ብመኮነን ተስፋይ
ማሰኛታት ነጋሽ ሳግላን ኣቶ ሓድጉ ስዩምን ሓደ መዓልቲ ኣብ መስሓል-ወደ’ከለ ተራኸቡ። ክልቲኦም ኣብ ሓደ ውራይ ብሓባር ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ኣውሎ ጀመሩ። ኣቶ ሓድጉ ስዩም ቤት ሰማዕቲ ንኡስ ዞባ ጸሮና ኢዩ ዓዶም። ክሊማ እቲ ከባቢ ውዑይ ስለ ዝኾነ ብቖላ ኢዩ ዝጽዋዕ። መጀመርያ ኣውሎ ዝበሉ ኣቶ ሓድጉ ስዩም ኢዮም ኔሮም። ንሶም ከም’ዚ ክብሉ ኣውሎ በሉ፡-
ኣንታ ከብት’ሲ ኣብ ቆላ ይበዝሓ
ጤለ-በጊዕ’ውን ኣብ ቆላ ይበዝሓ
እዛ ጸብሕኹም ክትጥዕም ክትጸብሓ
ጥሕሎኹም ትመጽእ መኽደን ኣወጢሓ
ጥዕምቲ ኢልካ’ሞ ትምሳሓ
ኣብ ከብድኻ ትውዕል ኣሳፊሓ
እምበይተየ እምበይተየ…
ደገ በጺሕና ክሻብ እንመጽእ ሓንሻብ ጽንሓ።
ጥሕሎ ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ኣዚዩ ዝውቱር መግቢ ኢዩ። ጥሕሎ ካብ ጥሕኒ ስገም ዝዳሎ መግቢ ኮይኑ ምስ ኣብ ጻሕሊ ዝተሰርሐ ዝግኒ (እቲ ዝግኒ ብቋንጣ’ዩ ዝስራሕ) እናጸባሕካ ዝብላዕ ኣዚዩ ዘይምኖ መግቢ ኢዩ። ኣቶ ነጋሽ ሳግላ ድማ ከም’ዚ ክብሉ መለሱ፡-
ቆላሉየ፡ ቆላሉየ
መሬትኩም ዝልሶ
ጸብሕኹም ዝዓውሶ
ንሱ እንድ’ዩ ንነብስኹም ዘሕፍሶ
ብእኡ እንድ’ዩ ዝሕዘኩም ዓሶ።
ኣቶ ሓድጉ ስዩም ከኣ ከምዚ ኢሎም ደጊሞም ኣውሎ በሉ፡-
ነጊሸየ፡ ነጊሸየ ሳግላ
ነጊሸየ፡ ነጊሸየ ሳግላ
ኣንታ እንታይ ኢኻ ዝበልካያ ነዛ ቖላ
እዛ መልሓስካ ኣብ ውሽጢ ኮይና
ለው-ለው ትብል ዘላ
በጃኻ‘ንዶ ተዓገሲ በላ
ትፈልጣ’ዶ ኢኻ’ኸ ነታ ኣብ እግራ ዘላ?”
ምሽምጣጥ እንተ በዚሑ ናብ በትሪ ምስጋር’ውን ክህሉ ከም ዝኽእል ኣቶ ስዩም ናብ በትሮም እናኣመልከቱ ኢዮም “ትፈልጣ’ዶ ኢኻ ነታ ኣብ እግራ ዘላ” ዝበሉ።
* * *
ኣብ በራዓንዲ ዝበሃል ዓዲ ተላ ብርሃነ በዓል ዓዲ ሓርገጽ ናብ መርዓ ወሪዶም ገዝሚ ምስ ወሓዶም ከም’ዚ ኢሎም፡-
ከብቲ ሂብናኩም ብጓሳ
ቅርሺ ቋጺርኩምልና ብኻሳ።
ሽዑ ብላታ ደበሳይ ወዲ ባሕረ ነጋሲ ጭሮም ከም’ዚ ኢሎም መለሱሎም፡-
ገዝሚ’ዶ ደሊኹም ሰብ ጫዓሎ
ገዝሚ’ዶ ደሊኹም ኣባና ዘየሎ
ዕዱም’ዶ ይመስለኩም ኣብዚ ዘሎ
ጎርዞ ጊላዋ ኣርሑ በሎ
ወዮ በራዓንዲ ደኣ ኮይኖም ኣዳም ዘይጎደሎ
ገዝሚ’ዶ ደሊኹም ሰብ ጨዓሎ
ገዝምኹምሲ የደባኒ ኣሎ፡፡
“ገዝምኹም’ሲ የደባኒ ኣሎ” ማለቶም ገዝምኹም ካብ ሕርሻ ኢዩ። ጽቡቕ ዝናብ ክወቕዓኩም’ዩ ሰማይ ደበና ይገብር ኣሎ ንብምባል ኢዮም። ኣብ’ቲ ንሶም ዝተዛረቡሉ ወቕቲ፡ ማይ ሃሪሙ ኩሉ ሰብ ከኣ ምህርቱ ሓፊሱ፡፡
* * *
ሓደ መዓልቲ ኣብ ውራይ እንዳ ኣቶ ተስፋሚካኤል ካሕሳይ በዓል ሚዔላ ኣቶ ተስፋማርያም መኮነንን ከምኡ ድማ ኣቶ ተመልሶ ቐለተን ተሸማጢጦም ኔሮም። ፈለማ ኣውሎ ዝበሉ ኣቶ ተመልሶ ቐለተ ኢዮም። ንሶም ነዛ ትስዕብ ኣውሎ በሉ፡-
ኣንታ ወዲ መኮነን ወዲ ኣውራ
ወዲ ኸንቲባ ተማኑ ወዲ ኣውራ
ወዲ ወሪሽ ወዲ ኣውራ
ወዲ ወልደትንሳኤ ወዲ ኣውራ
ወዲ ማሓረዝጊ ወዲ ኣውራ
ወዲ ማኣሰርቲ ወዲ ኣውራ
ኣታ ነዓናይ’ንዶ ናብ ኣስመራ
ከነስርረካ እታ ባቱራ።
ኣቶ ተስፋማርያም መኮነን ከኣ ካብ መን በሊጽካ ደኣ’ልካ ተመልሶ ባቱራ ተርእየኒ ኣነ ቕድሜኻ እንድ’የ ዝፈልጣ ንምባል ከምዚ ኢሎም መለሱ፡-
ኢልካኒ ወዲ መኮነን ወዲ ኣውራ
ወዲ ኸንቲባ ተማኑ ወዲ ኣውራ
ወዲ ወሪሽ ወዲ ኣውራ
ኣንታ ቕድሜኻ እንድየ ዝፈልጣ’ታ ባቱራ
ወያ እንዳ ኣቦይ እንድያ’ሞ ብጥይት ብባሩድ ተሓጺራ
በዓል ንስኻ እንዲኹም ኣብሊዕኩም ኣስቲኹም እንጀራ።
ሽዑ ኣቶ ተስፋሚካኤል ካሕሳይ በዓል ገዛ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ፡ ነቶም ማሰኛታት “ንሕና ከተጸብቑና ደኣ ኣምጺናኩም እምበር ክትበኣሱ ኣየምጸናኩምን” ብምባል ክገንሖም ፈተነ። ኣቶ ተስፋማርያም መኮነን ድማ ከም’ዚ ኢሎም መለስሉ፡-
ኣንታ እቲ ኣነ ዝብሎ ንሱ ይፈልጦ
እቲ ንሱ ዝብሎ ኣነ ይፈልጦ
ከተባእሰና ኣይኮንካን ከም ወጠጦ።
ነዘን ምሽምጣጥ ናይ ኣቶ ተመልሶ ቐለተ ምስ ኣቶ ተስፋምርያም መኮነን ዝነገረኒ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ዝነብር ወዲ ማሰኛ ኣቶ ተስማርያም መኮነን፡ ኣቶ ስዮም ተስፋምርያም ኢዩ በዚ ኣጋጣሚ ስለ’ቲ ተገዳስነቱ ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን።
ኣቶ ነጋሽ ሳግላን ገብረመድህን ብስራትን ኩሉ ግዜ ኢዮም ንሓድሕዶም ዝወቓቐሱን ዝወዳደሱን። ኣቶ ገብረመድህን ዝያዳ ንኣቶ ነጋሽ ክብረት ይህብዎም ነበሩ። ኣብ መስሓል ወደከለ ኢዩ ኣብ ናይ መርዓ ኣጋጣሚ ኣቶ ገብረመድህን ኣቐድም ኣቢሎም ከይዶም ኣቶ ነጋሽ ድሕር ኢሎም ከዱ። ሽዑ ኣቶ ገብረመድህን እንታይ ኢሎም።
ትርእይዎዶ ኣለኹም ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ
ነጋሽ መጺኡ ኣሎ ደገዝማቲ
እኽሊ ደኣ ክበልዕ ኢለዮ ማይ ክሰቲ
እምበር ከይተኮሰለይ ጠያይቲ
መህደምየይ ክሕዝ በዓቲ።
* * *
ኣቶ ነጋሽ ሳግላ ከኣ ከምዚ ኢሎም መለሱ
ገብረይ ኣለኻ ዲኻ ገብረይ
ኣቦታትካ ክዝክር ቆጺረይ
ታሪኾም ኣለኒ ኣብ ሃገረይ
ብሰያባት ዓደይ ተማሂረይ
ኣካላተይ እንዲኻ መሓውረይ
እስትንፋሰይ እንዲኻ ጎሮረይ
ሳላኻ እንዳአለይ ከቢረይ
ታራ ሰብ እንድየ ከም ሃገረይ
መንጓድ ብዕራይ ምሃብኩኻ ኔረይ
እሞ ባዕልኻ እለዮ እቲ ሓዳረይ።
* * *
ኣቶ ገብረመድህን ከኣ ቀጺሎም
ኣብ ኣስመራ እንተ ተገብረ ውራይ
ብዘይ ነጋሽዶ ኣሎ’ዩ መዳራይ
ደቀምሓረ ሰገነይቲ እንተተገብረ ውራይ
ብዘይ ነጋሽ መን ኣሎ መዳራይ
ወዲ ኣቶ ብርሃን ወዲ ቦኽራይ
ወዲ መምህረይ ገብረመስቀል ወዲ ቦኽራይ
እንድሕር ሂብካኒ መንጓድ ብዕራይ
ንዓደይ ክወስዶ ሃባ ሕራይ
ክሓርሰሉ ዓጢቐ ሽራራይ
ስገም ክዘርኣሉ ኣብ ኣደራይ
ካብ ስድራኻስ ምገደዳ ስድራይ።
* * *
ኣቶ ገብረመድህን ብዛዕባ ሰብ ኣስመራ ዝበልዎ፡-
ኣታ ኣስመራ እንሄልካ ጻዕዳ ዓዲ
ዓዲ እንዳበልና ኮና ዓንዲ
ሓደ ኣድጊ ምስ ሓደ ጽምዲ
ዓለም ኣሕለፍናዮ እዚ አን ከነናዲ
ቅርሺ ምህረቶም ፈረንካኦም ጉርዲ
ዓንዲ ማእከል ዝኸውን ኣኽብዲ
ከትካታይ ዘውዕል ክሳውዲ
ዓዲ እንዳበልና ደኣ ኮና ዓንዲ።
* * *
ንኣቶ ነጋሽ ከኣ ከምዚ ኢሎምሎም ኔሮም፡-
ነጋሽ ከኣ እንሄ ዝበለጸ
የማናይ ዝብሎ በየን መጸ
ጸጋማይ ዝብሎ በየን መጸ
ኣንበሳ ዝመስል ካብ ዱር ዝወጸ
ነጋሽ ጽቡቕ ኣለኻ ጒሓት ጒሓት ትሕጸ
ኣብ ዝተመርዓወት ትቑጸ።
* * *
ኣቶ ነጋሽ ንኣስንቲ ሃገረሰብ ማሰ ዝበሉለን
ኣብ ሃገረሰብ ዘልዋ ደቂ ኣንስትዮ ሽግር ዝጸቐጠን
ክዳን ኣበጀዲድ ተዋሒጠን
ቆልዓ ሰለስተ ዓመት ተሓንጊጠን
እሞ ይዋትዊ ሰብ ዘይፈልጠን
ቅነ ጽብሓት ክህባኻ ገሊ ኡ ጥሒነን ገሊ ኡ ለንቂጠን
ኢደንን ብርከንን ተመሊጠን።
* * *
ንሰብ ኣስመራ ከኣ ከምዚ ኢሎምለን ኔሮም
ኣብ ኣስመራ እንሄኻ ቐጠንጠን
እንተሓለፍካ መንበር ተቐሚጠን
እንተሓለፍካ ኣብ ዓራት ኣንቀልዒጠን
ጽብቕ ጭራ ርእሲ ተመሺጠን
ክሳብ መንከሰን ተወቂጠን
እሞ ኸኣ እምብዛ ኣይተቕብጠን
እንተኸዳ መቐመጫ ኣሕቢጠን
ክዳን እንተ ተኸድና ለለዊጠን
ማርያማት ደኣ ይመስሎ ዘይፈልጠን
እንተበጻሕካስ ሓደ ኢዩ እቲ ውሽጠን።
ደጃዝማች ረዳ ጓንጉል ምስሌነ ናይ ኣኽራን ኢዮም ኔሮም። ዓዲ ኣሕማ ኦም ዳሞ ኢዩ። ሓደ እዋን ንደጃዝማች ረዳ ዘሞኦም ሞይቶሞም ኣቶ ነጋሽን ኣቶ ገብረመድህን ብስራትን ብሓንሳብ ኣብቲ ቐብሪ ተረኽቡ። ኣቶ ገብረመድህን ከምዚ ክብሉ ኣልቀሱ፡-
ኣባጎርፊ እንዶ ኣይከፈሉ ንሃከንቲ
እውዶም ከፊሎም ንሃከንቲ
ብሓኪምዶ ይልቀም መዓልቲ
መድሃኒትዶ ኣሎ ኢዩ ናይ መዋቲ
ተማህለሉ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ
ነጋሽ ከኣ ኣሎ በዓል ሽሕ ኩሩምቲ
ብድሕሪኡ ክባርኹ ኢዮም ሊቃውንቲ።
* * *
ኣቶ ነጋሽ ከኣ ብድድ ኢሎም
እንታዋ ኢዩ ከይትብሉ ዓጋመ ዓዲ ግራት
ኣንታዋይ ኢዩ ከይትብሉ ዓድዋ ዓዲ ግራት
እዚ እኮ’ዪ ገብረመድህን ብስራት
ተመለሱ ዝብሎም ንሙህራት
ኩቡር ደኣ ይነብር ኣብ ኩቡራት
እምበሪ ንባዕሉ ወዲ ኣልጋ ኢዩ ወዲ ዓራት።
ኣባ ጎርፊ ቀበርኹም ባጽዕን ኣስመራን
ዘይኸዳኦ ምስ ኮና ኦቤልን ባቱራን
እንጻደፉ ገደልን ቃቑራን
እናሰረሩ ብዋዚትን ባዝራን
ካብ ኣወዳት ኣጓላትዶ ኣይሃጥራን
ጠባያተን ንሳተንዶ ኣይምቅራን
እበይተይ ረድየን ምስ ወረዳ ናብ ኣኽራን
ምስ ወለዳ ኣሰፋን ኣበራን
መድሕና ተኸለት እምበይተይ ህጥራን
ኣንተርከብና ነገርሕሰን ዑራን
ባርኹና ደኣ መማህራን።
ዓበይቲ ማሰኛታት ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ካብ ጸጋም ናብ የማን 1ይ ባሻይ ብርሃነ ዓዲ ኩብሎ፡ 2ይ ኣቶ ገብረመድህን ብስራት፡ 3ኣቶ ነጋሽ ሳግላ፡ 5ይ ኣቶ ሓድሽ ገብረገርግስ