ብሽሻይ ሹመንዲ (Shishai Shumendi)
ገጣሚ ፡ ክብሮም ደሞዝ
“መርዓት ዝረኣየ?” ዝብል ኣርእስቲ ገይራ
ሓታቲት ግጥሚ’የ ክትብል ዝተበገሰት ኮይና ዝተሰምዓትኒ ግጥሚ፡ መሪሓትኒ ናበይ ከምእተብል ክርእያ ፈቲነ ነይረ። ጥፍእቲ መርዓት ብዝረኣኹ፡ ምስትምቓረይ ጎምጅዩ ኣብ ርእየተይ ዝመጽኡኒ ቀዳሞት ሓሳባት እምበኣር፡ ብዘይካ’ቲ ብጽሑፋዊ ቋንቋ ሰፊሩ ዘሎ ናይ ሕቶ ምልክት (?)፡ ዝስዕብ ትሕዝቶኣን ዋሕዛን ከ ነቲ ስምዒተ-ሕቶ ዓቂባቶ ዶ ትኸውን!? ፡ መርዓት ኣብ ትግርኛዊ መቓን ንዘለዋ ክብርን ሚዛንን ርኢኻኸ፡ መርዓት ንእትኣክል ዜጥፈአን ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ ንዝብል ዘሎ ኣዘንታዊ ብኸመይ ሒዛቶ ኣላ? ማለት ስምዒት ምድላይ፡ ስምዒት ክሳራ፡ ስምዒት ዘይምፍላጥ ሃለዋትከ ብግቡእ ተንጸባሪቖም ዶ ኣለው? ነዞም ስምዒታት ንምቕማጥ ከ፡ ምርጸት ቃላት፡ ውከላ፡ ክብን ለጠቕታን ስእለ ተስፋኸ ትፈጥረለይ ዶ ? ካብ ፊደላት ክሳብ ነግሕታትን ኣቛውማን ስርርዕ ማይቤታትን ከ ከመይ ወሪዶምን ወዘተን ዝብሉ እዮም። እዛ ካብ ካልኦት ዓይነታት ዓሌታት ግጥሚ( ገላጺ ግጥሚ፡ ታሪኻዊ ግጥሚ፡ ጅግንነታዊ ግጥሚ…..) ብ “ሓታቲ” ዓይነት መሪጻ ተጻሒፋ ዘላ ግጥሚ፡ ብዘይካ’ቲ ከተማልኦ ዝግበኣ ሓፈሻዊ ባእታታት ግጥሚን ገጣሚ ዝመርጾ መጠመቲ ኩርናዕ ፍሉይ ርእየትን ብሕቶ ከፊታ ብሕቶ ናይ ምዕጻው ዓቕሚ እንተገይራ፡ ኣብ ኣምባቢ ወይ ሰማዒ” ናይ ምፍታሽ” ስምዒትን ድርኺትን ናይ ምፍጣር ሓይላ ብምህራም ፡ ነቲ ሓተትቲ ግጥምታት ዝሓትዎ ቅጥዕታት ኣማሊኦም ምስ ዝህነጹ ምስ ውሽጠ ውሻጠኻ ኣፈታቲሾም፡ ናይ ምሕታት ወንኻ ዝቕስቅሱ ዓይነት ቅዲ’ዮም ዝብል ርድኢት ክትመልኣለይ እጽበ።
ኣብቲ ናሕሲ ሰማይ
ተቐመጥኪ ጸሓይ
እስከ ክሓተኪ እንተለኪ ደሃይ
መርዓት’ያ ስልምቲ
ብምልዮን ኩሕልቲ
ኣምባር ኣብ እግራ
ወርቂ ዘቦ ኣብ ኢዳ
ስውር ኢላትኒ መን ከምዝወሰዳ
ኣዘንታዊ፡ መርዓቱ ኣብ ዘላቶ ጠፊኡዎ፡ ካብ ቀረባ ክሳብ ርሑቕ ደልዩ ዝሰኣና’ዩ ዝመስል። ምስ ምሉእ በዓል ኣካል እዛ ግጥሚ ብምንጽጻር፡ “መርዓት ዶ ሪኢኺ?” ኢሉ ክጅምራ ዝነበሮ ሕቶ፡ መርዓት ዝረኣየ? ኢሉ ምጅማሩ እኳ እንተዘይተቐበልክዎ፡ ኣብ ዝቐጸለ ትሕዝቶ’ዛ ግጥሚ ዘይደገሞ ጌጋ ብምዃኑ ክቕጽል ኢለ’ለኹ። ላሕ ኢሉ፡ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ናብ ምህትፍታፍ ዝኸደ ብዝመስል፡ ን ሓንቲ “ጸሓይ” እትበሃል ግእዝቲ ነገር ይሓትት ኣሎ። ኣብዘን ሸሞንተ ቀዳሞት ነግሕታት እዛ ማይቤት(Stanza)፡ ኣምበብቲ ምስ ገጸ ባህርያት እዛ ግጥሚ ንከላሊ ዘኽእል ሓበሬታታት ተዋሂቡና ኣሎ።
1 ኣብ ሰሌዳ ሰማይ ንእትርከብ ጸሓይ ከምእትርእን እትሰምዕን ናይ ሰብ ባህሪ ኣልቢሱ ብዘርኢ ኣገባብ ሰባዊ(Personification)-ተሓታቲት፡
2 እታ መርዓት ክትከውንን ዘይክትከውንን ብ “መርዓት” ተወኪላ ዘላ- ዝተሰወረት፡
3 ኣዘንታዊ ንባዕሉን።
ኣብ መዛዘሚ እዛ ማይ ቤት ዘላ” ስውር ኢላትኒ መን ከምዝወሰዳ” እትብል ሓረግ ምስ ረኣኹ ግና፡ እዛ ሓረግ ነቲ ላሕ ከምዝበለ ዘስምዕ ደረቕ” እስከ ክሓተኪ. ..” ኢሉ ዝጀመረላ ናይ ክሳራ ስምዒቱ ዘርግፈላ ዘሎ ኮይኑ ዝስመዓካ ኣበጋግሳ ሕቶ መዕረፊት ኮይና፡ “መን ከምዝወሰዳ” እትብል መወዳእታኣ ግና ጸሓይን መርዓትን ኣዘንታውን ንበይኖም ኮይኖም ዝውድእዋ ግጥሚ ከም ዘይኮነት ተአንፍተለይ ኣላ።
ብፍታዋ ኣይብሎን ‘ዚ ዘሎ ኣለዎ!
ነዚ ጨና ነብሰይ ጉድ እንድያ ክትፈትዎ
ኣቤት’ባ ኣብቲ ንእዲ
ኣቤት ኣብቲ ማእሲ
ማህቆቓ ፈጢራ ሽመተይ ክትሓሲ
ትልሎ ብቓንዛ ትፈሓስ ብሰሓቕ
እና ሰዓምካያ መሊሳ ትናፈቕ
ተባዕታይ ባህሪ ሒዙ ዝጓዓዝ ኣዘንታዊ፡ ዝሕሰ ሽመቱ ካብ ሕፍረቱ ዝሓልፍ ኣይኮነን ኢልካ እንተዘይኣጸጊዕካዮ ትርጉም ቃላቱ ኪንዮ ዓቕሚ መዝገበ- ቃላትካ ኮይኑ ከሸግር ዝኽእል መስለኒ። እምበኣር ኣብዚ ማይቤት እዚ ምስ መርዓቱ ዘለዎ ምትእስሳር ብ ዕምቆተ ፍትወተ ስጋ(ወሲባዊ) መልክዕ ከርእየና ዝፈተነ ኮይኑ ይስመዓኒ። ጨና ነብሰይ ኢሉ ዝጀመረ ንእድን ማእስን እንተበጺሑ፡ ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ ናብ ዝብል መደምደምታ ክትበጽሕ ትደናደን። ከምኡ እንተኾይኑ፡ ነቲ ብመሰረት ባህልና ንከተንብቦም ደስ ዘየብሉ ወሲባዊ ቋንቋ ንምግላጽ ዝተጠቕመሉ ቴክኒክ ቃለ-ሽፋን( Euphemism ) ኣድኒቐዮ ። ጉዳዩ ብዛዕባ ሓንቲ ሰባዊት መርዓት ድዩ ዋላስ ብ መርዓት ዝተወከለ(Symbolic figure) ካልእ ነገር ኣሎ ብኣግኡ ክፈልጥ እኳ እንተዘይከኣልኩ፡ ኣብዛ ማይቤት ከምዚ ልዕል ኢለ ጠቒሰዮ ዘለኹ ወሲባዊ ጠቀስ ቃላት ገይሩ ኣውሪዱዎም ምስ ምህላዉ ናብ ሰብ ክወስደኒ’ዩ ዝመስል።
ኣብቲ ቋንቋ ርእሲ ኣኼባ ናይ ውሉድ
ኩሉ ነብሱ የሕሲሩ ንዕኣ ይንእድ
ኣብቲ ኣሰር ሽማ ኣብቲ ሓረግ ወለዶ
ኣብ ጥምቀታ ኣብቲ ናታ ጽሕፍቶ
መን’ሞ ዘይምነ መርዒት ደሓን ትእቶ
ሕልኽልኽ ዝበለ ሓሳባት እዛ ማይቤት ክተሓዘለይ ኣይከኣለን። ብ መርዓታ ዝጠፍአት ወይ ትኹረተ-መርዓት ጥራይ ዝብል ርድኢት ግዲ ኣሕዲረ ጸኒሐ ፡ ኣኼባ፡ ኣየኖት ውሉድ? ጥምቀትን ጽሕፍቶን ዝዋሰበሉ ነጥቢ? ንምንታይ ከምዝመጽኡ ተሓናፊሹኒ። ከም ካልኦት ማይቤታት ኣይፎኸሰትንን። ውልቃዊ ምስትምቓረይ ክሳብ ዝኾነ ግና፡ ጸሓፊ ኣብ ርእሱ ንዝተራእዮ ስእሊ ኣብ ጽሑፍ ከቐምጦን ንላዕለዋይን ታሕተዋይን ዓቕሚ ኣስተማቐርቱ ኣብ ሚዛን ዘየእተወን ክብል ክሓልፎ መሪጸ። መርዓት’ያ ኢለ ወሲደዮ ዝነበርኩ ግዳ ተመሊሰ ክጠራጠር ገይሩኒ ኣሎ።
በሊ ጸሓይ ነዚኣ’የ ኣጥፊአ
ኣብቲ ንግስነትኪ መን ኣሎ ዝርአ?
እንታይ ግድኺ! ከለኺ’ኳ ፍጹም
ምናልባት ግን ‘ቶም ዝለኣኽክዮም
ጉጅም ክብሉ ሓለዋ ዘንጊዖም
ኣጥፊኦማ ኣለዉ መርዓት ካብዛ ኢዶም
“እስከ ክሓተኪ…” ብዝብል ዘይትሑት ቃና ኮይኑ ዝተሰመዓኒ ግን ከኣ ነድሪ ሃለዋት ምስኣን ዶ ይኸውን ኢለ ዝተቐበልክዎ ነግሒ ዝጀመረ ኣዘንታዊ፡ “በሊ ጸሓይ…” እናበለ ብዘስቆርቁር ቃና( Tonality) ረብሪቡ ናይ ዝልምን ዘሎ መንፈሱ ዘርእየኒ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። “እንታይ ግድኺ ከለኺ’ኳ ፍጹም” ክብል እንከሎ፡ ኪንዮ እምነቱ ዘሎ ቃና፡ ንምብራኽን ምውራድን ስምዒታቱ መደራዕታ ኮይኑ ኣብ ዝስመዓኒ ዘሎ ዜማ ከምዝፍለጠኒ ገይሩ ተዓዊቱ ኢለ። ካብ ራብዓይ መስመር’ዛ ማይቤት ዝቐጸለ ግና፡ ብዘይካ ጸሓይ ዝለኣኸቶም ሓለውቲ ከምዘለዉ ጸምቢሩ ጠባያት ምውሳኹ፡ ቀጥታዊ ዝርርቡ ምስ ጸሓይ ምስ ምጽንሑ፡ ትልእኾም ይሃልዉዋ ኣይሃልዉዋ፡ ብሓደራ ተረኪባታ ዝነበረት መርዓት ምዃና ዘምስል፡ ኣጥፊእካ ምድላይ ክትብሎ ዘድፍር ኣጋጣሚ ጎፍ ኢሉኒ። ፡ ተኽእሎ ኣጋጣሚ ከይፍጠር መታን፡ ሌላ ምስ’ዞም ሓለውቲ ኣቐዲሙ ኣብ ቀዳማይ ማይ ቤት ክኸውን ነይርዎ።
ኮኾብ’ኳ ኣበይ’ልዎ ለዋህ
ወርሒ ግን ኣይግድን’ዛ ሓሳድ ቀናእ
እናከተብረቕርቕ መርዓተይ ክትርእያ
ኣስተብሂለላ’የ ክንደይ ግዜ ኮርያ!
ትንዕ’ውን ትብል’ያ ጽባቐ ክትልቃሕ
ትቶኻቱኽ ከኣ
‘ቲ ዛዕጎል፡ ዑንቂ፡ ‘ቲ ወርቂ ክመቕራሕ
መርዓተይ ክትውቅብ ኣይብላን’ዩ ጠላሕ
ኣብዛ ማይቤት’ዚኣ፡ ነቶም ኣብ ሰማያዊ ምከና ከም ውሁብ ኣብ ርእስና ዝቕጀሉና ወይ ዝመጽኡና ሰማያውያን ባእታትታት ከም ከዋኽብቲ፡ ወርሒ ዝኣመሰሉ ክጽምብረልና ይረአ። ዝጠፍአት መርዓት፡ ሓሳድ ከምዝነበረታ፡ ንሳ ከኣ ወርሒ ምዃና፡ ምስቲ ብዓንተቦኡ’ውን ወርሒ ብስነ-ፍልጠታዊ ስነ መጎት ካብ ጸሓይ’ያ ብርሃን ትወስድ ዝብል ውሁብ ርድኢት ኣተኣሳሲሩ፡ ነዚ ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂን ስምዒት ጠርጣርን ብሓደ ኣእማኒ መልክዕ ከምዝቐረበ ገይረ ወሲደዮ። ወርሒ ቀናእ ኮይና፡ ዘይቀንእ ኮኾብ’ውን ምህላዉ ጥራይ ከርእየኒ ደልዩ እንተዘይኮይኑ፡ ብንጽል ኣቐሚጥዎ ንዘሎ ኮኾብ ከእምነኒ ብዘየኽእል መንገዲ “ለዋህ” ኢሉ ምቕማጡ ኣይተረደኣንን። ካልእ፡ ንሚዛን ጽባቐን ኣድላይነት መርዓቱን ኣብ ዝርዝር ስልማት ኣውሪዱ፡ ምስኡ ንዝጸንሓኒ ምድንጋጽ ከፍኩስ ተሰሚዑኒ። ብዓቢኡ መርዓት’ያ ጠፊኣኖ!!
‘ሞ በሊ ጸሓይ ከምቲ’ኳ ሰብ ጥበብ
“ኣብ ትሕቲ ግዝኣትኪ እንትርፎ ዝጭብጭብ
ሓድሽ ዝበሃልሲ ክንደየናይ ከይርከብ”
ዝበልዎ
ነቲ ኣበጀዲዳ ናብ ሽፎን
ነቲ ጭንግዓታ ናብ ቁኖ ሎሚ ዘበን
ልኻይ ርእሳ ኣብ ዘይቲ ኣቃጢኖም
ነቲ ኣንባር ዝብጦ ፋሽን ኢሎም
ከይምስርሕዋ’ሞ’ቲ ወጅሃ ከይድወን
መርምርለይ ደኣ ንሳ ከይትኸውን
ብቀጥታ ምስ ጸሓይ እናተዛረበ ክንሱ፡ ኣብ ምልክት ጥቕሲ ኣእትዪዎ ዘሎ -…….ግዝኣትኪ….. – ዝብል ብ “ጸሓይ” ተኪአ ድሕሪ ምርኣይ፡ ነቲ ነዊሕ ዘሳለየኒ ናይ በሓቂ መርዓት ድያ ዋላስ ውከላ ዝብል ሕቶይ ዝመለሰ ኮይኑ ተራእዩኒ። ከይምስርሕዋ ክሳብ ዝበለ ህያው ስጋዊት መርዓት ኣይኮነትን ማለት’ዩ። እንተዘይኮይናኸ እንታይ እዩ እቲ ተወኪሉ ዘሎ? ጌና ናይ ሕቶ መንፈሳ ኣየጥፈአትን ዘላ እዛ ግጥሚ።
ከምኡ እንተገይሮም ግን ኣብቲ መርእየታ
ፍሉይ ሓበሬታ
ኣብ ትሕቲ ሕምብርታ
ልዕሊ ቀርቃሪታ
ገጽ ትርኢት ውሉደይ
ጻዕዳ ብሮት ኣላታ
ምሉእ ብምሉእ ናብ “ወሳዲ ኣለዋ” ዘውደቖ ሓሳቡ፡ ንጸሓይ ተወሳኺ ፍሉይ ሓበሬታ(ጻዕዳ ብሮት) መርዓቱ ብምሃብ’ዩ ዝዛዝማ ዘሎ።
ሓፈሻዊ መዛዘሚ ርእይቶይ
እዛ ግጥሚ፡ ሓታቲት ግጥሚ ኮይና ጀሚራ ብምውዳኣ፡ ስምዒታት ክሳራን ነድርን ልመናን ደላዪ ሃለዋት ክብ ለጠቕ እናበለት፡ዝመሰጠንን መንቀዲ ምስትምቓረይ ዝኾነ ካብ ሕቶ ናብ ሕቶ ከተብለኒ ምኽኣላ ፡ ብጉድለት መሰረታውያን ጠለባት ጥረ ነገር ግጥሚ ከም ረምታ፡ ናዕታ፡….. ዘይትረአ ምዃናን ወዘተን ኣዎንታዊ ሸነኻታ ክኸውን ከሎ፡ ኣሉታዊ ሸነኻታ ድማ፡ ግድፈት ፊደላት፡ ስርዓተ ነጥቢ፡ ገጣሚ ኣብ ስእለ ኣእምሮኡ ንዝነበረ ሓሳብ ክገልጾ መታን ክሕግዞ ዘይከኣለ ዘይንጹራት ሓረጋት ምጥቃም፡ ሃንደበትን ክተተኣሳስሮም ዘይሕግዙኻ ገጸባህርያትን ዝኣመሰሉ ነይሮም እብል።
ምንጪ፡ ምስትምቓር ግጥሚ ናይ ፈይስ ቡክ ገጽ