ድሕሪ ክልተ ቅነ….
ካብ መዘክረይ ቁ.7…..
16 ሚያዝያ 2008 ፣ ኣስመራ
ወይኒ ሱሌማን
” ኪድ በል ተባረኽ ዝወደይ መርዓኻ የርእየኒ፣ ንፉዕ ኩን፣ ስድራኻ ኣኽብር፣ ሓደራኻ… ከኣ ውሉድካ ኣይትርገም። ተባረኹ እናበልካ ኣዕብዮም።” ኣብ ጥቃኻ እንክበጽሓ ቅድምቲ ብሩህ ገጸን ምኡዝ ጨና ጋቢአንዩ ሃንገፍ ዝብለካ። ሰለይ እናበላ ንቤተክርስትያን ኮነ ንዱኳን እናኽኸዳ ጎፍ ንዝበለን ሰላምታ ኣሰንየን ደሃይ ስድራ ድሕሪ ምሕታት፣ናብ ዕላል ቃንዛ ብርከንየን ዝወስደኦ። ቅድሚ ምስንባተን ግና ኩሉ ግዜ ዘይትስገር ሓውሲ ማዕዳ ኣላተን። ነዛ ዕድመ ዘይፈልያላ ለበውአን፣ ምስዕቤት ኣየለለየትንን ትኸውን ኢሎም ገለ ደቂ ገዛውትና፣ ” ኣደይ ኣመተ…እ… ኣነኮ ንእሽቶየ ኣይተመርዓኹን ኣይወለድኩን…..“ ርእሶም እናሓኸኹ። ኣይትምልከተንን‘ያ ብዘስምዕ ቃና።
” ደሓን ዝወደይ ኣበይ ከይከደካ ከተርክበሉ ኢኻ። ፈሊጠካንዶ ኣየለኹን መን ምዃንካ ደኣ። ጥራይ እዛ ዝበልኩኻ ኣይትረስዓያ ንደቕኻ ከይትረግም፣ ብሩኻት ኩኑ እናበልካ ኣዕብዮም”። ካብ ርሑቕ ዘማዕድዉወን ገለ፣ ዘይተባትኽ ለበውአን እንተስ ኣሰልችይዎም ወይ ብሓቂ ተሃዊኾም፣ ኣብ ጥቕኦም ከይበጽሓ ስጉም ስጉም ኣቢሎም ክፍንተቱ እናክፍትኑ ሰተት ኣየብለኦምንየን።
” ኣንታ… ወዲ ካሕሳይ…. ተስፋይ…ምክኤለ…” ይድሃያ።
” ክላእ…” እናጉረምረሙ ገጾም ምልስ።
” ከመይ ሓዲርካ ዝወደይ እንታይ ደኣ ሰላም ዘይትብል፧ ስድራኻኸ ደሓንዶ ሓዲሮም፧
” እወ ኣደይ ኣመተ ኣምላኽ ይምስገን ኩልና ጽቡቕ ሓዲርና፣ ንስራሕ እንድየ ተሃዊኸ ተብተብ ክብልየ ጸኒሐ።”
” ኪድ በል ዝወደይ ሓቕካ ኣብ ቅድሚ ስራሕሲ ኣይትጽናሕ። ወፊርካ እቶ! ተባረኽ ዝወደይ፣ ስድራኻ ኣኽብር ውሉድካ ከኣ ኣይትርገም” ከምቀደመን ይምርቓን ይላበዋን። ኣነ ንባዕለይ እዛ ምስቲ ለዋህን ፈቃርን ቃላተን ከየባተኸት እትደጋገም ለበዋ ክንደይ መዓልቲ ወሲደያ ቁጽሪ ክግምት የሸግረኒ። መምስረኸባኻ እንድኣለን ዝደግማልካ።
*********&********
ኣብ ቁጽሪ 11 ኣውተቡስ ማይተመናዩ። ከምቲ ልሙድ ኮፍ መበሊ ሒዞም ዝነበሩ መብዛሕቶም ኣብ ጥቃይ ነበሩ መንእሰያት ተንሲኦም ዓበይቲ ኮፍ ምሰበሉ። ኣብ ኣውተቡስ ላዕላይ ሓጺን ሒዝካ ደው ምባል ኣይመባልዕተይንያ ብሰንኪ ቁመት። ዝበዝሕ እዋን ብምንውናውን ሚዛነይ ዘይምሕላውን ስለዝጎሳቖል፣ ከምታ ኣመለይ ገጸን ገምጢለን ፊት ንፊት ብሙዃን ኣብ ዓሙቕ ዕላል ናብ ዝነበራ ክልተ ኣዴታት ቅርብ ኢለ ኣብ ናይ ሓንቲአን ኩርሲ ሒዘ ነብሰይ ኣጣጣሕኩ።
” ኣንቲ እታ ጓል ሸቓስ ከመይ ዝበልዋ ቀላልያ ሽማ ትትረፍ! እዋይ…፧
” ኣይ ሕልፍቲ እንድያ ንሳ ደኣ። ቆልዓ ኮይና ከኣ ይብላልኪ እተን ርግበ ክሓባብኣ ክሳዳ ትቖልዓም!….ኣየኸየይ…እእእም”
እንታይ ዝበደለትኮን ትኸውን እዛ ሽማ ክተርፍ-ደጊም ዘይክትህሉን ክሳዳ ኩትቁልዓምን ዝትንበየላ ዘሎ ጎርዞ ወይ ቆልዓ፧ ኣብ ሽዑ በጺሐን ከሕቶኽቱዃ ውን ስለዝጀመራ ብጥዑም ቃና ዘይጀመረ ዕላለን ተጣፊአ ዘስምዕ ስለዘይነበረኒ ግጸይ ናብቲ ካልእ ጎድኒ መሊሰ ኣድህቦይ ቀየርኩ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ድማ ኣደይ ኣመተ ተዘከራኒ-” ውሉድካ ኣይትርገም ዝወደይ!”። መርገም!!! ከም ወለላ ዘንጠብጥብ ምርቓ ውን ዝመለሊኡ ሕብረተስብ፣ ኣብቲ ካልእ ጫፍ
”ኤ,,ህ ተደምሰስ!,,,ተቐዘፍ!”
” ኣይትዕበ!”
” ድሃይካ ትሓባእ!
” ከም ዕጨ እምኒ ስበርካ!”
” ገጽካ ትርሓቕ”
” ብኹፉእ ጥፋእ”
” ምሸትኪ ትቀለጥ”
ምድጋሙ ዘየድፍር ኣሰቓቒ ምንዮትውን መውጽኢ ኣፉ ኮይኑ ትረኽቦ። ካብቶም ላህጅኡ፣ ምብህሃሉ እናደገሙን እናቐድሑን ዝዓብዩ ውሉዱ ሓሊፉውን። ሃለኽለኽ ናብርኡ ዘቃልሉ፣ ቆሪኑ ዝሓርሰሎም፣ ጸወርቲ ጽዕነቱን ምንጪ ዕለታዊ እንጀርኡን – ጥሪት ደምበኡ
” ጎባይ… ሆ ባታ ተሓረድ,,,!”
” ቻ… ቻ መንደፍ ብላዕ!”
” ዓስ …ወኻርያ ትወድእክን!”
” ዓስ… ዓስእንዶቲ … ዓስባቲ… ከመይ ኣብ ዓይኒ ጣይታ ኣኹድዲ ጓለይ!” እናበለ ይረግሞም።
ዘሰንብድ እዩ!! ከምዚ እናበለ ጥሪቱን ውሉዱን ይደሀ ሕብረተሰብና። ምድግጋሙ ንትርጉሙ ዘፍክሶ እንተድኣኮይኑ ኣይፈልጥን፧ ኮም፣ መቕርብ ይኹኑ ወለድና፣ ከምቲ ሕርቕ ኢሎም ዝምነዩልና ከጋጥመና ይደልዩድዮም፧ ኣዐርየ ኣብ ዝፈልጦ ሓደ ከባቢ ከኣ’ሞ ብኤህ ዝፍልም መሪር መርገም ኣብ መዓልታዊ ምብህሃል ከም ተራ ዘረባዩ።
ቆልዑ እንከሎና በዲሎም ኣብእትብሎ እዋን ደቃ በርበረ ብምዕጣን(ኣብ ቁልዕነቱ ወላ ብዛንታ ዘይፈልጣ ኣሎ ኣይብልን) እትፍለጥ ኣደይ ኤልሳ ኣብ ገዛውትና፣ ብዘይካቲ ኣብ ትምህርትና ተኣኻኺብና ” ሰሚዕካዶታ ኣደይ ኤልሳ ንኤደን ትማሊ በርበረ ዓጢናታ፧” እናበልና ብራዕድን ኣግርሞትን እነዕልለሉ ተግባራታ። ሓደ መዓልቲ ጓላ ዝተለቕሐቶ ናይ ጂኦግራፍ ጥራዘይ ክመልስ ኣብ ገዝኦም ኣብ ዝጸናሕኩላ ሓጻር ህሞት፣ ሕጂ ክዝክሮ ዘይክእል ሓደ ንብረት ደልያ ክትረኽቦ ኣይከኣለትን(ርግጸኛየ ግና ሰልዲ ኣይነበረን)። በቢሓደ ንኩላቶም ትሓትት። ኣይረኣናን ይብሉዋ። ገና ምስ ነድራ እንዳ ጠሓኒት ዝለኣኸቶ ዳዊት ኣብ ጭቃ ዝወደቐ መሸማዕ ሓርጭ ተሰኪሙ ብኣፍደገ ይቕልቀል። ኩሉ ምሉ ተደማሚሩ ፍጹም ኣብ ሕርቃን ዝነበረት ኣደይ ኤልሳ ድሕሪ ነዊሕ ቆየቓ ” ኤህ ከመይ ብሓደ ዓራት ውጹ” ኢላ ብነድሪ ደቃ ክትረግም ዝሰማዕክዋ ክሳብ ሎሚ ኣይርሰዖን። ኣብ ተፈላለየ ከባቢታን ስድራቤታትን ሎሚ ክዝክሮም ዝኸብደኒ ክንደይ መረርቲ መርገማትውን ሰሚዐ እየ። መርገምን ኣድላይነቱን፣ መርገምን ርዝነት ትርጉሙን ኣመጻጽእኡ ኣብ ሕረተስብ ኤርትራን ስቕ ኢሉ ሕቶ ይፈጥረለይ። ” መርገም ወለዱዩ ዘዕነንዮ ዘሎ” ትብል ኣበሃህላ ውን ትደጋገም እያ። ኣየናይ መርገም እዩ ዘዕነንን ዝበጽሕን ፧ እቲ ክትጻወት ንጻውዒት ወለድካ ስለዘይሰማዕካ ” ኤህ ደሃይካ ይተሓባእ” ትበሃሎ፧ ወይስ እቲ ቁልዕነታዊ ታህዋጽ ዘንቀሎ ኣቑሑ ብምብልሻውካ ” ኣይትዕበ! እትበሃሎ፧ ወይስ…..። ኣየናዩ እዩ ኸ ዝያዳ ዘዕነኒ፧ ናይ መን መርገም ፧ በዓል ጽቡቕ ግብሪ ድዩ ሕማቅ ግብሪ ረጊሙ ዘብጽሕስ ክፈልጥ ምደለኹ፧፧፧
መርገም ካብ ወለዶ ንወለዶ ንኸይቅጽል ዝጉስጉስ ለበዋ ኣደይ ኣመተ ካበ’ዩ መንቀሊኡ ክሳብ ሎሚ ኣይፈልጥን፧ ሕሉፍ ጽልኢ መርገም ከምዝነበረን ግና ክግምት ይኽእል። እንታይ እኮ ዘየጽልእ ሃልይዎ። ብቆልዓይ፣ እናኽንራኸብ መንኩበይ እናጠብጠባ ክምርቓኒ ”መጻጽ …” ከይብላኒ ፈሪሐ ዘይምሕታተይ ክሳብ ሎሚ የጣዕሰኒ። ወላ ከምዚ ንእሽቶ ”ሓቀን እኮየን” ዝብል ስክፍታ ይፈጥርዶ ነይሩ ይኸውን ለበውአን፧ ጎስጓሰን ሰዓቢ ረኺቡዶ፧ ምዕዶአን ካብ ምሽንጓግ መሪር መርገም ንገለሲ ሰገጥ ዶ ኣቢሉ፧ ብህይወት እንተድኣ ሃልየን መንቀሊ ፍልይቲ ለበውአን ውን ክሓትት፣ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ክጎዓዝ ከም ጽልልቲ የቑጽረኒ ዶ ሎሚ፧ ማእለያ ዘብሎም ሕቶታት። ክላእ… 145 ናቕፋ እዩ ውን ደሞዘይ። ብህይወት ምህላወን ከይፈልጥኩን፣ ኣስመራ ከረን ኣብጺሐን ዘይመልሳ ገንዘብ ሒዘኸ ናበይ ከብል። ኩሉ ግዜ ግና እንተስ ኣብአን እንተስ ኣብ ቀረብተን ብተራ ዝተሰንደወ ሞ በጺሑ ኢለን ዝኣምናሉ መርገም ዘስካሕከሐን ኮይኑ ይስመዓኒ።
*********&********