ቦኽረ ገብረየሱስ
ኵነተ-ኣእምርይ ብወግዒ-ልቢ ተገዚኡ ኣብ ዝነበረሉ ህሞት (እቲ ጠንቂ፣ ምናልባት ሽዑ ቅንያት ውን እዕዘባን እከታተላን ስለ ዝነበርኩ ከይኰነ’ይተርፍን) ብዛዕባኣ ብቴድሮስ ኣብርሃም ዝተዳለወ ዓንቀጽ ናብ ሕትመት ከም ዝበቕዐ ዝገልጽ ጽሑፍ ረኣኹ። ዓይነትን ትሕዝቶን ናይ’ቲ ዓንቀጽ ብዝግባእ ቅድሚ ምፍላጠይ ድማ ክቱር ባህታ ተሰማዓኒ። ምስ ወግዒ-ልቢ ፈለማ ገጽ ንገጽ ምስ ተራኸብኩ ዝተጐናጸፍኩዎ ሓጐስን ዕጋበትን በቲ ሓደ፣ ዝወረደኒ ሕፍረትን ሕንከትን ባዶነትን ድማ በቲ ካልእ፤ ከይሓባእኩ እና’ስተንተንኩዎን እና ነገርኩዎን ክነብር ምስ ነብሰይ ኪዳን ኣሰርኩ። ነቶም እልቢ ስምዒታት፣ ሓሳባት ብስከም ቋንቋ ክገልጾም ግን ወትሩ እጽገም።
“Fresh form to suit myriad ideas in Beyene Haile’s Heart-to-Heart Talk” ብዝብል ርእሲ ብቴድሮስ ዝተጻሕፈ ዓንቀጽ ተሃንጥየ ከፈትኩዎን ብተምሳጥ ነበብኩዎን። ናብ ሓሳብን ቋንቋን ምቕያር ዝኣበዩኒ ስምዒታት ኣብ’ቲ ጽሑፍ ስጋ ለቢሶም ክጸንሑኒ ውን ተመንየ። ኰነ ድማ። ድሕሪ’ቲ ንባብ፣ ኣስከሬን ሓሳበይ ብዝግባእ ከይሰራዕኩ እዚ ክብሎ ብዘይክእል ድፍኢት ገለ ክጽሕፍ ሃቀንኩ። እታ ትያትር ምስ ተኸታተልኩዋን ምስ ኣዀምሳዕኩዋን ዝቘሰለኒ ልቢ ግን ናይ ቴዲ ሞያዊ ምስትምቓር ብዝነኽኦ፣ ብሕሱም ክረክስ ተፈለጠኒ። ምቁር ቃንዛ ናይ’ቲ ረኽሲ እንተ ፈዀሰኒ ካብ ዝብል ሃቐነ ድማ ኣብ ወረቐት ሰጢሐ ንፋስ ከህርሞ ወሰንኩ። ነቲ ትንተና፣ ‘ኣብ’ዚ ጽቡቕ ኣሎ ኣብ’ቲ ግን ተጋግዩ’ ዝመስል ኣድናቖትን ወቐሳን ምዝርዛር ግን መበገሲ እዚ ጽሑፍ ኣይኰነን። እቲ ቀንዲ መሰረት ኣድናቖት እዩ። ኰይኑ ግን ኣድናቖት ውን ብባህሪኡ ናይ መጎስን ዘይዕጋበትን መልክዓት ኣጣሚሩ ክብገስን ክጓዓዝን ይኽእል።
ወግዒ-ልቢ ብባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ዕንቅፋት ከም ዝገጠማን ብድሕሪኡ ኣንፈታ ናብ ኣማትር ስነ-ጥበባውያን ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ከም ዘበለትን ኣብ መእተዊ ዓንቀጽ ናይ ቴድሮስ ሰፊሩ ንረኽቦ። ኣገዳሲ ነጥቢ መሲሉ ድማ ይረኣየኒ። ቅድሚ ሕጂ ውን ሓያሎ ሰብ ብርኪ ናይ’ታ ትያትር ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፣ እታ ስራሕ ናብ ምርኢት ክሳብ ትበቅዕ ዝነበረ ከቢድ ሕልኽላኻት ጽሒፎምዎን ነጊሮምዎን እዮም። ንም’ረት ናይ’ቶም ዕንቅፋታት ግምት ምኽላእ እንተዘይመሲሉ፣ ብምኩራት ኣለይትን ተዋሳእትን ክትስራሕ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ፈሪሱ፣ ብተማሃሮ ምስራሓ ግን ንጽቡቓ እዩ ገይሩላ ክብል እደፍር። ብመሰረቱ ውን ጽቡቕ ስራሕ ማለት ውጽኢት ድኻምን ሕልኽላኽን ምዃኑ ዘዛርብ የብሉን።
ንምዃኑ ኣብ ወግዒ-ልቢ ንምዕያይ፣ ብልጫ ‘ምኩር’ ተዋሳኢ እንታይ ኰን ምዀነ – ኣይርድኣንን። ንዝተዋህቦ ጠባይ ብዝግባእ ዝላበስ፧ ንፉዕ ሸምዳዲ፧ ጽቡቕ ስምን ዝናን ዘጥረየ ተጠማቲ ተዋሳኢ…….፧ ንርእሰይ ሓቲተ፤ በታ ትያትርን በቶም ተዋሳአእትን ኣቢለ ድማ ክምልሶም ፈቲነ። ከም’ቲ ቴድሮስ ብውሕልነት ኣቐሚጡዎ ዘሎ፣ እቶም ተዋሳእቲ ዝተጋነነ ኣቀራርባን ኣለባብሳን የብሎምን። ንድራማ ተባሂሉ ዝተመላኸዐን ዝተጠማዘዘን ኣዘራርባ ውን ኣይረኣዮምን። እዚ ድማ ንተኸታተልቲ ካብ’ቲ ወግዒ ኣዀብሊሉ ንኣቓልቦኦም ከይቃጸጾ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ኰይኑ ይስምዓኒ። ምሉእ ጸዓትካ ኣብ’ቲ ወግዕን እቶም ተዋሳእቲ ኣብ’ቲ ወግዒ ብዛዕባ ዝነበሮም ብቕዓትን ጥራይ ክትሓስብን ክትዛረብን ድማ ናቱ ድርኺት ይፈጥር። ብዛዕባ ዘይተሰርሐ ነገር ኣፍካ መሊእካ ምዝራብ ከቢድ ’ኳ’ንተዀነ፣ እታ ትያትር ብስም ‘ምኩራት’ ካብ ሲነማታት ብዝተለቕሙ ተዋሳእቲ ተሰሪሓ ነይራ እንተ ትኸውን ክንደይ ዜማታት ናይ’ቶም መዛሙር-ሓሳብ ምተሰባበሩ ግን ንምግማት ኣየጸግምን። እዚ ንምባል ዘድፍረኒ ድማ ኣብ’ቶም ህያው ተዋሳእቲ (ኣውጋዕቲ) ከም’ኡ ዓይነት ሽግር፤ ከም ኣብ ካልእ (ድራማ ምዃኑ ካብ ዘረስዕ ዘዘኻኽር ስለዝበዝሕ)፤ ጐሊሑ ስለዘይተራእየኒ እዩ። ኣወጻጽኣ ቃላቶም፣ ንጹርነት ገለጻ ሓሳባቶም፣ ዓይነታውያን ሕብርታት ዜማታቶም……ወዘተ ነታ ትያትር ፈለማ ኣብ ዝተኸታተልኩሉ ህሞት ኣገናዕ ዘበለኒ ረቛሒ ነይሩ።
ኣብ’ዚ ዛዕባ’ዚ (ምናልባት ቅሉዕ ኰነ ስዉር ኣድልዎ ይፍጽም ከይህሉ እናተጠራጠርኩ) ዘሎኒ ቀዛሕታ ከካፍል። ነ4-5 ካብ ቀንዲ ተዋሳእቲ ወግዒ-ልቢ ብቐረባን ብርሑቕን ብኣካል ዝፈልጦም ምዃነይ፤ ጐኒ-ጐኒ ጽባቐ’ቲ ድርሰት፣ ነታ ድራማ ንኽከታተላ ናቱ ተራ ዝህሉዎ ይመስለኒ። ሕጂ ዘምጽኣኒ ነገር ግን፣ እቶም ተዋሳእቲ ንስለ ተዋስኦ ክብሉ ካብ ባህርያዊ ገጻቶምን ጠባያቶምን ዝረሓቐ መልክዓት ሒዞም ዘይምቕራቦም እዩ። እቲ ዝተዋህቦም ጠባያት ድማ ብዘይኣጋንኖ ንዓኣቶም ይመስል። ኣብ ገለ-ገለ ህሞትስ ነቶም ደራሲ ዝተመነዮምን ኣብ ኣእምሮኡ ዝሃነጾምን ጠባያት፤ ተዋሳእቲ ናብ ውልቃዊ ባህርያቶም ኣዀብሊሎሞም (ጨውዮሞም) ከይኰኑ ጥርጣረ ይሓድረኒ። ስለዚ፣ ኣብ ሞንጎ ደራሲ ዝሃነጾም ጠባያትን (ምስ ተሰርሐት ብዛዕባ ዝነበሮ ደረጃ ዕጋበት ድኣ ምሉእ ሓበሬታ የብለይን’ምበር) ተዋሳእትን ብዘሎ ፍጹም ዝመስል ውህደት፣ ጻዕሪ ኣለይትን ተዋስእትን ብኽብሪ ተገንዚበ፤ ብኣማትር ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ምስራሓ ወግዒ-ልቢ ንጽቡቓ እዩ ገይሩላ ንዝብል ግላዊ ስምዒት ከትርሮ እግደድ።
ኣብ ሞንጎ’ቶም ብዘገምታ መድረኽ ዝረኻኸቡ ነጸላ-ምርኢታት ንዝህሉ ዝምድና ዘጠናኽር ፍስሰት እቲ ዛንታ ብንጹር ኣይረአን። መወዳእታ እቶም ሽማግለታት እንታይ ኰነ ወይ ነገር ብሌንን ዛህራን ኣብ ምንታይ ዓሊቡ ንዝብል ልምሉም ሕቶ ግን ልምሉም መልሲ ውን ብቐሊል ኣይርከቦን። እታ ትያትር ካብ እትደነቐሎም ባእታታት ሓደ ግን ንሱ እዩ። ሒዛቶ ዘላ ደብዛዝ ትልምን ቅርጽን ፍሉይነት (variety) ስለ ዘለዎ እያ ትድነቕ ማለት ኣይኰነን። ብመሰረቱ ዕቑር ሃብቲ ናይ ወግዒ-ልቢ፣ ሰንሰለት ሓሳባት ደኣ’ምበር ሰንሰለት ፍጻመታት ስለዘይኰነ። እቲ ወግዒ (ከም’ቲ ባዕሉ ዝምስክሮ)፣ ወግዒ ጥበብን ፍልስፍናን እዩ። ንኸም’ዚ ዓይነት ስራሕ መበገሲ ዛንታን ጥርዚ ግርጭታትን ኣገራሚ መፍትሕን ኢልካ ምዝራብ ድማ ሚዛናዊ ትርጉም ኣይህቦን። በቲ ማንም ጸሓፊ ትያትር ኰነ ድራማ ዝመላለሶ ልሙድ ሓዲድ ሕጊግ ዘይምባላ’ምብኣር፣ ንወግዒ-ልቢ ፍሉይ መጐስ ዝህባ ረቛሒ ኰይኑ ይስማዓኒ። ብቑዕ ደራሲ ወይ ተዋሳኢ ጥራይ ዘይኰነ፣ ብቑዕ ተዓዛቢ ውን ኣካል እቲ ስራሕ ከይከውን’ምበር ኣብ’ታ ትያትር ሓያሎ ገዘፍቲ ናይ ሓሳብ ግርጭታትን ወጥርታትን መፍትሒታትን ስምምዓትን ኣይሰኣኑን። ኣብኡ ዝተላዕሉ እዋናውያን ውልቃውያንን ሃገራውያንን ኣፍሪቃውያንን ኣድማሳውያንን ዛዕባታት እውን ከምኡ። እዚኣቶም ክብርበሩን ክምርመሩን እንተዀይኖም ድማ ምንቅስቓሳት ዝዕዘብን ፍጻመታት ዝቘጽርን ስምዒት ዘይኰነስ ሓሳባት ዝመዝን ልቢ እዩ ዘድሊ – እቲ ወግዒ ውን ከም ስሙ ‘ወግዒ-ልቢ’ ብምዃኑ።
ንምርኢት ክሳብ ትበቅዕ ዘሎ መሰረታውን ዝርዝራውን ድሕረ-ባይታ ወግዒ-ልቢ፤ ኣብ ናይ ቴዲ ዓንቀጽ ኣድላይነት ዘይብሉ ዓቢ ቦታ ዝተዋህቦ (ብተዛማዲ ነታ ትያትር ናብ ዘይተኸታተሉዋ ዘነጻጸረ) ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ጸኒሐ ግን ቅሬታይ ናብ ቦታኡ መለስኩዎ – ቀንዲ ዒላማ እቲ ጽሑፍ ምግንዛብን ምኽባርን እውን ኣካል’ቲ ምስትምቓር ክኸውን ስለዘለዎ። ሓደ ከም መተሓሳሰቢ ዝመላለሰኒ ሓሳብ ግን፣ ትግርኛ ኣብ ዝዛረቡን ዝሰምዑን መንእሰያት እውን ንወግዒ-ልቢ ዝተኸታተለ ቊጽሪ ብዙሕ ክኸውን ስለዘይክእል ናይ ቴዲ ጽሑፍ ናብ ትግርኛ ተቐይሩ እንተ ዝንበብ ጕድኣት ኣይምሃለዎን ዝብል’ዩ። ዘይረኣያ ንኽርእያ ድማ፤ ብዘይ ጐስጓስን ስብከትን፤ ናቱ ተራ ምተጻወተ ዝብል እምነት ኣሎኒ።
ከም መጠቓለሊ ናይ’ዚ ጻልጣን ኣዝዩ ውሱን ኵርናዕ ዝጠመተን ጽሑፍ፤ ብቴድሮስ ዝቐረበ ምስትምቓር ንንባብ ምስ በቕዐ ገለ ክብል ብርዐይን ወረቐተይን ኣልዓልኩ። ከባቢ ፍርቂ ብዝተጓዓዝኩ ግን ብገለ ግላዊ ምኽንያት ንነዊሕ ኣዋርሕ ኣወንዚፈዮ። ስለ’ዚ ድማ ኣብ ሓደ ጽሑፍ ክብ-ለጠቕ ዝብል ወኒ ከይንጸባረቕ ዘሎኒ ስክፍታ ክሓብእ ኣይደልን። ወግዒ-ልቢ ባዕላ ፈለማ ካብ ዝተራእየትሉ ግዜ ጥራይ ዘይኰነ፣ ናይ ቴዲ ጽሑፍ ካብ ዝሕተም ክሳብ ሕጂ ዘሎ ግዜ ውን ሓጺር ዘይምዃኑ፣ ካልእ ስንፍና መሲሉ ተራእዩኒ። ውሽጠይ ግን ምቕባል ይስእኖ። ይትረፍ ሽዱሽተ ዓመት ዶ ሽዱሽተ ወርሒ፤ ምናልባት ድሕሪ ስሳ ዓመት ወይ ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመት እውን (ዓለም ክሳብ ሽዑ እንተ ጸኒሓ) ብዛዕባ ወግዒ-ልብን በየነ ሃይለን ይዝረብን ይጸሓፍን ይኸውን።