ዳኒኤል ክብረት
ትርጉም መኮነን ተስፋይ
ምትሕርራቕ፡ ሃይማኖት፡ፓለቲካ፡ ወግዒ ወይ ስርዓት ኣይኮነን።ምትሕርራቕ ካብ ዝኸሰረ ሕልና ዝምንጩ መጥፊኢ ሃገር ዝኾነ ጻህያይ ኢዩ። መጥፊኢ ሃገር ዝበሃል ጻህያይ ጸረ ኣትክልትን እንስሳታትን ዝኾነ ኣዕናዊ ተኽሊ ኢዩ። መጥፊኢ ሃገር ጻህያይ ዋላውን ነቲ መስከረም ምእታው ዘበስረና ገልገለ መስቀለ እንብሎ ዕምባባ ከይተረፈ ዘብርስ ተኽሊ’ዩ። እንስሳታት ነቲ ተኽሊ ስለዝፈልጡዎ ኣብ ከባቢኡ’ውን ኣይቀርቡን’ዮም። ንማለቱ ዘወጸኦ ዕምባባ ንህቢ እንተደኣ ተንኪፉዎ ዝሰርሖ መዓር ዘይኮነ መርዚ’ዩ። ግዝኣቱ ከስፋፍሕ እንከሎ ካብ መግዛእቲ ኣውሮጳውያን ንላዕሊ ይገድድ። ቀንዲ ስርሑ ንኻልኦት እናበርሰ ንገዛእ ርእሱ ምስፍሕፋሕ’ዩ። ከብቲ ዝብልዑሉ ናይ መጋሃጫ መሬት ንምብሓት ከም ፈረስ’ዩ ዝጋልብ። ብፍላይ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ሓያሎ ቦታታት ተነዚሑ’ዩ። ኣብ ህንዲ “ሳዕሪ ኣባል ቤት ምኽሪ” ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ። ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት መተካእታ ዘርኢ ዝገድፍ ኮይኑ ዓመት ምሉእ ዓምቢቡ ይጸንሕ። ክሳዕ ሓደ ሜትሮ ዝኣክል ሱር ስለዘለዎ መላእ ሃገር ክቆጻጸር ኣይጽግሞን። ዘርኡ ክሳዕ 20 ዓመት ኣብ መሬት ክጸንሕ ይኽእል። ሓረስቶት ዋግ ሕምራ “መጥፊኢ ሃገር ዝኾነ ጻህያይ” ብዝብል ስም ዘጠመቕዎ ተመራመርቲ ስነፍልጠት ድማ parthenium hysterophorus ኢሎም ይጽውዕዎ።
ምትሕርራቕ ከምዚ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ፓለቲካን ሃይማኖትን ልዑል ቦታ ረኺቡ ሃገር እናጥፈአ’ዩ። እቲ ንጽሕፎ ጽሑፍ፡ እቲ እንልጥፎ ስእሊ፡ እቲ እንህቦ ትምህርቲ፡ እቲ እነቕርቦ ጭብጢ፡እቲ እንሰርሖ ስራሕ፡ እቲ እንልግሶ ሓሳብናን መርገጺና እንገልጸሉን ደው ንዝበልናሉ ዕላማ ንኽንገልጽን እወታዊ ለውጢ ንምምጻእን ተሪፉ፡ ነቲ ሓደ ንምሕራቕ፡ ሕርር ንኽብል፡ ንኽበሳጮ፡መዓንጣ ከብዱ ቅርጽ ክብል፡ ስቶማኮ ከም ትለዓሎ ንምግባር ኣውዲቕካ ንምኽትካትን ኢዩ ኮይኑ ዘሎ።
ጉዳይና ኩሉ ናብ ጸላኢ ዘተኮረ ኮይኑ።
“ጸላኢና ሕርር ይበል” “በዓል ኩስቶ ጣዕ ይበሉ” “በዓል ኩስቶ ዓይኖም ደም ይምላእ” “ መዓንጣ ከብዶም ይቀረጽ” “ደሞም ይምረር” ዝብሉ ኣገላልጻታት ንማሕበራዊ መራኸቢታት ዓብሊሎሞ ይርከቡ።
ሓደ ሊቅ ኣብ ሓደ እዋን “ኣነ ጽቡቕ ዝሰርሕ ክርስቶስ ደስ ክብሎ እምበር ሰይጣን ባህ ከይብሎ ወይ ክሓርቕ ኢለ ኣይኮንኩን” ዝብለዎ ዘረባ ኣዚዩ ዓቢ ትምህርቲ ኢዩ።
ንሕና ዝኾናዮን ዝተሰማዓናን ኣብ ክንዲ ምግላጽ “ኩስቶ ነዚ ክርኢ ከሎ ክንዲምንታይ ክሓርቕ ኢዩ” እናበልካ ምስ ሲኦል ሓቢርካ ምሕሳብ እንታይ ዝበሉዎ ሕማም’ዩ።
ምትሕርራቕ ዝፈቱ ሰብ ብዘይ ጸላኢ ክነብር ኣይክእልን’ዩ። ጸላኢ እንተስኢኑ ምስ ገዛእ ጽላለቱ’ዩ ዝበኣስ። ምትሕርራቕ ዝፈቱ ሰብ ንሱ በሊዑ ካብ ምሕጓስን ምምስጋንን እቲ ካልእ ሰብ ጾም ምሕዳሩ ዝሕጎስ’ዩ። ምትሕርራቕ ዝፈቱ ሰብ ካብ ናቱ ምንባር ንላዕሊ ናይ ካልእ ሞት፡ ካብ ናቱ ምፍታሕ ንላዕሊ ናይ ካልእ ሰብ ምእሳር፡ ካብ ናቱ ምድሓን ንላዕሊ ናይ ካልእ ሰብ ምሕማም፡ ካብ ናቱ ምትንሳእ ንላዕሊ ናይ ካልእ ምውዳቕ ዘዕግቦ’ዩ።
ሃገር ክትስልጥን፡ ዘመናዊት ክትከውን ናይ ሓባር ክትከውን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ብናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዋንጫ እናተሓራረቕካ ምጉዓዝ ኣይኮነን። እቲ ለውጢ ንኹሉ ከከም ዓቕሙን ከከም ብጽሒቱን እንተዘጠቐመ፡ ኣሕራቕን ሓራቕን ጉጅለ እንድሕሪ ፈጢሩ “መጥፍ ኢ ሃገር ጻህያይ” ሱር እናሰደደ እዩ’ሞ ክንነቅሕ ይግባእ።
ነቲ ጻህያይ ዘጽንዑ ሊቃውንቲ ከም ዝብልዎ “ መጥፍኢ ሃገር ጻህያይ” እንድሕሪ ሱር ሰዲዱ ካብ ሱሩ ንምብርቋቑ ካልእ ሳዕቤን’ዩ ዘምጽእ። እቲ ጻህያይ ከተጥፍኦ ትኽእለሉ ቀንዲ መንገዲ ብምክልኻል’ዩ። ዝተበንቆሰ ዝመስል’ውን ከይተረፈ መርዛም ዘርኡ ኣብ ምድሪ በቲኑ ሓቢኡዎ ክጸንሕ ይኽእል’ዩ። ምስ ጠዓሞ ከኣ ወረሩኡ ይጅምር።
ናይ ጽሑፋትና፡ ናይ መደረና፡ ናይ መገለጺና፡ ናይ ፍጻሜታትና፡ ናይ ቃልስናን ዓወትናን ንወዲ ሰብ ዝጠቅም ገለ ነገር ንኽንረክብ እምበር ካባና ርሒቑ ኣብ ማዕዶ ዘሎ ከነሕርቕ፡ ባህ ከይነብሎ እንተኾይኑ “መጥፍኢ ሃገር ጻሃያይ” ከም ዘስፋሕፍሕ ኢና ንገብር ዘለና። ብምትሕርራቕ ዝርክብ ድሕነት፡ ዝሳለጥ ፓለቲካ፡ ትህነጽ ሃገር፡ ዝምዕብል ህዝቢ ኣይህሉን’ዩ።
ምትሕርራቕ ከምቲ መጥፍኢ ሃገር ዝኾነ ቆጥቋጥ ጽቡቕ ነገር ኣጢፊኡ ንበይኑ ዝነብር ሕማም’ዩ !