ኣፍተልቲላ ቕጥን ኢላ
ክንዲ ፈትሊ ስጥም ኢላ
እታ ዋሊቦ
ጓል ጎደቦ
ከምሕረላ…!
እቲ ሰቐጥቀጥ
ዕሙር ጓይላ!!
ተቖኒና
ተሓኒና
ተኸዲና
ተኳሒላ
ቅርኒብ ዓይና
ወርሒ መሲላ
መስለውለዊት…!
ድፍእ…! ኢለ ክሰግደላ
ሰተተተት እናበለት
ዕዝር ኢላ
ናበይ…! ናበይ…!
ናበይ…! ኣቢላ
እንድዕላ!?
ዜራ…! ዜራ…!
360 ዲግሪ ቖጺራ
ተመሊሳ
ወዲ ሒዛ
ከምዛ ዋዛ፣
“ኩምብራዛ
ናይ መሓዛ
ብቐትሪ ዋዛ
ለይቲ ቃንዛ!”
እናዜመት
ከም ቀደማ
ጐበዝ ዓዲ ኣህሚማ።
‘ታይ ክንብላ
‘ታይ ክንገብራ
“ናይ መስቀለ
ምስ ሰብ ወኒ ተሓንበለ”
ብምንባሩ፣
“ወሰማኢነ
ወዘሪኢነ
በኣእንቲነ”
እዩ ዝብል ጽሑፍ ብራና
እናበልና ክንዘልል ሓዲርና።
ግዜ ጥዑም
ግዜ ሕሱም
ንሳ ዛንታ
ንሕና ኣዘንተውታ
ሰብ ፈሪሑ ከይሓተታ
ግዲ ጃጅዩ ብንእስነታ
ከይመሰለት ብውዒታ
ከምኣ ኢላላ ብቕንጅውታ
መልክዕ በራሲ
መልክዕ ፈራሲ
ከየፍረሳ…! ከይደምሰሳ…!
ክሳብ ሎሚ!!
***
06/09/2015
ኤልዳና ተስፋማርያም