ደራሲ እስቲፋኖስ ገብረሚካኤል
1ይ ምዕራይ
2ይ ክፋል
“ኣስመራ’ኮ መዘና የብላን፡ ሓደ ነገር ጽቡቕ ምዃኑ ዝርድኣካ ግን ካብኡ ምስ ተፈለኻ እዩ። ብክሊማኣ፡ ብጽሬት ጐደናታታ፡ ቅዲ ጽርግያታትታ፡ ምልኩዕ ህንጻታታ ነስመራ መን ዘይብህጋ! መንከ ዘየድንቓ! ሓቃቶ’ኮ እዮም ኣቦታትና ኢጣልያውያን፡ ‘ኣዝማራ ሰኮንዳ ሮማ’ ይብሉዋ ነይሮም ክብሉ። ብፍላይ ኣብ ግዜ ሓጋይ ብትሕቲ’ቶም ኣብ ወሰናስን ጽርግያ ኮምቢሽታቶ (ካምፖቺንታቶ) ዘለዉ ግርማ ዝዓሰሎም ስየታት ሸናዕ እናበልካ ከለኻ፡ ብየማነ ጸጋም ካብ ዝርከቡ ኣብያተ ሕብስትን መሸጣ ፍረታትን ምኡዝ ሽታ ዝሓዘለ ኣየር ሃንገፍ ክብለካ ከሎ ዘሕድረልካ ናይ ባህታ ስምዒት ንበይኑ እዩ፡” ክብል ጸኒሑ ቈላሕታኡ ኣብ ስግሩ ናብ ዝነበረ ውሕጅ ዝኣከቦ ገፈጥ መፈጥ ሰደደ። “ወላ ኣብ ግዜ ክራማት እንተኾነኸ ኣስመራ እንታይ ይወጽኣ? ኣይሂ ዝናብ እንተ ዘነበ’ውን ሳላ መትረብ ርስሓት ጐደናታታ ራህያታት ስለ ዘይፈጥር ነቲ ጥዑም ኣየር እናኣተንፈሰ ኣብ መንገዲ ኣጋር ዘወር ዝብል ህዝቢ መፍቶቱ እዩ ዝውድእ፡” በለ እቶም ክልተ እዋን ብኣካል ዘጋጠሙዎ ከንቲባ ሓረጎት ኣባይ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እናተሳእሉዎ። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ኣንጊሆም ብምትሳእ ንጽሬት ጐደናታት ከተማ ኣስመራ እዮም ዝከታተሉ ነይሮም።
ብኸምዚ ኣብ ተዘክሮታቱ ጥሒሉ ጸኒሑ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ዘንበባ The New Africa ዘርእስታ መጽሓፍ ትዝ በለቶ። እቲ ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ኣብታ ድሕሪ መግዛእቲ ንዝነበረ ኵነታት ኣፍሪቃ ብዝርዝር እትገልጽ መጽሓፉ፡ “ኣዲስኣበባ ዓባይ ቍሸት ክትከውን ከላ ኣስመራ ግን ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ እያ። ጐደናታት ኣዲስኣበባ ድማ ቀትሪ ብመካይን ለይቲ ከኣ በዛብእ ዝተጐብአ እዩ፡” ክብል ዘስፈሮ ጽሑፍ ምግናን ከም ዘይተሓወሶ ኣረጋገጸ። ሽዑ ኣብ ዓራቱ ጥንቅልዒት ኮይኑ ከንብባ ከሎ ግን ብፍላይ ነተን “በዛብእ ዝተጐብአ እዩ” ዝብላ ቃላት ኣይተቐበለንን ነይሩ። እቲ ደራሲ ኣዛብእ ክብል ከሎ ነቶም ለይቲ ለይቲ ኣብ ጸልማት ኣድብዮም ብምጽናሕ ንሰላማዊ ሰብ ብጐመድ እናዘበጡ ንብረቱን ገንዘቡን ዝዘርፉ፡ ብስም ማጅራት መቺ (ሃራም ወተግ) ዝፍለጡ ዓመጸኛታት ይጠቅስ ከም ዝነበረ ስለ ዘይተረድኦ፡ “ክላ! ጻዓዱ ክብሃሉ ከለዉ መቸም ነቲ ጸጽቡቑ ሓዲጐም ነቲ ከክፉኡ ጥራይ ብምግላጽ፡ ንኣፍሪቃ ከም ሓንቲ ድሕርቲ ክፍለዓለም ምስ ኣናሸዉዋ እዮም፡” ብምባል ንተራኺ ብልቡ ኣትሪሩ ነቒፉዎ ነይሩ እዩ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት ከሎ ሓንቲ ብሸነኽ ሜክሲኮ ኣደባባይ ዝመጽአት ታክሲ ቢብ! ዝብል ድምጺ ኣስሚዓ ኣብ ፊቱ ደው በለት። ክልተ ሰባት ክወርዱ ምስ ረኣየ ጭቃ ከይረግጽ እናተጠንቀቐ ናብኣ ገጹ ምስ ቀረበ፡ “ፒያሳ፡ ፒያሳ!” ዝብል ድምጺ ሰምዐ። ብውሽጡ ተመስገን እናበለ ናብታ ሚለቺንኵወ ዝዓይነታ ታክሲ ደየበ። መራሒ ታክሲ ምስ ሓንቲ ኣብ ጐድኑ ኮፍ ኢላ ተኽመስምስ ዝነበረት ከደረይቲ መንእሰይ እናሰሓቐ ብናህሪ ምሕምባብ ቀጸለ።
ሰለሙን ብናይ ቅድሚት መስኮት ዝኣቱ ዝነበረ ዝሑል ንፋስ ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ ንመራሒ ታክሲ ክዓጽወሉ ሓበሮ። እታ መንእሰይ ክትዓጽዎ ዝቐለለ ክነሱ ኣይግዳዱ መራሕ ታክሲ ኣብ ክንዲ ንዓኣ ምሕባር፡ ብጸጋማይ ኢዱ መሪሕ መኪና ሒዙ የማናይ ኢዱ ብምስዳድ፡ ኣብ ኣፍልቢ’ታ ቀልቡ ዝሰሓበት ጐርዞ ተጸጊዑ ተመጣጢሩ ልዓት መስኮት እናጠወየ ከሎ ታክሲ ዘይመንገዳ ሓዘት። ተሳፈርቲ ጠፋእና! ኢሎም ድምጾም ስለ ዘስምዑ ግን በንጻሮም ትመጽእ ምስ ዝነበረት ዓባይ መኪና ካብ ምግጫው ንስክላ ድሒኖም። ካብ ክቱር ስምባደ ዝተላዕለ ግን ብዘይካ ሰለሙን ኣፎም ዘዝሃቦም ተዛረቡ። ብፍላይ ኣብ ጐድኒ ሰለሙን ዝነበሩ ከሳድ ሰብኣይ፡ “መድሃኔኣለም ይለክምካ፡ ክትልክመና!” ብምባል ብዓውታ ጨዲሮም። በዓል ታክሲ ግን ዘረባኦም ቅጭጭ ስለ ዘይበሎ መልሲ ከይሃቦም ምስታ ቀመጽ ቀመጽ ትብል ዝነበረት ጓልሄዋን ዕላሉ ቀጸለ። ኣብ መንገዲ ሓደ ሰብ ኣውሪዱ መተካእታኡ ድሕሪ ምጽዓን ከኣ መኪና ዓገግ እናበላ ኣብ ፒያሳ በጽሐ።
ብዘይካ’ታ መንእሰይ ኩላቶም ተሳፈርቲ ምስ ወረዱ፡ ሰለሙን፡ “ናብ ሰሜን ሆቴል ገጽካ ትቕጽል ዲኻ፡” በሎ ንበዓል ታክሲ። ብእወታ ርእሱ ነቕኒቑ መኪና ኣበገሳ። ዝወረዳ ታክሲ ነቲ ኣብ ከባቢ ፒያሳ ዘዝነበረ ጻዕቂ ተሽከርከርቲ ወዲኣ እናተጻዕረት ንሰለሙን ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ደርበየቶ። ማዕጾ ክሳብ ዝኸፍት ህንጥሸው ምስ ኣብዝሐ ሰዓል ከም ዝደለየቶ ተረዲኡዎ ክዳን ደሪቡ ድሕሪ ምውጻእ ካብ ገዝኡ ቍሩብ ፍንትት ኢላ ናብ ዘላ ድኳን ብምኻድ ኣስፒሪን ዓዲጉ ተመልሰ። ኣፍንጫኡ ብዘይ ዕረፍቲ ማይ ጸረር እናበሎ ኣብ ዓራት ደዪቡ ኮቦርታ ተሸፈነ። ሓሳቡ ተዓብዒቡ ክድቅስ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣእምሮኡ ብዛዕባ’ታ ፓምፍሌት ጥራይ እናሓሰበ ምቕሳን ስለ ዝኸልኦ ካብ ሰታሪት ኣውጺኡ ክንብባ ጀመረ።
ቀንዲ ትሕዝቶ ናይታ ፓምፍሌት፡ ጠንቂ ምፍላይ ህዝባዊ ሓይልታትን መትከላታን ዝገልጽን ንጸይቅታት ቅያዳ ዓማ ዘቃልዕን እዩ ነይሩ። ነቲ ብወረ ዝሰምዖ ዝነበረ እንታይነት ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ ምስ ኣንበቦ ሃገራዊ ስምዒቱ ገንፈለ። ብሓሳብ ንድሕሪት ተመሊሱ ኣዝዩ ከስቈርቁር ጀመረ። ቅድሚ ዓመትን ፈረቓን ኣቢሉ ህዝባዊ ሓይልታት ካብ ደቀምሓረ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዓላ ትርከብ’ያ ሰሚዑ ካልኣይ ርእሱ ተበጊሱ ነይሩ እዩ። በጋጣሚ ንሓደ ብዛዕባ’ቲ ቦታ ይፈልጥ’ዩ ኢሎም ዝገመቱዎ መማህርቶም ይብገሱ ከም ዘለዉ ምስ ኣተንብሁሉ፡ “ከም በዓል ወዲ እከለ ሽሻይ ጸላኢ ከይትኾኑ፡ ህዝባዊ ሓይልታት ካብ ከባቢ ዓላ ኣርሒቓ ኣላ፡” ክብል ዘሰክፍ ዘረባ ምስ ኣንጠበሎም ካብ ጕዕዞኦም ክጓናደቡ ተገዲዶም። ድሕሪ ወርሒ ኣቢሉ ግን ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከሰልፎም ፈቲኑ። ሰለሙን ምስሊ ናይቲ ወዲ ከም ስእሊ ስለ ዝተራእዮ ዝያዳ ተቘጥዐ። “ንሱ እንታይ ገይሩ? ስርሑ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ንሕና ኢና ሰኒፍና! ዝመጽአ ይምጻእ ከምታ ዝተበገስናያ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ክንቅጽል ነይሩና። ሕጂዶ ይሓይሽ! ኣብ ህዝባዊ ኣይተሰለፍና ኣብ ተሓኤ፡” ኢሉ ምስ ሰብ ብነድሪ ይዛረብ ከም ዘሎ ኢዱ ጸግ ኣበለ’ሞ፡ እታ ጽሕፍቲ ካብ ኢዱ ወደቐት። ኣልዒሉ ምንባባ ቀጸለ። ነቶም ብርክት ዝበሉ ሰሚዑዎም ዘይፈልጥ ቃላት የስምረሎም ስለ ዝነበረ እታ ጽሕፍቲ ሕንጻጽ ጥራይ መልአት። ኣብ መወዳእታ ድማ ኮቦርታ ተሸፊኑ ደቀሰ።
ምሸት ዝጀመረቶ ሰዓል ሑእ! ክተብሎ ስለ ዝሓደረት ዳርጋ ኣይደቀሰን። መሬት ምስ ወግሐ ክወፍርዶ ከብኵር ኣብ ዝብል ማንታ ሓሳብ ተመቒሉ ንገለ ካልኢታት ድሕሪ ምምታእ፡ ኣወንዚፉ ዝገደፎ ስራሕ ከም ዘሎ ዘኪሩ ብጽሕ ኢሉ ክምለስ ወሰነ። ሰዓል ኣይተሕምቖን’ኳ እንተ ነበረት ሽዑ ግን ኣፍንጫኡ ዓቢሳ፡ ኣፍልቡ ጽሒራ፡ ነፍሱ ክሳብ ዝጸልእ’ያ ገይራቶ። ሰራሕተኛኡ ዝቐረበትሉ ቍርሲ ከይተረፈ ነዛ ዓይኑ ክርእዮ ቅጭ ኣምጺኡሉ። እምብዛ ጠምዩ ስለ ዝነበረ ግን ንእሽቶ ለኺፉ ጸባ ድሕሪ ምስታይ ክዳኑ ደሪቡ ናብ ስራሕ ተበገሰ። ናብ ደገ ምስ ወጽአ ብሰንኪ እቲ ብድሮኡ ዝወቕዐ ዝናብ ዝተኸስተ ከትከት ዝብል ንፋስ ስለ ዝተቐበሎ ጽቡቕ ኣይረኸበን። ኣብ ታክሲ ደዪቡ ኣፍንጫኡ ሓው ሓው ክሳብ ዝብሎ ብዘይ ዕረፍቲ ፊ . . . ጥ! ሓንሳብ ሓንሳብ ድማ ሳንቡኡ ክትኰስ ክሳብ ዝቐርብ ህንጥሸው! እናበለ ኣብ ስርሑ በጽሐ። ብቐጥታ ናብ ቤትዕዮኡ ኣትዩ ርእሱ እናተፈለጸ ነታ ብድሮኡ ፈታቲሑ ዝሓደጋ ማሺን ገጣጢሙ ንስራሕ ድልውቲ ምስ ገበራ፡ ናብ ቤትጽሕፈቱ ተመሊሱ ንገለ ርብዒ ሰዓት ኮፍ በለ። ናብ ገዛ ከይዱ መታን ክድቅስ ክብገስ እናሓሰበ ከሎ ድምጺ ቴለፎን ኣብ እዝኑ ኣቃልሐ። ሓላፊ ትካል ዝደወለ መሲሉዎ ቴለፎን ኣልዒሉ ተዛንዩ፡ “ሃለው!” በለ።
“ኣቶ ሰለሙን ካስመራ ነው፡” ዝብል ድምጺ ተቐባሊት ስልኪ ትካል ኣብ እዝኑ ምስ ኣቃልሐ ኣቦኡ ከም ዝደወሉ ፈሊጡ ከሎ ገና መልሲ ሃሰስ ክብል ጀመረ።ምስ ኣቦኡ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ ግን ካብ ዝፈርሖ ኣይወጽአን።
ዘደወሎም ምኽንያት ጕዳይ መርዓ ምዃኑ ምስ ገለጹሉ፡ “ጽቡቕ ኣለኻ። ሕጂ’ኳ እቲ ሓለቓና ገይሹ እዩ ዘሎ፡ ድሕሪ ወርሒ ኣቢለ ግን ዕረፍቲ ሓቲተ ክመጽእ ክፍትን’የ፡” በሎም መልሶም ክሰምዕ እናተሰከፈ።
“ወርሒ’ኳ ነዊሑ ኣሎ ሰለሙን ወደይ፡ ኤእ! መዓልቲ ይኸደና’ሎ፡ ዝኣኸለት ጓል ሰብ ኮፍ ኣቢልና ክንድቅስ ነውሪ እዩ። ቈልዓ ከኣ ኣይሓመቐትን ትምህርቲ ወዲኣ ባጀላ ሒዛ እያ። ሕጂ ድማ ኣምላኽ ካብ ዘይሓሰብናዮ የድሕነና’ምበር እቲ ጕዳይ ንጥሪ ክንገብሮ ኢና ንሓስብ ዘለና፡” ኢሎም ዘረባ ከናውሑሉ ጀመሩ።
“ዓመት ከይሰራሕኩ ዕረፍቲ ምሕታት ስለ ዝጸገመኒ እየ’ምበር ጽቡቕ ኣለኻ። ሕጂ ግን ከም ዝበልኩኻ ካብ ዓመታዊ ዕረፍተይ ዝቝረጽ ፍቓድ ሓቲተ ኣብ ዝሰለጠኒ ግዜ ክመጽእ ሓሲበ ኣለኹ፡”
“ኤእ! ካብኡ ንንየው’ሞ እንታይ ክብለካ ኾይነ፡ ልብኻ ይዓቢ ሰለሙን ወደይ፡ ደሓር ከኣ ቅድሚ ምምጻእካ ከይረሳዕካ ትመጽኣሉ መዓልቲ ከም ትሕብረኒ ግበር ኢኻ፡ ሃየ ንደኻ ድማ ስላም በላ።”
ምስ ኣደኡ ዝጀመሮ ሰላምታ ወዲኡ ቴለፎን ዓጸወ። ርእሱ ኣብ ኢዱ ደጊፉ ክሳብ መኦኣስ እናኣመኽነየ ካብ መሮኣ ክነብር ከም ዝኽእል ኣብ ሓሳብ ኣትዩ ዝን በለ። ናብ ገድሊ ክኸይድ ካብ ዝሓስብ ብሎሚ ጽባሕ ዓመት’ዩ ሓሊፉዎ። ውዒሉ ሓዲሩ ምኻዱ ከም ዘይተርፎ ርግጸኛ እዩ። ስለዝኾነ፡ ኣቦኡ ከመርዕዉዎ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ምሽብሻብ ብወገኑ ቅቡል ኣይነበረን። ከምስሉዎ ምህዋኾም ፍሉይ ምኽንያት ስለ ዝነበሮም ግን ብጋህዲ ትእዛዞም ከዕብር ከቢድ ጸገም ኮይኑዎ ጸኒሑ። ዓቢ ሓዉ ኣብርሃም ኣንጻር ድሌት ኣቦኡ ንዘፍቅራ ጓል ምስ ተመርዓወ፡ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ዝሰዓበ ዘይምቅዳው ንፈታውን ጸላእን ኣዛሪቡ ከም ዝነበረ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዝዝክሮ። ወዮ ሕጂ ደኣ ኣብ ነፍሱ ምስ በጽሐ ኣተሓሳሲቡዎ’ምበር፡ ኣብርሃም ሓዉ ውላድ ምስ ሰኣነ ኣቦኡ፡ “ዘረባይ ሰሚዑ እንተዝነብር ከምዚ ኣይምኾነን፡ ትእዛዝ ወላዲኻ ዘይምኽባር ንሱዩ ትርፉ፡” ክብሉ ከለዉ ኣእምሮኡ ዘይበሰለ ስለ ዝነበረ ደጊፉዎም ነይሩ እዩ። ድሕሪ ዓመታት እቲ ጕዳይ ኣብ ነፍሱ ምስ በጽሐ ግን መመሊሱ እንተ ሓሰበሉ ፈጺሙ ክወሓጠሉ ኣይከኣለን። ጥሒሉዎ ካብ ዝነበረ ሓሳብ ከይተናገፈ ከሎ ብኣፍንጫኡ ጸረር ዝበለ ማይ ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛኡ ኣብ ዝነበረ ወረቐት ነጠበ። መሃረቡ ኣውጺኡ ኣፍንጫኡ ድሕሪ ምሕባስ ከኣ ቤትጽሕፈቱ ዓጽዩ ሰዓት ምፍዳስ ከይኣኸለ ናብ ገዛ ተበገሰ።
ፒያሳ ምስ በጽሐ ናብታ ሳሕቲ መድሃኒት ከድልዮ ከሎ ቅልቅል ዝብላ ዝነበረ ቤትመድሃኒት ገጹ ኣምርሐ። ብዙሕ ጠጠው ኣይበለን ናይ ዝዓደጐ መድሃኒት ወረቐት ሒዙ ገንዘብ ክኸፍል ናብ ተቐባሊት ገንዘብ ገጹ ሰጐመ። ንሰራሕተኛታት እቱ ቤትመድሃኒት ከም ገጽ ይፈልጦም’ኳ እንተነበረ፡ እታ ክኣቱ ከሎ ዘየስተውዓለላ ተቐባሊት ገንዘብ ግን ሓዲሳቶ። ንሓደ ጃንጐ ስረን ራንግለር ጃኬትን ዝተኸድነ፡ ቅይሕ ኢሉ መንእሰይ ተእንግድ ስለ ዝነበረት ቍሩብ ፍንትት ኢሉ ኣዒንቱ ተኺሉ ክጥምታ ጀመረ። እቲ መንእሰይ ገንዘብ ከፊሉ ከብቅዕ ተረካብ ዘረባ ግዲ ደርብዩላ ፍሽኽ በለቶ። ሰለሙን ነተን ከም ኣጅቦ ዝጻዕደዋ ስሙራት ኣስናና ምስ ረኣየ ልቡ ተሰልበ። ቅድሚኡ ኣስተማቒሩዎ ዘይፈልጥ ፍሉይ ነገር ስለ ዝተሰምዖ፡ ብሒቱ ከዘራርባ ኣዝዩ ተሃንጠየ። እቲ ጸጕሩ ኣፍሮ ተመቂሱ ዝነበረ መንእሰይ ዕላሉ ስለ ዝቐጸለ ግን ኣብ ዝነበሮ ደው ኢሉ ክጽበዮ ተገደደ። “እዚኣ ትመስል ሽኮሪና ከመይ’ላ ክሳብ ሎሚ ተሓቢኣትኒ ጸኒሓ? ኣብ ቀረባ ግዜ ስራሕ ዝጀመረት ክትከውን ኣለዋ፡” ብምባል ምስ ሕልናኡ እናተመራመረ ከሎ፡ እቲ ቅጭ ኣምጺኡሉ ዝጸንሐ መንእሰይ እናሰሓቐ ምስ ተፋነዋ ናብኣ ገጹ ቅርብ ኢሉ፡ “ጤና ይስጥልኝ፡” ድሕሪ ምባል ነታ ሒዙዋ ዝነበረ ወረቐት ኣቐበላ።
“ጤና ይስጥልኝ፡” እናበለት ነታ ዝሃባ ጭራም ወረቐት ተቐቢላ፡ “ኣምሳ ሳንቲም” በለቶ። ድምጻ ልክዕ ደወል ኮይኑ ተሰምዖ። ኩለንትናኣ ማግነታዊ ስሕበት’ኳ እንተ ፈጠረሉ፡ ቅድሚ ወርሒ ምስ ሃብቶም ዓርኩ ዝተረዳድኡሉ ነገር ዘኪሩ ግን ብትምክሕቲ ሸለል ክብላ ፈተነ።
ገንዘብ ከውጽእ ጁባኡ ሃሰስ እናበለ ከሎ፡ “ሮዛ፡ ኣንድ ኣፍታ፡” ዝብል ድምጺ መሳርሕታ ሰሚዓ፡ “ይቅርታ” ኢላቶ ካብኡ ፍንትት ኢላ ምስኣ ክትዘራረብ ከላ ኣእዛኑ ጸለወ። ካብ ኣደማምጻ ቃላታ ተዛራቢት ትግርኛ ምዃና ንምግንዛብ ግዜ ኣይወሰደሉን። ከረጋግጽ ስለ ዝደለየ ግን ገጻ ገልቢጣ ናብኡ ምስ ቀረበት፡ “ሻምፖ” ይህሉዶ ይኸውን?” ክብል ብትግርኛ ተወከሳ።
“ኣየናይ’ሞ ከምጽኣልካ? ሰለስተ ዓይነት እዩ ዘሎና፡” በለቶ ዝባና ገልቢጣ ናብ መደርደሪ መድሃኒት እናኣመልከተት ናብ ጣልያንኛ ብዝዘንበለ ላህጃ። ብስክፍታ ተዓብሊሉ ዝነበረ ልቡ ብመጠኑ ተረጋግአ።
ተጠቃሚ ሻምፖ ስለ ዘይነበረ ኣብ መዋጥር ከም ዝኣተወ ተረዲኡዎ ርእሱ ሓኸፍ ሓኸፍ እናበለ፡ “እስኪ ካብቲ ዘለኩም ዓይነት ኣምጽእለይ ክመርጽ፡” በላ።
እታ ስውንዋኖ ጐርዞ ገጻ ኣዚራ ብሸነኽ የማን ናብ ዝነበረ መደርደሪ መድሃኒት ምስ ኣምርሐት፡ ኣብ ዝባና ዝዓረፈ ጸጕራ፡ ተዓጢቓቶ ዝነበረት መቐነት ዘጕልሖ ሽንቅጥ መዓንጣኣ ከምኡ’ውን ቅርጺ ዳናጕኣ ክዕዘብ ዕድል ረኸበ። ከም ብሓድሽ ገጻ ምስ ገልበጠት ዓይኒ ንዓይኒ ተጋጠሙ። ከም ሕፍር ኢላ ድንን ድሕሪ ምባል፡ ነቲ በብዓይነቱ ሻምፖታት ኣብ ቅድሚኡ ዘርግሓትሉ።
ዝመርጽ ዘሎ ክመስል በብሓደ ክርእዮ ጸኒሑ፡ ናብኣ ገጹ ብምጥማት “እዚ ሻምፖ ወዲ ሻምፖ’ኳ ዝያዳ ደቂኣንስትዮ ኢኽን ትፈልጥኦ፡ እስኪ ዝሓሸ ትብልዮ ባዕልኺ ምረጽለይ፡” በላ ፍሽኽታ ሓዊሱ። ፍሽኽታኡ ኣብ ሰብነታ ገለ ሸቕታ ፈነወላ።
ሕፍረት እናተሰምዓ፡ “ኣነ’ውን ብዙሕ ኣይፈልጦን’የ፡ ዝበዝሑ ደቂተባዕትዮ ግን ነዚኣ ክዕድጉ’የ ዝርእዮም፡” ብምባል ንሓንቲ ካብተን ሒዙወን ዝነበረ ሻምፖታት ኣመልከተትሉ። ከዕልላ ሃረርታ’ኳ እንተ ነበሮ ሓደ ዓሚል ኣብ ጐድኑ ደው ምስ በለ ብጐቦ ዓይኑ ጠመቶ። ዕረ እናጠዓሞ ድማ ፍሽኽታ ዝተሓወሶ ሰላምታ ሂቡዋ ድሕሪኡ ንዝነበረ ሰብ ቦታ ክሐድገሉ ተገደደ።
መድሃኒትን ክገዝኦ መደብ ዘይነበሮ ሻምፖን ተሰኪሙ ብቁንጅና ናይታ ጐርዞ እናተደነቐ ጽርግያ ሰገረ። ነቲ ኣብ ከባቢ ፒያሳ ዘጋጠሞ ጻዕቂ ሰብን ምንቅስቓስ ተሽከርከርትን ሓሊፉ ሓያል መንገዲ ምስ ከደ፡ ኣብ ከባቢ ገዝኡ ኣብ ዘላ ባር ኦመድላ ክበጽሕ ከሎ ሃንደበት፡ “ሰለሙን!” ዝብል ድምጺ ሰሚዑ ግልጽ እንተበለ፡ ንጥላሁን ኣብ ኣፍደገ’ቲ ባር ረኣዮ። ብቐትሩ ዳርጋ ጢን ተሰሪሑ ሰንከልከል እናበለ ናብ ሰለሙን ብምቕራብ ገንኢ እናሸተተ፡ “ንዓ እቶ ዊስኪ ስተ፡” በሎ ብዕጹፍ መልሓስ።
“ስራሕ የሎን ድዩ ደኣ ቀትሪ ምድሪ ዓለምካ ትርኢ ዘለኻ?” ሓተቶ ሰለሙን።
“ዝበዝሕ ስራሕ ደላላይን ጠበቓን’ኮ ኣብ ቤትመስተ’ዩ ዝፍጸም። ክገርመካ፡ ሎሚ መዓልቲ ሓደ ክላለዮ ዝደሊ ዝነበርኩ ኣገዳሲ ሰብ በጋጣሚ ኣብ ስርሐይ ደበኽ ኢሉ። ተራ ሰብ ከይመስለካ ዓቢ በዓል ስልጣን’ዩ። ንዑኡ ሰኣን ምርካብ ነዋርሕ ተዓናቒፉኒ ዝነበረ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣሳሊጠዮ። ንዓ እቶ ጥራይ ምሳና ስተ፡ ንእግረ መንገድኻ ድማ ትላለዮ፡” መለስ ጥላሁን።
“ኣይትሓዘለይ ጥላሁን ጕንፋዕ ሒዛትኒ መድሃኒት እወስድ ኣለኹ፡ ትርእየኒዶ የለኻን ኣፍንጫይ ተዓቢሰ ዓፍነቝነቝ ኢለ፡”
ጥላሁን ካርካር ኢሉ ድሕሪ ምስሓቕ፡ “ኣየ ሰሌ . . .! ጕንፋዕ ደኣ ብዘይካ ኣረቂ ካልእ መድሃኒት ዘይብላ፡ ክልተ መለክያ ጐጭ እንተ’ቢልካላ ደቒቕ ኣይትጸንሕን’ያ። በዛ ነፍሰይ ንጕንፋዕ መድሃኒት ዝብሃል ነገር ወሲደላ ኣይፈልጥን፡ ንዓ ጥራይ!” እናበለ ብጕምቦ ኢዱ ሒዙ ወተጥ ክብሎ ጀመረ።
“ጥላሁን በጃኻ ሕደገኒ! እንተኾነ እቲ ጋሻ ንበይኑ ኢኻ ገዲፍካዮ መጺእካ” እናበለ ብንጽርጽሮት መለሰሉ።
“ብዛዕባ ናቱ ኣይትሸገር ናባይ ግደፎ፡ ምስ ኣለሚቱ ነቒጹ ኣሎ። ናጻ ክኾኑ ስለ ዝደለኹዎም’የ ሽጋራ ክገዝእ ኢለ ወጺአሎም፡” መለሰ ጥላሁን ዓይኑ እናጸቐጠ ብፍሽኽታ። ብኸምዚ ድማ ሰለሙን ናብ ገዝኡ ጥላሁን ድማ ናብታ ባር ተፈላለዩ።
ገዛ ምስ ኣተወ ነቲ ብወረቐት ዝተጠቕለለ ሺሮፖን ከኒናን ኣብ ጐድኒ ዓራቱ ኣብ ዝነበረት ኮሞዲኖ ኣቐመጦ። ነታ ሻምፖ ምስ ኣውጽኣ በቲ ፍጻሜ እናሰሓቐ ናብ ዓይኒ ምድሪ ብምኻድ፡ ኣብታ ናይ ጽሬት ኣቕሑን ሓደ ሓደ ነገራትን ዘቐምጠላ ኣብ መንደቕ ዝለገበት ጻዕዳ ሳጹን ኣንቢሩ ናብ ሳሎን ተመልሰ።
ምሳሕ ድሕሪ ምብላዕ መድሃኒት ወሲዱ ተደብዲቡ ክድቅስ ፈተነ። ንሰዓትን ፈረቓን ዝኣክል ከቢድ ድቃስ ሸለዉ ኣበሎ። ሰዓት ክልተ ኮይኑ ምስ ተበራበረ ናብ ሓላፊ ምምሕዳር ኣቶ ምትኩ ቴለፎን ደዊሉ፡ ሰዓል ስለ ዝበርትዓቶ ናብ ስራሕ ክወፍር ከም ዘይክእል ሓበሮ።
ኣቶ ምትኩ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ጸቕጢ ዘዘውትር ምልካዊ ሰብ’ኳ እንተ ነበረ፡ ንሰለሙን ግን ደፊሩዎ ኣይፈልጥን፡ እኳ ደኣ ብጥንቃቐ እዩ ዝሕዞ ነይሩ። “እዛ ሰዓል ደኣ ካን ከም’ዞም ፈረንጂ ድያ ተደቅሰካ?” በሎ ብሓውሲ ጭርቃን።
ዘረባኡ ዝኾነ ቅጭ ኣምጽኣሉ። ከም ሰብ’ውን ብዙሕ ኣይፈትዎን’ዩ ነይሩ። “ሕማም’ኮ ፈረንጅን ሓበሻን ኣይፈልን’ዩ ኣቶ ምትኩ፡” ክብሎ እናሓሰበ ከሎ፡ “እሞ ደሓን ብዙሕ ጸገም የሎን፡ ቍሩብ እንተ ሓሸካ ጽባሕ ክትወፍር ጥራይ ፈትን፡” በሎ።
ሰለሙን፡ “ደሓን የሕድረኒ’ምበር ክፍትን’የ፡ ኣብ ስራሕ ከም ዘይግበዝ ትፈልጥ’ንዲኻ፡” ዝብል መልሲ ሂቡዎ ከም ብሓድሽ ኣብ ዓራቱ ተገምሰሰ።
ይቕጽል
3ይ ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 24 ነሓሰ