“ምጽሓፍ ዘየቋረጸ ኣማተር”
ጥዕሙዝጊ ተስፋይ
ኣብ ምሉእ ናይ ምጽሓፍ ዕምረይ፡ ብዛዕባ ደረት ዓወት ናይ’ቲ ጸሓፋይ ዝበሃል ፍጹም ሰብ ክሓስብን ከስተንትንን፡ ብመሳልሉ እናደየብኩ ናብ ፍሉይ ስፍራኡ ክሓኩር፡ ኣህዛብ ኣብ ሓድጊ ሰማይ ምስ ኣማዕደዉኒ፡ “እነሆ’ቲ ጸሓፋይ” ክብሉኒ ክትምነን ክህንጠን ወትሩ ናብ ዓቐብ ገጸይ ምስ ኣንቃዕረርኩ’ዩ። ናብ’ቶም ኣስማቶም ኣብ ልሳናት ኣህዛብ ተወቒሩ ዝርከብ ጸሓፍቲ። ንኽጽሕፍ ብርዐይ ብዘልዓልኩ፡ መታን በቲ ብሩህ ግን ከኣ ነዓይ ጽልግልግታኡ ጥራይ ዝረኣየኒ ኮኾቦም ክምራሕ፡ ህርድግ ካብ ምባል ኣየዕረፍኩን። ንዓኣቶም ካብ ሰብነት ኣውጺአ፡ ኣብ መንጎ ሰባትን መላእኽትን ኣስፊረዮም’የ። ድርሰታቶም እናኸንብብ፡ ብዛዕባ’ቲ ወትሩ ሃረር ዝብሎ ፍጹምነቶም እናሓሰብኩ፡ ንገዛእ ነብሰይ በዓልቲ ቁንጣሮ ኣእምሮ እብላ ነናሻዕ። ናብ’ቶም ኣብ ጥቓ ጸሓይ ዝረኣዩኒ ሰባት እንክግስግስ፡ እንሓንሳብ ብጻዕረይ ክትስፎ፡ እንሓንሳብ ሰብነተይ ጥሒሰ ተኣምር ክስረሕ ብምፍታነይ፡ ናብ ዕሽነተይ ኣቕሊበ ተስፋ ክቖርጽ፡ እነሆ ክሳብ ሎሚ ናብ ዘየጥለልኩዎ ኣንፈት እጓዓዝ ኣለኹ። እንተ ዀነስ፡ ጽሑፋተይ እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ እንድዒ ደኣ’ምበር፡ ምጽሓፍስ ኣየቋረጽኩን። ናብ’ቲ ኮኾብ ዝወስድ ጎደና ንኽፍትሽ’ውን፡ ፍጹማት ዝሰመኹዎም መጻሕፍቲ ምውካስ ኣይሓደግኩን። እቶም ኣስማቶም ከም ኣስማት ቅዱሳን ዝለዓል ናተይ ፍጹማት፡ ሰብ ምዃኖም ንኸይከሓድ፡ መሊቑዎም ሓንቲ ፊደል እንተ ሰሓቱ’ኳ፡ ካብ ሰብነቶም ሃዲመ፡ ንስሕተቶም ካልእ ትርጉም እናናደኹ ባዕለይ ንኽሕመሎ፡ ይዋኣዮ ኣእምሮይ “ተሓለብ” እብሎ። “ዕጭ ሓንፈፍኩ” እንተ በለ፡ “ኣብ’ቲ ናብ ፍጹም ጸሓፊ ዘሰጋግር መሳልል ሓደ ስጉምቲ’ኳ ኣይደየብካን፡ ገና ዓቕምኻ ዘይፈለጦ ሚስጢር ኣሎ፣ ድሕሪት ኢኻ ዘለኻ” እናበልኩ ብምንሻው እድብድቦ። መሊሱ “ዕጭ ሓንፈፍኩ” እንተ በለኒ’ውን “ንእሽቶይ ኢኻ ዘለኻ፡ ወይ ድማ ፍጹምነት ንፍጹማት ሰባት ዝተሓዝአ ትዕድልቲ ስለ ዝዀነ ኣባኻ የለን” ክብል እበኣሶ። ኣይቀብጽን’የ ድማ። እፍትን! ደረት መሳልል ጸሓፍነት ምጥማቱ ምስ ሰኣንኩ፡ ነብሰይ ጸሓይ ንኸተርክብ እትመጣጠር ድኽምቲ ፍጥረት ኰይና ትስመዓኒ። ኣነ እንክሃድም ውሽጠይ እንክዕይረኒ፡ ኣብ ውሻጠን ግዳምን ንጠማመት። ካብ ምጽሓፍ ኣየብኮርኩን፣ ካብ ክሕደት ገዛእ ነብሰይ’ውን ኣይሓወኹን። ምፍታን ኣየቋረጽኩን፣ ምውዳእ’ውን ኣይጀመርኩን። ብኮኾብ ፍጹምነት ክምራሕ እናተመነኹ፡ ንፍጹምነት አናድያ ኣለኹ። ኣብ ሕልመይ በርሃው ኢሉ ዝረኣየኒ ደረት ፍጹምነት፡ ኣብ ጋህደይ ክልተ ጫፋት ምስ ኰነኒ፡ ዓንጾ ዓንጾ ዘውጻእኩሎም ቀለመይ ዝፈሰሶም ወረቓቕትተይ ኣዲኦም ትቑጸሮም። ሕጂ ኣሰሮም የለን። ናይ ፍጹምነት ኣምልኾተይ፡ ከም ተራ ወረቓቕቲ ጉሒፍዎም’ዩ። ፍጹማት መወከሲታተይ ብገዛእ ርእሶም “ክትጽሕፍ እንተ ተበጊስካ ከመይ ገይርካ ከም ትጽሕፍ ዝምህረካ የለን” ይብሉኒ’ዮም። እዚ እናኽሰምዕ፡ መምህራነይ ካብ ምዃን ዝሓንገዱ ኰይኑ ይስመዓኒ። ዘይቐብጽ ኰይነ ግን፡ ነቶም ብርቂ ድዮም ክዀኑ ወይስ ከሕንኹኒ ዘይተፈልጡ ጽሑፋተይ ለኪሞም ዝጠፍኡ ወረቓቕቲ እዝክሮም’ሞ እጠዓስ። መመሊሰ እንክዝክሮም፡ ኣብ ውሽጠይ ዘይነበረ ዝመስለኒ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ጨካናት ገጸ ባርያተይ ዝደጐልኩዎ ጽልኢ ይግንፍል። ነቶም ለዋሃትን ግዳያትን እድንግጸሎም። ነቶም ብሓይሊ ዋዛታቶም ካዕካዕ ዘብሉኒ እናፍቖም። ሂወቶም፡ ናብራኦም፡ ድኽነቶም፡ ሃብቶም፡ ዕድሎም፡ ሕልሞም፡ ዓወቶም፡ ውድቀቶም፡ ባህርያቶም. . . ህያው ኰይኑ ቅጅል ይብለኒ። ትንፋስ ሰዂዐ ከም ዝደርበኹዎም እናኽስወጠኒ ንዘይመልሶም ብጣዕሳ እሓርር። ሮበርት ፍሮስት “ንሳቶም’ዮም ናይ ውሽጥኻ ፍጡራት’ ኢሉኒ ብጥቕሱ። “No tears in the writer, no tears in the reader. No surprise in the writer, no surprise in the reader.” (እንተ ዘይነቢዕካ ንኣንበብቲ ኣይተንብዖምን ኢኻ፣ እንተ ዘይተደኒቕካ ኣይተደንቖምን ኢኻ) “እቶም ዘንብዑኒ ፍጡራተይ ኣበይ ኣለዉ? እቶም ዕዉታትከ ኣበይ ኣበሉ? እቶም ዕጫ መጻኢኦም ዘይወሰንኩሎም ነበርትይ ኣእምሮይከ እንታይ ኰይኖም ይዀኑ?” እናበልኩ ንሕልናይ እሓቶ። ነብሲ ወከፍ ሰብ፡ ካብ ካልኦት ፍሉይ ምዃኑ ብዝተገንዘብኩ ድማ፡ ዳግማይ ክፈጥሮም ከም ዘይክእል እፈልጥ’ሞ ብጣዕሳ እሕመስ። መን ኰን ናብ’ቲ ሕሉፍ ኩነተ ህላወይ ይመልሰኒ ይኸውን!! እሓልም ኩሉ ግዜ። ግን ከኣ ንውሽጠይ ጠንጢነ እደዓዓስ። ናብ ዙፋን ናይ’ቶም ኩሉ ዝጽውዖም ከዋኽብቲ ከብጽሑኒ ከም ዘይክእሉ እኣምን። ኩሉ እዋን ከም ብሓድሽ’የ ዝጅምር። እቶም ፍጹማት መወከሲታተይ ዝሓለፉሉ መንገዲ ሃሰው ካብ ምባል ኣዕሪፈ ኣይፈልጥን። ኣዒንተይ ነቲ ዘይፍጹማት ዝርእይዎ ኣሽሓት መንገድታት ዝርእያ ኣይኰናን። ነታ ሓንቲ ናይ ፍጹምነት መንገዲ ግን ወላ’ውን ብጻዕረ ሞት ክኸዳ ድሉው’የ። ካብ ውሽጠይ ሓኪለ፡ ብግዳም ግዳመይ፡ ንመንፈስ አርነስት ሀሚንግወይ፡ ኤድጋር ኣላን ፖ፡ ኣንቶን ቸኮቭ. . . ሃሰው እብሎ። ውሽጠይ “ብውዱቕካ ኣይትዝለል” እናበለ ይግዕር። “ናብ ኩርኹሮኻ ገጽካ ጠምት” ክብል ድማ ይብጽብጸኒ። ፍጹምነት ካብ’ቲ ማዕዶ፡ ካብ’ቲ ርሑቕ፡ ርሑቕ ርሑቕ. . . ይደሃየኒ ኣሎ። ካብ ማእከል መሬትን ህዝብን ሩስያ ድርሰታት ኣንቶን ቸኮቭ ተሓንጊጠ ዓዲ እኣቱ። ሕልሚ ህዝቢ ሩስያ ሕልመይ ክኾነለይ እሃርር። ን”ቮድካ” ድቛ ክብሎ እደሊ። ንሓድሽ ዓመት ሃገረይ “ፓርቲ” ኢለ እሰምዮ። ንዓባየይ ካብ ዓጽመ ስጋኣን መቕርባን መንዚዐ፡ ናብ እንዳ ኣረጋውያን እውግና። “ውሽጠይ ኣይፋልካን ስኒት የብሎምን” ይብለኒ’ሞ፡ “እንታይ ኰይኖም ዘይሳነዩ! እቲ ፍጹም ኣንቶን ቸኮቭ ዝገበሮ እዩ’ኮ” እናፈራህኩ እምጉቶ። ዝረታዕኩዎ ኰይኑ ይስመዓኒ። ሰገጥ ከብለኒ ምስ ጀመረ ግን እግረይ ኣውጽእኒ እሃድም። ተስፋ እቖርጽ። ግዲ ተስፋይ ክሰርር ኢሉዎ ድማ “A professional writer is an amateur who didn’t quit” (ጸሓፊ ዝበሃል፡ እቲ ምጽሓፍ ዘየቋረጸ ተለማማዲ’ዩ) ኢሉኒ ሪቻርድ ባች። ኩሎም ጸሓፍቲ ምጽሓፍ ዘየቋረጹ ኣማተር’ዮም ብዝበለኒ፡ እናተጠራጠርኩ “ሼክስፒር ምጽሓፍ ዘየቋረጸ ኣማተር’ዩ ማለት ድዩ” ኢለ እናሓሰብኩ ኣብ ድርኩዂት ክሕደትን እምነትን አንሰላሉ። ኣይፋል!! እቶም ዓለም እተምልኾም ከዋኽብቲ “ምጽሓፍ ዘየቋረጹ ኣማተር” ክበሃሉ ዓገብ!! ባዕለይ ንባዕለይ እገንሖ። ‘እቶም ፍጹማት ብገዛእ ርእሶም፡ ሰባት ምዃኖም እናነገሩኒኸ እንታይ ኰይነ ክኣምን ዘይክእል?’ እናበልኩ’ውን አስተንትን። ግና ድምጺ ውሽጠይ ተሓሲመ ኣለኹ መስለኒ! ምጉት ጸሊአ ምሽፋት መሪጸ። ንነብሰይ ክኣምና እሽገር ከም ዘለኹ ይፍለጠኒ ኣሎ። ‘ኣነ ድኣ ከመይ ኣቢለ ከምዚኣቶም ክኸውን እኽእል? ንዓይ አንቋሽሻ። ኣንጀሊና ሪኮ፡ “ውሽጥኻ ዝበለካ ጽሓፍ! እቶም ዕዉታት ውሽጦም ዝበሎም ዝጽሕፉ’ዮም” እናኽትብለኒ፡ ጎቦ ልበይ ንውሽጠይ እጸናጸኖ። ግና ከም ጎራሕ ሰራቂ ግዲ ይቖጽረኒ ኰይኑስ፡ ግርህ ኢሉ ኣይኣምነንን። “ትም ሕትም” ኢሉ፣ ንግዳም ኣሕሊፉ ይህበኒ። እንሓንሳብ’ውን ላንጋ ላንጋ እናዀነ ኣብ ድርኩዂቱ የመላለሰኒ። “ጎቦ ልብኻ ዄንካ ኣይትቕረበኒ” ዝበለ ይመስለኒ። መሊሱ ድማ “ክትጽሕፍ እንተ ደሊኻ ጸሓፍ፡ ጸሓፍ፡ ጸሓፍ. . . . ኩሉ ግዜ ኣማተር ኢኻ፣ ፍጹም ዘበለ ጸሓፋይ የለን፣ እቲ ጸሓፋይ ዝበሃል ካብ ምጽሓፍ ዘየብኮረ ኣማተር’ዩ” ይብለኒ ኣሎ ውሽጠይ። ይመልኣለይ ደኣ’ምበር፡ ብሓቂ ባህ ኢሉኒ ኣሎ። ኣማተር ምዃን ክኢለዮ ኣለኹ። ሕጂ ዘድልየኒ ዘሎ ካብ ምጽሓፍ ዘይምብኳር’ዩ። ምጽሓፍ + ኣማተር = ንፉዕ (ሞያዊ) ጸሓፋይ። ሲድኒ ሸልደን ምጽሓፍ ዘየቋረጸ ኣማተር’ዩ። ኣነ’ውን ምጽሓፍ ዘየቋረጸ ኣማተር’የ። ግና ገና ንውሽጠይ ግዲ ዘይሰማዕኩዎ ኰይነ፡ ድኻም ቀደመይ ይደግሰኒ ኣሎ። ኣጋታ ክሪስት ኣብ መንጎ ሰባትን መላእኽትን ዝነበረት ኰይና ትስመዓኒ ኣላ። ምጽሓፍ ኣየቋረጽኩን። ናብ ሰፈር ከዋኽብቲ ምቁማት’ውን ኣየቋረጽኩን። ዝነብርን ዝሓልፍን እጽሕፋለኹ። ሎሚ ድማ ደሃይ ሰባት የናውጸኒ ኣሎ። ጸኒሑ ድማ ብባህታ ከም ዘዕለቕልቕ ይገብረኒ። ዘሰንብድ’ዩ፣ ዘገርም ከኣ። ሰባት ኣመልካቲቶ ኣጻብዕቶም እናመልከቱ ብዓውታ “እነሆ እቲ ጸሓፋይ” ክብሉ ሰሚዐ። ናባይ ገጸን ቀኒዐን ረኣኽወን። ገና ጸሓፋይ ከይኰንኩ ናብ ፍጹምነት ዘቕረቡኒ ኰይኑ ይስመዓኒ ኣሎ። ኣዝዩ ባህ ዘብል ስም’ዩ። ግና ኣሻብ በጺሐዮ? ዝሃቡኒ ሽመት ካብ ክብረቱ ክብደቱ መዚኑ። ይኸብደኒ ኣሎ። ብዘይቃልዓለም ዘየቋረጽኩ ኣማተር ምዃነይ ክፈልጡለይ ምደለኹ። እንተ ሰምዑኒ ኢለ ብዓውታ ‘ጸሓፋይ ኣይበቓዕኩን’ እብሎም ኣለኹ። ምኽንያቱ ፍረደሪክ ኔዝ “The best author will be the one who is ashamed to become a writer” (እቲ ንፉዕ ጸሓፋይ እቲ ጸሓፋይ ንክኸውን ዝስከፍ’ዩ) ምባሉ እዝክር ኣለኹ። “ምጽሓፍ ዘየቋረጸ ኣማተር” ኢልኩም ጸውዑኒ።