ምዔም-መሓዛን ኣድግና ተገለባን ምስ ታሪኻዊ ኣመሰራርትኡን
“ሽማግለ መላጸ ዋሓጥ ኣይበሉኻ!” ምስላ ኣበው
ሃይለሚካኤል ምስግና
መጽሔት ነጸብራቕ ቁ 4
ኣልበርቶ ፖለራ፡ ብዛዕባ ሞዔም-ምሓዛ (ምዔን-መሓዛ ኢዩ ዝብሎ)፡ ኣብ ጽሑፉ ከምዚ ዝስዕብ ይብል። “ነገዳት ኣከለጉዛይ ካብ ዝቐረጽዎ ቅዋማት እቲ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ መፋርቕ 18 ክፍለ ዘመን ብነበራታት ወይ ብተወከልቲ ፈደረሽናት ተተግበረ። ንሳቶም ኣብቲ ክልተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ተደጋጋሚ ዋዕለኦም፡ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ዓንቀጻት ተኻትዑ። ኣብ ስምምዕ ምስ በጽሑ፡ እቲ ቅዋም ኣብ ዋዕላታት ናይ’ተን ዝተፈላለያ ነገዳት ብኣዋጅ ተነግረ”
ብዛዕባ መበቆል ምዔም-መሓዛ፡ መቕድም ስርዓት ኣድግና ተገለባ፡ ስርዓት ምዔም-መሓዛ ዝሓገጉ ወራዙት ኣከለጉዛይ ሓሙሽተ ጸራቦን ሸውዓተ ሓጋጎን ኮይኖም ኣብ ብዙሕ ቦታታት እቲ ከባቢ እናተዘዋወሩ ውዕሎ ይውዕሉ ከም ዝነበሩ ይገልጽ። መግለጺኡ ብምቕጻል ስርዓት ኣድግና ተገለባ፡ ኣብ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ሓጊጎም ምስ ተሰማምዑሉ፡ ንህዝቢ’ቲ ከባቢ ማለት ወከልቱ። ኣኪቦም ኣብ ምዔም-መሓዛ ዝበሃል ቦታ ከም ዘቖምዎን ከም ዝኣወጅዎን የመልክት።
ሕጊ ኣድግና ተገለባ እንኪእወጅ፡ ሕጊ ምዔም-መሓዛ 123 ዓመት ገይሩ ምንባሩ፡ ኣብቲ መቕድሙ ይንበብ። ብግዜ ኣብ መንጎ ኣድግና ተገለባን ናይ ፖለራ ጽሑፍን ናይ ኣስታት 40 ዓመት ፍልልይ ይርከብ። ከምቲ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ኢላርዮ ካፓማሳ እዚ ቅዋም እዚ ብዘበን ራእሲ ወልደስላሰ (1750-1770) ተሃኒጹ ክብል እንከሎ፡ ወራዙት ዓዲ ለጂ (ምዔም-መሓዛ እትርከበላ ዓዲ) ተሓቲቶም ቅድሚ ኣስታት 17 ወለዶታት ከም እተመስረተ ይገልጹ።
ሽሕ’ኳ ብዛዕባ ኣምጻጽኣ ስርዓት ምዔም-መሓዛ ሰባት ዝህብዎ ትርጉም ዝፈላለ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኣከለጉዛይ በዚ ሕጊ’ዚ ተመሓዲሩ ኢዩ። ወራዙት ዓዲ ለጂ እቲ ቅዋም ቅድሚ ምእዋጁ፡ ወከልቲ ኣርባዕተ ግምባር(ትውልዲ ዞባታት) ማለት ኣከለን ጉዛይን፡ ዖናይን ሎጋይን፡ ሕጊ እናቐረጹ ምሉእ ምቅዳው ከይረኸቡ ሸውዓተ ዓመታት ዝኣክል እናኾለሉ ጽዒሮም፡ ኣብ ምዔም-መሓዛ ምስ በጽሑ ስምረት ድሕሪ ምርካቦም’ዩ ኸኣ ኣብ’ተን ኣርባዕተ ግምባር ተኣዊጁ ይብሉ። ካብኡ ባእሲ ምስ ዘጋጥም፡ ሕጊ ምትርጓም ምስ ዘድሊ ወይ ሓድሽ ሕጊ ምስ ዝስራዕ፡ ወከልቲ’ተን ኣርባዕተ ግምባራት ዑደት እናገበሩ ርእይቶን ብይንን ይህቡ ከም ዝነበሩ፡ ንእስ ዝበለ ጉዳያት ድማ ብሰለስተ ሽማግለ ይዕጾ ከም ዝነበረ’ውን ይሕብሩ።
ብብልጫ ድምጺ ምውሳን ኣድላዩ ኮይኑ ምስ ዝርከብ፡ ወከልቲ እዘን ግምባራት፡ ብዛዕባ ኣወሃህባ ድምጺ ኣብ ዝዘተዩሉ እዋን ኣብ’ታ ዝቐጸለት ኣኼባኦም ቀዲሙ ዝመጸ ክልተ ድምጺ፡ ድሕሪኡን ሳልሳዩን ከኣ ከምኡ ራብዓይ ወይ መወዳእታ ዝመጽአ ግን ሓንቲ ድምጺ ክረክብ ብስምምዕ ወሲኖም። እዚ እቲ ድሕሪት ዝመጽአ ንምቕጻዕ ዘይኮነ ማዕረ ድምጺ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ዓራቒ ተሳኢኑ ምስሕሓብ ከይፍጠር ተባሂሉ ኢዩ ዝኾነ።
ብቐደሙ ንምንታይ ኢዩ ኣብ ምዔም-መሓዛ ዋዕላ ተጌሩ ባይቶ ኣርባዕተ ግምባራት ዝተተኽለ ንዝብል ሕቶ ዝወሃብ መልሲ ከምዚ ዝስዕብ’ዩ “ ብኡሳት ዝተዓረቑላ ቦታ ብምዃና፡ ሸውዓተ ዓመታት ዜርና ኣይከኣልናን’ሞ ምናልባት እንተተመሰለልና ኢሎም ባይቶ ጌሮምላ፡ ከምታ ዝፋለዩዋ ከኣ ኣብ ሙሉእ ስኒት በጺሖ።”
ብዘበን ኣንግሊዝ ሕግታት እንዳባ ክሕደስን ክመሓየሽን ምስ ተወሰነ፡ ሕጊ ኣከለጉዛይ “ኣድግና ተገለባ” ብዝብል ስም ተጸዊዑ። ብወራዙትን መኳንንቲ ዓድን፡ ዓሚቚን ሰፊሕን ምይይጥ ተኻይዱ ቅዋም ኣውራጃ ብ1944 ተተኺሉ። ኣብ መቕድም ናይ’ታ ሽዑ እተሓትመት መጽሓፍ ከም ዝተገልጸ፡ ሕጊ ምዔም-መሓዛ ከም ሕጊ ኣድግና ተገለባ ብዋዕላ ወከልቲ ህዝቢ ከም እተመስረተ ይገልጽ። ኣድግና ተገለባ በብግዚኡ ኣብ ሰንዓፈ፡ዓዲ-ቐይሕን ሰገነይትን ዋዕላታት እናተገብረ ድሕሪ ዓመትን መንፍቕን ዝወድአ ሰፊሕ ኣስተንትኖን ምይይጥን ተመሓይሹ ጸዲቑ። ድሕሪኡ’ውን በብዓመቱ እናተሓደሰ ክሳብ ምቛም ፈደረሽን ኣገልግሎት ሂቡ። ሕጊ ኣድከመ ምልጋእን ሕጊ ሎጎ ጭዋን ብዝጸንሐ ደብተር መሰረት እንኪሕደስ፡ ሕጊ ምዔም-መሓዛ ደብተሩ ስለዘይተረኽበ ወራዙት ጸረብቲ ሕጊን ሓገግትን እናተሓጋገዙ ኣብ ኣእምሮኦም ካብ ዝተሰቚረ ዝኽርን ምይይጥን እዩ እንደገና ተሃኒጹ። ሕጊ ኣድግና ተገለባን ሕጊ ምዔም-መሓዛን ክመዛዘን እንከሎ ኣብ ፍቕዲ ኣርእስታትን ዓንቀጻትን ማዕርነት ከም ዘለዎ ምርዳእ ይከኣል።
ትሕዝቶ ምዔም-መሓዛ
ካፓማሳ ብዛዕባ ሕጊ ምዔም-መሓዛ መጽናዕቲ እንኪገብር ዝረኸቦ ጽሑፍ ይንበር ኣይንበር፡ ኣይሕብርን። እቲ ጽሑፍ ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ይኹን እምበር ምሉእነት ኣላዎ ንምባል የሸግር እዩ። እቲ 33 ኣርእስታትን ካብ 320 ዘይውሕድ ዓንቀጻትን ንምምዝጋብ ዘኽ ኣሎ ከኣ ንጻረ ኣእምሮን ዝኽሪ ያታን ዓበይቲ ዓዲ እዩ። እዚ ድማ ንሽማግለታት ዓዲ ዘንእድ እዩ። ከም ኩለን ሕግታት እንዳባ ኤርትራ ሕጊ ምዔም-መሓዛ ኩሉ መዳያውን ኣብ ብዙሕ ወገናትን ድማ ገስጋሲ ዝኾነን ክፍልታት ይርከቦ። ነዚ ሓቂ እዚ ዘርዝኖ እተን ዓንቀጻት ሕግታት እንዳባ ዝተቐረጸሉ መዋእል ብዙሕ ዘመናዊ ኣምራትን መስርሓትን ኣብ ዘይተፈልጠሉ እዋን ብምንባሩ እዩ። ብዙሓት ሎሚ ሰልጢነን ዝበሃላ ሃገራት’ውን ኣብቲ ግዜ እቲ ነቲ “ሕግታት እንዳባ ኤርትራ” ዝመሃዝኦ መማሓደሪ ስርዓት ኣማሊአን ኣይሕዛን ነይረን። ሓደ ካብ’ቶም ዓበይቲ ዓምድታት “ሕግታት እንዳባ ማዕርነት ኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ እዩ።”
ሽምግልና
ኣበው ኣስተንትኖ ገይሮም ከም ዝበጽሕዎ፡ ዕላማን ቀንዲ ኣምርን ሕጊ እንዳባ፡ ስርዓት ዝሰፍነሉ ሃዋህው ንምፍጣርን ንምጥጣሕን እዩ። እዚ ረዚን ዕማም ንኽትግበር ከኣ ለባማት፡ ፈላጣትን ልሳነ-ርቱኣንን ይምዘዙ። ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ኤርትራ ሽምግልና ኣብ ምምሕዳር ዓድን ኣብ ዕርቅን ዓቢ ግደ ዝጻወት ዝነበረ። ሸምገልቲ ቃሎም ኣዚዩ ረዚን ነበረ “ሽማግለ መላጸ ዋሓጥ ኣይበሉኻ!” እኳ ይበሃል እተመዘዙ ሽማግለ ንጥቕሚ ዓዲ ከይተሓለሉ ይጽዕሩ። እቲ ንሽምግልና ተመዚዙ “ርሑስና ኩነና” ተባሂሉ ቆጽሊ ዝንበረሉ ሰብ ረብሓ ዓዲ ኣቐዲሙ ንረብሕኡ ዕሽሽ ዝብለሉ ግዜ’ውን ውሑድ ኣይነበረን። ሽማግለ ክሳብ “ኣዒንተይ ሓፊረን፡ ኣብራኸይ ጠሊመናኒ፡ ኣእዛነይ ኮሪዐን” ዝብል ዘንበሩሉ ቆጽሊ ናብ ዓዲ ኣይመልስን። “ሽማግለ የገልግል፡ ኣድጊ የንከባልል” ተባሂሉ ከኣ ቁም ነገር ሽምግልና ይምሰለሉ። ብኣንጻሩ ድማ ንዝተዋህቦ ሓላፍነት ዘንጊዑ ረብሓኡ ከኻዕብት፡ ፍርዲ ከዘናብልን ከዳሉን ንዝርከብ ሽማግለ፡ ውርደት ይበጽሖ። ኣብቲ ሕብረተሰብ ከኣ ይንወር። ሽምግልና ኣብ ክልተ ይምቀል
ሀ) ኣፍቲኻ ወይ ኣስሚዕካ ንሰብ ነገር እናሰማማዕካ፡ ዝግበር ፈተነ ዕርቂ ኮይኑ፡ ሰብ ነገር ምስ ዘይቅበልዎ ሽማግለ ብዝገበሮ ከይተቐየዱ ጉዳዮም ናብ ዳኛ መሊሶም ክማጎቱ ይኽእሉ።
ለ) “ኩዒትካ ቅበር” (ዝተመዘዘ ሽማግለ ናይ ሰብ ነገር ሓሓዲኦም፡ ናይ ዳኛ ድማ ሓደ) ኣጻርዩ፡ መርሚሩ ብዝህቦ ውሳነ ነገር ይዕጾ። ተራ ዳኛ ኣብቲ ዝተዓጽወ ነገር ክታም ምንባር ወይ ምጽዳቕ ጥራሕ እዩ። ይግባይ ዘይብሉ ጉዳይ ብብልጫ ድምጺ ሽማግለ ይውሰን። እዚ ብዙሕ ዘይዝውተርን ዳርጋ ዝተረፈን ኣገባብ እዩ።
ዓበይቲ ክፍልታት ምዔም-መሓዛ
ሀ) እታ ቀዳመይቲ ብዛዕባ ስርዓታት (ብቋንቋ እንግሊዝ ብፕሮቶኮል ወይ ኢቲኬት ዝፍለጥ) እትውሰን እያ። ዝበዝሐ ግዚያት እኳ ስርዓትን ሕግን ምፍላይ የጸግም እንተኾነ ኣብ ሃገርና ኣብ ብዙሕ ቦታታት ክሳብ ሎሚ’ውን ከም ዝረአ፡ ኣብ ሕጸን መርዓን መንጎኛ ምግባር፡ ንመርዓውትን ንበኳርን ዝግባእ ህያብ ምብርካት፡ ወግዕታት ገዝሚ ምፍጻም ዚኣመሰሉ ነገራት ኣብዚ ምድብ እዚ ይኣትዉ። እዚ ምስ ዘይፍጸም ግን፡ ዓገብን ነውርን እምበር፡ ከም ገበን ኣይቁጸርን። ካሕሳ የኽፍል፡ መግናሕቲ ከኣ የስዕብ። በዚ ዓይኒዚ ዝረኣዪ ከም ግፍዒ(ሓዘን) ተስካር፡ ወይ ካልኦት ጽምብላት ምስ ዘይፍጸሙ ከም ነውሪ ይፍለጡ። ብተወሳኺ ንዓበይትን ንሰብ መዝን ዝግባእ ኣኽብሮት፡ ብዝዓበየ ነዚ መደብዚ ዝምልከት ይኽውን። እታ ውርይቲ ምስላ ሃገርና “ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ፡ ጨው ዘይብሉ መግቢ” ነዚ እትሕብር ትኸውን
ለ) እታ ካልኣይቲ ዓባይ ክፋል ብዛዕባ ገበናት እትሕግግ እያ። ቅትለት፡ ኣብ ልዕሊ ሰበይቲ ሰብኣይ ምዝማው፡ ስርቂ፡ ሓሶትን ብሓሶት ምምስካርን ብሓባር ኮነ ብንጽል ምንሻው ንህዝቢ ሰላምን ቅሳነትን ምኽላእ ካብ ከቢድ መግናሕትን ካሕሳን ክሳዕ ዓቢ መቕጻዕቲ የኸትል። ግራት፡ ዓውዲ፡ ውልቃዊ ንብረት ናይ ሰባት ኣኽቢርካ ካብ ዘይምሓዝን ካብ ሸለልትነትን ንዝመጽእ ሓደጋ ፍሉጥ መቕጻዕቲ ተመዲቡሉ ይርከብ።
ካብ ገበናት፡ ደም ቀዳማይ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ብዝተኻእለ መጠን ድማ ብጋርን ብጓልን ክነቅጽ፡ ብሽማግለታትን ካህናትን ቀጻሊ ጻዕሪ ይካየድ። ሕነ ምፍዳይ ዘስዕቦ ምጽናት ስድራቤታትን ስደትን ከቢድ ብምዃኑ ነዚ ንምድራት ዝግበር ግብረ-ሰናይ እዩ።
ኣብ ባህሊ ሃገርና፡ ሓሶትን ብሓሶት ምምስካርን ከምኡ’ውን ስርቂ፡ ድሕሪ ደም ምፍሳስ ተሰሪዑ ዝጽላእ ተግባር እዩ። ብሓሶት ዝመስከረ ሰብ፡ ‘ሕሉል’ ወይ ‘ውጂ’ ተባሂሉ ክሳዕ ሸውዓተ ዓመታት ምስክር ኮይኑ ደው ከይብል ይኽልከል። እቲ ዝገደደ ድማ ብማሕበራዊ ደረጃ ንጹግ ኮይኑ ክሳዕ መውስቦ ዝኽልከል’ውን ይኸውን። ፖሊስ ወይ ቤት ማእሰርቲ ብዘይምንባሩ ገበን ንዘስዕቦ ጸገም ዘጋድድ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ሽምግልናን ማሕበራዊ ተነጽሎን ገበናት ኣብ ምውሓድ ዓቢ ተራ ይጻወቱ ነይሮም።
ኣብ መብዛሕትአን ዓንቀጻት እቲ ሕጊ፡ ካሕሳ(ወይ መቕጻዕቲ) ብገንዘብ ወይ ብንዋት ይውሰን። ብገምጋም ፖለራ እዚ ዓቢ ስልጡን ስጉምቲ ካብ’ቲ “ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ” ብሉይ ሕጊ ዝማዕበለ እዩ። ገስገስቲ ማሕበራዊ ሕግታት ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ንምብራህ ካብ’ተን ገስገስቲ ዓንቀጻት ዝበሃላ፡ ነተን ቀንዲ ምጥቃስ ኣድላዩ እዩ፦
ሀ) ኣረጋውያን ወለዲ ምጥዋር፡ ወልንታዊ ዘይኮነ ብሕጊ ዝፍጸም ስርዓት ኣዩ ነይሩ። እዚ ስርዓት ብፍላይ ንቦኽሪ ዝምልከት ይኹን እምበር እቶም ካልኦት(ዝያዳ ከኣ ደቂ ተባዕትዮ) ካብ ታሓታትነት ኣየምልጡን። ንኣረጋውያን ወለዶም ዘይጥውሩ ውሉዳት ውርሻ’ውን ክኽልከሉ ተኽእሎ ነይሩ። ዝጥውር ዝሰኣኑ ወይ ውሉድ ዘይብሎም ኣረጋውያን ምስ ዝርከቡ፡ ዓዲ የናብሮም።
ለ) ጋሻ ናይ ምእንጋድ ስርዓት ብሕጊ ዝቖመ ማሕበራዊ ግዴታ እዩ። ጋሻ ብወገኑ ብዝከኣል መጠን ከም ቅድመ-ኩነት ንዝቕንየሉ እዋን ምስ ዕለት መንቀሊኡ ከፍልጥ ይግባእ። ጋሻ ብዓዲ ይናበ። ዝናብዮ ምስ ዝስእን ከሲሱ ንዓዲ የኽሕስ።
ሐ) ተዓሲቦም ዝሰርሑ ሰብ ውዕለት (ጓሶት፡ ሓረስቶት) ደመወዞምን መሰሎምን ብሕጊ ፍሉጥ ኮይኑ ሰፊሩ ኣሎ። ብዘይሸለልትነት ዝሰርሐ በዓል ውዕለት ብዘይግቡእ ክትሓዝን ብዘይዓስቢ ክግዛእን፡ እዚ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ዘይምፍቃዱ፡ መቕጻዕትን ካሕሳን ከም ዘስዕብ ይገልጽ።
መ) ውላድ ወሰን ምስ ውላድ ማእከል ብማዕረ ይወርስ። ኣብ ማህጸን ኣዲኡ እንከሎ ከይተረፈ ከም ናይ ውርሻን ቀለብን ዝኣመሰሉ መሰላት ካብ ኣቡኡ ክረክብ ሕጊ የፍቅደሉ። ብመገዲ ወከልቱ ከም ዝረኽቦ ድማ ይግበር።
ረ) ኣረግቶት፡ ህዝቢ ዝመዘዞም ሰበ ስልጣን፡ ካህናትን ደያኑን ብኣኽብሮት ክረኣዩ ሕጋዊ ኣዩ። ነዚኦምን ከምኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሰባትን ምዝላፍ ዘይባህላዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብሕጊ እንዳባ መቕጻዕትን ካሕሳን የበይን።
ሰ) ደቀንስትዮ ዝጎደለን መሰላት’ኳ ውሑድ እንተዘይነበረ እቲ ሕጊ ከድሊ እንከሎ ወራዲት ማይ ወይ ወፋሪት ዕንጨይቲ ከይተረፈ ዋሕስ ክተትክል ዝኽእል ነበረ።
ሸ) ሕጊ ምዔም-መሓዛ ምዕቡል ምንባሩ ክንግንዘቦ እንኽእል ኣብ መሰል ወዲ-ሰብ ከይተደረተ፡ እንስሳታትውን እሩም ብዝኾነ መገዲ ክተሓዙን ሓልዮት ክግበረሎምን ዝእዝዝ ምዃኑ’ዩ። ኣብ ልዕሊ እንስሳ ጭካነ ምርኣይ፡ ጉድኣት ምፍጻምን ብዘይብቑዕ ምኽንያት ምቕታልን መቕጻዕቲ ተወሲንሉ ነይሩ። ዝቖሰለ እንስሳ ምጽዓን፡ ዝሓመመን ዝሓንከስን ብዕራይ ምሕራስ ሕጊ ዝኽልክሎን ዘሕትትን እዩ ኔሩ። ብፍላይ ድማ ንገበነኛ ኣቐዲሙ ስምዕታ ተገይርሉ እንተጸኒሑ።
መዛዘሚ
ሕግታት እንዳባ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብቓል እናተመሓላለፈ ብዘይ ምቁራጽ (ንኣማኢት ዓመታት) እናማዕበልን እናተሓደሰን እዩ ተዓቂቡ። እዚ ድማ ቅርሲ ኮይኑ ተተኺሉ ንኽነብር፡ ለባማት ኣበው፡ መንእሰያት ኣብ ልቦም ክስቆሮን ብግዲ ኦም ንተካእቶም ከውርሱን ብዝብል ኣባታዊ ሓላፍነት ደጋጊሞ ይገልጽዎን የስተምህርዎን ስለዝነበሩ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ መንእሰያት ካብ ዝተወሰን ዕድመ ንላዕሊ ኣብ ባይቶ ተረኺቦም ምስ ወለዶምን ኣያታቶምን ኣብ ዋዕላ ክሳተፉ ዝፍቀደሎም ዝነበረ። “እግርኻ ኣክብ ከይትኸውን ጋሻ፡ ዋዕላ ዋዓል ከይትኸውን ዓሻ” ዝብል ምስላ ንመንእሰያት ከይተረፈ ዝምልከት እዩ።
ኣብ ሙሉእ ኤርትራ ዘርእን(ቀቢላን) ሃይማኖትን ብዘየገድስ ንምምሕዳር ዓዲ ዝተማህዛ ካብ 20 ዘይውሕዳን ዝመሳሰላን ዓበይትን ናኣሽቱን ሕግታት እንዳባ ይርከባ። ህዝቢ ኤርትራ ዕርቅን ስኒትን፡ ሰላምን ቅሳነትን፡ ሰብኣዊ ምትሕብባርን ምቅዳውን፡ ስጋይ ስጋኻ፡ ዒብን ምጽውዋርን ብሓጺሩ ሞራላዊ መትከል ንኽሰፍን ዝገበሮ ጻዕሪ ከም ዝነበረ ዋርሳታት ሕግታት ኣበው ይምስክራ። “ሕግታት እንዳባ ኤርትራ” ፍትሓውነተን ኣሉ ኣይተባህለን። ናብ ግዜ ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ከይተረፈ ተሓፊረን እየን። ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ መዳይ እዚ’ውን ተንጸባሪቑ እዩ።
ኣብዚ ዘለናዮ እዋን’ውን እንተኾነ ትሕዝቶ ሕግታት እንዳባ ፈጺሙ ኣይጸነተን። ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ብፍላይ ኣብ ገጠር፡ ሕጂውን ይስርሓሉ ኣሎ። ንሓደ ኤርትራዊ ብሕግን ስርዓትን ምንባር ባህሉ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ድማ ብዘይ ሕግን ስርዓትን ዝመጽኦ ኣካል ዝቃወም “ካብ ብሓቂ ዝኸደት በቕለይ፡ ብዘይ ሓቂ ዝኸደት ቆሎይ” ከም ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ሕጊ ጥሒሶም መሬቱ ክግብቱ ዝተመጣጠሩ ስርዓታትውን መትከል ሓቂ ምሂርዎም’ዩ።