*ብኣተዓባብያኻ ክንጅምር?
#ኣብ ዞባ ደቡብ መንብሮ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ’የ: ተወሊደ። ኣብ ጉስነት ከኣ ዓብየ። ዕድል ትምህርቲ ኣይረኸብኩን። ወዲ ዓሰርተ ሸውዓተ ኣቢለ ይኸውን ንሜዳ ወጺአ። ድሕሪኡ ታዕሊም ወዲአ: ናብ ትምህርቲን ኢደ-ስርሓት ተወዚዐ። ኣብኡ ንኽምሃር ተባሂሉ ብሓፈሽኡ ኢደ-ስርሓት ከም ጽርበት ሓጺንን ዕንጸይትን ከምኡ’ውን: ምጥፋእ መሃይምነትርን ካልእን ትምህርቲ ዝወሃብርሉ ዝነበረ እዩ። ኣብኡ ተማሂረ። ዕርንትርትር ምስ በልና ድማ ናብ ሓይልታት ከቲትና።
*መኣስን ኣበይ ኢኻ ሰንኪልካ?
#ኣብ ግራት ታንክ ብታንክ ግጠም ኣብ ዝነበረሉ: 16 ሚያዝያ 1984 ሓንቲ እግረይ ተቖሪጻ እታ ሓንቲ ድማ ብፎኪስ ተሃሪማ ሕክምና ተገይሩለይ። ከምዛ ትሪአኒ ፋሕተርተር እናበልኩ ሂወተይ እመርሕ ኣለኹ።
*ኣብ ኢደ-ስርሓት ብውልቅኻ እንታይ ኢኻ ቀጺምካ?
#ኣነ ናይ ጽርበትን ሓጺንን ትምህርቲ’የ ቀሲመ። ናይ ቶርኒቶረ ክእለት ውን ኣጥርየ። ሳላቶም ኣብኡ ዝነበሩ ውፉያት ከኣ መሃይምነት ኣጥፊአ። ምስ ሰንከልኩ ናብታ ዘጥረኽዋ ሞያ ኢደ ጥበብ ተመሊሰ።
*ብኸመይ ኢኻ ናብ ስነ-ጥበብ ክትኣቱ ክኢልካ?
#ንእሽቶ ኣብ ዓዲ ከለኹ ጸያፍ እየ ኔረ። ደቂ ዓዲ ብዛዕባ ናይ ቁልዕነተ ግዜይ ከዕልሉኒ ከለዉ: ተዋዛያይ ምንባረይ’ዮም ዝገልጹለይ።
*ኣብ ሜዳ’ኸ?
#ቅድሚ ምስንካለይ: ኣብ ጥርቕሩቕ: ዝተባህለ ቦታ ኢና ኔርና። በቲ ንሕና ንዋዘዮን ንጫረቖን ዝነበርና: እቶም መራሕቲ ሓይልታት: ‘ኣብ ባህሊ ክነጥፍ ይኽእል እዩ’ ኢሎም ኣብ ናይ ሓይሊ መሪጾምኒ። ካብኡ ምሸት ናብ ድፋዕ ትኸይድ : እንደገና ናብ ባህሊ ትምለስ: ከምኡ’ዩ ኔሩ’ቲ ሂወት። ኣብቲ እዋን’ቲ ዝተዳለወት “ኣሿኽ ጽገሬዳ’ ዘርእስታ ድራማ ኔይራ። ኣብኣ ከም ኳደረ ኮይነ ተዋሲአ። ድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት ክነጥፍ ጀሚረ።
*ድሕሪ ናጽነትከ?
#ጠባሓይ ክኸውን ፈቲነ ነይረ።
*ሕራይ…
#ሽዓ ኣብታ ምጥባሕ ዝጀመርኩላ መዓልቲ ሓንቲ ቀነጅነጅ ትፈቱ ሰበይቲ ትዕንቅፈኒ።
*ብኸመይ?
#እዛ ሰበይቲ ክጠብሓላ ምስ ጀመርኩ: ”ኣጋይሽ ክመጹኒ’ዮም ቐልጥፈኒ” ኢላ ትህውኸኒ። ”ደሓን ሐራይ” ኢለ ምጥብሐይ እናቐጸልኩ ከለኹ: ቁሩብ ጽንሕ ኢላ ኸኣ “ኣታ ጉድ ጌርካኒ እቶም ኣጋይሽ’ምበር መጺኦምኒ” ትብለኒ። ዝገብሮ ምስ ጠፍኣኒ ኩሉ ከየውረድኩ ሓንቲ እግራ ጥራይ ሰሊዐ ሂበያ። ሽዕ “ንስኻስ ናይ በሓቂ ቅድሚ ሕጂ ትጠብሕ ኔርካ ?” ትብለኒ። ኣነ ኸኣ “እወ ንጠብሕ ኔይርና” እብላ። “ኣበይ ድኣ ኣሎ እቲ ድሎት’ከ” ኢላ ኽኣ ርእሰይ ተዝውረለይ። እንታይ’ሞ ክብለካ እየ ብምልእታ እታ ስጋ ጸጉሪ መሊኣ። ብበል ኣይትበል ብኽንደይ ሓይሊ ኣውሪደላ መቸም እተን ዝወሃባ ሂባ ኣፋንያትኒ። ብድሕሪኡ ምጥባሕ ቶባእ ኢለ ገዲፈዮ።
*ቅድሚኡ ሓሪድካ ኣይትፈልጥን ማለት ዲዩ?
#ኣብ ሜዳ ትጠብሕ እንዲኻ። እቲ ኣጠባብሓ ግና ከም ዝሰለጠካ’ምበር ቆርበት ከይቅደድ ገለ ዝብል ኣይነበረን። እቲ ስጋ ጥራይ ይረኸብ እናበልካ’ዩ። መቸም ፈቲነያ ከም ዘይተወጻጽኣኒ ምዃና ሽዓ ገሚተያ።
*ድሕሪኡ ኸ?
#ብድሕሪኡ እንዳተንቀሳቐስኩ ክዳውንቲ ክሸይጥ ጀሚረ። እዚኣ ከኣ ምስ ተዳሃልኩ ገዲፈያ።
*ብኸመይ?
#ሓንቲ ሰበይቲ “ፒትልስ ኣለካ’ዶ” ትብለኒ’ሞ : ኣነ ከኣ “ካብዚ እንዶ ስቕ ኢልኪ መሪጽኪ ውሰዲ እንተበልኩዋ” – “እዋይ ፒትልስ ዘይትፈልጥ ኢኻ ከኣ ክዳውንቲ ትሽቅጥ!” ትብለኒ። “ኦ እዚኣ’ውን ኣይተዋጽኣንን’ያ” ኢለ ገዲፈያ። ድሕሪ’ኡ ፈላጻይ ዕንጸይቲ ክኸውን ፈቲነ ነይረ።
*ሕራይ…
#ፈላጻይ ምዃን’ውን ሓይሊን ጥበብን ስለ ዝድለ ኮይኑ ምስ ረኸብኩዎ ገዲፈዮ። ኣብ መወዳእታ’ዩ እዚ ናይ ካሜራ ሓሳብ መጺኡ።
*እዚኣ ኸ ከመይ ሰሊጣትካ?
#ዋእ እዚኣስ መባልዕተይ’ያ። ኣብ ኤክስፖ ኢደይ ምስ ኣጽረኹ ቪድዮ ካሜራ ገዚአ፣ ናይ’ቲ እዋን’ቲ ዓይነት ማለት’ዩ።
*ናብ ስነ-ጥበብ ደኣ ብኸመይ ኣቲኻ?
#በጋጣሚ‘ዩ። ደሓን ይእቶዉ ኣብ መካነ እንስሳ ዘገዳም (ቤት-ጊዮርጊስ) ክስእል ኣፍቒዶምለይ። ኣብኡ ከኣ ደቁ ከዛውር ናብ’ቲ ቦታ ዝመጸእ እስእል ነይረ። ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ቦታ እናሰኣልኩ ከለኹ: ሓደ ጸጋይ ዓዲ ጥልያን ዝበሃል ካብ ዓዲ ጥልያን ዝመጸ: ብድሕሪ ኣጉዶ ክጽሕፍ ምስ ጸንሐ። ወዮ’ቲ ክስእል ከለኹ “ከምዚ ኣብላ ከምዚ በሉ…” ክብል ምስ ረኣየኒ: “ስማዕ እንዶ ከምዚ ዝርእየካ ዘለኹ ክትዋሳእ ትኽእል ኢኻ” ይብለኒ። ኣነ ኸኣ ኣብ ሜዳ ተዋስኦ እፍትን ከም ዝነበርኩ ምስ ነገርኩዎ: “ከመይ ኮይንካ ኢኻ ትዋሳእ ?” ይብለኒ። ከም ወዲ ገጠር ኮይንካ ምውሳእ’ዩ ባህ ከም ዝብለኒ ምስ ገለጽክሉ “እሞ ከምዚ ዓይነት ዘለዋ ድርሰት ኣላትኒ’ሞ ዘይህበካ” ይብለኒ። ሕራይ ኢለ በቲ ኣጋጣሚ እናጠራጠርኩ ይቕበሎ።
*ሕራይ…
#በቃ እታ ዝሃበኒ ጠባይ ተለማሚደያ። ብዙሕ ደኣ ኣይቀጸለትን እምበር እታ ናይ ፈለማ ስራሕ ኣብ ሲነማ ኢምፐሮ ዝተራኣኹላ “ንሰታተር” ዘርእስታ’ያ ነይራ።
*ድሕሪኡ ኸ?
#ድሕሪኡ ኣብ ኤሪ-ቲቪ(ERi-TV) ብተከታታሊ ኣብ ዝቐረባ ዝነበራ ፊልምታት ከም “ዝባን ሕጊ”: “ማእረ”: “ሂወት” : “ቬሎ”: ኣብ ናይ ራድዮ ድራማታት:ከም እንዳቦይ ሳጅን ትብል ተኸታታሊት ድራማ: ሕጂ’ውን ኣብ’ዛ ብተኸታታሊት ኣብ ኤሪ-ቲቪ እትቐርብ ዘላ “ጸጸር” ዘርእስታ ፊልምን ካልእን ተዋሲአ ኣለኹ።
*ኣብ ኮመድያዊ ጠባያት ዲኻ ዝያዳ እተድምዕ ወይስ ኣብ ካልእ’ውን?
#እቶም ደረስቲ ይኹኑ ዳይርክተራት ነቲ ክላበሶ ዝኽእል ጠባይ እናተኸተሉ ዝበዝሕ እቲ ኮሜድያዊ ክፋል’ዮም ዝህቡኒ; ይንኣስ ይዕበ። ኣነ ግና ኣብ ኮሜዲ ጥራይ ክሕጸር ኣይደልን’የ። ናይ ብሓቂ ተዋስኣይ ዝበሃል ከኣ ንዝወሃቦ ገጸ ባህሪ ብግቡእ ከንጸባርቕ ክኽእል ኣለዎ። ንኣብነት ‘ጓል ምስሌነ’ ኣብ እትብል ፊልም ጨካን ኮይነ እየ ሰሪሐ። ከም ስርዓት ሽፍታ በረኻ..ጨርቂ ኣሲረ ኣዒንተይን ገለን…
*እሞ ብግቡእዶ ኣንጸባሪቕካዮ?
#ኣንጸባሪቐዮ!
*ዋእ!
#ናይ ብሓቂ! ኣይረኣኻያን ማለት’ዩ። ነቲ ዝወሃበካ ጠባይ ከተንጸባርቕ ዘይትኽእል እንተኾንካ ተዋሰኣይ ኣይኮንኳን ማለት’ዩ።
*ክሳብ ሕጂ ዝተዋሳእካዮም ድራማታት፥ ኮሜድታት፥ ሙዚቃዊ ድራማታት፥ ዓበይቲ ይኹኑ ነኣሽቱ ፊልምታት ብዝሖም ክንደይ ኣቢሉ ይኸውን?
#ብሓርፋፍ ገምጋም ክሳብ ሱሳ ዝኸውን ናብ ህዝቢ ዝቐረበ ስርሓት ኣሎ። ናብ ህዝቢ ዘይቀረበ’ውን ቡዙሕ ኣሎ።
*ብዓይነቱ እናመቓቐልካ ንኣብነት ፊልም ኮሜዲ ሙዚቃዊ ድራማ ናይ መድረኽ ተዋስኦ፣ ናይ ሬድዮ ድራማ፣ ናይ በዓላት…
#ኣብ መዓልቲ ናጽነትን ካልእ በዓላትን ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣሎ። ኣብ ኮሜድታት’ውን ብተመሳሳሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝኸውን ኣሎ።
*እታ ምስ ህዝቢ ዝያዳ ዘላለየትኒ ዝብላ?
#ነፍስ-ወከፍ ዝሰራሕክዋ ፊልም ናታ ሽም ኣጥርየላ’የ ሓሊፈ። ኣነ ዝጠዓሰላ ወይ ክዋስኣ ኣይነበረንን ዝብላ ፊልም የላን። ብፍላይ እንተኢልካኒ ግና ‘ቬሎ’ እያ። እዛ ፊልም ክሳብ ክንደይ ነቲ ዘይንስኻ መሲልካ ክትዋሳእ ናይ ምኽኣል ብቕዓት እትፍትሽ’ያ ነይራ። ኣለካ እንዶ ከምዚ “ሰሓበይ…”፥ “ማማ ትሙት!”….፥ “ንስኪ ግና ኤግዛምዶ ተብዝሕለይ ኣለኺ ሓቀይ….” ነዚ ከም ሓደ ወዲ ሹቕ ኮይነ ቆቡዐይ ጠውየ ዝብሎ’ዩ። በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ነዚ ዕድል ዝፈጠሩለይ ስነ-ጥበበኛታት አመስግኖም።
*ብፍላይ እዛ “ማማ ትሙት…” ትብል ተዘካሪት’ያ…
#ነፍሳ ይምሓር ምስ ነፍስሄር ወይኒሓረግ (ቤኪ) ዝሰራሕናያ’ያ። ንሳ ሕማም ናይ ቬሎ’ዩ ዘለዋ። ቬሎ ጥራይ ጌሩ የውጽኣያ’ምበር ነቲ ሰብ ዝኾነ ንኹን ኣየገድሳን’ዩ። ኣብዚኣ ኣነ ንእሽቶ መሲለ ከደናግራ እሓስብ። ‘ኣነስ ከም ሓያም’ምበር ብቬሎ ኣይወስደክን’የ’ ምስ በልክዋ ትጸርፈኒ’ያ። በቃ ትገድፈለይ የብላን ኣዋርድ’ያ ተብለኒ።
*(ሰሓቕ) ናይ ብሓቂ ኮይኑዶ ይስመዓካ ነይሩ ንኸውን?
#ኢሂ ድኣ…ኣብ ስምዒት እንዲኻ ትኣቱ! እዚ ኩሉ ዝነበራ መደብ እንድየ ዘፍርሰላ ዘለኹ።
*ብድሕሪኡ ኸ?
#ድሕሪኡ ደኣ ከም “ዓይኒን ሓመድን”፥ “ዘይረገፈት ዕንባባ” ፥ “ዓረም” ፥ ሓፈሻዊ ኣብ ነፍስ ወከፍ ዝላበሶ ጠባይ ጽቡቕ ግብረ መልሲ እረኽበሉ’የ።
*ከም ተዋስኣይን ኮሜድያንን ብዙሕ እዋን ኢኻ ሰሪሕካ’ሞ ምስ’ዚ ሞያ ብምትእስሳር ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ህይወት ካብ ዘጋጠመካ?
#እቲ ዘጋጠመኒ እጽሕፎ እንድየ። ሓንቲ ካብቲ ዘጋጠመኒ ክጠቕሰልካ።
*ሕራይ . .
#ሓደ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝወዓለ’ዩ መስለኒ. . . ኣነ ከኣ ምስ ካልኣየይ ጥቓ ገዝኡ እዋሳእ ነይረ። ኣነ ገጸይ ናብ ካሜራ እዩ ነይሩ። እቲ ገዛ ድማ ብድሕረይ’ዩ ነይሩ። ኣነ ነቲ ምሳይ ዝዋሳእ ዝነበረ ‘መዋስእተይ’ ማለት’ዩ “ነዚ ገዛ’ዚ ጽባሕ ኣይትረግጾ ድሕሪ ጽባሕ ኣይትረግጾ በዚኣ ተንከስ ኢልካ ኣይትሓልፍን ኢኻ እብለካ ኣለኹ . . እዚ’ኳ ጽርግያ ኣይኮነን ወርቐይ ዘፍሰስኩሉ ንብረተይ’ዩ ይብሎ። ንሱ ከኣ ንዓ ቅረብ ሕጂ በዚኣ እንተጥሒስካስ ክንርአአ ኢና እብሎ” እዚ ሕጂ ተዋስኦ እዩ። ሰብኣይ ዋና ምዃኑ’ዩ፥ ቀስ ኢሉ ካብ ገዛ ወጺኡ ደንጎላ ሒዙ ‘ዝወዓልኩዎ ከይኣኽለኒ’ ዝብል ስምዒት’ዩ ነይርዎ ብድሕረይ ይመጽእ። ብድሕረይ ስለዝነበረ ኣነ ኣይርእዮን’የ ዘለኹ። “ኣበይ ኣለኻ ንዓ! ንዓ ገዛኻ ድዩ ገዛይ ክንርአአ ኢና” ንብል። እቲ በዓል ካሜራ ኣስደሚሙዎ’ዩ። ኣብ ስምዒት’የ ኣትየ ዘለኹ. . .ድሓር ወደይ ድሓን ትእቶ ሰበይቱ መጺኣ’ያ ትገላግለና። እዚ’ኳ ተዋስኦ’ዩ ኢሎም ከህድእዎ እንተፈተኑ፥ እቲ ረስኒ ብኣጋ ስለ ዘይገደፎ ‘መንሞ ኣፍቂዱሎም ኣብ’ዚ ክዋስኡ’ ኢሉና እብለካ!
*ብዘይካ ኣብ ምውሳእ ካብኡ ወጻኢ ትነጥፈሉ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ኣለካ ድዩ? . . ንኣብነት ኣብ ድርሰት . . .ግጥሚ . .
#ኣብ’ቲ መጀመርታ ኣብ ምውሳእ ጥራይ’የ ዝነጥፍ ነይረ። ድሓር ግና ገለ ኮሜድታት ፈታቲነ። እታ ናይ መጀመርታ ሸሞንተ ዓመት ይገብር ባዕለይ ዝደረስኩዋ “ደም ስኒ” ዘርእስታ ኮሜድ’ያ። ከም በዓል “ጉድ ረኺብና”፥ “ተስፋማርያም ሓወይ”፥ ገከ ክፋሉ ተሓጋጊዝና ዝሰራሕናዮ ኣሎ። ኣብ ግጥሚ’ውን እነጥፍ’የ። ኩሉ ሙሉስ ኣስታት 25 ግጥምታት ዝጸሓፍክዎ’ሎ። ኣብ ምውዕዋዕ (advertaisnment) እውን እነጥፍ እየ።
*ገለ ባዕልኻ ክትፍትኖ ትሓስብ ከ ኣሎዶ?
#እወ። ሓንቲ ሓጸርቲ ኮሜድታት ዝሓዘለት ካሴት ኣዳልየ ኣለኹ።
*እሞ ኣብ ቀረባ እዋን ክንርእያ ተስፋ ንገብር።
#የቐንየለይ . . ኣነ’ውን ነዛ ንእሽቶ ዓቕመይ ከም ዓቢ ኣበርክቶ ወሲድኩም ስለ ዝዓደምኩምኒ አመስግን።
Source: Hadas Ertra (Newspaper).