ኣንቱም ተንባህቑ
ኣንቱም ተሕነቕንቑ
‘ታይ ኢኹም ተዕዘምዝሙ
እንታይ ኢኹም ትቁዝሙ
ሓቅኹም እንተዀንኩም ሰላም ትብህግዋ
ባህራ ከይፈለጥኩም ስማ ኣይተልዕልዋ
ሓቅኹም እንተዀንኩም ፍቕሪ ትናፍቑ
ምቕራብ እንድዩ ምፍታው እንታይ ድኣ ትርሕቁ!?
ፍትሒ እንተደለኹም ውን ፍትሒ ‘ዚ ፈታሒ
ዘይከም ጅምር ግድፍ ኣሳፊሑ ጸናሒ
ኮታ….
ንኹሉ ’ቲ ሕቶታት ዘብርሃልኩም መልሲ
ንዘሎ ቃንዛታት ዘጥፈኣልኩም ፈውሲ
ሕልምኹም እንተዀይኑ ሩፍታ ዘልኣለም
ኣሚንኩም ትኸድዎ ብዘይ ቀልዓለም፣
ስለ ህይወት ስለ ህያውነት
ስለ ሓፋሽ ስለ ሰብኣውነት
ስለ ዝተራእየኩም ክትብሉ ክትሰርሑ
ስለ ይምሰል ኣይተቕርቡ ኣይትርቁሑ።
ኣብ ዝበልኩሞ ተልሙ
ኣብ ዝተለምኩሞ ዕመሙ፡
ከይተላፈንካ የሎን ፍርቂ
ከይቀናዕካ የሎን ሓቂ
መስዋእቲ ንዘይትኸፍሉ
ባህጊ ኣይተቐድሙ
ሓቂ እናጸዋዕኩም
ካብ ሓቂ ኣይትህደሙ!!
ተስፉ ሓጎስ
22/11/2012