ሕብርታት ምቅድዳሕ
. . . ጋሕ ጋሕ
ምስ ሰጋእ መጋእ
‘ናብ ፈተና ኣይተእ. . .’
ኢልና ከይወዳእና
ብዘይምርጫ ተኣታቲና
ምስ ፈተና
ግጥማትና
ከምዚ ፍልሖ
እቲ’ኳ ኣግቢእና
ዘይንውድኦ
ክንፈልጥ ይጓርተና
ድዩ ንጓርቶ
ወይ ክንፋናኖ
ቅድሚ እቶ እቶ
እንታይ’ሞ
ጥሚቕ ንቐላይ
እንከቀላውጥ
ወኻርያ ሓርማዝ
እንክትውሕጥ
ከመይ ‘ቢልካ በይንኻ
‘ራስ ብራስ’ ክትከራፈስ
ተቐዳዲሕካ’ኳ ንጋዳ
ዋላ ምስ ዕዳ
ዕዳ ምስ ዕንዲዳ
ንሕናን
ሓደን ክልተን እንክንቅምር
ፈትልን መርፋእን ከነፋቕር
ካብ ዕስራ
ሳላሳ ከነጉድል
ተባሂልና ክንብል ህርድግ
ወጮ ተገምጢሉ
ነይከውን ኣጎዛ
ኣብቲ እኩት ምባል
ተሳኢኑ መለሳ
‘ዝሓዝካ ሒዝካ ኣርክብ’
ምንስሓብና
ካብ ፈተና
ናብ ፈተና
‘ ኣቕድሓኒባ ምሽ
ቀዳማይ ኢኻ ትወጻ’
ምስ በልክዎ ነቲ
በዓል ጅዳ
ኢዱ ኣመልኪቱለይ
ናብ በዓል ጁባ
በዓል ጁባ
ኣብጺሑኒ ኡጋንዳ
ጭደዲ ኢሉኒ ንሶርያ
‘ኣንቲ ዓሻ ዲኺ!?’
ምስተደረፈለይ
ኦ ኦ ኢንዶዥያ ‘የ
ትጉሽተተይ
ጋሻ ዓሻ እንደኣለይ’
ኣቕደሓኒ ኢለዮ
ንበዓል ሊብያ
ወይ ንግብ ወይ ንክብ’ያ
ጭራ ‘ተወጺኻ ኮይንካ
ዜሮ ብዜሮ
ኣብ ሲናይ ምቁማር
ኣብ ባሕሪ ከም ሰይቲ ሎጥ
ምኳን ኣሎ
ኣ .የ. የ. የየየይ!
ማትሪክ ሎምዘበን
ሓያል ሕልኽላኻ
ከይተቐዳዳሕና
ብኸመይ ንሕለፋ
ኣብ ጥልያን መ
ኣብ እስራኤል ሀ
ኣብ ጁቡቲ ሐ
ኣብ ስዊዝ ለ
ኣብ ሱዳን ሰ
ኣብ ሊብያ ቀ
ኣብ ኢትዮጵያ ረ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቀ
ኣብ ጁባ ሸ
እንዳኾነ እቲ
. . . መልሲ
. . . እነሆና
ሕብርታት ምቕድዳሕ
ተለባቢጥና. . .
‘ማይ ኣርጊጽኪ’ባ
ጣፍ ኣርግጽና’
እንዳበልና ንዝምር
‘ኤርትራ
ኤርትራ
ኤርትራ’
ምስታ
ስንክሳርና
ሕልምታትና
ቑንቑኛና
ፓስ ዎርድና
ዝተቐበረ ኣብኣ !
ሳባ ኪዳነ
7/5/ 2014