መንእሰይ ዘበነ-ዓውለማ
በዓል ወዝ፣ በዓል ግርማ
ንካላሽን ይፈትሓ ይገጥማ
ኣይትኵሳን – ግን ይስከማ።
ይጻፋዕ ከኣ ብጠራሙዝ፣ ብሰልዲ
ፍትሒ ኣብ ዳሳት-መርዓ ከናዲ
ልቦናዶ ኣይትሕተቱ’ንድዒ
እንተ መዓንጣ ግን…….
ንሓውስ ትበተኽ
ንጓና’ሞ እንድዒ።
ይመናጠሉ ከኣ’ባ ምስ ሓፍቱ
ንሱ ንናታ፣ ንሳ ንናቱ
ትምንጥሎ ሓሞት፣ ትምንጥሎ በትሪ
ትምንጥሎ….ምሕደራ ምስ ርትዒ።
ብዓቕሙ ይምንጥላ ንሱ’ውን
እንተዀነ ግን ብዙሕ ኣይከስብን፣
ይምንጥላ ዌላ ምስ ማቲታ
ይምንጥላ ኣሽሙር ምስ ሕሜታ
………….ሕሜታ
እቲ’ኳ ዝመስል ጥራይ ናታ!
ከም’ዚ’ዩ ንእስነት
ኣብ ዘበነ-ዓውለማ
እዋን ሃታ-ሃታ፣
ሓበጀረዋይ ናብራ
ሓበጀረዋይ ጾታ።
መኮነን ተስፋይ
ሕዳር 2014