Sis Massawa.
“ካን. . !”
< . . . ካን!?>
“ በስ ካን ከምዛ ዝብለካ’ያ!
ሽዑ፡ ድሕሪ ካምብያ ጸወታ ቀጺሉ
እንታይ እሞ
ኩዕሶ ዝሓዘ ሓሽሽ ከም ዝሓዘ ኮይኑ።
‘ኣብ ሓንቲ ሜዳ
ብክልተ ኮዓሳሱ
እናተኸራፈሱ
ዝተመዝገቡ በደላት በዲኦም ይቆጸሩ
ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ገረቡ
ንቡር እንደኣሉ
ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ሰቡ
ምስ ኮነ ነገሩ
እንታይ ይግበር ኮይኑ!”
< እንታይ ትብል ኣንታ?>
‘እወ፡ ቲፎዞ ደንጸዎ ገለ ድማ ሰኸረ
‘ዋላ ትንፈር ጤል እያ’ ኢሉ እናጨደረ
ቀሊል ኣይነበረን ጨጓሩ ንውሽጢ ዝገበረ።
‘መዓስ እዚ ጥራይ
ፊስካን ካርድን ዳኛ እንዳተመንጠሉ
‘ዓገብ’ ኣብ ዝበሃሎ፡ ኣፉ ኣፍ-ላም ኮይኑ
ዝጅነን እናተጀነነ
ዝጅንጀን እናተጀንጀነ
መቖርጠጢ ተሳእኖ እቲ ዝተኻወነ።”
< እንታይ ትብል ኣንታ?>
“. . . ንፈውሲ ማሕላ’ባ ለባማት ኣቕሪቦም
‘. . . ከመይ ኣቢሉ ኦፍሳይት ጎል ይጸድቕ?
ናብ ሰኪዔትና ከነመዝግብ ሰለምንታይ ንቕሰብ?
ዝተበደለ ብቕላዕ መቕጻዕቲ ላሕ እንተለ
እንታይ ተኸስበ?’ ምስ በሉ፡
‘ ሽዑ ኮር ተገልበጥ ሰፈነ
መኽሕን ህሞት ኾነ።
‘‘ደሓን ዋላ ስዓሩና
ጥራይ መሓሩና
ድሮ 90 ደቓይቕ ሓሊፉ
ተወሳኺ ግዜ ከም ማይ ሃፊፉ’’
ምስ ደገሙ፡
ማዕጾ ተረጊጡ መዋጽኦ ሓርበተ
ዕጽፍታት መእተዊ ንዋጋ፡ንመውጽኢ እናተኸፍለ
ገለን ከም ጠበቕ ብመንደቕ ሓኹራ
ገለን ከመንጭዋ ብፋኛትራ ኮይኑላ ።”
<እንታይ ትብል ኣንታ?>
‘ካን እዛ ዝብለካ’ያ
ኣብ ጭርጭር ዓበደ፡ ህደም ህደም
ዓቕሉ ዘጽበበ ኣብቲ ውሕጅ ድርግም፣
እነሆ ተወሲኹ ኩርንዒት ሰሃሮ
ኣባይና ይዘርዝሮ።
ንዘመዝገብኩሞ ጎላት ብይቕረ ደምስሱ’
ተባሂሉ በዓል ነጎዳ ሓዊ ተደቢሱ
ደሓር ድሕሪ ክንደይ ፊፋ ተስፋ ሂባ
ግን ትገበሮ የለን ካብ ምኹናን ሓሊፋ!. . .”
<ካን!?>
“ካን እዛ ዝብለካ እያ!”
ሳባ ኪዳነ
31/1/ 2015
፨ . ፨ . ፨ . ፨ . ፨
ግጥሚ ‘ካን’ ፥ ብቐሊሉ ትብጻሕ’ኳ እንተ ዘይመሰለት፡ ግጥሚ ይዕበ ይንኣስ ዕላማ ከም ዘለዎ ኣምኒንካ ደጋጊምካ ምስ ‘ተንብባ፡ ንሓደ ፍቱው ግን ከኣ ኣገዳስነት ዘይብሉ ዝመስል ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ፡ ከም መወከሊ፡ ሓደ ዓብን ኣህጉራውን ዛዕባ ተጠቒማትሉ ኸም ዘላ ይስወጠካ። ግጥሚ ‘ካን’፡ ምስ ዘለዉዋ ስጡማት ረምታን ቅዶትን ከምኡ ‘ውን ንዝርርብ ሒዛቶም ዘላ ገጸ ባህርያት ተኣማንነት ብዝህብ መረጻ ቓላትን፡ ተነባቢት ኮይና ዕላማኣ እትወቅዕ ግጥሚ እያ። ንጹርነት ሓሳባት ትውንን፡ ፍሩያትን ደቀቕትን ባእታታት ግጥሚ ሒዛ፡ ንዘልዓለቶ ዛዕባ ከይኮላለፈን ከይሰባበረን ኣብ ምዕራፉ ዘብጽሕ ዋሕዚ ምህላዋ ‘ውን ካልእ ብልጫኣ’ዩ። ተወሳኺ ዝተጠንሰ ትልሚ ብፍሉይ ጠመተ ኩናዕን ኣበሃህላን ምሕራሱ ‘ውን ጽባቐ ካብ ዝህባ’ዩ።
ኣብዛ ግጥሚ ‘ካን’ ንረኽቦም ባእታታት ግጥሚ ንኣብነት፦ ‘ድግምተ ኣፍ (alliteration) ‘ ኣብ ብርክት ዝበሉ ነግሕታታ ንረክብ። ‘ውክልና'(symbolism) ‘ውን ኣብቲ ‘ሜዳ’ ከም መወከሊ ንሓንቲ ሃገር ኮይነ ተሃኒጹ ዘሎ ይጸንሓና። ኣብዛ ግጥሚ ኣብ ረምታን ናዕታን እንተ መጺእና ‘ውን ምስ መንፈስን ትሕዝቶኣ ዝቃዶ፡ ‘ናይ ቃላትን ሓሳባትን ረምታ’፥ ከምኡ ‘ውን 2 – 3 ዓይነት ናዕታታት ይርከብዋ። ካልእ ‘Assonance (partial rhyme)’ ፡ ማለት ኣብ መንጎኦም ሓደ ዓይነት ውሽጣዊ ድምጺ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ቃላት ከም ቀመም ግጥሚ ቁንጣሮ ዋላ ይኹን፡ ግን ኣይተነፍግዋን። ከም ብዓል repetition (ኣገዳስነቶም ንምንጻር ዝግበር ምድግጋም ናይ ፍሉያት ቃላት፥ ‘ካን’ ፡ ‘እንታይ ትብል ኣንታ’ ፣ ኣብ ግቡእ ቦታ ተሰኹዐን ኣገዳስነተን ዘርእያ) ፡ ከምኡ ‘ውን ከም እኒ ‘ተምሳሌት(simile)’ ፡ ‘ግርምቢጥ paradox’ (ናብ ሰኪዐትካ ሸቶ ኸተመዝግብ ምቕሳብን፣ ተበዲልካ ክንስኻ ቅላዕ መቕጻዕቲ ክውሰኸካን፣ ዘርእይ ፍጻመ) ኣብዛ ግጥሚ ካብ ትረኽቦም ቀመማታ እዮም። ተወሳኺ ዓቢ ግደ ሒዙ ዘሎ ውስጠዘ (metaphor) እውን፡ ካልእ ናቱ ሓይልን ጽባቐን ሃልይዎ መሳጢት ይገብራ።
ኣብ ኣድማሳውነት ናይዛ ግጥሚ ምስ እንርኢ ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ እዛ ዓለም ዝነበረን ዘሎን (ፋል ኣይኹን እምበር፡ ገና ‘ውን ዝህሉን) ሽግር ኣልዒላ እትትርኽ ግጥሚ ብምዃና ኣድማሳዊት ይገብራ።
ኣብዛ ‘ካን’ እትብል ግጥሚ፡ ኣብ ‘ቴማ’ እንተ መጺእና ‘ውን ገጣሚት ብዝመረጸቶ ኩርናዕን ውክልናን ፡ እቲ ፍረ ሓሳብ ወይ ዕላማ ናይዛ ግጥሚ ጎሊሑ ይርከብ። ንሱ ድማ ‘ብሰንኪ ምልካዊ ምሕደራ ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሃገር ዝወርድ ዕንወት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጠር ራዕድን ነውጽን ፥ ሕሰምን ጉስቅልን ፥ ስደትን መጉዳእትን’፣ ንምግላጽ ዝዕላምኣ ግጥሚ ኮይና ረኺበያ። ካልእ ኣብዛ ግጥሚ ዝራእክዎ ጽቡቕ ምልከት ስርዓተ- ነጥቢ ኣዝዩ ደስ ካብ ዝበለኒ ትሕዝቶኣ ምዃኑ ክገልጾ ደስ እብለኒ።
ኣወንታዊ ጎድኒ ናይዛ ግጥሚ ከምዝን ካልእን ኮይኑ፡ ኣብ ድኽመታታ ምስ እንርእይ፦ ፈለማ ኣብዛ ግጥሚ ገለ ኣድላይነቶም ዘይረኣየካ ነግሕታት ብምህላዎም፡ ካብዚ ዘላቶ ንላዕሊ ቁጥብትን፣ ቅርጥውትን፣ ንከይትኸውን ጸገም ዝፈጥሩላ ኮይኖም ረኺበዮም። ኣብ ገለ ገለ ‘ውን ፡ ክሕግዝዎ ዝኽእሉ ቓላት ብዘይምርካቡ ንምርዳኡ ዝፈታተን ነግሕታት ይርከብዋ።
ከምኡ ‘ውን ናብ ስዲ ንባብ ዝተቐየሩ ቅርጺ ግጥሚ ዝውሕዶ ነግሕታትን ኣበሃህላታትን ‘ውን ይርኣዩ ኣብዛ ግጥሚ።
ሓፈሻዊ ምስትምቓረይ ኣብ ትሕዝቶ ግጥሚ ‘ካን’ እምበር፡ ነዚ ዝስዕብ ይመስል ፦
‘ካን. . !’
<. . . ካን!?>
ኣዛ ፈላሚት ነግሒ ፡ ናይ ኣግርሞትን ምድንጋራን ስምዒት ሒዛ ፡ ብዘይካ’ዚ ዝስዕብ ዛንታ፡ ካልእ ብዙሕ ስማዑ ዘደንጹ ጉድ ከም ዝነበረ እትገልጽ፣ ብመልክዕ ዝርርብ ብ ተዘንታዊ ጠባይ ጀሚራ፡ ንኽትስዕብ እትድርኽ ማራኺት ኣፍደገ’ያ። ብምቕጻል፡
“በስ ካን ኸምዛ ዝብለካ’ያ
ሽዑ ድሕሪ ኻምብያ ጸወታ ቀጺሉ
እንታይ’ሞ፡
ኩዕሶ ዝሓዘ ሓሽሽ ከም ዝሓዘ ኾይኑ”
ኽብል እቲ ኣዘንታዊ ኣካል ዘስዓቦ ዘረባ፡ ብ ኣዘራርብኡ ካብቲ መዓት ዝወጽአ መንእስይ፡ ነቲ ናይ መንእሰያት ስፖርታዊ ቋንቋ ተጠቒሙ ምዝንታዉ ዝያዳ ንዝተላበሶ ጠባይን፣ ንዘዘንትዎን፣ ተኣማኒ ይገብሮ። ተወሳኺ ‘ውን ኣብዛ ማይቤት ገና እቲ ንኽንፈልጦ ተሃንጢናሉ ዝጸናሕና ብ ‘ካን’ ዝፈለመ ዛንታ፡ ዝኾነ ዘይንቡር ኩነታታ ከም ዘሎ፣ በቲ ‘ኩዕሶ ዝሓዘ፡ ሓሽሽ ከም ዝሓዘ ኾይኑ’ ዝብል ዘረባኡ ኽንሕዞ ንጅምር። እቲ ምንታይ’ሲ ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ‘ኩዕሶ’ ዝሕዘ ሓሽሽ ከም ዝሓዘ ሓደ ዘይሕጋውን ገበነኛን ሰብ ክቑጸር፡ ናይ ነገር ጥዕና ስለ ዘይኮነ።
ቀጺለን ዘለዋ ነግሕታት ‘ውን ንዝተላዕለ ዛዕባ ንኸራጉዳ ‘ኣብ ሓንቲ ሜዳ – ብኽልተ ኮዓሳሱ – እናተኸራፈሱ፡ ዝተመዝገቡ በደላት በዲኦም ይቆጸሩ’ ኽብላ ሓደ ዓቢ ዘይንቡር ኩነታት ይስእላልና። ኣብ ሓንቲ ሜዳ ብ 2 ኩዕሶ ምጽዋት ፡ ሕጊ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዘየፍቅድ ክንሱ፡ ብኸመይ ደኣ ብ2 ኩዕሶ ይኮራፈሱ? እሞ ሕጊ ተጣሒሱን ተረጊጹን ኣሎ። ሕጊ ተተጣሑሲ ከኣ፡ ኣዲኦም ‘ውን ቆጺራ ዘይትውድኦም በደላት ክምዝገቡ ግድን’ዩ ክኸውን። በዚ መንጽር ድማ ትሕዝቶ’ዛ ግጥሚ ከሎ ገና ኣንጠልጣልን ረዚንን ምዃኑ ይርኣየካ እሞ ፡ ንጥበብን ሓይልን ገጣሚት ኣድኒቕካ “ንምሸቱ’ኸ ደኣ” ኢልካ ምንባብካ ክትቅጽል ትድረኽ። ትቕጽል ከኣ፡
‘ሰብ ናብ ሰቡ፡ ዝብኢ ናብ ገረቡ
ንቡር እንዳእሉ’
ትብል እሞ፡ “እወ እዝስ ንቡር’ዩ” ድሕሪ ምባል ‘እንታይ ደኣሉ እቲ ዘይንቡር’ ዝብል ሕቶ ኣብ ውሽጥኻ ውትፍ ይብለካ። መልሲ ከኣ ትጽበ። ይኹን እምበር መልሲ ተጸቢኻ መልሲ ከይረኸብካ፡ ኣብ ድንግርግር ኣእትዩ ኣድላይነቱ ዘይንጽረልካ ነግሒ ይጸንሓካ፦
“ሰብ ናብ ሰቡ፡ ዝብኢ ናብ ሰቡ” እንታይ ማለት’ዩ እዚ? ሰብ’ሲ እወ ናብ ሰቡ እንተ እዚ ‘ዝብኢ ናብ ሰቡ’ ዝብል ግን ‘ታይ’ዩ ቁንቁኝኡ ንጹር ኣይኮነን። ዝብኢ ሰቡ ኣለዎ ድዩ? እንተሃልይዎ ናብ ሰቡ ስለ ዘበለስ፦ ‘ምስ ኮነ ነገሩ ፡ ‘ታይ ይብሃል ኮይኑ’ ዘብል ድዩ? ኣብዚ ጸይንጹርንተ ተፈጢሩ’ሎ። ምናልባት ‘ሰብ ምስ ሰቡ ተባሊዑ’ ንምባል ‘ተኔሩ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ክግለጽ ምተገብኦ።
ናብ ዝቕጽል ምስ እንቕጽል ከኣ፡ እንደገና ተዘንታዊ ጠባይ <እንታይ ትብል ኣንታ?> ብምባል ን ኣዘንታዊ ንኽቕጽል ይደፋፍኦ። እዚ ድማ ዋሕዚ ሓሳባትን ፍጻሜን ንኽህሉ ከም ዕውት ሜላ ኾይኑ ይርኣየካ።
“እወ፡ ቲፌዞ ደንጽይዎ፡ ገለ ድማ ሰኸረ
‘ዋላ ትንፈር ጤል’ያ’ ኢሉ ‘ናጨደረ
ቀሊል ኣይነበረን፡ ጨጓሩ ንውሽጢ ዝገበረ”
ዝብላ ነግሕታት ድማ ፡ ከምቲ ልሙድ ኣብ እዋን ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዘሎ ኣብ 2 ዝተመቓቐለ ተዓዛቢ፡ ኣብዛ ሜዳ እዚኣ ‘ውን ቲፌዞ ንተጋጠምቲ ጋናታት ዝኾኑ 2 ወገናት ምንባሮም፡ እቶም ቲፌዞ ናይታ ውጽዕቲ ጋንታ ፡ በቲ ዝወርድ ዝነበረ በደልን ወጽዓን ጋንትኦም ደንጽይዎምን ጨጎሮም ሓሪሩ ንውሽጢ ጌሮም ክዕቀሉ ኸለዉ፣ በቲ ሓደ ድማ ቲፌዞ ናይታ ዓማጺት ጋንታ፡ ጋንትኦም ብትረኽቦ ዝነበረት ናይ ጎነጽ ዕድል ብሓጎስ ሰኺሮም፡ ፍትሒ ጎስዮም ይጭድሩ ምናሮም የዘንቱ።
ኣብዚ ነዞም 2 ቲፌዞ ንምልላይን፣ ሓሳባት ንምንጻርን ንኽሕግዝ፡
<‘ዋላ ትንፈር ጤል’ያ’፡ ኢሉ ‘ናጨደረ
ቀሊል ኣይነበረን ጨጓሩ ንውሽጢ ዝገበረ’> ፡ዝብል ብዛዕባ 2 ኣካላት ክንሰን፡ ንሓደ ኣካል ዝገልጻ ዘለዋ መሲለን ስለ ዘደናግራ፣ ንምንጻረን ተወሰኽቲ ቃላት መድለየን። እምበር ንኽውንነት ዝገልጻ ወትሩ ኣብ ደገፈትን ተቓወምትን ምልኪ ዘሎ ፍልልይ ዘርእያ ነግሕታት እየን።
ኣዘንታዊ የስዕብ፡ ኣነ ውን ይስዕብ፦
‘መዓስ እዚ ጥራይ
ፊስካን ካርድን ዳኛ {እንዳ}ተመንጠሉ
‘ዓገብ ኣብ ዝብሃሎ ኣፉ ኣፍ ላም ኮይኑ’ ነዘን ነግሕታት ምስ እንርእይ፡ ‘{እንዳተመንጠሉ}’ ዝብል ዘሎ ብ “እናተመንጠሉ’ ክእረም የድልዮ። ብምቕጻል ኣብዚ እቲ ኩነታት ኣብ ተኣፋፍን ውዑይን ደርጃ ምብጽሑ ኢና እንርዳእ። ዳኛ ኣብ ዘየስምዓሉ ኩነት ተወዲቑ፡ እቲ ዓገብ ኣብ ዝብሃሎ ዓገብ ከይብል ኣፉ፡ ኣፍ ላም ምዃኑ ዝተገልጸ ዝያዳ መንነቱ ምንጻር ዘድልዮ እኳ ተኾነ፡ ዋላ ነጺሩ ‘ውን ፡ ቅሬትኡ ዘስምዓሉ ዳኛ ተዘየለ፣ ኣፉ፡ ኣፍ ላም ኮይና ምትራፋ ዘይተርፋ’ዩ ኔሩ። ትም ሕትም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ውጹዓት ተጻወትቲ ኣደዳ መስበርትን፣ መግመይትን፣ መድመይትን ኮይኖም፡ ተጀናኒኖም። ሕጂ ‘ውን ዳኛ ብዘይ ምንባሩ ፡ ነቲ ዝከናወን ዝነበረ መግትኢ ከም ዘይተረኽቦ እተረድእን፣ ጠማሪት ሓሳብን፣ ዝኾነት ካብቲ ልሙድ ኣበሃሃላታት መለሳ ዘለዋ፡
“መቖርጠጢ ተሳእኖ እቲ ዝተካወነ” እትብል ኣብ ግቡእ ቦትኣ ነቢራ ናታ ጽባቐ ተርእየካ።
ኣብዛ ማይቤት፡ እቲ ‘ዳኛ’ ን ‘ሕጊ’ ወኪሉ ክንብሎ ንኽእል። ሕጊ ካብ ፈለማ ብ 2 ኩዕሶ ምኩርፋስ ምስ ጀመረ ዝተጣሕሰ’ኳ ‘ተነበር፡ ኣብዛ ማይቤት ግን ጠቕላላ ሕጊ ህላዌኡ ጠፊኡ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ፍትሒ ውን ህጣማ ምጥፍኣ ይርኣየካ።
እዚ ሓሳብ ናብ ክውንነት እንተ ኣምጺእናዮ(ምስቲ ሕቡእ መልእኽቲ ኣንተ ኣዛሚድናዮ)፡ ነዚ ዘለናዮ ኩነታት፡ ናይ ግህሰት መሰል ፥ ኣካላዊ ጉድኣትን መግረፍትን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንጹሃት ዜጋታት ሃገርና ፤ ኩነታት ናይ ካልኦት ጭኩናት ኣህዛብ፣ ብዝግባእ ዝትርኽ ምዃኑ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ምስክር’ዩ። ጽባቐ ጥበብ ድማ ኣብዚ’ዩ ዝፍተወካ።
እንተ እዛ፡
‘ዝጅንጀን እናተጀንጀነ’ ትብል ላቔባ ግን ንምንታይ ከም ዝኣተወት ኣይርድኣንን። ትርጉም ‘ውን ስኢነላ።
ናብ ዝቕጽል ዘሎ ማይቤት ምስ ዝሰግር ከኣ፦
ነታ ንቐጻልነት ዋሕዚ ከም፡ ‘መልሓስ ውሕጅ’ ኮይና እትመርሕ ኣገዳሲት ካብ ተዘንታዊ ጠባይ እትወጽእ ሓረግ <እንታይ ትብል ኣንታ> ድልድል ተጠቒመ፦
“. . . ንፈውሲ ማሕላ’ባ ለባማት ቀሪቦም
‘. . . ከመይ ኣቢሉ ኦፍሳይት ጎል ይጸድቕ?
ናብ ሰኪዐትና ከነመዝግብ ስለምንታይ ንቕሰብ?
ዝተበደለ ብቕላዕ መቕጻዕቲ ላሕ እንተ’ለ
እንታይ ተ ኸስበ?’ ምስ በሉ፡
ሽዑ፡ ኮር ተገልበጥ ሰፈነ
መኽሕን ህሞት ኮነ።”
ዝብላ ምስ ንርእይ ከኣ፡ ኣብዚ ፍጹም መትሓዚ ዝተሳእኖ ስግንጢርነት ይኸውን። ነገር ‘ሓይሊ ጉራዕ ፡ ተደቢርካ . . .’ ኮይኑ። በቲ ሓደ፡ ብጭኮናን ሓይልን ዓማጺት ጋንታ ልብኻ ይነድድ፡ በቲ ካልእ ከኣ ከይተረደኣካ ምስቲ ክደማመረካ ዝጸንሐ ሃለዋት ናይቶም ውጹዓት፡ ኪንዮ ኣንባቢ ናብ ተደናጋጺ የሰጋግረካ። ፍትሒ ክትርገጽ ተሰሚዕዋ ሕልናካ ትቓዝን። በደል ምስ በዝሐ፡ ገለ ትብዓት ዝገበሩ ወገናት ፥ ‘ኣይፋል’ ኣብ ዝብልሉ ‘ውን፡ ዓመጽቲ ጌጋኦም ኣብ ክንዲ ምእራም ብግልባጡ ኣብ ልዕሊ እቶም ‘ኣይፋል’ ዝበሉ ዝወስድዎ ስጉምቲ ‘መኽሕን ህሞት ኮነ’ ብምባል ኣስካሕካሒነቱ ተርእየካ። እዘን ነግሕታት ንሓቀኛ ባህርያት መለኽቲ ይገልጻ።
ቁምነገረን ከም ዘለዎ ኾይኑ፡ ዝያዳ ጻዕሪ ሂብካ ግጥማዊ ቅርጺ ኣትሒዝካ ብቅርጡው ዝበለ ብዘይ ምጽሓፈን ግን፡ ናብ ሓውሲ ስዲ ንባብን ዘረባን ከይደን ፍኹሰት ይፈጥራላ ነዛ ግጥሚ።
ትሒተን ዘለዋ፡
‘ድሓን ዋላ ስዓሩና
ጥራሕ ምሓሩና’
ዝብላ 2 ነግሕታትን ዓጀብተንን፣ እንተ ርእይናየን፡ ድሕሪ ጸወታ ምዝዛሙ ‘ውን ‘ተኾነ፡ ዓማጺት ጋንታ ዕላምኣ ‘ምስዓር’ ጥራሕ ዘይክኸውን ኸም ዝኽእል ካብ ቃና ‘ዞም ዝልምኑ ዘለዉ ክንእምት ንኽእል። እሞ ‘ታይ ደኣ? መልሱ ወሪድና ንረኽቦ፦
“ማዕጾ ተረጊጡ መዋጽኦ ሓርበተ
ዕጽፍታት መእተዊ ንዋጋ{ዋጋ}፡ ንመውጽኢ እናተኸፍለ
ገለን ከም ጠበቕ ብመንደቕ ዘሊላ
ገለን ከም ኣንጭዋ ብፋኛትራ ኾይኑላ’።
<እንታይ ትብል ኣንታ!?>
‘ካን እዛ ዝብለካ’ያ
ኣብ ጭርጭር ዓበደ ህደም ህደም
ዓቕሉ ዘጽበብ ኣብቲ ውሕጅ ድርግም
እንሆ ተወሲኹ ኩንዒት ሰሃሮ
ኣባይና ይዝርዝሮ”
፦ መልሲ ናይቲ ልዒሉ ዝተላዕለ ሕቶ ፡ ብቐደሙ ‘ውን ዕላማ ኣልቦ ጨኳኒት ጋንታ፣ ንውጽዕቲ መጋጥምታን ደገፍታን፣ ምብስባስ ብንባሩ፡ ድሕሪ ጸወታ ምዝዛሙ ማዕጾ እቲ ሜዳ ንምውጻእ ‘ውን ‘ተኾነ ብ ምስርጣይን፣ ልዕሊ እቲ ንመእተዊ ዝኸፈልዎ ዋጋ ክኸፍሉ ብምግዳዶምን፡ ዘሕዝን ዘይንቡርን ፍጻሜ ምዃኑ ይርኣየካ። በዚ ድማ ሰብ በብዝረኸበቶ መስሉኺ ክትጠፍእ ተገዲዳ። ግፍዒ ይብሃል እዚ!
እዚ ዛንታ ኣብቲ ተወኪሉ ዘሎ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ይፍጸም እዩ ኢልካ ክትኣምኖ ኣጸጋምን፣ እምብዛ ዝተጋነነን፣ ይመስል። ናብቲ ሕቡእ መልእኽቲ ናማዕደካ ምስ ትርእዮ ግን፡ ን ስደትንን ዝኽፈሎ ዋጋን ፥ ኣብኡ ዘሎ መከራን ሞትን ግዳያት ኣህዛብ፡ ንምግላጽ ዝዓለመ ምዃኑ ይንጽረልካ። እዛ ማይቤት ነቲ ውክልናን ፡ ውስጠዘን ብዘጣምር ሜላ ብዘይ ምህናጻ ግን፡ ሃጓፍ ዝፈጠረት ትመስል ።
ቀጺለን ዘለዋ ፡
‘ንዘመዝገብኩሞ ጎላት ብ ይቕረ ደምስሱ
ተባሂሉ በዓል ነጎዳ ሓዊ ተደቢሱ’
ዝብላ ነግሕታት ግን ኣድላይነትን ኣባዛ ግጥሚ ኣይተረኣየንን። ምኽንያቱ ቅድሚ ዝኣገረ ባዕላቶም ክሰዓሩን፣ ክመዓሩን፣ ንዝለመኑ፡ ድሕሪ ህድማን ብትንትንን <ዘመዝገብኩሞ ጎላት ደምስሱ> ክብሃሉ ምስ መስርዕ ዛንታ እዛ ግጥሚ ዝገራጮን፣ ኣድላይነት ‘ውን ዘይነበሮን’ዩ እብል። ነተን 2 ነግሕታት ካብዛ ግጥሚ ጸልጺልካ
እታ ግጥሚ ፦
“ኣባይና ይዘርዝሮ” ድሕሪ ምባል
“ድሓር ድሕሪ ኽንደይ ፡ ፊፋ ተስፋ ሂባ
ትገብሮ ግን ኣይነበረን ካብ ምኹናን ሓሊፋ” ዝብላ ነግሒታት፡ እዚ ኹሉ ክኸውን ድምጹ ከየስመዐ ዝጸንሐ ‘ፊፋ’ ዝጠፍአ ምስ ጠፍአ፡ ድምጹ ከስምዕ ከም ዝተራእየ ዝገልጽ መልእኽተን፣ ናይ ደብዛዝ ተስፋን ሒዘን ከምዘለውኦ ፡
<ካን!?>
“ካን እዛ ዝብለካ’ያ”።
ኢላ እንተ ትዛዝም እኽልቲ ኔራ እብል። በዚ ድማ ነቲ ፡ መለኽቲ ገበን ኣብ ርእሲ ገበን ‘ናፈጸሙ ፡ ኣህዛብ ናተሳቕዩ፡ ተግባራዊ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ዘልሓጥ ዝብል ማሕበረሰብ ዓለምን፣ ካልእ ተጠባበቕትን፣ ንምግላጽ ዝዓለመ ትሕዝቶ ኣርእያ፡ እቲ ኩኔኔ ፍረ ክርከቦን ዘይክርከቦን ኣብ ተስፋ ሓዲጋ ትሓድገካ እዛ ግጥሚ።
መዛዘሚ ትዕዝብተይ እምበኣር፦ ኣብዛ ግጥሚ ዘለዉ ውክልናታት ፣ ሜዳ ን ሃገር ፡ ውጽዕቲ ጋንታ ን ህዝቢ ፡ ጨኳኒትን ዓማጺትን ጋንታ ን ምልካዊ መንግስቲ ፡ ቲፌዞታት ን ደገፍትን ተቓወምቲ መንግስትን ፡ ዳኛ ን ሕጊ ፡ ብዝብል ርእየት ተራእዩኒ። ብሓፈሻ እዛ ግጥሚ ሓደ ረዚን ዛዕባ ኣልዒላ ብቕልል ዝበለ ቋንቋ እትትርኽ ፍልይ ዝበለት፡ ሰሓቢት ግጥሚ ኮይና ረኺበያ።