ድሕሪ ድራር ቅድሚ ምድቃሰይ
ነቲ ቆራሪ ጸልማት ሂበ ሕቖይ
በታ ጸባብ መስኮት ዓይኒ ሸላይ
ውጥም ኢለ ኣማዕድየ ሰማይ።
እንተረኣኹዎ ሰማያት ዓምቢቡ
ጩራ ዕምባባኡ ናብ መሬት ኣስሪቡ።
‘ቶም ወሓዝቲ ብርሃን ንሰማይ ኣዒንቱ
ድሙቕ ብሩራዊ ብርሃን’ናብለጭለጩ
ኪኖ ስጋይ መንፈሰይ ምስ ሰዓሙ
ሽዑስ ጭልቅዕ ተስፋይ ንእለት ሸዊቱ።
ሽዑ ፡
መዕገርገሪ ዝኽሪ
ፍጡር ስቕታ ጭንቂ
ነጻ ገዲፎምኒ ኣሕዲግዎም ባህሪ።
ባህሪ ዘይሻራዊ
ምስ ሕብረ-ትርኢቱ
ንሱ፡
‘ናሻዕ እናወሰኸ ብርሃነ ድምቀቱ
ኣነ ፡
ኣድንቕ ኣቢለዮ ካብ ጥልቀተ ውሽጠይ
ምስ ምውቕ መንፈሰይ
ደቂሰ ምስ ተስፋይ።
ጸጋይ መሓሪ(ተመርዖ)
2010 ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ