ሕጊ ዓሳ ኣዚዩ ምስ መረሮም
ኣብ ግዝኣተ ጫካ ምስ’ኣስፈሮም
ደቂ ዓለም ብሓደ ሓቢሮም
ፍትሒ ኣንጊሱ ሰላም ከውርደሎም
ንምዕራፍ 7’ዮም ፈጢሮም
እንተኾነ . . . . .
ኣትማን ረጋቢት ከይነኽሱ
ኣዛብእ ብቐትሪ ከይነግሱ
ዝከላኸል ሕጊ ጸዲቑ ክነሱ
ሓርሽ ተነጺፉዎ ደቂሱ !
እቲ ፍትሓዊ ሰነድ
ቆጽሊ ዘንበርሉ
እንትርፎ ‘ቲ ሓርሽ ገንጻሊ ዘይብሉ
መጥፍኢ ረጋቢት
መሻደን ተዃሉ
ኮይኑ ካብ ተረፈ
በድማዕነት’ቲ ምዕራፍ
መን ዘይተሰከፈ።
እንሆ ድማ
ኣብዚ ሎሚ እዋን
ሰማዒ ምስ ሰኣነ
ምሕጽንታን ለበዋን
ኣብቲ ምዕራፍ 7
ናይ ሓሰኻ ደምበር
ሳሬት ኣሊማቶ ዓራታ
ቕንፍዝ ተሊማቶ ግራታ።
ዮሴፍ ተኽልዝጊ