ብርሃነ ገብረሂወት
“ኣቱም ሰባት፡ ምስትንታን ይዅን ምጭቕጫቕ መፍትሒ ጉዳያትና ክዀኑ ኣይክእሉን እዮም።” ርግኦ ነቲ ስቕታ ሰበሮ። “ድንቁርና ይጻወተልና ኣሎ። ዕርቃን ኣተሓሳስባና ከይተፈወሰ ኣይክንጥዕን ኢና። ኣረእእያና ለውጢ የድልዮ ኣሎ። ወዲ ሰብ ሕስረቱ ይዅን ክብረቱ ኣብ ኣተሓሳስባኡ’ዩ። ክገርመኩም ስንክልና ከም ሎም ዘመን ኢሉ ነጺሩለይ ኣይፈልጥን። ክሳዕ’ዚ ቀረባ እዋን ዝነበረኒ ሌላ ምስ ኣካላዊ ስንክልና ጥራይ’ዩ። ሎሚ ግን ምስቲ ኣብ ሂወት ዝዓበየ ስንክልና ክላለ በቒዐ ኣለኹ። ጫለዳታት ኣይነብዝሕ። ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ንስንኩል ኣተሓሳስባና’ዩ ዘንጸባርቕ ዘሎ። ንቐጽልዶ ስንክልናና ንፈውስ? መዋእልና ቁስልና ክንሓክኽ ከም ምርጫ ከም ዝወሰድናዮ ኣይንኽሓዶ። ክሳዕ መኣስ ኢና ክንሕንሕን? ክንፈልጥ፡ ዓቕሚ ዘይብሉ’ዩ ክሕንሕን ዝነብር። ዓቕሚ የብልናን። ዓቕሚ ኣለና ንብል እንተ ኴንና ካብ ሎሚ ሓሊፉ ንመኣስ’ዩ ክዀነና – ንጠቐመሉ። መስዋእቲ ከም ያታ ኣብ ዝተወርሰላ ሃገር፡ መሕደር ሽሕ ከይመውት ሽሕ እናመቱ ተዓሚትና ንርኢ ኣለና። ክሳዕ መኣስ እንድዒ። ንሞት እንተ ፈራሕናያ’ኳ ሙማት ኣይተረፈናን። ተዀርሚኻ ሞት ኣሳፊሕካ ሞት ከይንብል ኣቢና። ወይ ውን ፍልልይና ኣጽቢብና፡ ተጸዋዊርና ከይንኸይድ ኣብ ምርሕሓቕ ኣድሂብና ኣለና። ነፍሰ ገምጋም ካብ ርሓቐና ብዛዕባ ክኸውን ኣለዎ ኢልና እንሓስቦ እንተ ተዛረብና ውን ዘኽፍእ ኣይመስለንን።” ድምጹ ክብ ኣቢሉ ንደርፊ ኣብራር ተቓጸጻ።
“ሓቁ ኣሎ ርግኦ። ዓቕምና ብዛዕባ ነፍስና ዘይኰነ ብዛዕባ ሰባት ኣብ ምዝራብ’ዩ። ሓመይቲ ኴንና ተሪፍና። ብሓሳባት ዘውጋዕናሉ ግዜ የለን። እዚ ድኽነት ኣተሓሳስባና’ዩ ዘርኢ። ክሳዕ መኣስ ኢና ግን ካብ ነፍስና ክንሃድም? ክንፈልጥ፡ ጸቢብ ኣተሓሳስባና’ዩ ኣብ ጸቢብ መቓብር ዘእትወና ዘሎ። ሰብ ምዃንካ ክሒድካ፡ ናብ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ኣውራጃ፡ ዓሌት፡ ቀቢላ፡ ናብ ከበሳዶ ናብ ቆላ ጽግዕግዕ እንታይ ኣምጽኦ? ሓይልኻ ጸንቂቕካ ንስዕረት ኢድካ ምሃብ እየ ዝብሎ። ብብቕዓት ንዝሰኣንካዮ ጽፍሒ ብሓለፋ ክትረኽቦ ምፍታን ኰይኑ ይረኣየኒ። ናይቶም ዘቀባጥሩን ክቀባጠረሎም ዝጽበዩን ከሕንኸና ኣለዎ። ንሕና’ውን ካብኣቶም ዝፈሊ የብልናን። ብከምዚ ዝበለ መገዲ እንጐዓዝ ኣእላፍ ኢና። ስንፍናና ኣሚንናሉ ኣይኣሚንናሉ ኣብዚ’ዩ ዘሎ። ዝተዘራረገ ኣተሓሳስባና ዝፈጠሮ ዝሩግ ፖለቲካዊ ሂወት ከኣ ንመርሕ ኣለና። ተበኪልና ንኽንደይ ንብክል ኣለና። እቶም ዶባት ኤርትራ ዝጠምረና ኤርትራዊ ኣተሓሳስባ ክንሃንጽ ኣይንኽእልን? ብሓለፋ ዘይኰነ ብብቕዓት፡ ተወዳደርቲ ንምዃን ዘይንዳለወሉ ዘለና ምኽንያት ጉድለት ርእሰ ተኣማንነት’ዩ። ልሙስ ኣተሓሳስባ እንተ መሪጽና ንልሙስ ሕብረተ ሰብ ተመስገን ኢልና ንቀበሎ።” ሰየሞም ትዕዝብቱን እማመኡን ኣቕረበ። ንዝነበሮ ሕርቃን ክቈጻጸሮ ይፍትን ነበረ።
“እምነት ኣብ ፖለቲካ ቦታ የብሉን። ‘ዓሻ ተመሲልካ ድራሮም ወድኣሎም’ ዝብልዎ ኣካይዳ’ዩ ዘስርሕ። ኣማኒ ባህርያትና ወጊድ ኢልና፡ እንተ ዘይተገራህና ይምረጽ’የ ዝብል። ሕጂ ውን ኣይንገራህ።” መነጸር ህድእ ኢላ ዘረባኣ ጀመረት። “መንቀሊ ጸቢብነት፡ ከምዚ ሰየሞም ዝገለጾ፡ ፍርሒ ድዩ ጉድለት ርእሰ ተኣማንነት ብዘየገድስ፡ ናይዘን ስንቂ ድኹማት ሳዕቤን ከም ቀሊል ኣይንውሰዶ። እዚኣተንን ከምዚኣተንን ጸላኢ ወይ ጓና ዝጥቀመለን ስልትታት እየን። ርእሲ ምህራም፡ ሕቖ ምጉዛዝ ወይ ነቶም ዝጠምሩኻ ወሰንቲ መላግቦ ምኽርካር ኣብ ዓውደ ኲናትን ግርጭትን ልሙድ’ዩ። ኣዝየን ኣቐንዘውቲን ቀተልትን ብምዃነን ጥምረትካ ዘስገኦ’ዩ ዝጥቀመለን። ብድሕረ መጋረጃ ንዘሎ ሓይሊ ምርኣይን ንቕሓትን የድሊ። ትዕዝብትና፡ ‘ዋልታ ኣይትርአ ድሕሪ ዋልታ ርአ’ ክኸውን ኣለዎ።” በለት። ኣቀራርባኣ ‘ንዓሻ ደርጓሓሉ፡ ንለባም ኣምተሉ’ ዓይነት ነበረ።
“ሕማም ፍርሕን ስግኣትን ኣብ ደሙ ንዝሰረጾ ብኸመይ ካብ ሕማሙ ከተገላግሎ ትኽእል? ድሕሪ ዋልታ ይዅን ቅድሚ ዋልታ ዘሎ የለን በጃኻትኩም። መዋእልና ‘ጸላኢ፡ ጸላኢ’ ክንብል ክንነብር! ኣእምሮና ብቋንቋ ጽልእን ጸላእን ተባሒቱ በቃ። ፈተውቲ ከም ዘለዉናስ ሓደ መዓልቲ ኸ ሓሲብናን ዘኪርናንዶ ንፈልጥ? ኣተሓሳስባና ብእወታዊ መዳይ እነቓንየሉ እዋን መኣስ’ዩ ክኸውን? ብወገነይ ርክብና ምስ ተፈጥሮኣዊ ሓይሊ ሚዛን ልሕሉሕ ምህላዉ ተረዲአ ኣለኹ። ኣብ ሕጊ ተፈጥሮ ዝዘራእኻዮ ኢኻ ትዓጽድ። ፍቕሪ ዝዘርአ ፍቕሪ፡ ጽልኢ ዝዘርአ ከኣ ጽልኢ’ዩ ምህርቱ። ታሪኽናን ኣረኣእያናን ብዘይ ወዓል ሕደር ንኸልሶ። ብስንኩል ርድኢት መዋእልና ኣይንመራሕ።” ከለሶም ዓይኒ ዓይና እናጠመተ መለሰ።
“ኣየ ብዓል ከለሶም! ወላ ነቲ ግሁድ ዲኹም ክትሓብኡልና ትደልዩ? ሕብሪ ጽልኢ እንታይ ድዩ ዝመስል? ቀይሕ ዶ ሰማያዊ? ብጫ ወይሲ ቀጠልያ? ‘ፍቕሪ ኰይኑ ሻሽ ጽልኢ ኰይኑ ከኣ ኳዅ ይምሰል’ ንዝተባህለ ዝዘንጋዕና ንመስል። ጸላኢ የብልናን ዝብሉ ጽልኢ እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጡ ክዀኑ ኣለዎም። ወጃብ ስምዒታዊ ኣካይዳ’ኳ ኣይብርሃንን። ጸላኢ ፍትሒ ወይ ልዕልና ሕጊ ጸላኢና ኣይኰነን ድዩ? ኣመለኻኽታና ነስፍሕ። ቅዲ እናቐያየረ ንዝመጸና ዘሎ ውዲት ጸላኢ ከኣ ንንቀሓሉ።” መነጸር ተማሕጸነት።
“ድሕሪ ኣኼባ ስለ ዝርደኣኒ’ዩ ይመስለኒ ዘይነጸረለይ ነገር ኣሎ። ንድሕሪት እንተ መሊሰኩም ኣይትሓዙለይ።” ኢሉ፡ መስትያት ርእሱ ብምድናን ይቕረታ ሓተተ። ጋን ዝዀኖ ይመስል ነበረ። “‘ሓሚምኩም’ ዲና ንበሃል ዘሎና ወላ ‘ሓሚምና’ ኢና ንብል ዘሎና ብውርግሪግ ተዓፊነ ንምፍላዩ ተጸጊመ ኣለኹ። ነገራት ንኽበርሃለይ ሓግዙኒ ኣሕዋት። ሓሚምኩም እንተ ዀይኑ ዝበሃል ዘሎ፡ ሕሙማት ባዕልና እንከለና ካልኦት ተቐንዘውቲ ዝዀኑሉ ምኽንያት ኣይተረድኣንን። መዓንጣና ሓሪሩ፡ ቃንዛና ውሒጥና እናሃለና፡ ከም ሓኪም ሓለይቲ ተመሲሎም፡ ‘ኣብ ምንታይካ’ዩ ዝስመዓካ ዘሎ፡ ከመይ ከመይ’ዩ ዝገብረካ’ እናበሉ ሕማምና ቀቀዲሖም ልዕለና ተቐንዘውቲ ኰይኖም ዝቐርቡ እናኽርኢ፡ እታ ኣብ ዘይምዓላኣ እተውዕልዋ ‘ተሓጓማይ ከሎስ ተሓዝ ማሕጐማ ይጠርጥ’ እትብል ምስላ ትርጕም እረኽበላ። ነዚ ኹሉ ዘምጽኦ ሕማምና ዘይምኽኣል’ዩ ኣይብልን። ልዕሊ ሕማምና ሕማም ተወራዘይቲ’ዩ ከፊኡና ዘሎ። በሪ ስለ ዝኸፈትናሎም’ዮም ከኣ። ክንፈልጥ፡ መድሃኒትኩም እዚ’ዩ ተባሂሉ ዝወሃበና ወይ ዝእዘዘልና ውን ክፍውሰና ከም ዘይክእል ብኣጋኡ ምግንዛብ ከድልየና’ዩ። ኣብ ውሽጢ ኣካላትና፡ ስለምንታይ ተፈጥሮኣዊ ጸረ ነፍሳት ምህላዎም ንዝንግዕ? እቲ ናይ ግዳም እኮ ካብኣቶም ተቐዲሑ ዝተሰሐ እምበር ቀንዲ መድሃኒት ኣይኰነን። መድሃኒት ሕማምና ካባና ሓሊፉ ክፈልጦን ክመርጾን ዝኽእል ኣካል ሓደ’ኳ የለን። ዘይመድሃኒትካ ወሲድካ ዝበኣሰ ሓሚምካ ምድቃስ ከም ዘሎ ምፍላጥ ግዜኡ’ዩ።” ሓሳቡ ኣቕረበ።
“‘ሓባኢ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ’ እንዶ ኣይንግበሮ። ከም ዝሓመምና ንመን ይጠፍኦ? ንተደናገጽቲ ምንሻው ይጽንሓልካ፡ ክንገብሮ ንዘይከኣልና ነገር’ዮም ዝሕግዙና ዘለዉ። ቃንዛና የቃልሑልና ኣለዉ፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ፈውስና ይርከብ።” ማዕበል ተቓወሞ።
“ሓቁ’ዩ ማዕበል። መተሓምምትና ይሕግዙና’ዮም ዘለዉ።” መቓልሕ ደገፉ ገለጸ።
“ድኻምና’ኮ ባዕልና እንምስክሮ’ዩ። ሕማምናን ፈውስናን ካባና ሓሊፉ መን ክፍልጦ ይኽእል?” መነጸር ሕቶ ወርወረት። “ሓሶት ብወፈራ ካብ እንተሓሓዞ ኣይሓጸረን። ብሓሶት እንሓድርን እንመሓደርን መኣስ ውሒድና። ዘይምግንዛብ’ምበር፡ ሸዊት ሓሶት ድራር ሓደ ምሸት ምዃኑ ኣይተርፎን። ዝደጋገም ሓሶት ግን ሓቂ ስለ ዝመስል ንግዚኡ ውን ይዅን የጋጊ። ግዳ ኣየስተውዓልናን። ከመይ ቢልና ከነስተውዕል? ክሳዕ ሕጂ ንነፍሱ ክሓትት ዝደፈረ ዘሎ ኣይመስለንን። ዘለዎ ዘይርእን ዝጠፍኦ ዘይፈልጥን ይበዝሕ። ትብዓት ምስ ነብስኻ ኣብ ምልዛብ ከም እትርከብ ዝተገንዘበ የለን። ንሓቂ ክንቀብር ሩሕና እንተዘይመሎቝና ምኸበርና እምበር ኣይምሓሰርናን ይመስለኒ። ሰብ ንክፋኡ ክሰትር ምስ ዝቃለስ’ዩ ዘምሕረሉ። እዚ ኹሉ ጫቝጫቝ ንሓቂ ኣብ ጋህሲ ንምድፋን’ዩ። ከምቲ ምስላ ዝብሎ እንተዀይኑ፡ እታ ሓቂ ዝብሉዋ፡ ብርእሳ እንተቐበርናያ ብእግራ ምውጽኣ ኣይተርፋን’ዩ። ኣብ ዝበጻሕና በጺሕና ናብኣ ንንምለስ፡ ንሃድሞ ዘለና ህድማ ካብ ውሽጥና ናበይ’ዩ ከብለና እንድዒ። እነጋልቦ ዘለና ልጓም ዘይብሉ ፈረስ ኣበይ’ዩ ከብጽሓና ኣይርደኣንን። ኣብ ሓደ ጉድጓድ ክድርብየና ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን። ኵምራ ሓሶት ተኣኪቡ ሓቂ ክመስል ይፍትን ኣሎ። ኣይኰነን ሓቂ ክኸውን ግን ጥቓ ሓቂ ኣይቀረበን። ፈሪሕናዶ ክንመውት ደሊኹምና ኢኹም – ሎምስ ሓቂ ከነምሉቝ ክንደፍር። ካብ ግቡኡ ዝዀብለለ እኮ’ዩ ጫውጫው ዝብል ዘሎ። ግቡኡ ከይፈጸመ መሰል ዝሓትት በዚሑ ንርኢ ኣለና። ግቡኡን ልዕሊ ግቡኡን ዝዓመመ ግን ቃል ከምሉቝ ኣይሰማዕናን። ንዅሉ ኣደራዕ ከም መንድዓት ኣብ ዝባኑ ሓዚሉዎ ይነብር ኣሎ። ‘ካብ ብዓል ጣፍስ ብዓል ኣፍ’ እዩ መለለዪ እዚ ዘመን። ከመይ ዝበለ ሰይጣን’ዩ ተሰቒሉና ዘሎ ኣይፈልጥን። ‘ናብ ልብና ንመለስ የኽፍኣልና’ዩ’ ዝብል ሓደ ለባም ተሳኢኑ።” ካብ ጸጋም ናብ የማን ክሳዳ እናዞረት ንዅሎም ጠመተቶም።
“ኣይፋሉን። ሰይጣን ኣይተሰቐለናን። ተረካብ ይዓድዮ ኣይትግበርዎ ሰይጣን ኣይተልዕሉ። ንሕና ኢና ንሰይጣን ተሰቒልናዮ ንሕንበብ ዘሎና። ናብ ዝደለዮ ዘይኰነ ከኣ ናብ ዝደለናዮ የብለና ኣሎ። ወሪዱዎ ሰይጣን! ባዕልና ኢና ሰይጣውንቲ! ኣበይ ከም ዘብጽሓና ውን ዝፈልጦ የብሉን። ንሕና ኢና ንፈልጥ። ካብ ርእሱ ንውረደሉ። ስልጣን ስለ ዘይሃብናዮ ንኣካይዳና ኣብ ዝምልከት ስልጣን የብሉን። መወዳእታና ደኣ የጸብቆ ንበል። ደቀየ ንማህለል! እዚ ጸላም ክወግሓልና ንማህለል። መቕጻዕቲ ግብርና’ዩ እዚ ዅሉ መቕጻዕቲ። ንማህለል፡ ነዚ መዓት ኣቝርረልና ንበል።” ጭራኦም እናወዛወዙ ሓደ ካብቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝተዛረብዎ ነበረ።
“ብምህልላ ዝፍታሕ ሽግር ኣየጋጠመናን ዘሎ – ኣይነካብዶ። ጸገምና ቀሊልን ዓቕምናን’ዩ። ኣብ ሰይጣን ዲና ኣብ ሰጋር ተወጢሕና፡ ነቲ መገዲ ንኸዶ ኣለና። ከምቲ ማካቬሊ ዝበሎ፡ ብዝኸድካ ኬድካ ኣብቲ ዝድለ ዓወት እንተ ደኣ በጺሕካ፡ እቲ ዝኸድካዮ መገዲ ቅኑዕ’ዩ። በጃኻትኩም፡ ዕድል ኣብ ዘይህብ ግዜ መገዲ ከነማርጽ ግዜ ኣይነጥፍእ። ሃገርን ህዝብን ዘድሕኖም ይደልዩ ኣለዉ። ጓል መገዲ ገዲፍና፡ እቶም ዝምልከተና ዝሓዝና ሒዝና ነርክብ። እዛ ናይ ለውጢ ባቡር ሰዓታ ኣኺሉ ኣሎ። ከይትገድፈና ንሰቐል። ጽባሕ ኣብዚ ነይረ ኣብቲ ነይረ ምኽንያት እንታይ ይዓብስ? ‘ቀምሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ’ ካብ ተሓታትነት ኣይከድሕነናን’ዩ።” ማዕበል ንዘረባ ከም መሸላ ክሳድ ክሳዱ ዓጸዶ።
“እ…. እንታይ’የ ዝሰምዕ ዘለኹ? ሃገርን ህዝብን ዘድሕኖም ይጽበዩ ኣለዉ? ዘይትዛረብዎ የብልኩምን። መን ከድሕኖም? ዘጥፍኦም ይደልዩ ኣለዉ ማለትካ ድዩ? መጠንቀቕታ ከኣ ወሲኽካሉ’ምበር። ብጌጋ ዘውጻእካዮ ቃል ኰይኑ ይስመዓኒ። ቅልጥፍ ኢልካ መኣረምታ ግበረሉ። ብውሽጢ ይዅን ብደገ ዘጥፍእ እምበር ዘልምዕ ኣይረኣናን። ብምውርዛይ ሃገር ከድሕን ዝኽእል ኣካል የለን። ኰይኑ ተሪፉ ካብ ግዜ’ዩ። ተፈጥሮ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊ ኣለዎ። ዘመነ ሰላምን ኲናትን እናተበራረዩ’ዮም ዝነብሩ። ንሕና ግን፡ ኣይኰነን ንሕጊ ተፈጥሮ ንማሕበራዊ ሕጊ ውን ኣይፈለጥናዮምን ኣየኽበርናዮምን። ሽሕ’ኳ ተቓዋማይ እንተ ዀንኩ ዓቕምና ንሕሰብ’የ ዝብል። ብዓይኒ ብለይ ስኒ ብለይ ዝኽየድ መገዲ’ኳ ኣይብርሃንን።” ሰየሞም ‘ኣብ ውሽጥና ኣሎ’ ዝበሎ ዘይዕግበቱ ገለጸ።
“ሰየሞም” ጸዊዑ ጠመቶ። ደሃሊ ኣጸዋውዓ ነበረ። ኣኽፊኡ እናጠመቶ፡ “ሓሲበ ዘውጻእኩዎን ዝቃለሰሉ ዘለኹን’ዩ። ዝውስኸሉ እንተ ዘይኰይኑ ዘጕድለሉ ወይ ዝቕይረሉ ነገር የብለይን። ከም ዘለዎ ተቐበሎ። ክደግመልካ ሕጂ ውን ህዝብን ሃገርን ከነድሕኖም ይጽበዩና ኣለዉ። ነንኽእሎ ንግበር። ኢደይ ኣይሕውስን’የ ዝበለ ከኣ ዕንቅፋት ካብ ምዃን ኣፉ ሒዙ የልግሰልና።” ማዕበል ብወተሃደራዊ ቅኒት ተዛረቦ።
“ኣብ ጉዳይናን ጉዳይ ሃገርናን ‘ኣፍኩም ሓዙ’ እንበሃለሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን። ኣረኣእያና ስለ ዝተፈልየ ክንውገን? ንምታይ ብስምና ሸቐጥ? ገባቲ ኣሳጒግካ ዝህልዉ ገበትቲ ክግብሉ ስለ ዘይደለና ኢና ብዝኸድካዮ ዘይንኸይድን ዝበልካዮ ዘይንብልን ማዕበል።” መነጸር ኣሕጺራ መለሰት።
“እሞ እዚ ኣረጊት ገበል ይወድኣና ማለትኪ ዲዩ?” ድሕሪ ምሕታት፡ “ምዃን ንስኺ ደኣ ሓቅኺ። ክነብረልኪ እንድኺ ትደልዪ።” ባዕሉ መልሲ ኣስዓበ።
“ካብዞም ብሕጂ እትግብሉስ ሞቱ ስለ ዘይተርፎ ዝኣረገ ገበል ኣይሓይሽን ትብል?” ብመልክዕ ሕቶ መለሰትሉ። ቅጭ መጺኡዋ ነበረ።
ኣይመለሰን። ርእሱ ካብ ድሕሪት ናብ ቅድሚት እናወዛወዘ ግን ብፈካሪ መንፈስ ጠመታ።
“ብትሕትና ስለ ዝቐረብካዮም ዝመለኹኻ ዝመስሎም፡ ስለ ዘኽበርካዮም ጊላኦም ዝቘጽሩኻ ውሕዳት ኣይኰኑን። ዓይንኻ ኣክብ ማዕበል፡ ንከባበር።” ኣጠማምታኡ ንከመሓይሽ ገንሓቶ።
“ስድራና፡ ንስኻትኩም ዘረባ ክትቈላለቡ እንከለኹም ምስ ነፍሰይ ክዛረብ ጸኒሐ። ሓደ ቈለጭ ዝበለኒ ሓቂ ከካፍለኩም።” መስትያት ኣብ መንጎ ኣተወ።
“ከሰንብደና ወይ ክሕድሰና የብሉን።” ድሕሪ ምባል፡ “ምስልና ንምርኣይ ርሑቕ ክንስደድ ዘድሊ ኣይመስለንን። እቲ ናይ ብሓቂ ምስልና ኣብ በረኻታትና ኣይሰኣንኩዎን። መሬትና ንዘንብቦ ንጹር መልእኽቲ’ዩ ዘመሓላልፍ። ባዶነትና ኣብቲ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ምድረ በዳነት፡ ተዋጋኢ ባህርያትና ድማ ኣብቲ ኣሻዅ ቈጣቝጢ የጓንፈኒ ኣሎ። ካብ እወታዊ ኣተሓሳስባ ምስ ኮብለልና ኣሉታ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ተቐቢሉ ሓቚፉና ኣሎ። ክንደየናይ ከይንቕበሎ እምበር፡ ፈቲና ጸሊእና፡ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባታት ንኣእምሮና ተቘጻጺሮሞ ኣለዉ። ምስክር እንተ ተደልዩ፡ እነሆ ንነብረሉ መሬት ንዕርቃንና የንጸባርቕ። ምስ ክውንነትና ኣተኣሳሲረ’የ ከስተብህለሉ ጀሚረ። ምብዳሙ ንዝባደመ ኣተሓሳስባና የጉልሕ ኣሎ። ሓሶት ዝብል ነቲ ሓቂ የቕርቦ። ኣብ ዘመነ ግርህነት ዘይተዓዘብናዮም ትዕዝብትታት ኣለዉ። እሾዅ ኣተሓሳስባታትና ዘንጸባርቕ እሾዅ መሊኡ።
“ሰብ ብገርሁ ከምኡ ኣይነበረን። ከም ሎሚ ከይኰነ፡ ኣውሊዕን ጽሕዲን መሊኡ ነይሩ። እቶም ኣቦታትና ከም ኣደራሽ ዝጥቀሙሎም ዝነበሩ መሞና፡ ዳዕሮን ሳግላን ንባህሊ ባይቶና ሒዞሞ ጠፊኦም። ሎሚ ብመሳዂቲ ኢንተርነት እነካይዶ ኣኼባ ከመይ ኣቢሉ ንልዝብ ክዕድም? ሰብ ኣብ ቅድሜኻ ኮፍ ወይ ደው ክብል ከሎ ርእሱ ዝኸኣለ መልኣኽ ኣለዎ። እትእከበሉ ጽላል ናይ ገዛእ ርእሱ መንፈስ ኣለዎ። ቅርበት ናይ ባዕሉ ሓይሊ ኣለዎ። ኣብ ርሕቀት ግን፡ ምስ ኣሻንጕሊት ዲኻ ተዋግዕ፡ ትመክር፡ ትዛተ ወይ ትጻረፍ ዘለኻ ዘይትፈልጠሉ፡ ብሙቐት ስምዒት ክትለባለብ ምውዓል ምሕዳር ኰይኑ። መሲሎምን ተመሲሎምን ሓዊ ዝኣጉዱን ዘሳውሩን በዚሖም። ንኣና ተመሲሎም ብልሳንና ዘድምጹ መሊኦም። ብሰንኪ እታ ሕያወይቲ ግርህነትና፡ ኣይተጠራጠርናሎምን ኣየለለናዮምን። ጸጋ ቴክኖሎጂ እናተባህለ መተናዀሊ መጺኡ። ስልጣነ’ዩ ስሙ። ዘዝዀረየ ብዝዀረዮ እናተዀርመየ ጸገም ይፈጥር ኣሎ። እሾኽ ኣተሓሳስባታት እናነገሰ ይመጽእ ከም ዘሎ መሬትና ይምስክር። እነሆ ብወረርቲ ኣግራብ ተወሪሱ። ከም ዓሻ ገረብን ተምሪ ሙሳን ተቘጻጺሮሞ። ብሰቲን ሰውሒን ተጐልቢቡ ዝነበረ ብዳንዴር ተጐቢኡ። ማዕረ እቲ ዝባድምን ብወረርቲ ኣግራብ ዝውረር ዘሎ መሬትን እዚ ሕብረተ ሰብ ውን ካባይ ጀሚርካ፡ ልቦም ብዘይብሕቱ ሃላያት ይውረር ኣሎ። ዓቢ ሰብን ዓቢ ገረብን ተሰዊሮሞ፡ ዘየጽልሉን ዘየዛትዩን መሊኦሞ። ኣብ ዳዕሮን ሞሞናን ኣጽሊልካን ዘቲኻንዶ ኣብዚኣቶም! ዘመን ይመልሶ።” ክውንነታዊ ትዕዝብተይ ዝበሎ ኣቕረበ።
“ካብ ኣርእስትናዶ ንኹብልል ኣለና ሓቀይ? ጉዳይ ሃገርን ህዝብንዶ ኣይኰነን ኣኪቡና ዘሎ? እንታይ ኣምጸኦ ብዛዕባ እሾኽዶ መሬት?” ሕቶ ማዕበል ናብ መስትያት ቀንዐ። ሕጂ’የ ዝረኸብኩዎ ዝመልእኽቱ ስምዒት ኣብ ገጹ ይንጸባረቕ ነበረ። ጅግንነት ተሰምዖ።
“ናይ ምኹብላልዶ ኣምጺእካ! ምኹብላል ደኣ ኵሉ ግዜ ምስ ኰብለልና። ካብ ገዛና ንዅብልል፡ ካብ ስራሕና ንዅብልል፡ ካብ ዓድና ንዅብልል፡ ካብ ኣሃዱና ንዅብልል፡ ካብ ሃገርና ንዅብልል፡ ካበይ ከ ዘይንዅብልል? ብዓቢኡ ካብ ነፍስና ስለ ዝዀብለልና እኮ ኢና ካብ ኣርእስቲ ወጻኢ ይዅን ካብ ኵሉ ንጥፈታት ንዅብልል ዘለና። ኣባና ከኣ ኣይተጀመረን። ኣዳምን ሄዋንን ውን ካብቲ ፈጣሪ ዘዳለወሎም ገነት ኤዶም ኰብሊሎም’ዩ ዝበሃል። እታ እተወናውን ዕጸ በለስ ኣዀብሊላቶም። ንወዲ ሰብ ትእዛዝ ኣይቅይዶን’ዩ። ከይገብሮ ንዝተኸልከሎ ንምጥሓስ ወትሩ ክቃለስ ይነብር። ህዝበይ ካብ ኣርእስቲ ኣይኰነን ካብ ነፍሳ ትዅብልል ኣላ። ‘ነፍስኻ ፍለጥ’ ኢልካዮ ካብ ነፍሱ ዝሃድም ይበዝሕ። ኣብ ሓቂ መጺእና፡ መዛረቢ ዛዕባ ሓሊና ዝተመያየጥናሉ እዋን ከ መኣስ ኣሎ? ከከም ኣመጻጽኣናን ዝመጸልናንዶ ኣይኰናን ንኸይድ ዘለና። ቀይዲ ከም ዘይንፈቱ ሎሚ ኣይኰናን ኣመስኪርና። ናይ ቀደምናን ዘብለየናን’ዩ። ደሓር ድማ ብውጥን ስለ ዘይተወለድና ብውጥን ዝኸድናሉ እዋን የለን። ቀይዲ ወዲ ቀይዲ ኔው ንበሎ። እናሓዋወስና ብናጽነት ከም ድላይና ንዛረብ።” ቅድሚ መስትያት፡ ሰየሞም ዋዛን ቁም ነገርን ሓዊሱ እናሰሓቐ መለሰ። ናይ ባህ ኣይበሎ ነበረ። ነቲ ዝነበረ ወጥሪን ምትፍናንን ግን ከፍኵሶ ዝደለየ ይመስል።
“ዋዛኻ ኣይጸላእኩዎን ሰየሞም። ዳእላ ዝተለኽየ ሓቂ መነቓቕሒ ኰይኑኒ። መማቕርቲ ሂወት’ዩ። ወላ ነቲ መሪር ሓቂ ዋዛ ጐልቢብና እንተ ዘየቕሪብናዮ ኣቓልቦ ተነፊጉዎ’ዩ ዝነብር። ሰብ ንሓቂ ዝደሊ እናመሰሎ ካብ ሓቂ ይሃድም ኣሎ። ገለ ሽታ ዋዛ ጌርና እንተዘየዐሺናዮ ከምኡ ኢሉ ኣብ ህድማ’ዩ ክዓርቦ። ንኽእሎዶ ኣይንኽእሎን’ዩ እቲ ሕቶ። ብባህሪና ተጓጠይቲ እምበር ተዋዘይቲ ኣይኰናን። ዋዛ ከም ባህሊ ኣብ ሕብረተ ሰብና ከነስርጽ ካልእ ሰውራ ከየድለየ ኣይተርፍን። ‘ንኽመስላ መስላላ’ ዝብል ኣምር ኣዘራርባ ኣሰሩ’ዩ ተሳኢኑ። እንተ ተዘርበ ውን መን ይረደኣዮ። ኩሉ ብደረቑ ኰይኑ። ጠረው ንጠረው መሊእና። ምልፍላፍ እምበር ምትዕጽጻፍ ርሒቑና። ብዝዀነ፡ ካብ ምስራሕ ምንቃፍ ከም ዝቐልል መቸስ ኵልና እንሰማመዓሉ’ዩ። እስከ ንነፍስና ኣብ ቦታ ናይቲ ይሕመቕ ይጸብቕ ዝሰርሕ ዘሎ ኣካል ኣእቲና፡ ብዛዕባ ክግበር ዘለዎ ንዛረብ።” ኢሉ፡ ኣዕሚቑ ኣስተንፈሰ ርግኦ። ናይ ምምእዛን ስርሑ እኳ እንተ ዘይገደፈ ናይ ምስልቻው ባህሪ ይረኣዮ ነበረ።
“ከምዚ ህግደፍ ዝሰርሖ ዘሎ ደኣ ኵልና ንሰርሕ። ኣየናይ ጽቡቕ ርኢናሉ ኢና ብዘይካ ሃገራዊ ባርነትን ምግፋጥ ክልተ ሚእታዊትን። ማዕረኡ ድማ ኵናትን ህውከትን። ህግደፍ ዘይተዅቶኻ ሃገር እኮ የላን። ምስ የመን፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ ምስ ኵለን ተናኺሱ። ክንደይ መንእሰይ ኣብ ሓዊ ጠቢሱ። ንሰላም ድሉው ኰይኑ ኣይፈልጥን። ኣኺሉዎ ኣብ ዕግርግር ምስ ተጸምደ።” መቓልሕ ተቐዳዲሙ ኣቃለለ።
“ንኵናትን ህውከትን ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ዝርዝር ክብሎ ዝኽእል’ኳ እንተለኒ፡ ንከም ብዓል መቓልሕ ከረድእ ግዜ ካብ ዝበልዕ ክሰግሮ’የ። ናብቲ ኣገዳሲ ዝበልኩዎ ክመጽእ። ‘ምግፋጥ ክልተ ሚእታዊትን ሃገራዊ ባርነትን ዶ ተባህለ! ‘ኣብ ኵናት ዘይወዓለ በሊሕ’ ዝብልኹም ከምዚ’ዩ። ነገር ክልተ ሚእታዊት ካብ ተላዕለስ ሓደ ዘተሓሳስበኒ ነገር ኣሎ። መሕወዪ ግብሪ ኣይከፍልን’የ ዝብል፡ መንግስቲ ክህልወኒ ኣይደልን’የ፡ ሃገር ክትህልወኒ ኣይደልን’የ፡ ምዕባለ ክህልወኒ ኣይደልን’የ ዝብል ጥራይ’ዩ ምበልኩ። ኣይከፍልን’የ ወይ ክኽፈል የብሉን እናበለ ዝዕንድር ካልእ ፍሉይ ተልእኾ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። ሕጊ ጠፊኡና እምበር መሰልን ግቡእንስ ኣይነጻጸሉን’ዮም። ብልብና ዲና ወላ ተሰሪና፡ ‘እወ ንቁጠባዊ ማሕንቖ!’ ኢልና ከም ዝጨደርና ኣይተረደኣናን ዘሎ። ብእምቢታና ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዝፈጸምናዮ በደል ከም ዘሎ ዛጊት ኣይተሰወጠናን። ነገር ልቢ ጐበዝ ኣብ ደረቱ ገይርናዮ ንኸውን – ንዝፈጸምናዮ በደል ሃገርን ህዝብን ይቕረ ይበሉልና። ኣበይ ይውዕል ከም ዘሎ ምክትታል ክንገብር ሓጥያት ኣይኰነን። ይትረፍ ገንዘብ ሰብ ንዝቑርጥም ዘሎ ስርዓት እሞ መን ይከታተሎ? ዘይምኽፋል ግን ሓጥያት’ዩ። ንሕናኸ ግብሪ ዘይሓትት መንግስቲ ክንተክል ዲና ንቃለስ ዘለና? ግብሪ ምኽፋል ኣብ በይንና ድዩ? እቲ ንመዐወቲ ቃልሲ እናበልና እንሓቶ ገንዘብን ወፈያን ምስ ምንታይ ድዩ ዝምደብ? ወዮ ደኣ ዘበርከተ ማዕረ ኣበርክቶኡ ዘይረኽበላ ሃገር ኰይና እምበር፡ ኣይኰነን ክልተ ሚእታዊት ምሉእ ሂወቱን ዕድመኡን ዝኸፈለ ዜጋ እናሃለወ ከመይ ኢልካ ንሃገር ልዕሊኡ ትሓመላ? ‘ካብ ብዓል ጣፍስ ብዓል ኣፍ’ እዩ ነገሩ። ብነፍሰ ፍትወት ተጠቒዕና እናሃለና ዕሉላን ሃገራውያን ክንከውን ምፍታንና የደንጹ። ከም ዝመስለኒ ምውድልዳል’ዩ። እዚን ወዲ እዚን’ዩ ንድሕሪት ዝጐተና ዘሎ። ሳዕቤን ፍኑው ምንቅስቓስ ፍኑው ዕንወት ይኸውን ከም ዘሎ ነስተውዕል። ተሓተትቲ ናይዚ ዕንወት ከኣ ኵልና ኢና።” ሰየሞም ኣተሓሳሰበ።
“ንስኻ ክልተ ሚእታዊትዶ ዓሰርተ ሚእታዊት ትብል ኣለኻ። ዘርምመኒ ዘሎስ ካልእ’ዩ። ስርዓት ኢሰያስ ከምዚ ምስ ገበረ፡ ምስ ቀተለ፡ ምስ ኣሰረ ምስ ፈትሐ፡ ምስ ጨቈነ፡ ምስ ኣበሳበሰ፡ ክንብል ኣፍና ቈሲሉ። እቲ ክንገብሮ ዘለና ውን መኣስ ከም እንገብሮ ኣይሓሰብናሉን። ኣእምሮና ንሱ’ዩ ተቘጻጺሩዎ። ንእኡ ደኣ መፍቶቱ። መኣስ ካብ ርእሲ ህግደፍ ወሪድና ከም እነዕርፍ እንድዒ። ወጊሑ ክሳዕ ዝዓርብ ንሱ ኰይኑ ወግዕና። ጸለመ ከም ቋንቋ ኣደና መሊኽናዮ። ተስፋ ነቝርጽ።” መነጸር እናኣንጸርጸረት ጀመረት። “ንምዃኑ፡ ስልጡን ህዝቢ ዝሓዘት ስልጥንቲ ሃገር ክትህልወና ሓሲብናዶ ንፈልጥ? በየናይ መገዲ? እጃምናኸ እንታይ ይዅን ኢልና ንነፍስና ዝተወከስናሉ ለይቲ ይህሉዶ? ክሳዕ መኣስ ኢና ኣብ ‘ዛግራ ናብቲ መሸንጐጓ ናብቲ’? እስከ ብዛዕባ እታ ናብኡ እነመልክታ መመልከቲቶ ኣጻብዕ ገዲፍና ብዛዕባ እተን ናባና ዘመልክታ ዘለዋ ዝበዝሓ ኣጻብዕ ንዛረብ። ንጽህናና ክሳዕ ክንደይ’ዩ? ንሕና ብዛዕባ ዝገበርናዮ ኸ መኣስ ኢና ክንጸዊ? ብብልሽውና ዝተቛማጠዐ ወይ ዕድል ዝሰኣነ መምስ ሃደመ እንተ ለፍለፈ እንታይ ትርጒም ይህብ? እቶም ከነዕሪ ወይ ኣብዚ ኴንና ክንሰርሕ ኣይንኽእልን ዝብሉ ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ዕድል ኣየጸበቑን እምበር እቶም ኣብ ቅርዓት ዓዲ ድምጾም ዝደርጉሑ እዮም ተቓለስቲ። ሽዑ ከዲዕናዮምን ኣግዲዕናዮምን። ሎሚ፡ መምስ ሃደምካ ስለ ዝወጨጭካ ተቓላሲ ኣየብልን’ዩ። ድኻም ካልኦት ክንጽብጽብ ድኻምና ይስወረና ኣሎ። ግሉጽነት ዘይብልና ብዛዕባ ግሉጽነት ዘይብሉ ስርዓት ክንዛረብ ውን ኣየምሕረልናን። እቲ ንደልዮ ካብ ነፍስና ክጅመር ኣለዎ።” ኣተኵሮ ንኽቕይሩ ጸውዐት።
“ጽቡቕ ኣለኺ መነጸር። ከምዚ ዝበለ ጫውጫውታ ጌጋ ስእሊ ምፍጣሩ ኣይተርፍን። መለክዒ ተቓውሞ፡ ጫውጫውታ ዘይኰነ ስቕታ’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ቅድሚ’ዚ መደምደምታ ግን ብመጀመርታ ደረጃ፡ ብኸመይን ኣበይን ከም ዝገምገምናዮ ክንጸር ኣለዎ። ሜዳ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዓውደ ውግእ ገይርና ንውሰዶ። ከነዕሪ ኢና ዝብሉን ፈጺሞም ክዕረዩ ዘይክእሉን’ዮም ዝዋግእሉ። እዚኣቶም፡ ብባህሪኦም ክሰምዑን ከስምዑን ዘይክእሉ ሓይልታት’ዮም። ወልፎም ምዝራብ’ዩ። ክንዮኡ ዝኸይድ ቅስሚ የብሎምን። ዝዛረቡዎ ምስ ሰኣኑ ከኣ ናብ ጸርፊን ምዝልላፍን ይጥበሱ። ሓንቲ እዚኣ እያ ዓቕሞም። ብመጽናዕቲ ኣይተረጋገጸን’ምበር፡ ብዙሓት ንኸስተንፍሱ ስለ ዘኽኣሎም ሕማሞም ኣብ ምቅላል ዓቢ ተራ ከም ዝተጻወተ’ዩ ዝእመነሉ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ብዙሓት ናይ ጥዕና ጸገም ከም ዝፈጠረ ውን ይዝረበሉ ኣሎ። ግዜኡ በሊዑ ክሳዕ ዝሓልፍ ሃስያኡ ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ። ጥዕናይ የድልየኒ’ዩ ዝብል ነዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገዲፉዎ እንተ ወጸ ይምረጽ። ክትፈትዉ ክትጸልኡ፡ ካብዚ ወጻኢ ናይ ተቓውሞ ግንባር ኣለና ኣይብልን’የ። እዚ ግንባር’ዚ ድማ ደጀን ስንኩላን ግብሪ ጥራይ’ዩ።” መስትያት ግደፉና ብዘስምዕ፡ የማናይ ኢዱ ብምንጻግ ትዕዝብቱ ኣካፈለ።
“መስትያት፡ ማዕረ ክንድኡ ዘንጸርጽር የብልካን። ዝሓሸ ኣማራጺ ኣለና።” ማዕበል ኣረጋግኦ። “እዚ ዝበልካዮ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ ኣይብልን። እዚ ኵሉ ኰይኑ ዘሎ ብሰንኪ ሕመቕና’ዩ። ክሕግዙና ናብ ዝኽእሉ ሓይልታት ተጸጊዕና፡ ልኡላውነትና ኣድፊርና ነዚ ዘሎ ስርዓት ክንኣልዮ እንተ ዘይክኢልና ምልኽኻም’ዩ ክኸውን። ንቀበሎ ኣይንቀበሎ ስርዓት ኣስመራ ብዓቕምና ዝእለ ስርዓት ኣይኰነን። ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንኣልዮ ግድን ደገፍ ከድልየና’ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ክተሓጋገዘና ድሉው ኣሎ። ንድልዉነቱ ክንከስቦ ኣለና። ህዝቢ ተጋጊኹም እንተ ኢሉና ከኣ መሲሉና ኢልና ይቕረታ ንሓትት።” ናይ መወዳእታ ምርጫኡ ከይተረደኦ ደርጐሖ።
ኣተኲሮም ክጥምትዎ ዝጸንሑ ጨሓም ሽማግለ ርእሶም ብምንቕናቕ፡ “ንፉዕ ሕማቕ እንተ ወለደ ተዘምተ፡ ሕማቕ ንፉዕ እንተ ወለደ ተቐልተ” መሲሎም ስቕ በሉ።
“ዝበልኩም በሉ ዝሓሸ ዘለና ኣማራጺ እዚ ጥራይ’ዩ።” ደጊሙ ኣዘኻኸሮም።
“ካብ ትግተር ክትስተር ምሓሸ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ ማዕበል። ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ድዩ ሰሜናዊ ጫፍ ተዀይጥካ ንናይ ውክልና ኵናት ከተሳሲ ከሕፍረካ ምተገበኦ ይመስለኒ። ውላድካ ሓቚፍካ ውላድ መን ከተዘኽትም? ካብዚ ዘመን እዚ ንደሓር፡ ንሰላም እንተ ዘይኰይኑ ንኵናት ዘእንግድ ህዝብን መሬትን የብልናን። ክሕግዙና ድሉዋት ኣለዉ ዝበልካዮም ንነብሶም ይሓግዙ። መፍትሒ ዝመሰለካ ምቕራብካ ጽቡቕ ኣይጽላእን። ዝመሰሎም ዘቕርቡን ዝገብሩን ግን ኣይሰኣንናን። ንምከር፡ ንላዘብ፡ ንዘቲ ዝብል የልቦን። ኵላ በብዝመስላ’ያ ትኸይድ ዘላ። እዚ’ዩ እቲ ፍታሕ እናበለ ኵሉ በብናቱ የስገድድ ኣሎ። ናትካ ግን ገዲዱ። ካብዚ ዝበልካዮ ዝሓይሽ ኣማራጺ የለን ማለት ድዩ? በል ንልቢ ክዀነና፡ ናይ ኢትዮጵያ ይዅን ካልእ ዞባዊ ወይ ኣህጉራዊ ሓይሊ ኣብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ንሓገዝ ይዅን ንረብሓ፡ ሓንቲ ጥይት ውን ትዅን ክትኵስ ክንፈቅድ የብልናን። ሽግርና ብባዕልና ክፍታሕ ኣለዎ። ንዝብኢ ኣይኰነን ሰለፍካ ሂብካዮ ከይሃብካዮ’ኳ ንጋዳ። ከም ከብቲ ምስ ሓራዲና ማይ እንሰትየሉ እዋን ኣብቂዑ’ዩ። እንድዒ ከኣ ንስኻትኩም ትብልዎ።” ሰየሞም ተቓውሞኡ ኣስሚዑ፡ ካልኦት ዝብሉዎ ክሰምዕ ተጸበየ።
“ኣነስ ካብዚ ትብልዎ ዘለኹም ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ኣለኒ። ብኸመይ ትርእይዎ ኣይፈልጥን። ንሱ እንታይ’ዩ፡ ዕርዲ ወይ ድፋዓት ህግደፍ እንተ ዘየለሊናዮም፡ ንምህራሞም ከሸግረና’ዩ። ኣብ ልቢ ብዙሓት ከሳፍሕ ሓጊዞሞ ካብ ዘለዉ ሓደ፡ ጉዳይ ልዑላውነትን ትግባረ ብዪን ኮምሽን ዶብን ምዃኖም ካብ ማንም ዝተሰውረ ኣይኰነን። ብልክዕ ግዝኣተ ሕጊ ንጠልብ እንተ ደኣ ኣለና፡ ህግደፍ ውን ትግባረ ልዕልና ሕጊ ይጠልብ ስለ ዘሎ፡ ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ልዕለና ዝለዓለ ኢድ ሒዙ ኣሎ። ሓሲብናሉ ዘይንፈልጥ፡ ክሳራና ዝዀነ መኽሰቡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ’ዩ ዘሎ። ህዝብና ምስ መሬቱን ፍትሕን ጥቡቕ ምትእስሳር’ዩ ዘለዎ። ‘ብንጉስ ዝዓወረት ዓይኒስ ዳርጋ ዘላ’ ኢሉ ከመስግን፡ ወይ ውን ‘ካብ ብፍትሒ ዝኸደት በቕለይ ብዘይ ፍትሒ ዝኸደት ምራነይ (ተጕህየኒ)’ እናበለ ከማርር ዘይሰማዕና ክንደየናይ ከይንህሉ። ንህዝቢ ኤርትራ ብፍርዲ ዝተዋህቦ መሬት ተጐቢጡ ምህላዉ ንቀጻልነት ናይዚ ስርዓት ኣውሒሱዎ’ዩ። ከምቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝቐርብ ‘ዝርርብ’ዩ መፍትሒ ሽግር ኤርትራን ኢትዮጵያን’ ኢልና ንኣምን ምስ እንህሉ፡ ንባዕልና ካብ ሓዲድ ፍትሒ ተንሸራቲትና ኣሎና። ኣብ ምንታይ’ዩ እቲ ዝርርብ? ከምቲ ኣቦታት ዝብልዎ፡ ‘ስጋ ወዲእካ ዓጽሚ፡ ነገር ወዲእካ ፈጽሚ’ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ‘ናይ መወዳእታን ቀያድን’ ኢልካ ካብ መጀመርታ ስለ ዝተሰማማዕካሉ፡ ‘ዘዛርብ የብልናን ይፈጸመልና’ ምባል ነውሪ ኣይኰነን። ንሰናይ ጕርብትናን ዝምድናታት ናብ ንቡር ንምምላስን፡ ዝርርብ ድሕሪ ትግባረ’ዩ ዝስራዕ። ሽምጢ ሰበይቱ ተዓትዒቱ ከሎ ዝዛነ ወይ ዋጋ ዕዳጋ ዝገብር ሰብኣይ ኣሎ ድዩ? ብወገነይ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን’የ። ዓቕሚ እንተለዎ ይቃለስ፡ ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ክሳዕ ዝደልዎ ከም ዝብኢ ይሕንክስ። ህግደፍ፡ ወላ እኳ ከምቲ ዝሓሰቦ ኣይዅነሉ ነዚ ሜላ እዚ’ዩ ዝኽተል ዘሎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘሎና ኣረዳድኣን ኣተሓሕዛን ምንጻር ንዓወት ቃልስና ወሳኒ ምዃኑ ከዘኻኽር’የ ዝደሊ። ኣብ ጥራሕ ጐልጐል ዘብዘብ ዋጋ የብሉን።” መነጸር ካልእ ጻልጣ ዛዕባ ኣቕረበት።
“ናይ ገለ ገለ የዋሃት ኣተሓሳስባ መስሓቕ’ዩ። ስሒቕካ ውን ኣይትጸግበሉን። ግርህነትን መግዛእቲ ህግደፍን ከምቲ ዘየለ’ዩ ዝጻወተሎም ዘሎ። ወላ ኣሻሓት ኪሎ ሜተራት ርሒቖም እናሃለዉ ገና ኣብ ሕቚፎኡ ኣለዉ። ብኣካል እምበር ብኣእምሮ ሓራ ኣይወጹን። መዋእሎም ኣብ ምብህራር ይነብሩ። ምስ ህግደፍ ህግደፍ ዝሽትቱን መዝሙር ህግደፍ ዝደግሙን እዛረብ ምህላወይ የሕዝነኒ። ካብ መግዛእቲ ህግደፍ መኣስ ኢና ንነፍስና ሓራ ከነውጽኣ ኣይግምትን። ብግዜን ንዋትን ዝሓተና ዋጋ ውን እዚ ኢለ ኣይግምግምን። ክንፈልጦ ዘለና፡ ህግደፍ ንኤርትራን ህዝባን ሓልዩ ዝገበሮ ወላሓደ የለን። ስልጣኑ ንምድልዳልን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ጥራይ’ዩ ሰሪሑን ዝሰርሕ ዘሎን። ደሓር ኣተሓሕዛኡ ኣተሓሕዛ ፈራሕ’ዩ። ኣይንገራህ። ፈቲና ጸሊእና ፈራሕ’ዩ ተሓዚና። ከይፈንጸግናዮ ክለቀና ተስፋ እንተ ደኣ ኣሎንና ኰይኑ፡ ከንቱ ትጽቢት’ዩ። እዞም ከምዚ ዝበለ ምጕት እተቕርቡ ዘለኹም ኣብዚ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዘይምእታው ይበልጸኩም። ከይደኸምኩም ከለኹም ጠበቓ ህግደፍ ምዃን ይሕሸኩም። ካብ ከምዚ ዝበለ ኣዘራርባ ሓራ ክሳዕ ትወጹ፡ ንደልያ ዘለና ሓርነት ክትረጋገጽ እያ። ማለት፡ ወጋሕታ ከርክበኩም’ዩ። ኣብ ወጋሕታ ቆጽሊ ሰሊዕኩም ብምውዝዋዝ እንተ ኣዳመቕኩም ከኣ ዝበለጸ።” ማዕበል ብድዐን ሕጫጨን ሓዊሱ ናይ ልቡ ዳሕደሐ።
“ንዝወረዱ ኣገዳስነት ዘለዎም ሓሳባት ወይ ኣረኣእያታት ንጐኒ ገዲፍና ንኸይድ ዘለና ኰይኑ ይስመዓኒ። ብጓል መገዲ ህድማ ይጽንሓልና። ክሳዕ መኣስ ኢና ከነወንዝፎም? ድኽመትና ማዕረ እቶም እነወንዝፎም ዘለና ጉዳያት እናነጸረ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል። ኣብዛ ንድፋዓት ህግደፍ ብዝምልከት ብመነጸር ቀሪባ ዘላ ኣርእስቲ ንምጻእ። ብኸምዚ ትሕለፍ ኰይኑ ኣይስመዓንን። ንሕለፋ እንተ ኢልኩም ድማ ደሓን ንሕለፋ። ሓደ ሕቶ ግን ኣለኒ። ንሱ እንታይ’ዩ፡ ድሕሪ እታ እትድለ ዘላ ሓርነት ምምጽኣ ኸ ብዛዕባ ባድመን ግዝኣተ ሕግን ዝኽፈት መዝገብ ክህሉ ድዩ? ብተወሳኺ ክንጸር ዘለዎ ከምቲ ህግደፍ ስልጣን ምስ ሓዘ ተጋዳላይን በርጌስን እናበለ ደርቢ ዝፈጠረ፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ምክፍፋል ክህሉ ድዩ ኣይክህሉን? ንከምኡ ዝእንፍት ተርእዮታት አንብብ ስለ ዘለኹ’የ። ኣብታ ናይ ሓባር ሃገር ግቡእን መሰልን ዘነጽር ሕጊ ከነቕውም ዲና ንቃለስ ዘለና ወይሲ ዝእዝዝ ሰብ ኣብ መንበር ከነቐምጥ?” ብጽሞና ክሰምዕ ድሕሪ ምጽናሕ ሰየሞም ሕቶ ሓተተ።
“ግዜን ኵነታትን ዝምልሶም ሕቶታት ኣይነልዕል።” ማዕበል ተቐዳዲሙ ክሳድ ሓዘ።
“ግዜን ኵነታትን?! ትኽ ብትኽ ዘይንዛረብ።” ሰየሞም ከም ንድር ኢሉ ቀዲሙዎ ሓለፈ። “ፍትሒ ዲና ንምእርር ዘለና ወይሲ ፍትሒ ነሳጉጕ? ብምኽኒትን ሽፍንፍንን ካብ ርትዒ ካብ ምህዳም ኣብ ግዜኦም ንዝተላዕሉ ሕቶታት ዓይነቱ ብዘየገድስ ኣብ ግዜኦም መልሲ ዘይንህበሎም? ናይ ክብ ወይ ግብ ተራ ንዝጻወቱ ረቛሕቲ ጐሲኻ ምሕላፍ ከስርሕ ዝኽእል ኣይመስለንን። ከም ፖለቲካውያን ምንቅስቓሳት ኣብ ግዜኦም እንወስዶም መርገጺታት ንመስርሕ ቃልስና ወሰንቲ እዮም። ንቃወሞ ኣብ ዘለና ስርዓት፡ ኣብ ግዜኦም ዘይተመለሱ ሕቶታት ተኣኪቦም ጸገም ከም ዝፈጠሩ ክዝንጋዕ የብሉን። ዘወንዘፍናዮም ጉዳያት የፈንፍኑናን የወንዝፉናን ከም ዘለዉ ንፍለጥ።” ጸቒጡ ተቓወሞ።
“እዚ ትብሎ ዘለኻ ኣብ ፖለቲካ ቦታ የብሉን – ኣየስርሕን’ዩ። ኣብ ፖለቲካ ቀዋሚ ረብሓ እምበር ቀዋሚ መትከል ዝበሃል የለን።” ማዕበል ኣፍ ሰየሞም ንምዕባስ ተቓለሰ።
ሰየሞም ስቕታ ኣይመረጸን። ተቓውሞኡ ቀጸለ። “ንቀዋሚ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ነውርዶ ከይንህሉ ግን ስክፍታ ኣለኒ። ንመጻኢ ወለዶና ውን ሰላም ዘይኰነ ኵናት ነውርሶ ዘለና ኰይኑ ይስመዓኒ።” ስግኣቱ ገለጸ።
“ንስርዓት ደርግ እናተጻረፈ ዝተቓለሰ ስርዓት ካብኡ ዝሓይሽ ክኸውን ከም ዘይከኣለ ኵልና ንርእዮ ዘለና’ዩ። ንስርዓት ህግደፍ እናጸረፈ ዝመጽእ ውን ብተመሳሳሊ ካብኡ ከም ዘይሓይሽ ርዱእ ይኸውን። ምኽንያቱ፡ ምስ ነፍሱ ዝወዳደር እንተ ዘይኰይኑ ምስ ጸላኢኡ ክወዳደር ዝፍትን ካብ ጸላኢኡ መፍለዪ የብሉን። ‘መለሳ ቆሎ ጥጡቖ’ ከም ዝብልዎ፡ ጓዕጻጺ ስርዓት ኣልጊስካ፡ ሓደ ካልእ ጓዕጻጺ ስርዓት ንምትካል ምቅላስ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣይመስለንን። ብኽነት ግዜን ጸጋታትን’ዩ። ክሳድ ምኩሓት ንኸድንን ዝቃለስ ሓይሊ ንባዕሉ ትምክሕተኛ ምዃኑ ስለ ዘይተርፎ፡ ኣብ እግሪ ተኽሉ ከሎ ምልላዩን ዘይምስላዩን። ብሕጂ ዝካየድ ቃልሲ ከምቲ ዝሓለፈ ከም ዝጭወን ንረብሓ ውሑዳት ከም ዝኸውንን ኣየማትእን። እንታይ ዝገበረ ህዝቢ’ዩ ኣራግጽ ዝኸፍኦ ዘሎ? ብማይ ጸሎት ዝዓበየ ቈልዓ ወዲ ሓፍተይ ኢሉ ውሕጅ ከም ዝወስዶ ዘይምዝንጋዕ። ዝሓሸ ኣማራጺ እንተሎ ካብ ሕጂ ንድለ። ኣተኵሮና ናብ ህዝባዊ ስልጣንን ስልጣነን፡ ናብ ኣምልኾ ሕግን ድግን ክኸውን ኣለዎ።” መስትያት፡ ‘ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቝሎኣ ከላ ይፈልጣ’ ብዝዓይነቱ ኣዘራርባ ንሰየሞም ዘለዎ ደገፍ ኣረጋገጸ።
“ደቀየ፡ ንኣይስ እቲ ምጽርራፍ ይዅን ምዝልላፍ ውን ደስ እብለኒ። ጸርፊ ኣይንጽለኣዮ። ዘቕረበ፡ ናተይ ዝበለ፡ ጽቡቕካ ዝምነ’ዩ ዝጸርፈካ። ወዛል ኢሉ ሰኣን ዝጸርፎም ወዛልነቶም ዘይረኣዮም ክንደይ ኣለዉ። በዚ ሎሚ ዝጸርፈካ ምርካብ ጸጋ’ዩ። ኣታ ንብሎ ንጉስስ ኣይኽለኣና ደኣ።” በሉ፡ ብዓል ሻም ሽማግለ።
“ከምዚ እንደኣልና ዝበልና ንሕናስ። ‘ፍቕሪ ሓበሻ ብጸርፊ ፍቕሪ ህንዲ ብደርፊ’ እኮ ስቕ ኢልካ ኣይተባህለን።” መቓልሕ ሓጐሱ ገለጸ።
“ጸሪፍካዮ ድዩ ምዒድካዮ ወዛልነቱ ንዘይእርም ግን ጸርፊ ኣየሰልቹን?” ሓተተት መነጸር።
“እንታይ ዘሰልቹ ኣለዎ? ግርም መዘናግዒ እምበር።” መቓልሕ መለሰላ።
“ኣተሓሳስባታትና መሰረት ከም ዘይብሎም እርእዮም ኣለኹ። ምድግጋም ዝበዝሖ ናይ ሓሸውየ ምምልላስኩም መቐረት ኣይሃበንን። ኣብ ጭቕጭቕ ዕድመና ኣይንወድኣዮ። ብዛዕባ ቀንጠ መንጢ ገዲፍና ብዛዕባ ሓድሽ ቅዲ ገለ እንተ ንበሃሃል ከመይ ምጸበቐ! ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ህንጸት ኣተኲርና ንዛተ። ኩሉ መዳያዊ ህንጸት ንምባል’የ። ኣእምሮ ከይተሃንጸ ዝሃነጾም ትሕተ ቅርጺ የተኣማምኑ ኣይብልን። ልዕለ ቅርጺ’ዩ ቅድሚ ትሕተ ቅርጺ ክስራዕ ነይሩዎን ዘለዎን። ታሪኽ፡ መሰረትን እምነ ኵርናዕን ልዕለ ቅርጺ ከም ምዃኑ መጠን፡ ብመጀመርታ እቲ ብጀብሃን ሻዕብያን ዝተዃነየ ታሪኽ ተጓሒፉ በቲ ንመንነትና ዝገልጽ ሓቀኛ ታሪኽ ተተኪኡ ክቐርብ ኣገዳሲ ይኸውን። ታሪኽ ጣልያንን እንግሊዝን ደድሕሪኡ ክስዕብ ኣለዎ። ኣድላይነት የብሉን። እዚ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ክስራሓሉ ዘለዎ’ዩ።” ከለሶም እማመኡ ኣዘኻኸረ።
“ምስዛ ናይ ከለሶም ኣተሓሒዘ ክብላ ዝደሊ፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ቀደማ እንተ ሓበረት ከመይ ይመስለኩም? ምንጻላ ዘይተሓስበሉ ታሪኻዊ ጌጋ ብምንባሩ ዳግም ክረአ ዘለዎ ኰይኑ ይስመዓኒ።” መቓልሕ ኣራጐደሉ።
“ሓንቲ ድምጺ ሒዝና ንህዝቢ ከም ዝወከልና ኴንና ምቕራብና’ዩ ታሪኻዊ ጌጋ። መን ስልጣን ምስ ሃበና ኢና ደፊርና ብዛዕባ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ንውስን ዘለና? ኣጋፋሪ ወይ መራሒ ናይ ሓደ ምንቅስቓስ ንምዃን ውን ሓይሊ ንቕሓትን ፍልጠትን የድሊ። ካበይ ተበጊስካ ኣበይ ከም ትበጽሕ ዘነጽር ሕንጻጽ ክህሉ ኣለዎ። ከይሓሓኻን ከይነፈኻን ብሃውሪ ክኸውን የብሉን። ቅልውላው ዝፈጠሮ ዓኽታ ምዃኑ ኣይከሓድን። ሞራል ባይታ ክዘብጥ ከሎ ተስፋ ምቑራጽ ሰማይ’ዩ ዝዓርግ። እነሆ ውን ይንጸባረቕ። ንሞራል ከተስእ ዝኽእል ሓይሊ ተማህሊልካ ኣይመጽእን። ጸገምና ኣብ ታሪኽዊ ትሕተ ቅርጽና ኣይኰነን ዘሎ። ታሪኽ ንምጕዳእ ይዅን ንምጽጋን ዝሕሰብ ምንቅስቓስ ከይተበገሰ ከም ዝብርዕን ክፍለጥ ኣለዎ። ከምቲ ብዙሓት ዝብሉዎ፡ ጸገምና ካብ ኢትዮጵያ ኣብ ምንጻልና ኣይኰነን። ዝተባህለ ይበሃል፡ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ጐረባብቲ እምበር ሓደ ኣይነበርናን። ንሳቶም ክደልዩና ንሕና ኣይንደልየኩምን ክንበሃሃል ግን ምርብራብ ኰይኑ። ብሽሕጣንን ኵናትን’ዩ እቲ ምርብራብ። ይቕጽል ድማ ኣሎ። ጸገምና እዚ’ዩ። ኵናትን በሰላ ኵናትን ኣሰልችዮሞ፡ ክሳዱ ዘድነነ ዜጋ ንኸተቕነዖ ግዜ ይወስድ። ክጐልሕ ዘለዎ፡ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሕብረተ ሰብ’ዩ ኵናት ዝጸልእን ንሰላም ዝናፍቕን። ብበለካ ለኻዓካን መበገሲኡ ዘይፍለጥ በራሪ ወረታትን፡ ብናእዳን መን ከማኻን መኣዝኑ ንዘጥፍአ ሕብረተ ሰብ፡ ክትፍውስን ናብ ነፍሱ ክትመልስን፡ ካብቶም ንጸገሙ መዝሚዞም ዘሽካዕልሉ ዘለዉ ተበለጽቲ ሕማማት ኣገላጊልካ፡ ወናኒ ነፍሱ ንምግባሩ፡ ናይ ምንቕቓሕ ወፍሪ የድሊ ኣሎ። ብዘይ ውዓል ሕደር እኳ ደኣ። መለለዪ ናይቲ ወፍሪ እንታይ ይዅን ኣብ ዝብል ምዝርራብ ይከኣል። ብፈውሰይ ፈውሲ ዓሻ ዘይኰነ፡ ኣብ ማሕበራውን ስነ-ኣእሞሮኣውን ጽላታት ወሪዱ ንዘሎ ሃስያ ገምጊሙ ኣፈዋውሳኡ ዝህንድስ መራሒ፡ ኣብዚ ዘሎ ሓርጐጽጐጽ ተሳሒሉ ክወጽእ ተስፋ ኣለኒ። ገድልን ገደልን ኵሉ ግዜ ሰራሕቲ ሰብ’ዮም። ካብዞም ኣብ ሶፋ ኣራጢጦም፡ ታሪኽ ክድውኑን ጽውጽዋይ ከመላኽዑን ዝምድሩ ግን እንጽበዮ ክህሉ የብሉን። ኢንታኦም ዘይረኣዮም ኣረይቲ ኢንታ ክመርሑና ኣይንጸበ።” ኣብ ስቕታ ዓሪዱ ዝነበረ ርግኦ ካብ ስልችው መንፈስ ወጺኡ ዝተዛረቦ ነበረ። ምዕዝምዛም ሰዓበ። ናይ ደገፍን ተቓውሞን ድምጽታት ተጋጨወ።
“ኵሉ ገዲፍና፡ ብዛዕባ እቲ ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዱመራ ዝዝርጋሕ መገዲ ባቡር ዘይነዋግዕ። መኣስ ንቕይሶ ንኸውን? መኣስ ኢና ኸ ናብ ትግባረ ነሰጋግሮ? እቶም ዝነደዱ በረኻታት ደንካልያ ምስ ሓምላይ ሕብሪ ከነራኽቦም እናተጸበዩ ከምዚ ኢልና ክንጨቓጨቕ እንተ ዝሰምዑና ዳግማይ ክቃጸሉ ምመረጹ። እቶም መዕረፊ በጻሕቲ ክዀኑ ዘለዎም መናፈሻታት ገማግም ባሕሪ ሓሊምናዮም ዶ ንፈልጥ? ክሳዕ መኣስ ኢና ገነት ክንዲ ንሃንጽ ገነት ጥራይ ክንምነ?” ሓተተ፡ እቲ ብርዕን ወረቐትን ከሰዓዕም ዘምሰየ ወንእሰይ።
“ናትካስ ንበይኑ’ዩ። ኣብ ጥራይ ባይታ ስቕ ኢልካ ሃለውለው። ብዛዕባ ዘይመስል ክትዛረብ ኣይስልችወካን ድዩ?” ከለሶም ኣጕባዕብዓሉ። ኣይመለሰሉን። ኣብ ውራይ ጽሕፈቱ ኣድሃበ።
“ሃገራዊ ህንጸት፡ ምዝርጋሕ መርበብ ጽርግያታት፡ ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት፡ ዲጋታት፡ ዝርገሐ ህንጻ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ማእከላት ጥዕና ዝመስለና ንህሉ ንኸውን። በዚኦምን ከምዚኦምን ክጥብሩና ዝፈተኑ መራሕቲ ኣይተሳእኑን። እቲ ዝዓበየ ህንጸት ግን ወፍሪ ኣብ ኣእምሮ ሰብ’ዩ ክኸውን ነይሩዎን ዘለዎን። ዛጊት ኣይተተግበረን። መምህር ዘይብሉ ቤት ትምህርቲ፡ ሓኪም ዘይብሉ ትካል ጥዕና፡ መኪና ዘይትኸደሉ ጽርግያ፡ ዜጋታት ዘይግልገልሉ ባሕሪ ይዅን ወደብ እንታይ ትርጕም ክህልዎ ይኽእል? ሰብ ኣይተሃንጸን ዘሎ በሃሊ’የ። ክንደይ ዲና ማይ ፍልጠት ክሰትዩ ዝጽበዩ ህጻናት ራሕሪሕና ተሰዲድና ዘለና? ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮ ሕሙም ኣብ ዓራት ጠንጢንና ኣይመጻእናን ዲና? ንርእሰይ ክሕሸኒ እንተ ዘይኰይኑ ሕብረተ ሰበይ ክሕሾ ኣይበልናን። ነፍስና ፈቲና። ባይታ ኣብ ዘይብሉ ቃልሲ ግን ‘ተቓለስቲ ኢና’ ንብል። ሓለይቲ ክንመስል ካብ ማዕዶ ንፍንዎ ዘለና ድምጺ ትርጕም ከም ዘይብሉ ገና ኣይተረደኣናን። ካብ ኢዱ ኣጣሚሩ ዝወራዘ እቲ ጸጸር ዘቐብል ብዓሰርተ ኢድ ይሓይሽ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ክሳዕ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ሓደ ደሚቑ ዝተጋህደ ነገር ኣሎ። ቅድሚኡ ነይሩ ድዩ ኣይነበረን ኣይፈልጥን። ኤርትራውያን ማዕረ እቲ ተዓዊትናሉ ዝበሃል ወፍሪ ክታበት ንፍዮን ፖልዮን ክታበት ፖለቲካ ክወሃበና ነይሩዎ። ኣይተተግበረን። ጸረ ፖለቲካ መድሃኒት ስለ ዘይወሰድና ከኣ ምሒር ተጠቒዕና ኣለና። ኣማኒ ባህርያትና ምስ ንፋስ ፖለቲካ ከም ዝጠዓዓም ኰይኑ ኣይተሃንጸን። ንምልኪ ዕድል ብምሃብ ከም ደቂ ዛግራ ክንበታተን ድማ ገይሩና ኣሎ። ናይ መትከል ዘይኰነ ናይ ሰንከልከል ኴንና ተሪፍና። ኣብቲ ዝኸድናዮ ውን ኣየድማዕናን።” መስትያት ሕጂ ውን ‘ክውንነትና’ ዝበሎ ብኻልእ ኵርናዕ ኣቕረቦ።
“ናይዞም ኣደኦም ቀቲሎም ምስ ሓትነኦም ዘውደኽድኹ ገዲፍካ ተዛረብ። ስጋኦም ከስብሑ መንፈሶም ዘጸምልዉ፡ ብወልፎምን ከብዶምን ሃገር ዝሸጡ ዲና ተቓለስቲ ክንብሎም? ብመሲሎም ዝሓድሩ ጽግዕተኛታት’ኮ ተጐቢእና። ህዝባዊ ቃልሲ ክንቅልስ ምባሎም ይገድድ።” ብጕጥያ ሸፈፍ ኢላ ድሕሪ ምሕላፍ፡ “ሎሚ-ሎምስ ንተስፋታተይ ዘጸምሉ ደበናታት ቅብጸት የንጸላልወኒ ኣሎ። ኣእምሮ መዛዩየይ ብዕብዳን ክዓኑ እዕዘቦ ኣለኹ። ወለዶይ፡ ዝደልዮ ከይፈለጠ ብውሕጅ ንእስነት ዝተወስደ ወለዶ ምዃኑ የሕዝነኒ። ናብ ዘበሉዎ’ዩ ዘብል። ከም መንፊት እናጸፍዑ ዘስርሕዎ በዚሖም። ከም ንብረት ማሕበር ድማ ይቀባበልሉ ኣለዉ። ‘ነፍሱ ከይመለኸ መባእስቲ ዘብዝሕ ወለዶ’ እናበሉ ዝገልጹዎ ውን ኣይተሳእኑን። ሓቆም’ዮም። ኣበይ ከም ዝዓልብ ከይፈለጠ’ዩ ዝዘልል። ካብዚ ወለዶ እዚ ቀዲመ ወይ ድሒረ ክፍጠር ነይሩኒ።” መነጸር ኣስተማሰለት።
“ክልተ ሰብ ሓዳር እንተ ተጐራፈጡ፡ ናይ ሓድሕዶም ኣሉታዊ ነገራት’ዮም ዝድርድሩ። ነቲ ዘሕለፉዎ ወይ ዘስተማቐሩዎ ጣዕሚ ዋጋ ኣይህብዎን’ዮም። ንእወታዊ ነገራቶም ጭራም ክጠቕሱ ርኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን። ንሕና ውን ከምኦም ንኸውን ኣለና። ብ ‘ኣሕብር ኣባጋብር’ ዝግበር ናይ ምሕፋሽ ኣቀራርባ ክተርፍ ኣለዎ ምበልኩ። እስከ ነቲ ዘሎ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ወጊድ ኢልና ናብቲ እወታዊ ነተኵር። ብወገነይ ንተምሳጥን ምድናቕን ዘይተዓደለ እሱር ኣእምሮ ኣይብርሃንን’ዩ። መሳዅቲ ከም ዘይብሉ ዝተዓፈነ ዕጹው ገዛ ይዀነኒ። ኣእምሮና ጸርጊ እወታ ክኣትዎ በሪ ክንከፍተሉ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ንንእሽቶ ኣበርክቶ ውን ትዅን ብኣሉታ ምስ እንዕዘባ፡ ፍረኣ ኣሉታ ጥራይ’ዩ ዝኸውን። ምድናቕ ከም ባህሊ ምስ እነተኣታቱ ኢና ኣደናቒ መድረኽ ክንፈጥር እንኽእል ኢለ እሓስብ። እንታይ ዝገበረ ወለዶ’ዩ ዝዝንጠል ዘሎ? ዓቕሙ ዝፈቕዶ ተሊሙ ይጐዓዝ ኣሎ። እዚ ሎሚ ምስ ሕሉፍና እነካይዶ ዘሎና ባእሲ ምስ ጽባሕ የባእሰና ኣሎ። ይረድኣና ኣይረድኣና ተበዲልና ንሕና ውን ንብድል ኣለና። ብወለዶ ጽባሕ ተኸሰስቲ ምዃንና ዘጠራጥር የብሉን። ጽባሕ ‘ይግባይ’ ኢልና ክንማጐት ስለ ዘይንኽእል ክስና እነቃልለሉ ሎሚ ብእንዛረቦ ዘይኰነ ብእንሰርሖ’ዩ። ንዝውሰድ ተበግሶ ካብ ምስትንዓቕ ናህሪ ንምውሳኽ ምድናቕ ንልመድ።” ናብ መነጸር ዝቐንዐ ተቓውሞ ሰየሞም ሰዓበ።
መነጸርን ሰየሞምን ካብ ዘረሓሕቖም ዘቀራርቦም ይበዝሕ። ኣብተን ዘየረዳድኦኦም ግን ናይ ምንሕሓፍ መንፈስ የብሎምን። ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ተሃኑ የውጽእ።
“‘ዘበኑ ዝሃቦ ሓምሓም ንእምኒ ሓደጋ ይወድቆ’ ከም ዝብልዎ፡ መኻን ኣተሓሳስባታት ፍረ ዘለዎ መሲሉ ከጋጊ ይፍትን ኣሎ።” መነጸር ካብ ኣፉ ቈሊባ ሸምጠጠቶ። “ወላ ንድኻምና ነድንቕ ድዩ ዝበሃል ዘሎ? ካብቲ ንድኻሙ ክዀሓሕል ውዒሉ ዝሓድር መንግስቲ ከም ዘለዎ ንውረሶ ማለትካ እንተዀይኑ ኣየባእስን። ካብኡ ወጻኢ ግን እንታይ ዝድነቕ ስለ ዘሎ ኢና ክነድንቕ? ልቢ ገርሂ ዝበስዑ መደረታት ከም ሞዳ ይቀላቐሉ ምህላዎም ክድብሱና የብሎምን። ነዚኣቶም ክነድንቕ ድዩ ዝድለ ዘሎ? ጐድኒ ጐድኑ፡ ንእንፈልጦ ኣበራት እናጸፍጸፉ ከርእዩና ዝቃላሱ ቈራያት ኣይተሳእኑን። ምስ ሕሉፍና ንዘባእሱና መጻኢና ንዘይምነዩ ነድንቕ ድዩ ዝበሃል ዘሎ? ይትረፍ ኣብ ዘይንቡር ኵነታት ኣብ ንቡር ኵነታት ውን ፍጹምነት ኣይረኣናን። ‘ንሓይሽ ኢና’ ዝብሉ ክሕሹ ኣይተዓዘብናን። ምውርዛይ ግን መሊኡ። ዋሕለልና ክብሉ፡ ንታሪኽና ብሽፍትነት ዝገልጹዎ፡ ሽፍትነት ኣካል ታሪኽ ምዃኑ ኣይበጽሕዎን ዘለዉ። መሰል ዝጐደሎ ከም ዝሽፍት ንመን ይሕብኦ? ናቱ እምበር ዘይናቱ ዝደለየ ሰውራ ግን ኣብ ኤርትራ ኣይነበረን። ተልእኾኡ ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን ውን ካብ ደረቱ ኣይሓለፈን። ጸላኢኻ ከኣ፡ ሽፍታ፡ ዓማጺ፡ ከታሪ፡ ቀታሊ እናበለ’ዩ ዘጠምቐካ። ጸለሎ እምበር ጠስሚ ኣይቀብኣካን’ዩ። ባጀላ ጅግንነት ካብ ጸላኢኻ ዘይምጽባይ። ውዱብ ሽፍትነት ይበሉዎ ፍኑው ብለውላው መልሓስ ዝቕየር ሓቂ የለን። ንሓሳዊ እዝንኻ እንተ ከሊእካዮ ስራሕ’ዩ ዝፈትሕ። ካብቲ ዝሕሱ እቶም ንሰምዕ ንገድድ። ‘ሓሲኻ’ ኢልና እዝንና ዘየዕጹ እንታይ ኣለና? እቲ ‘ሓሳዊ…. ኣደራሽ ገዛ መዕነዊ’ እናበለ ዝደረፈስ ከመይ ኣምላኽ ኣማኺሩዎ። ሰማዒ ዝረኸበ ግን ኣይመስለንን። ዝሰምዕ እዝኒ ዘይኰነ ዝሰምዕ ልቢ ይፍጠረሉ።” ዝተወደኣ ትመስል። ዳእላ ዝበዝሖ ህዉኽ ኣመላልሳኣ ንከምኡ ዝእንፍት ነበረ።
“ካብ ጸቢብ ንውጻእ እናበልኪ ትዛረቢ ከም ዘይነበርኪ ንምንታይ ኢኺ ኤርትራዶ ሃገር እናበልኪ ሰብ ተጽምሚ? ካብዚ ንላዕሊ ጸቢብነት ኣሎ ድዩ?” ማዕበል ኣፋጠጠላ። ብምንታይ ከም ዝለኽፋ ክጽበ ዝጸንሐ ይመስል።
“ኣይተጋገኻን ካብ ጸቢብ ንውጻእ’የ ዝብል። ኵሉ ነናቱ ምስ ሓዘ’ዩ ብዛዕባ ገፊሕ ዝዛረብ። እዚ ዘሎ ዓለማዊ ስርዓት፡ ፖለቲካዊ ኣቃውማኡ ብደረጃ ሃገር ክሳዕ ዝሃለወ ኤርትራ’የ ክብል። ንጹህ ሓመዳ ካብ ምቕማስ ሓሊፈ ዝቘሓምኩላ፡ ኣላትኒ ዝብላ ሃገር ንሳ እያ። መዀርመዪ ክንዲ መሳፍሒ ኣይከውንን’ዩ። ልዕሊኣ መሳፍሒ የብለይን። እቲ መሳፍሒ ዝመስለና ዘሎ’ዩ መዀርመዪ። ናይ ሃገር ኣጻፊፍካ ኢኻ ድማ ናብ ኣህጉር ትሰግር። ዓለምን ኣድማስን ቀስ ብቀስ እዮም ዝብጽሑ። ተፈጥሮኣዊ ኣቃውማ ውን ከምኡ ይመስለኒ። ካብ ዝነኣሰ’ዩ ናብ ዝዓበየ ዝኸይድ። ሃገር ካብ ዘይበልና፡ ሃገር ዝብል ኣይንጽላእ።” ኣዘኻኸረት መነጸር።
“ኣነስ ንኵውንነትና በቲ ካልእ መልክዕ ምርኣዩ ደስ እብለኒ። ንሓቂ ድራራ ኣይንኽልላኣያ። ካብ ናብራ እኩብ ወጺእካ ምስ እትበታተን ዝነበርካዮ ኢኻ ትናፍቕ። ብባህሊ መኣዲ ዝዓበየ ብያቲ ሂብካዮ ኣይጸግብን’ዩ። ኣብቲ መኣዲ ዝለመዶ መማቕርቲ ኣብ ብያቲ ስለ ዘይረኽቦ ብጥሙዩ’ዩ ዝውዕል ወይ ዝሓድር። ካብ ማሕበራዊ ባህሊ ናብ ባህሊ ውልቃውነት ኣብ ዘሎ ምስግጋር እኽሊ ዘይጥብሮ ጥሜት’ዩ ዘሎ። ነዚ ስኢና ከተልቅስ እትውዕል መኣስ ውሒዳ። ባህሊ ‘ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት’ ሓይሊ ምዃኑ ኣመስኪሩ’ዩ። በብዝተበተንናዮ ጸገም ምስ ከበደና ናብ ዝነበርናዮ ባህሊ እኩብ ንምምላስ’ዩ ጸጊሙና ዘሎ። ኣብ ሓባራዊ ባህሊ ስለ ዝተሰራሕና ውልቃዊ ባህሊ ምኽኣሉ ስኢንናዮ። ከም ዝመስለኒ፡ ምንጪ ጫውጫውታና እዚ ናፍቖት እዚ ከይኰነ ኣይተርፍን’የ ዝብል።” መስትያት ተዋዘየ።
“መኣስ እሞ ተጋጊኻ። እዚ ብዋዛ ኣምሲልካ ዝተዛረብካዮ እኮ’ዩ እቲ ሓቂ። ከነስተውዕለሉ ዘሎንና ሓደ ነገር ኣሎ። ኵሉ ዝቃላሕ ዘሎ ህዉኽ ድምጽታት ተቓውሞ ይመስለና ከይህሉ። ገሊኡ መእተዊ ዓዲ፡ ገሊኡ ድራር ለይቲ ምዃኑ ምስትውዓል ሓጋዚ’ዩ። ነንዝጐልሐ ድምጺ ንቈጽር እንተ ደኣ ኣለና ክሳራ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ። መዐቀኒ ቃልሲ ግብሪ’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ዘዝነብሐ ከልቢ ተናኻሲ’ዩ ኢልና እንተ ኣሚንና ዕሽነትና ኢና ንሰጥሕ ዘለና። እቶም ፍሩያት ዝመስሉና ሽልቱታት እዮም። ገለ ገለ ከኣ ዝቃወሙ ዘለዉ ይመስለና እምበር ናፍቖቶምን ኣንጸርጹሮቶምን እዮም ዝገልጹ። ዝለመዱዎ ጫውጫውታ ስኢኖም ብጽምዋ ምስ ተገርፉ ዘንጸርጽሩ ውሑዳት ኣይኰኑን። ኣንጸርጹሮቶም ሰማይ ምስ ዓረገ ናብ ናሕሲ መራኸቢታት ይጐይዩ። ከምዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሕዎ ጸርፍታትን ጸለመታትን ንኽንደይ መላጕም ኮምፒተራት ኣንሂሎም ይዀኑ ኢልካ ምሕሳብ ኣይጽላእን። ይዅን’ምበር፡ ካብ ጽምዋ ንምውጻእ ዝፍኖ ድምጺታት ንብዝሒ ተቓውሞ ሰማይ ስለ ዘዕርጎ ኣተኣማማኒ መሲሉ ክረኣየና የብሉን። ተዋሳእቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣጀንዳኦም ብኣንፈት ንፋስ’ዩ ዝቃነ። ዝተበታተኸን ቀጻልነቱ ዘየውሓሰን ዝተዘራረገ ኣካይዳ’ዩ ዘለዎም። ሕሉፍ ኣጀንዳኦም ምስ መጻኢ ዘተኣሳስር የብሉን። ራእይ የብሎምን። ገሊኦም፡ ከኣ ካብ እገለዶ ከይሓምቕ’ዩ ዘዛርቦም። ከም ዝበሉ እንተ ዘይኰይኑ እንታይ ከም ዝበሉ ኣይፈልጡን። መተካእታ ይናደየሉ’ምበር ነዚ ኣሚንካ ዝግበር ቃልሲ ኣየሰጕምን’ዩ።” መነጸር ንህሉው ምንቅስቓስን ኣገባብ ቃልስን ከዓበቶ።
“ክሳዕ መኣስ ኢና ውድቀትና ንካልእ ሓይሊ ከነሰክም ክንነብር? ክሳዕ መኣስ ኢና ንነፍስና እናኣንጻህና ንካልኦት ጸለሎ ክንከድን? ተቐበልቲ ጌጋናን ውድቀትናን ንዀነሉ ኣጋጣሚ ክንፈጥር እንተ ዘይክኢልና፡ ፈቲና ጸሊእና ጉድለትና ኣብ ዝባንና ኣሎ። ‘ኣነ ኸ ኣብዚ ቃልሲ እንታይ’ዩ ኣበርክቶይ?’ ኢሉ ንነፍሱ ዝሓትት እኮ ተሳኢኑ። ንዅሉ ግብሪ ርሒቑዎ። ካብ ‘ዓስ በላ’፡ ‘ዓስ’ ይቐልል በጃኻትኩም። ካብ ተሓታትነት ክንሃድም፡ ጌጋታትና ንካልኦት ከነሸክም፡ ንሕና ንጹሃን ካልኦት ኣበረኛታት ክሳዕ ዝገበርናዮም ፍታሕ ኣይክርከብን’ዩ። እቶም ፍትሒ ቀጠነ እናበልና ካብ መረበትና ዝተኸላበትና ውን ፍትሓውያን ኣይኰንናን። ክንፈቱ ክንጸልእ ሓደ ጻዕዳ ሓቂ ኣሎ። እታ እተወጣውጥ መመልከቲቶ ንባዕላ ኣይነጸሀትን፡ ረሳሕ እያ። ጓል መገዲ ገዲፍና ትኽ ብትኽ ንዛረብ። ሕጂ ውን ደጊመ ዝሓቶ ሕቶ፡ ፍትሒ ዲና ንምእርር ዘለና ወይሲ ፍትሒ ነሳጕግ?” ሰየሞም ኣንጸርጸረ። ንዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ከይተጸበየ ተሲኡ ተበገሰ። ኮፍ ክብል ዝለመኖ ኣይነበረን። በብሓደ ሰዓቡዎ። ድምጺ ኣብራር ነገሰ። ምስኡ ተረፍኩ።
“ጽውጽዋይ ጌሮሞ ኣንጊሆም ሕልምና
ደረት ኣብዚሖምሉ ከይሰምር ሓሳብና
‘ምእንቲ መጐጐስ ትሕለፍያ ኣንጭዋ’
ትጋሕ ትምሰ’ምበር መዓልታ ኣለዋ፡
ኣለዋ…. ኣለዋ… ኣ ለ ዋ…….!
ሰብ እንተ ተደብየ ታሪኽ ከም እተደብየ
ታሪኽ ከም እተደብየ
ዘየሎ ክመስሎም ለባም ዝጐሃየ
ለባም ዝጐሃየ፡
እኳ ከይፈግድ ኣመለኛ ልቦም
ገና ኣሎ ይቕጽል ርግሒት ቀደሞም።”
………………
“ዕዉታት ወፋሮ ናይ ህድሞ ደቀባት
ኣኺሉ’ዩ ግዜ ክንመክር ናይ ኣሕዋት
ታሪኻዊት ርስቲ ናይ ኵሉ መዕቈቢት
ጓል ነገር ገድፊና ንዓኣ ንጠምት!”
እናበለ፡ ደጋጊሙ የዘኻኽር ነበረ።
**********************
ነሓሰ 2015