መጽሓፍ ‘ተረፍ’ ብኻልእ ኵርናዕ 0 By Mekonnen T. on November 4, 2016 Home, ዝባን ጥበብ Share Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email ተስፊት ኣብርሃም “‘ተረፍ’ነጸብራቕ ጽበት ወደ’ስመራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ንመጽሓፍ “ተረፍ” እኵብ ሓጺር ዛንታታት (ኣኸድር ኣሕመዲን)፡ ብፍቕረይ የማን ዝተጻሕፈ ከፊላዊ ዳህሳስ ኣብ ገጸ ባህሪያት ናይቲ ዛንታታትን ደራስን ዘተኰረ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ኣመት ብምሃብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቢበ ነይረ። እንተተደልዩ ኣብዚ ሊንክ ጠዊቕካ ምንባብ ይከኣል https://merebpoetry.wordpress.com/2016/10/26/%e1%89%b0%e1%88%a8%e1%8d%8d%e1%8d%a3- ኣብ መጽሓፍ ተረፍ ዘለዉ ገጸ-ባህርያት ብፍላይ እኳ እቲ መሪሕ ጠባይ፡ መበገሲኡ ካብ ሓደ ከተማ ወይ ድማ፡ ካብ ሓደ ገዛውቲ ይዅን እምበር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛንታ ግን፡ ብዝግባእ ፈጠራዊ ጥበብ ዝተመላአ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ተረፍ፡ ሓይሊ ደራሲ ዝተርኣየሉ እምበኣር፡ ኣብ’ዚ እዩ፡ ንገጸ ባህሪያት፡ ጠባያቶም ብዝግባእ ብምጉላሕን፡ ላህጀኦም ብዕምቆት ብምልላይን ብምልኣት ከተንቀሳቕሶም ምፍታኑ፡ ነታ መጽሓፍ ሓንቲ ካብተን ልሉያት መጽሓፍቲ ክገብራ ኪኢሉ ኢዩ። ኣብ ሃገርና መሰረታዊ ዕንወት ስነ ጽሑፍ ደራሲ፡ ኣብ ፈጠራዊ ስርሓቱ ዘለዉ ገጸ ባህሪ ከለልዮምን ክመልኮምን ዘይምኽኣል እዩ። ንኣብነት ኣብ ድራማታት ወይ ኮሜዲ፡ ‘ባህላዊ ዕዮ’ ተባሂሎም ዝስርሑ፡ ካብ ላህጅኦም ክሳብ ዝተላበስዎ ገጸ ባህርይ ዝተጀለሐን ዝተጀላልዐን ኢዩ። እቲ ላሃጃ መበቆል ኣልቦን ሩሕ! ዘይብሉን ኢዩ። ንኽትሪኦ ይዅን ክትዕዘቦ ዓቕሊ ዘየውህብ ዕዮ ድማ ይዀነካ። ኣብ መጽሓፍ ተረፍ ግን፡ ዕድን እንክትገብር፡ እዚ ናይ ላህጃ ይኹን ናይ ዘይ ምምላኽ ጠባያት፡ ኣይተርኣያን። እዚ ከኣ፡ ደራሲ በቲ ዝመልኮ ላሕጃን ቍንቚኛን፡ ንፈጠራዊ ስርሓቱ ከንጸባርቖ ስለ ዝፈተነ፡ ነፍሲ ወከፍ ዛንታ ናታ ጦብላሕታን ስእለ ኣእምሮ ገዲፋ ትሓልፍ። ካብ ግዜ ህጻምነት ክሳብ ትርጕም ህይወት ንዘሎ ናብራን ኣነባብራን ከይተረፈ እናዳህሰሰት ድማ ተራኢ። ኣብዛ መጽሓፍ ዝበዝሑ ቦታ ምከና ዛንታ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝተፈጥሩን ዝተዓዩን ኢዮም። እዚ ከኣ ምናልባት ደራሲ ኣብቲ ግዜ ናይ ውትህድርና ዝነበረሉ ከባቢ ምስቲ ህሉው ኵነታት ዝነበረሉ ቦታታት ምስ ኵሉ ትዝታታቱ ዝተኣሳሰር ዀይኑ ኢዩ ዝስመዓኒ። ኣብዚ ስለምንታይ…: ግድን ድዩ፥ ካብ ሓደ ከባቢ ወይ ካብ ሓደ ቦታ ከበግሶም? ዝብል ሕቶ ክመጽእ ግድን እዩ። እዚ ናይ ደራሲ ምርጫ እዩ። እቲ ዘገድስ ግን ነጸብራቕ ሕብረተ ሰቡ ኣብዛ መጽሓፍ ብዝግባእ ተኻቲቱ ኣሎ ድዩ? ኣበየናይ ኵርናዕ ሓረግ ናይ ወለዶታት ዘተኰረ እዩ? ንብምልኡ ሕብረተሰብ ሃገሩ ዘካተተ ድዩ ኸ? ብኣድማሳውነት ክትጥመት እትኽእል መጽሓፍ ድያ? ዝብሉ ሕቶታት ክትምልሶም እንተኺኢላ እታ መጽሓፍ ዕውትቲ ከብላ ዘኽእል እዩ። “ተረፍ” ካብ ግዜ ቚልዕነት ክሳብ ግዜ ንእስነት ዘሎ፡ ብስፍሓት ብምብርባር, ከምኡ እውን ንትርጕም ህይወት ብጥበባዊ እለሻ ጽሓፊ እተርእየና መጽሓፍ ኢያ። ጥምር ኣቢልካ ክትርአ እንከላ ከኣ ካብ ግዜ ቊልዕነቱ፡ ግዜ ትምህርቱ፡ ግዜ ሃገራዊ ኣገልግለቱ፡ ግዜ ክተትን ግዜ ኲናትን ድሕሪ ኲናት ዘሎ ኵነታትን ከምኡ እውን ኣብ ንቡር ህይወት እንከሎ ምድህረ ታሪኽ ህይወት ብጹቱ ተረፍ ኵናትን ዝወሰዶም ኵናትን እውን ክድህስስ ፈቲኑ ኣሎ። ከምኡ እውን ብቸኮቭያን ሞድ ዝፍለጥ ምስ ውሽጣዊ ስምዒትካን መንፈስካን ዝዝንቶ ቅዲ ጥበብ ኣብ መወድኣታ ኣንቢሩ ይርከብ። እዚ መሪሕ ጠባይ ካብ ሓደ ኵርናዕ ዝብገስ ይዅን ደኣ እምበር፡ ኣብ ዝተፈጥሮ ቦታ ምከና ግን፡ ምስ ተመኵሮ ህይወቱ እና ኣወሃህደ ብምኻድ፡ ንቃንዛ ሕብረተ ሰቡ፡ ንኣንፈት መጻኢ መዘናታቱ፡ ካብቲ ታሕተዋይ ደረጃ ወተሃደር (ሃገራዊ ኣገልግሎት) ክሳብ እቲ ምሁር ኣካል ዝብሃል ሕብረተ ሰብ ብዝግባእ ኣብዛ መጽሓፍ ተኻቲቱ ይርከብ። ንኣብነት ዛንታ “ተረፍ” ነታ ተረፍ ኩናት ውጻእ መዓት ዝኮነት ጐርዞ፡ ዝኣክል ምስሊ ብምሃብ፡ ምስሊ እቲ ኸባቢ ድማ፡ ብዝግባእ ብምንጽብራቕ፡ ኵናት ዝገደፎ በሰላ እና ኣርአየ፡ ድሕረ ባይታ ናቱ ድማ የሪአና። ነዲኡ ኪሎ ቡን ኢሉዋ ከም ዘይፈልጥ፡ እንታይ መሲሉን እንታይ ሒዙን ነዲኡ ንኽሪኣ ከም ዘጸግሞ ኣብ ፈለማ እቲ ዛንታ የተንብሃልና ኢዩ። ደራሲ ንቐንዲ ጠባይ ድሕረባይታኡ ብምምጻእ፡ ስድራቤታት ኤርትራ እንታይ ይመስላ፡ እቲ ኣብ ኣጐልግሎት ኣበየናይ ደረጃ ጸቕጢ ሓሳብ ከም ዘሎ እውን እኹል ሓበሬታ ብምንጻፍ፡ ናብቲ ዛንታ የምርሕ። ክንደይ ስድራታት ሕብረተ ሰቡ፡ ልክዕ ከም ኣደኡ ዘጋጠመን ዕጫ ኣለዋ? ከምታ ጐርዞ ተረፍ ኵናት ከ ክንደይ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓሰማን ዝተዓንዳን ይህልዋ? ኢልካ ምስትንታን ይከኣል ኢዩ። ካልእ ዛንታ ምብራቕ፡ ዛንታ ምብራቕ ዝያዳ ኣትኵሮ ሂቡ ዝሰርሓሉ ዝመስል ደራሲ፡ ነታ ምብራቕ ትብሃል ጐርዞ፡ ካብ ስደት ናብ ዓዳ ብምእታው፡ ነቲ ናፍቖት ናይ ምስዳድ ዘለዎ መንእሰይ ክትገትኦ ምፍታን ኢዩ። ኣብዚ ጻልጣ ዛንታ ዝመስለ፡ ተዛማድነት ናይ ስማን ካልእን ብምምጻእ ዝገብርዎ ክትዕ፡ ኣብ ኵሉ ክትብድሆ’ያ ትርአ። ነቲ ምሁር ዝበሃል ከኣ፡ ንኽወርስ ትደፋፍኦ። ኣይንስታይን ዝባሃል ኣብ ማእኸል ጫካታት ዝርከብ ስሕት ኢሉ ዝመጽኣ፡ ጾር ከም ዘለዎን ከውርስ ከም ዝብህግን፡ ንዕኡ ዘድልይዎ ሰባት ድማ ከምኡ ምሁራት ሰባት ምኳኖምን እናነገረቶ ትርአ፡ ንወጅሂ ገጹን ዘረባኡን ርእያ ግን፡ ምኳን ንስኻ ትሰርሕ ኣይትመስልን ኢኻ ኢላ ድማ ተስፋ ከምዘይ ብሉ በዓላ መደምደምታ ትህበሉ። በዚ ድማ እዛ ዛንታ፡ ነቲ ዘሎ ምስሊ መንእሰይ ብመንእሰይ እናተመከተ ተራኢ። ኣብታ ንእሽቶይ ዓዲ ሰንከት ክናብ ሕብረ ብዙሓን ሕብረተ ሰብ ከም ዝርከብዋ እውን ኣሪኡና እዩ። ስተል ከም ባህላዊት ሕክምና፡ ዓብዱ ከም ዶክተር ኮይኑ፡ ነቲ ባህላዊ ሕክምና ዝመራመር፡ ኣይኒስታይን ኣብቲ ርሑቕ በረኻታት ከም ዝርከብ። ምብራቕ ድማ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ እናቐረበት እትመጽእ ጐርዞ ኢያ። እንዳ ከቢድ ብረት ኢላ ዝነገረቶ እውን፡ እቲ ካልእ ስእሊን ምስልን ዘርኢ ኢዩ። ዛንታ ምብራቕ ድልዱል መበቆላውነት ዝሓለወት፡ ትንፋስ ዘለዎም ጠባያትን ኢና ንዕዘብ። ዝፈለሰ ፍቕሪ እውን፡ ራህዋ ድሕሪ መስዋእቲ ዓርካ መርዓ ይዅን ዕርክነት ከም ዝኣበየት ብኸፊል እተርእየና ዛንታ እያ። በሰላ ኵናት ዝፈጠሮ፡ ‘ክንደይ ደቂ ኣንስትዮ ኾን ይዀና፡ መኒነን ጸሓየን ዘዕረባ ይህልዋ?’ ብምባል ናብ መሪር ሓሳብ እተጥሕል ዛንታ ኢያ። ስለዚ፡ ደራሲ ብዝመልኰ ላህጃን ገጸ ባህርን ደኣ እምበር ብዙሑነት ጠባይ ዘይተላበሰት መጽሓፍ ክትበሃል ኣይትካእልን። ልክዕ’ዩ እቲ ጠባይ ድሕረ ባይታኡ፡ ኣብ ኵለን ዛንታታት ሓደ እዩ። ይዅን እምበር፡ ሕብራዊ ዛንታታት ከም ዝንጻባረቕ ግን ጌሩ ኢዩ። ገለ ካብዘን ከም ኣብነት ዝጠቐስክወን ዛንታታት፡ ኣብ ትሕቲ “ተረፍ፥ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ” ብዝብል ኣርእስቲ ክድህስሰን ክፍትን እየ። ሰሰናዩ