ብጽዉጉ
ነታ ቐጠፍ ብፈትላ
ኔው ነጀው መሰበላ
ሕውን ኢላትሉ’ያ!
ብጽዉጉ
ሽጋራ
ቀስ ኢሉ ከየሸራ
ክቢ ትኪ ይሰርሓላ
ብጽውጉ
ኣብ ደሴቱ
ዓይኒ ንዓይኒ ተራኸብና
ሓበሻነትና ተናበብና
ቆብ ኣቢለ ጋሻነቱ
ክምስ በልክዎ ንምእንጋዱ
ኣብ መንጎ
ማንካ ጠለቐላ
የማነ ጸጋም እንደገና
“ ሽኮር ኣይገበርካላን”
“ ደሓን ትፍትሽ እያ ዘለ!”
“ እንታይ ? ትፍትሽ”
“እንታይ ኢኺ ትብልኒ?”
ብሕቶ ኣዋጠረ
ሻሂየይን መጺኣ
ኣንፈት ዕላል ቀይራቶ
ሻሂየይ እንክቕምራ
ጌሩ ዝተሸቑረሮ
ሕጥቦ-ሽኮር ሒዘ ተዓኒደ
ናብ ሰፈራ ክመልሳ ተገዲደ
ካብ “ ከመይ’ሞ ገዲፍካዮ ዓዲ?”
ክሳብ “ከሜለ’ኻሞ ሕጂ ?”
ከነሕኪ
ሻሂየይ ዝሒላ
ኣቓልቦይ ደልያ
ደጊመ
ሕጥቦ-ሽኮር ሒዘ
‘ጦምቦላሕ’ ምስ ‘በልኩላ
ማንካይ መንጢሉ
ኣላዲዱ! ገደፈኒ
“ ኣይተጥልቕያ . . .
ከይትጥሕል! እንዳበልኩኺ! ኣሕ”
መሊሱ ተማዓተ
ነቲ ዝጠሓለ ሽኮር
ካብ ከርሲ ብኬሪ ክመልስ እናተጋደለ
ኦ ይቕሬታ! ምሽክናይ ቁስሉ ጎዲኤዮ
ውጻእ መዓት ላምፔዱዛ ምዃኑ ዘንጊዔዮ!
ሳባ ኪዳነ
ፓሪስ-ላሻፐል
15/ 10/ 2014