ ከይወጻእካ ሰሙናት ኢኻ ትቕኒ። ደገ ክመጽኣና ኸሎ፡ ጓልና ወድና፡ “ነብሲ ንየው ገጽኪ ግበሪ፡ ንየው ገጽካ ግበር፡” እናተባሃሃልና ኣብ ካስኮ ቀልቀል ንወጽኣሉ እዋናት ነይሩ። ከም ገለ ንእሽቶ ሩፍታ ክርከብ ከሎ ድማ ሰላሕ ኢልና ንኽዕዎ። ግደፈና በጃኻ፡ እቲ ህይወት እቲ’ኳ ሓሊፉ!”
“ተጻዋርነት ተጋዳላይ ግርም’ዩ ዝብለካ። እዚ ክብለካ ከለኹ ግን ካብ ወዲ ንላዕሊ ዝምረጻ ደቂኣንስትዮ’የን ነይረናና። ድፋዕ ጋንታና ሳልአን ተዓቂቡ እንተ በልኩኻ ምግናን ኣይኮነን። እንታይ ክዓብስ’ሞ፡ ዕድመ ጅግናን ሽምዓን ሓጺር’ዩ። እዚ ታሪኽ’ዚ ዝጸሓፈሉ ግዜ ይመጽእ ይኸውን መቸም። ክገርመካ ካብ’ቶም ሽዑ ዝነበርና ኣባላት ጋንታ ንፈውሲ ማሕላ ሓሙሽተ ሰባት ጥራይ ተሪፍና’ለና። ገለ ካብእቶም ሻዱሻይ ወራር ክጅምር ከሎ ተወጊኦም ከብቅዑ፡ ቍስሎም ኣሕውዮም ወራር ከይተወድአ ኣርኪቦም ዝተሰውኡ’ዮም። ንሕና ኸኣ ቍሩብ ጨና ከይንኾኖም እንሃልካ ኣብ ደጀን ሓለውቲ ስጡሕ ኴንና እኽሊ ንሃሲ ኣለና፡” ኢሉ ዘረባኡ ወድአ።
ካስትሮ ብኣወዳድቓ ቃላቱን ብስለቱን ኣዝዩ ተገረመ። ካብ ናይ ቀደም ጫረ ኣዝዩ ተፈልዮ። ኣብ ውድባዊ ጉባኤ ዘይተራእዮ ነገራት ሽዑ ተጋህደሉ። “ከምኡ ኣይትበል ጫረ፡ ሕጂ’ውን ቀሊል ስራሕ ትሰርሕ የለኻን። ብዘይ ደጀን ቅድመ ግንባር ከም ዘየሎ ጠፊኡካ ድዩ?”
“ግደፈና’ስኪ ካስትሮ፡ ኣብዚ ደጀን እያ’ኮ ቍሩብ ትሰምዕ ሰብ ዘላ። ኣብ ሓይልታት ለላህመታ ነጺፋ’ያ። ጅግና ደኣ ተኪኡ’ዩ ዝሓልፍ’ምበር ሰብ’ኮ የሎን። እመን ኣይትእመን ክሳዕ ዝውጋእ እዚ ደጀን ዝጠቅም ሰብ ዘለዎ ኣይመስለንን ነይሩ። ብኣካል ምስ ተኣኻዮ ግን ብሓቂ ከም ሽሙ ደጀን ምዃኑ ትርዳእ። ክንድ’ዚ ምዕባለን ክንድ’ዚ ሰብን ዘለዎ ኣይፈመስለንን ነይሩ። ሃለው ትብል!”
“ናብ ደጀን መጺእካ ኣይትፈልጥን ኔርካ ማለት ድዩ?”
“ምሕሳው ከይከውን ኣብ መጀመርያ ሰማንያን ሓደን ካድር ክመሃር ንዓራግ ወሪደ ነይረ። ሽዑ ግን ምእንቲ ርእሱ ዝጠቅም ምዕባለ ኣይነበረን፡ ደሓር ከኣ ውድእ ምስ ኣበልና ንማእቶት ተበጊስና። ኣብ ሓሊበት ምስ ኣዕረፍና ንእግረ መንገድና ጋራጅን ሕክምናን ርኢና። ብድሕሪኡ ግን ያላ ተሓረክ፡ ተባሂልና ሓንቲ ምዕባለ ዝብሃል ነገር ከይርኣና ነናብ ቦታና ተመሊስና።”
“ትምህርቲኸ ቀጺልካዶ? ሎምስ ቢቢሲ ትሰምዕ ትህሉ’ምበር፡” በሎ ካስትሮ እናሰሓቐ። ጫረ ሓንጐሉ በሊሕ’ኳ እንተ ነበረ ካስትሮ ክሳዕ ዘርከበሉ ግዜ፡ “ክላ! ዘይክንስዋእ ኢና፡ እንታይ ዝዓብስ ትምህርቲ’ዩ?” እናበለ ኣብ ትምህርቲ ይግደስ ከም ዘይነበረ ይፈልጥ ነይሩ’ዩ።
“ድሕሪ ሓሙሻይ ወራር’የ ጀሚረ ክገርመካ። ቅድሚኡ ተመሃር ኢሎምኒ ከም ኣመለይ ‘ጽባሕ ንስዋእ እንታይ ክንመሃረሉ’ ኢለ ኣቕቢጸዮም’የ ነይረ። ኣኼባ መጽአት ነቐፌታ ምስ በዝሓኒ ግን ከይፈተኹ ጀሚረ። በጋጣሚ ሓደ ንፉዕ መምህር ስለ ዝረኸብኩ ድማ ካብ ሳልሳይ ክፍሊ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ሻዱሻይ በጺሐ። ብፍላይ ቍጽርን እንግሊዝን ጽቡቕ ከይደ። ኮታ ጸብጻበይ ባዕለይ እጽሕፍ ኣለኹ። ሎሚ ዝጽግመኒ ነገር የብለይን። ኣብ እንግሊዝኛ እንተ መጺእካ ኸኣ እዚ በዓል ንስኻ ትሕዙዎ ኣብ ዓመት ዘይውዳእ መጽሓፍ ምንባብ ይጽግመኒ ይኸውን’ምበር፡ ከምዚ ኣብ ናይ ስርናይ መሸማዕ ወይ ኣብ ታኒካ ናይ ጸባ ዝጸንሕ ከም ማይ’የ ዝሰትዮ፡” በሎ። ክልቲኦም ብሓባር ሰሓቑ።
“ጭርቃን ግን ወርዚኻ ግዲ ዄንካ ዝሓደግካዮ ኢኻ ትመስል። ኣብ ግንባር ዓዲ ሓውሻ ከለና’ኮ ዝበልየልካ ኮይኑ ኣይስምዓንን ነይሩ።”
ሻሂ እናተቐድሐት ከላ፡ “ሓንሳብ ሓንሳብ’ኮ እዞም ምሁራት ብዙሕ ኢኹም ትጋገዩ። ከመይ ኢልካ ከምኡ ትሓስብ፡ ክምዕብል ከም ዝኽእል’ባ ተረዳእ። ከምኡ ኢለ ጋምማን ክብል ክነብር ዲኻ ትሓስበኒ?” መለሰሉ ጫረ።
“ኖ፡ ብኸምኡ ኣይትረድኣዮ። ዝጫረቕ ሰብ ኣይምዕቡልን’ዩ ዝብል ቃል ዘይወጽኣኒ። ጭርቃንካ ከም ባህርኻ ስለ ዝወሰድኩዎ እንተ ዘይኮይኑ ከም ትምዕብል ይርድኣኒ’ዩ። ዘይምዕብል ህይወት ዘይብሉ ጥራይ’ዩ።”
“ሽዑ ባህረይ ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ብሓፈሻኡ ግን ኣብቲ እዋን’ቲ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን፡ እንስሳ ዓይነት’የ ነይረ። ድሕሪ ምዝላቕ እየ’ኮ ተሳሒለ። ሳላ ትኵራት ብጾት’የ ኸኣ ሰብ ኮይነ። ጭርቃነይ ድማ ብደረጃ ኣኼባ ናይ ሓይሊ ተነቒፈላ’የ። ቀቅድሚ ወፍሪ ባሕሪነጋሽ ሓደ ወዲሓይልና፡ ሎሚ ምሸት’ኮ ባህሊ’ሎ ትኸይድ ዲኻ? ይብለኒ። ሽዑ በዓል ወዲሼኽ ዘለዉዎም እንዳ ሓምሳን ክልተን’ዮም ነይሮም። ኣነ ድማ በቲ ሓደ ደኺመ ነይረ ክድቅስ ደልየ፡ በቲ ኻልእ ከኣ ክቕንዩ ምዃኖም ስለ ዝፈለጥኩ ብመልክዕ ዋዛ፡ ‘ክላ! ባህሊ ደኣ ዘይሞራሎም ንዝሰፈፉ’ዩ’ ኢለዮ። ‘ኣየ ጫረ! ከምኡ ኢልካ’ምበኣር? ተዋጋኣይ ምዃንካ ንፈልጥ ኢና። እዛ ትምክሕቲ እዚኣ ግን ሓደ መዓልቲ ኣብ ሞሲባ ክተወድቐካ እያ፡’ ይብለኒ’ሞ፡ ብድሕሪኡ ነታ ነገር መን ዘኪሩዋ ክልተና ንርስዓ።
“ኣብ ሰሙኑ ኣብ ናይ በጦሎኒ ኣኼባ፡ ሓደ ክልተና ከየስተውዓልናሉ ዘረባና ዝሰምዐ ብጻይ፡ መስኪናይ ተሰዊኡ’ኳ ኢሎሞ፡ ‘ጫረ ከም መራሕ ሓይሊ መጠን’ ኢሉ፡ ብነቐፌታ ኣይብላዕ ኣይስተ ኣይገብረንን። ‘ኣንታ ንጻወት ኢና ኔርና! ኣንታ ጭርቃን’ዩ ነይሩ!’ እንተ በልኩ መን ክሰምዓኒ። በጋጣሚ ግን መስተውዓሊ መራሕ በጦሎኒ እዩ ነይሩና፡ ነታ ነገር ስለ ዝኣልለየለይ ብዙሕ ኣይተሃሰኹን ጽቡቕ ተገላጊለ። ብድሕሪኡ ካብ ጭርቃን መንገዲ ዓመት እሃድም ነይረ። ደሓር ከኣ ኣሪግና’ታ ካስትሮ! ክንደይ ግዜ ምንኣስ ኣሎ፡ ክንደይ ክረምቲ ዲና ኣሕሊፍና?’
“ጫረ’ኮ ታሪኽካ ኣይውዳእን’ዩ። በልስ’ኪ ደጀን ከመይ ረኺብካዮ? ሰብነትካ’ኳ ወላህላህ ትብል ማራ ጽቡቕ ኣለኻ። ኤእ! እንዳ ስንቂ ኸኣ ብመነባብሮ ዝመጽአ ካባና ሚእቲ ግዜ ትሕሹ። ጥሪት ኣለዋ፡ ጸባ፡ ሽኮር ዝተሳእነ የሎን። ዳርጋ ናብ መሳፍንቲ ኢኹም ተቐዪርኩም።”
“ኤእ! ደጀን ደኣ እንታይ’ሞ ክብለካ’የ? ክተዛርበኒ ደሊኻ’ምበር ንዓኻዶ ጠፊኡካ። ትበልዕ፡ ትሰቲ፡ ትድቅስ፡ ትመሃር። ርግጽ’ዩ ቀጻሊ ስራሕን ትምህርትን ኣሎ። ብወገነይ ምስቲ ኣብ ሓይልታት ዝነበርኩዎ ኵነታት ከነጻጽሮ ከለኹ ዳርጋ ወተሃደር ምዃንካ’ዩ ዘረስዓካ። ሰብ ጥጡሕ ናብራ ለሚዱ’ንድዩ ጸገም ኮይኑ።ሻዕብያ ጐራሕ’ያ ‘ሓሙሻይ መስርዕ ተቐልቂሎም፡ ደርግ ኣየርወለድ ከውርድ ይሓስብ ስለ ዘሎ ንምኽታት ተዳለዉ’ እናበለት ስለ ተንጥፈካ፡ ብመጠኑ ኵነታትካ ብዙሕ ዝምረር ኣይከውንን። ዋርድያ ምውጻእ ኣሎ፡ ጸጸኒሕካ ወተሃደራዊ ልምምድ’ውን ዘይተርፍ’ዩ። ጐድኒ ጐድኑ ግን እቲ ንቡር ህይወት ይቕጽል። ሓደ ዝገርመኒ ነገር እንተ’ልዩ ኸኣ ንሱ እዩ። መን ይሓስቦ ሕጂ ንዓመት ቈልዓ ተባሂሉ ቶርታ ከይተረፈ ክትሰርሕ ምፍታን፡ ካሜራ ተዳልያ ዕስራን ኣርባዕተን ፊልም ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ክውዳእ ከሎ! ንቈልዓ ዝመኸነ ማይ ክተስትዮ ላዕልን ታሕትን ምባል’ውን ኣሎ። እዚ መን ይሓስቦ ሕጂ? ክትሓስቦ ከለኻ ድንጽው’ዩ ዝብለካ። ኤርትራውያን ኣብ ዘይንቡር ኵነታት ኣብ ንቡር ህይወት ጥራይ ክትግበር ዝኽእል ነገራት ክንገብር እንፍትን ሰባት ኢና። ሕጂ ኣነ ምሁር ኣይኮንኩን፡ ሓደ ደንቆሮ እየ። ብዓቕመይ ከሓስቦ ከለኹ ግን ናይ ኤርትራውያን ነገር ግርም’ዩ ዝብለኒ።
“ኣብ መነባብሮ መጺእካ፡ ኣብ ሓይልታት ኵሉ ብዕቅን’ዩ። ከም ቀደም ኣይኮነን ማይ ከይተረፈ ተማቒልካ ኢኻ ትሰቲ። ኣብዚ ግን እቲ ህይወት ቍሩብ ሓዲሱኒ። ኣብ ደጀን ምቾት ተለሚዱ ከም ዘሎ ይርድኣካ። መዓት ስሊፒን ባግ ድዩ ኮፕሪሌቶ ደራሪብካ ካብ ፍርናሽ ኣብ ዝልስልስ መደቀሲ ኢኻ ክትሕርንኽ ትሓድር። ማእቶት ወይ ወተሃደራዊ ልምምድ እንተ ዘየልዩ’ሞ ኸኣ ጸሓይ ምስ በረቐት ኢኻ ትትስእ። ሓላፊ ምዃን ጥዑም’ዩ፡ ጸብጻብ ክሰርሕ ሓዲሩ ኢኻ ትብሃል። ሳላ ጥሪት ዝተሳእነ የሎን እንቋቕሖ ትቘርስ። ኬፍ ክህበካ ከሎ ዘይንገብረላ ደኣ እናተባሃሃልካ፡ ኣጣል ሓሓሪድካ እናተምተምካዮን ስዋ ሓመድ እናስሓንካዮን ገድሊ ክብሃል ድዩ! ሰሚናር ወይ ባህሊ ክህሉ ኸሎ ክዳንካ ቀያይርካ፡ ሽጕጥካ ዓጢቕካ ሸናዕ እናበልካ ምኻድ ድዩ ሰራዊት ከብለካ? ስቕ ደኣ በል፡ ካልእ ከይተዛርበና። ቀቅድሚ ዓማ ምድምሳሳ ኣብ ድፋዕ ከለና ዝረኣኹዋ ተዋስኦ ክሳዕ ሎሚ’ያ ትዝ ትብለኒ። ኣብታ ተዋስኦ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ብማእከል ሓደ ዓዲ ተሰሪዖም ክሓልፉ ከለው ደርሆ ክንቅው ይሰምዑ’ሞ፡ ሓደ ካብቶም ተጋደልቲ፡ ‘ኣጆኻ ደርሆ፡ ህዝባዊ ግንባር ኢና’ ይብል፡” ምስ በለ ካስትሮ ክሳዕ ዝስርነቕ ብሰሓቕ ተፋሕሰ።
“ሕጂ ድማ እንሃልካ ደቂ ደጀን ኴንና ጽቡቕ ንበልዕ፡ ጽቡቕ ንሰቲ፡ ብቪድዮ ንዘናጋዕ፡ እንታይሞ ክብለካ እየ። ሳላ ግብረሰናይ ማሕበራት ቦንዳ ኸሎ ዝተሳእነ ክዳን የሎን። ሳላ’ዞም ሓፋሽ ውድባትን ከኣ ጂንስ ንኽደን ኣለና። እዛ ትርእያ ዘለኻ ጃኬት ቅድሚ ወርሒ ሓደ ካብ ጀርመን ዝመጽአ ዘማይ ዝሃበኒ’ያ።”
“እሞ ጫረ ደኣ ዓለምካ’ንዲኻ ትርኢ ዘለኻ። ዘማኻ ዝኣክል ካብ ጀርመን እንተ መጺኡ ግን ጃኬት ጥራይ ኣይኮነን ተማሊኡልካ፡ ገለ ሰልዲ’ውን ሰው ኣቢሉልካ ይኸውን’ዩ።”
“እዚኣ’ኳ ብዕድል ረኺበያ ወደይ። ግርም ክብለካ እቲ ወዲ ኣዝዩ ሓያል’ዩ። ገለ ሜዳ በጺሖም ዝመጽኡ ኣዕሩኽቱ ግዲ ሓቢሮሞ መጀመርያ ትኽ ኢሉ ንናቕፋ’ዩ ሓሊፉ። ሐዙዎ ዝመጽአ ባልጃ ምሉእ ክዳውንቲ፡ ሚላኖ ዲኻ ክትብል፡ ናይ ኣሜሪካ ፊልድ ጃኬት ትኽ ኢሉ ናብ ሰራዊት ድሕሪ ምኻድ ኣብ ደንደን ንዝረኸቦም ሓይልታት ዓዲሉዎም። ኣብ ምላሹ ሰበይተይ በጋጣሚ ንኣኼባ ኢላ መጺኣ ስለ ዝነበረት ብሓደ ረኺቡና። ብኤውሮጳ ዝመጽአ ዓቢ ጋሻ ኢልና ስለ ዘከባበርናዮ ደርሆ ምስ እንቋቕሖኣ ሰሪሕና ጽቡቕ ኣውዒልናዮ። ነዛ ደርሆ ተማም ገይሩ ምስ ቈራጠማ፡ ‘ብወረ ክሰምዕ ከለኹ ሓቂ ይመስለኒ ኣይነበረን። ሕጂ ብግብሪ ምስ ረኣኹ ግን ክኣምን ክኢለ፡’ ይብለና።
“ኣነ ዓሻ ድማ ብዛዕባ ኣብ ሜዳ ዝተዓዘቦ ምዕባለ ዝዛረብ ዘሎ መሲሉኒ፡ ‘ይትረፍ ንስኻ ኣብ ኤውሮጳ ትነብር ኣነ’ኳ ናብ ደጀን ክሳዕ ዝመጽእ እዚ ዅሉ ምዕባለ ዘሎ ይመስለኒ ኣይነበረን፡’ እንተ በልኩዎ ‘ከምኡ ማለተይ ኣይኮንኩን ዘማይ፡’ ኢሉ ስሒቑኒ። ዘረባኡ ብምቕጻል፡ ‘ቅድሚ ሕጂ ካብ ጀርመን ምዕባለ ክርእዩ ንዝመጽኡ ሓፋሽ ውድባት ‘ሜዳ ከመይ ኣሎ?’ ኢለ እንተ ሓተትኩዎም ግደፎ’ባ! ካልእ ነገር’ዩ ዘሎ፡ ብምባል ኣብ ደጀን ብዛዕባ ዝርኣዩዎን ዘጋጠሞምን ገሊጾምለይ። ቅድሚ ወርሒ ክመጽእ እናተበገስኩ ከለኹ ግን ሓደ ካብኣቶም፡ ብሓቂ ሜዳ ከመይ ከም ዘሎ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ካብ ደጀን ክትመለስ የብልካን፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ክትበጽሕ ኣለካ’ ኢሉኒ። ብመሰረት ሓበሬታኡ ኸኣ ኣብ ደንደን ሳልስቲ ገይረ። ልክዕ እቲ ወዲ ከም ዝበለኒ፡ ኸኣ ኣብ ድፋዕን ኣብ ደጀንን ክልተ ህይወት ከም ዘሎ ፈሊጠ፡’ ክብል ብዙሕ ተዛሪቡ።
“ከም ዝተዓዘብኩዎ ኣብ ፍጹም ማዕርነት ዝኣምን’ዩ ዝመስል። ዜርካ ዜርካ ናብቲ ዓንተቦ ዝበልኩዎ ምምላስ’ዩ እቲ ነገር። ብዝኾነ ግን እቲ ውድባዊ መሳርፍ ንዅሉ ብማዕረ ከም ዝዕደል፡ እኳ ደኣ ናይ ተዋጋኢ ሰራዊት ቍሩብ ከም ዝዛይድ፡ ግን ኵነታት ደጀን ጥሪት ክተፋሪ ምቹእ ስለ ዝኾነ ነፍስወከፍ ኣሃዱ ደርሁን ጤለበጊዕን እናፍረየ መነባብሮኡ ከም ዘመሓይሽ፡ እዚ ኸኣ ከም ነውሪ ወይ በለጽ ክውሰድ ኣይግብኦን’ዩ እንተ በልኩዎ፡ ‘እቲ ፍልልያት ከምዚ እናበለ’ዩ ዝምዕብል፡ እቲ ኣብ ደጀን ዝፈሪ ነገራት ኣብ ጥቕሚ ውሑዳት ኣብ ክንዲ ዝሕጸር ንኣብነት ንሕሙማት፡ ውጉኣት ወይ ንሕጻናት ክኸውን ምሓሸ። ነዚ ተርእዮ’ዚ ከም ሓደ ኣሉታዊ ዝምባለ እየ ዝወስዶ፡’ ክብል ኣትሪሩ ተኻቲዑኒ። ብዓቕመይ ከረድኦ ዘይፈተንኩ ኣይኮንኩን፡ ወዲ ግን ኣብ ነቐፌታኡ ረጊጹ ኣርግፍ ኣርግፍ ኣቢሉለይ፡” ኢሉ ድሕሪ ምምብሃቝ፡ ናብ ካልእ እርእስቲ ብምስጋር፡ “ኣብቲ ጉባኤ ብዛዕባ ኵነታት ሰበይትኻ ትንክፍ ኣቢልካለይ ኢኻ’ኮ ሓሊፍካ፡ ገለ ናይ ምምጻእ ተስፋ የብላን?” ክብል ሓተቶ።
“ጽቡቕ ኣለኻ። ሽዑ ብዙሕ ኣየዕለልናን። ኣይነገርኩኻን’ምበር እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ግንባር ዓዲሓውሻ ከለና ናይ ዘዕልለካ ዝነበርኩ ሃብቶም ዓርከይ መስዋእቲ ሰሚዐ ነይረ። ኣብ ጉባኤ ክመጽእ’የ ኢሉኒ ነይሩ፡ ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቲ ናይቲ ጉባኤ ዝረኸብኩዎ መራሕ መኪና ግን ብፈንጂ ናይ’ዘን ሓሙሻይ መስርዕ ከም ዝተሰውአ ነጊሩኒ። ንምሸቱ ኸኣ ሓደ ኣብ ፋርማሲ ዘሎ በላይ ዝብሃል ብጻይ፡ ሞት ኣብርሃም ሓወይ ኣርዲኡኒ። ጉባኤ ኣብ ምውድኡ ኸኣ ሓደ ብዓዲ ዝመጽአ ሰብ ኣደይ ከም ዝዓረፈት ነጊሩኒ። ግደፎ! ሽዑ ኣስተውዒልካለይ ትኸውን ጉባኤ ንማለቱ እየየ ተሳቲፈዮ። ክገርመካ ካብታ ገዛ ሃብቶም ዓርከይ ጥራይ እዩ ተሪፉ ነይሩ። ክልተ ድሕሪኡ ዝተሰለፉ ንኣሽቱ ኣሕዋቱ ድሮ ቀዲሞሞ ተሰዊኦም። እታ ገዛ መላስ ኣውያት ዘይብላ ተላሒሳ።”
ጫረ፡ “ኣየ. . .!” ኢሉ ብሓዘን ርእሱ ድሕሪ ምሓዝ፡ “ኣበይ ከባቢ ረኸቦኦ ደኣ ወደይ?” ክብል ሓተቶ።
“እቲ መራሕ መኪና ከም ዘዕለለኒ ካብ ሞልቊ ንዛራ እናመጽአ ከሎ’ዩ።”
“ኣብ ድሕሪ መስመርዶ ነይሩ ሓቀይ?”
“መዋእሉ’ምበር። ዳርጋ ካብ ዝስለፍ ኣትሒዙ ሳሕል ኣይፈልጦን’ዩ። ኣብ ድሕሪ መስመር ጥራይ’ዩ ነይሩ ቦታኡ። ንሳሕል ክሳብ ዝመጽእ ኣኺሉዎ ምስዘን ወዶገባ ክጓየ እዩ’ኮ ሓሊፉዎ።”
“ዘሕዝን’ዩ! እሞ ገዛስ ሓድጊ ዘይብላ እያ ተሪፋ!”
“ኤእ! ቃልሲ’ዩ ጫረ። ገዛ ብምልእታ ጸኒታ እዩ ዝብሃል። ኣቦኡ ቀደም ምስ ሞቱ’ዮም። ኣብ ኣዲሳበባ ኸሎ መስኪነይቲ ኣዲኡ ተመርዓው እንተ በሎኦ ‘ኣይፈለይ፡’ ኢሉ ኣቕቢጹወን። ንሰን ንባዕለን ኣሪገን’የን ነይረን። ክሳብ ሕጂ ዝሕክማ’ኳ ኣይመስለንን፡” ድሕሪ ምባል፡ በላይ ንጉሰ ኣብ ምብራቕ ከሎ ብዛዕባ ሮዛ ካብ ዝሰምዖ ዝገለጸሉ ደሃይ ሰበይቱን ኵነታት ደቁን ኣሕጽር ኣቢሉ ገለጸሉ። ኣልግብ ኣቢሉ፡ “በዓልቲ ቤትካኸ ከመይ ኣላ? ብሓደ ዲኹም ወላ በበይንኹም ኢኹም ዘለኹም? ውላደከ ጌርኩምዶ?” ክብል ተወከሶ።
“ሓዳር ሰውራዶ ሓዳር ኢልካዮ ኢኻ። ኣብ ክልተ ጫፋት ሰፊርካ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ እናተራኸብካ እንታይ ዝመስል ሓዳር ክፍጠር ትጽበ? ‘ሓዳር ሰውራ ንክልተ ቕነ፡ ንሳ’ኳ ባዕለይ ተኸናኺነ’ ኢሉ እናደረፈ የስሕቐና ነይሩ ሓደ ተዋዛያይ ወዲ ጋንታና። ናብ ናተይ ክመጽአካ ግን ምስታ ቀዳመይቲ ሰበይተይ ኣብ ድፋዕ ከላ ኢና ተዛሚድና። ብድሕሪኡ ተወጊኣ ኣብዶመን ተባሂላ ኣብ ደጀን ምስ ተወዝዐት ኣብ ክልተ ዓመትና ተፋቲሕና። ስጋ ብጾት! እብለካ’ለኹ፡ ኣነ እፈትዋ’የ ነይረ። ብድሕሪኡ ግን ምስ ሓላፊኣ ድሙድሙ እናስተየት ምጅራኽ ስለ ዝለመደት ምቅዳው ስኢንና። ዓመታዊ ዕረፍቲ ኣብ ቦታኣ’ዩ ነይሩ፡ ኣይተሓለፍ ሓሊፍናዮ። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብኡ ጠኒሳ። ሓውካ ሪመርክዮኣ ከም ዝተቘርጸታ ኤነትረ ሾልቶ ኾይነ ዓመት ጸኒሐ። ክምርዖ ከማን መደብ ኣይነበረንን። ቀቅድሚ ውድባዊ ጉባኤ ግን ሰይጣን ኣይስማዕ ምስዛ ሕጂ ዘላ በዓልቲቤተይ ተመራዓዒና። ሕጂ ናይ ሰለስተ ወርሒ ጥንሲ ገይራ’ላ ንብለካ፡ ።”
“ተጋዳላይ ኮይኑ ስለምንታይ ኣብ ሰይቲ ብጻዩ ጠልቀፍቀፍ ከም ዝብል ድንጽው’ዩ ዝብለኒ። ክገርምርካ እቶም ከምኡ ዝገብሩ ከቃይሑ ዝደልዩ’ምበር ናይ መርዓ ጸገም ዘለዎም ኣይኮኑን። ውድብ ናይ መርዓ ቅጥዕን ኣገባብን ካብ ምውጻእ ሓሊፉ እንታይ ክገብር ይደልዩዎ ኣለዉ? ብዛዕባ ሓለፋታት ዝነበረ ሴሚናራት ትዝክሮ ትኸውን፡ ሰብኣይ ነቶም መራሕቲ ተባሂሎም ዝጽይቑ ዝገደፈሎም የብሉን። ንለባም ኣምተሉ እዩ’ቲ ነገር። ጫረ ትምክሕቲ ከይመስካ’ምበር እገሌ ንሰይቲ እገሌ ኣባዕሊጉዋ ክሰምዕ ከለኹ ከም ስርዓት’የ ዝሓርቕ። ቃልኪዳን ክጸንዕ ኣለዎ ጫረ። ምኽንያቱ ቃልኪዳን እንተ ዘይጸኒዑ ጥዑይ ስድራቤት ክምስረት ዝከኣል ኣይኮነን። ጥዑይ ስድራቤት እንተ ዘየሎ ኸኣ ድልዱል ሕብረተሰብ ክትሃንጽ ዘይሕሰብ’ዩ። እቲ ጕዳይ ግን ብሕጊ ወይ ብኣዋጅ ዘይኮነ፡ ነፍስወከፍ ሰብ በብዓቕሙ ምስ ዝቃለሶ ጥራይ’ዩ ክዕረ ዝኽእል። ትዝክሮ ትኸውን፡ ኣብ ሰብዓን ሓሙሽተን ሰብዓን ሽዱሽተን ዝነበረ ሰውራዊ ዲሲፕሊን፡ ምስዚ ናይ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ክተነጻጽሮ ከለኻ ብስነምግባር ክሳብ ክንደይ ኣንቈልቊልና ከም ዘለና ጐሊሑ ዝርኣየካ ነገራት ኣሎ። ሽዑ ምስ ጓልኣንስተይቲ ዝተራኸበ ሰብ ከም ሓደ ዘይደሞክራስያዊ’ዩ ዝቝጸር ነይሩ። መመሊስካ እንተ ሓሰብካዮ ብሓቂ ዘጕሂ’ዩ።”
“ንሱ ጽቡቕ ኣለኻ። ነቲ ጕድለት ፍን ኣብ ደቂተባዕትዮ ጥራይ ክተጸግዖ ኣይትኽእልን ኢኻ። ርግጽ’ዩ ብሰንኪ ዘለናዮ ጽንኵር ናይ ሰውራ ኵነታት ሰብኣይን ሰበይትን ብሓደ ክነብሩ ኣይተኻእለን። ወዲተባዕታይ፡ ሓደ ክልተ ደፋራት ገዲፍካ፡ ጓልኣንስተይቲ ገጽ እንተ ዘየርእያቶ ካባይ ጀሚርካ ኣዝዩ ፈራሕ’ዩ። ‘እንተ ኣበየትኒኸ፡ እንተ ኣዋረደትኒኸ’ እዩ ዝብል። ዝበዝሓ ደቂኣንስትዮ ግን ጠገለ የብለንን በጃኻ። ሰብኣየን ቍሩብ ፍንትት እንተ’ይሉ ጸደፍደፍ’የን ዘብዝሓ። ምስዛ ቀዳመይቲ ሰበይተይ ሕጂ ኣብ ድፋዕ ከለና ኣብ ጥቓጥቓ ስለ ዝነበርና ዳርጋ ቀጻሊ ኢና ንራኸብ ኔርና። ጾታዊ ሂወትና’ውን ጽቡቕ ነይሩ። ዘየረዳድእ ነገር’ውን ኣይነበረናን። ምስ ተረሓሓቕና ግን ከለብለብ ክትብል ኣብ ካልእ ተጓናቢሓ። ነዚ ሕጂ እንታይ ኢኻ ክትብሎ? ምዕባለ፡ ብጻይነት ወላ ንቕሓት? ንሳ ናታ ምኽንያት ይህልዋ ይኸውን። እንተ መንያትኒ ወይ ጸሊኣትኒ ግን ኣቐዲማ ፍትሕ ክትሓትት ነይሩዋ፡” ኢሉ ከምብሓድሽ ከምባህቝ ጀመረ።
ካስትሮ ኣስተውዒሉሉ፡ “ጫረ ዓርከይ ትኽስ ኢልካ ኣለኻ’መስልኒ፡ ንደቅስዶ ሓቀይ?” በሎ ሰዓቱ እናረኣየ።
“ንደቅስ ሕራይ። ጽባሕ ምሉእ መዓልቲ ኣለና’ንዶ? ዕላል ናበይ ክኸደና ኢሉ፡” ኢሉ ኣብ ንእዲ ደየበ። ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ቀሪቡ ስለ ዝነበረ ጫረ ሽዑሽዑ ደቀሰ። ካስትሮ ቍሩብ ኣንቢቡ ደድሕሪኡ ሰዓበ።
ይቕጽል
መበል 105 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ