እተስተብህልሉ ኩርናዓት ጠመተ
ትዕዝብቲ መሲጡ ፡ ርእሰይ ምስ ገበተ !
ዓቕሚ ነብሰይ ተወኪፈ ክጥቀም
ከይተረድኣኒ ጀሚረ ጠንቀምቀም።
ጠንቀምቀም ናይ ሓሳብ ሻርነት
ኣኽሲብካ ምኽሳብ፡ ንሓባራዊ ዓወት።
ኣይተጸየንክንን ሃንጎፋይ ኢልክኒ
ቁሩብ ‘ናተጠቐምኪ፡ ብዙሕ ጠቒምክኒ
ምስሃብክኒ ሓሳብኪ ምስሃብክኒ ሓንጎልኪ
ብዘይ ውዕል ፌርማ ሸቐጥ ጀሚረልኪ።
ምርድዳእ ሓሳብ ግርም ተላፊንና
ጥቕሙ ርኢናዮ ኣብ ሓድሕድ ዕቤትና!
ክውስኽ በሃሊ እዚ ሸቐጥ ግናይ
ቀስ~ብቀስ ገይሩኒ ልብኺ ክምነይ
ግዲ ንስኺ ውን ጥዒሙኪ መኽሰብ
ሃንጎፋይ ኢልክዮ ዝመጸኒ ሓሳብ ።
ብዘይ ገደብ ግዜ ልብኺ ወኒነ
ሰፊሕ ድኳን ፍቕሪ ሽዓ’ለ ዶኲነ
ሳላ ዝሃብክኒ ቦታ፡ ክራይ ዘይክፈሎ
መኽሰቡ ጀሚርና ማዕረ ክንካፈሎ፡
ሸቐጥ መሊኸዮ ግርም ተጠቒምና
ጎኒ~ጎኒ ማዕረ ፡ ሓቢርና ዓቢና ፡፡
ከስፋሕፍሕ ብሃሊ እዚ ሸቐጥ ግናይ
ሕጂ ውን ኣምጺኡ ማህጸንኪ ምምናይ!
ምስዚ ዕቤት መኽሰብ ንምንታይ ንጻበብ ፧
ቢለ ሓቲተኪ ከስፋሕፍሕ ናብ ማህጸን
ሃንጎፋይ ምስ በልኪ ርኸብ ኣይትስኣን
ብቕጽበት መሊአዮ ነቲ ሓድሽ ዱካን ።
መስርሕ ጥቐም ተጠቐም ተጠቓቐም
ካዕቦ ዝሕፈሶ ፡ ጉዳም’ዩ ክጥዕም !
መኽሰብ ‘ናዛየደ ዕቤት እናሰፈሐ
ክልተ… ሰለስተ… ቁጽሪ ምስ በዘሐ፡
ከስፋሕፍሕ በሃሊ እዚ ሸቐጥ ግናይ
ተመስገን ኣጥፊኡ ስስዐ ኣድሂቡለይ ።
እዝግሄር ዘይፈትዎ ተሓቢኣ ካባኺ
ሕጊ ዘይድግፎ ኮንትሮፓንድ ጀሚረልኪ፡
ነቲ ኣዳቒቐ ዝፈልጦ፡ ጥቐም ተጣቓቐም
ካባኺ ወጻኢ ኣብ ካልእ ንኽዓምም
ሓድሽ ቦታ ረኺበ ፡ምስ ተኻረኹ ዱኳን
ሸቐጥ ኣግዲዑኒ ሎምስ ኣይሰለጠን
ቀዲመ ዘይፈልጦ ሂብካ ከምትስእን
ክልተገጽ ከምዘለዎ ኣርእዩኒ፡
ምኽሳብን ምኽሳርን
እቲ ዝኸፈኣ ግን ተስፋ ዘቑረጸኒ
ኣብ ነዊሕ እዋናት እናተጠራቐመ በብቑሩብ
ትሕዞ ሂወተይ ናይ ሸቐጠይ መኽሰብ
ዝርካበይ ኩሉ ለኻኺሙ ሃብተይ
እንሆ ገይሩኒ ፡ መዋዕልቲ-ሕሉፍ መዛግበይ፡፡
ማይኮ 05-2016