ብተስፋየ ገብረኣብ
ትርጉም መኮነን ተስፋይ
ኣብ መፋርቕ 2014 ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ “ታሪኽን ጽንጽዋይን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣዳራሽ ECC (Eritrean Community Center) ምስ ኤርትራውያን ሓጺር ጻንሖት ጌረ ኔረ። ኣብቲ ሰሚናር ካብ ዝተፋለጥኩዎም ሰባት ሓንቲ ሶፍያ ተስፋማርያም ነበረት። ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ዳግማይ ተራኺብና ከነዕልል እንከለና እግረ መንገድና ዘርኣይ ደረስ ናይ ቀረባ ዘመዳ ከም ዝኾነ ኣዕሊላትኒ ኔራ። ብልክዕ ብዘይ ኣፍልጦኦም ኣብ ላዕሊ ታሪኾም ጽንጽዋይ ካብ ዝተወሰኹዎም ናይ ኣፍሪቃ ፍሉጣት ሰባት ዘር ኣይ ደረስ ሓደ እዩ ኔሩ።
ዘርኣይ ደረስ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራን ብጅግንነቱ ፍሉጥ’ዩ። ብስሙ ጎደናታት ተሰይሞ’ዮም። ብስሙ ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊተን’የን። ኣብ ዘበነ ሃይለስላሴን ደርግን ናይ ዘርኣይ ደረስ ታሪኽ ኣብ መባእታ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ከም መምሃሪ ሰነድ ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ’ዩ። ወያነ’ውን ብስም ዘርኣይ ደረስ ዝፍለጥ ሓደ ክፍለ ሰራዊት ኣቑሙ’ዩ። እዚ ህቡብ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዓዲ ጣልያን ክቕተል እንከሎ ወዲ 21 ዓመት’ዩ ኔሩ። ምስ ሶፍያ ከነዕልል እንከለና ብዛዕባ ዘርኣይ ደረስ ከም ዝጽሕፍ ነጊረያ ኔረ። ግዜ እንተረኺበ ኣብ ዝቕጽል ብዝተመሓየሸ መልክዕ ክጽሕፎ ክፍትን’የ።
ናይ ዘርኣይ ደረስ ታሪኽ ተጣሚሙን ተዘናቢዑን ከም ዝተጻሕፈ ካብ ዝሕብሩ ጽሑፋት ሓደ ዘምህረት የውሃንስ “ኢጣልያዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 2010 ኣብ ዘሕተሞ መጽሓፍ ምጥቃስ ይከኣል። ዘምህረት ኣብ መጽሓፉ ከምዚ ክብል ኣስፊሩ’ሎ፦
“ . . . ገዛእቲ ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራውያን ተቛዉሞታት ንኢትዮጵያዊ መንንነት ተባሂሉ ከም ዝተገብረ ቃልሲ ጌሮም ምቕራቦም ንናይ ምስፍሕፍሖም ዕላማ’ዩ ኔሩ። ናይ 1937 ናይ መጎስ ኣስገዶምን ኣብርሃም ደቦጭን ታሪኻዊ ፍጻሜ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ዓመት እቲ ዘርኣይ ደረስ ዝፈጸሞ ጅግንነት፡ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ብተኸታታሊ ንናይ ፕሮፖጋንዳ ሃልኪ ኣውዒሎሞ’ዮም።
ኣብ 1937 ጣልያን ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ግዝኣታ ዝተመስረተትሉ ቀዳማይ ዓመት ናይ ክብሪ በዓል ኣብ ከተማ ሮማ ከተብዕል እንከላ ዘርኣይ ደረስ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ኔሩ። መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ልዕሊ እቶም ዝገዝእዎም ኣህዛብ ትዕቢትን ንዕቀትን ከንጸባርቑ ምስ ረኣየ ክጻወሮ ስለዘይከኣለ ውሑዳት ጣልያናውያን ብጉራዴ ጌሩ ቀቲሉ። ንገዛእ ርእሱ ከኣ ተወጊኡ ተታሒዙ። ኣብ ሓንቲ ደሴት ተኣሲሩ እንከሎ ከኣ ብሞት ተፈልየ።
ከም ሓደ ናይ ታሪኽ ጭብጢ ብዛዕባ ዘርኣይ ደረስ ዝተጻሕፈ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ብወልደኣብ ወልደማርያም’ዩ ብቐዳምነት ዝስራዕ’ዩ ። ኣብ 1987 ኣቶ ወልደኣብ ኣብ ዝሃብዎ ቃለመሕትት “ኣብ ልዕሊ ኢጣልያውያን ዘለና ጽልኢ ንምግላጽ፡ ናይ ኤርትራ መንፈስን ጅግንነትን ከኣ ክብ ንምባል ኢለ እየ ኣብ ሰሙናዊ ጋዜጣ ብዛዕባ ዘርኣይ ደረስ ዝጸሓፍኩ” ብምባል ገሊጾሞ’ዮም።
መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዘርኣይ ደረስ ዝፈጸሞ ናይ ጀግነት ተግባር ንኢትዮጵያውነት ዓላማ ከም ዝተፈጸመ ብምውሳድ ንፕሮፖጋንዳ ክጥቀምሉ ፈቲኖም” (ኢጣልያዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ገጽ 417-418)
ናይ ዘምህረት ትንታነ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝፍለጥ ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ ዝተፈልየ እዩ። ልክዕ’ዩ፡ ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ ከም ናይ ኣቡነ ተኽላሃይማኖትን ከም ቀዳማዊ ምንሊክን ታሪኽ ምህዞ ዝተሓወሶ ናይ ጽንጽዋይ ድርሰት ከም ዝኾነ ሓቂ’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰፊሕ ዝእመን ዘርኣይ ደረስ ኣብ ናይ ሮማ ክብረ በዓል ተቖጢዑ ጸዓዱ ዝዘልዘለሉ ምኽንያት ቀጠልያ፡ ቢጫ፡ ቀይሕ ሕብሪ ዘለዋ ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ክትርገጽ ስለዝረኣየ ኣይነበረን። ገና ካብ መበገሲ እቲ በዓል ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ኣይነበረትን። ኣብቲ ቦታ ብዛዕባ ዘይነበረት ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ምርጋጻ ዝተጻሕፈ ጭቡጥ መረዳእታ የለን። ብዛዕባ ባንዴራ ምርጋጻ ዘዘንቱ ጽንጽዋይ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ መምሃሪ መጽሓፍ ጥራሕ’ዩ። ነቲ መምሃሪ እናንበበ ዝዓበየ ወለዶ ናይ ዘር ኣይ ደረስ ዝተጠምዘዘ ታሪኽ ወይ ብስሙ ዝተጻሕፈ ጽንጽዋይ ከም ሓቀኛ ታሪኽ ኣሚኑ ቀጺሉ። ኣብ ሎሚ ደው ኢልና ነቲ ግዜ ክንመዝኖ እንከለና ኣብ ውሽጢ ስምዒት ዘርኣይ ደረስ ብዛዕባ ኢትዮጵያነትን ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራን ክህሉ ዝኽእል ናይ ምግንዛብ ልቦና ኣይነበረን። ንመንነት ኢትዮጵያን ንኽብሪ ባንዴራ ኢትዮጵያ ተቓሊሶም ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ኣይነበሩን ማለተይ ግን ኣይኮነን። ኔሮም’ዮም። ሕጂ’ውን ኣለው። ካብ’ቶም ዝሞቱ ውሑዳት ሎሬንሶ ታእዛዝ፡ ቤተወደድ ኣስፋሃ፡ ንቡረዕድ ድሜጥሮስን ኮሎኔል ብሽኡን ምጥቃስ ይከኣል። ብህይወት ካብ ዘለው ከኣ ብውሑዱ በረኸት ስምኦንን ድምጻዊ ዓብዱ ኪያር ኣለው። ዘየለው ካብ ምድላይ ዘለው ምኽባር ቅድስና እዩ።
ልክዕ እዩ፡ ዘርኣይ ደረስ ንባዕሉ ንኽብሩ ክብል ብዝፈጸመ ጀግንነት ከም ሰብ ከነኽብሮ ይግባእ እዩ። ጅግንነቱ ከም ኣብነት ምርኣዩ ‘ውን ቅድስና እዩ። ክፍለ ሰራዊት እንተተስምየሉ፡ ናይ ቆልዑ መምሃሪ እንተኾነ፡ ባንኪ ብስሙ፡ ጎደና ብስሙ እንተተጸውዐ ይግብኦ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ጸለምቲ ኣህዛብ ስሙ ክዝከር፡ ክኽበር ይግባእ’ዩ። ንናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ግን ኣይፈልጣን’ዩ። ስለዚ ነዛ ታሪኽ ካብ መንኩቡ ነውርደሉ። ብህይወት ንዘየለው ሰባት እሙናት ክንከውን ይግባኣና።
ካብ ንግሰተ ሰባን ሰለሙንን ዛንታ ጀሚሩ ኣብ ታሪኽ ናይ ኢትዮጵያ ዝተሓዋወሱ ናይ ፈጠራ ጽንጽዋያት ኣሪኻ ንምውጻእ ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ሙሉእ ግዜ ስራሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ከም ዛንታ ዘርኣይ ደረስ ብህዝቢ ዝተኣመኑ፡ ከም ታቦት ዝኽበሩ፡ ካብ ጽንጽዋይ ናብ ታሪኽ ባዕሎም ዝማዕበሉ “ታሪኻት” ምትንካፍ ማለት ዋጋ ከም ዝሓትት እፈልጥ’የ። ከምዚ ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ብምትንካፈይ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ዋጋ ከፊለሉ’የ። እቲ ጽቡቕ ነገር ቆርበተይ ረጉድ’ዩ። ስለዝኾነ ሎሚ’ውን ዘይትንከፍየ ዝትንክፍ ዘለኹ። ብመስረቱ ግን ዘይንትከፍ ታሪኽ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። ኢትዮጵያዊ ነብሲ፡ ስጋን ዓጽምን እንተሊዩዎ ብገዛእ ርእሱ ደው ክብል ይኽእል’ዩ። ናይ ምህዞ ዛንታታት ኣይድልይዎን’ዮም። ናብ ሓቂ ዝተለወጡ ናይ ፈጠራ ታሪኻት ምትንካፍ ወይ ምቕንጣጥ ንህልውና ኢትዮጵያውነት ኣስጋኢ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ።
ልክዕ’ዩ፡ ጽውጽውያት ካብ ሓቀኛ ታሪኽ ናይ ምፍላይ ስራሕ ቅድም ኢሉ ብሓደ ሓደ ምሁራት ታሪኽ ምፍታኑ ኣይተረፈን። ካብዞም ፈተነታት ዕዉት ስራሕ ዝሰርሐ ሓደ ታቦር ዋሚ ይመስለኒ። “ናይ ውገና ድርሰታትን ናይ ታሪኽ ሓቅታትን” ብዝብል ኣርእስቲ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ 2006 ዓ.ም. ዝተሓትመ 660 ገጽ ዝሓዘ መጽሓፍ ዘንበበ ሰብ “ጸሓፍቲ ታሪኽ” ክሳብ ክንደይ ከም ዝተጻወቱልና ብቐሊሉ ምስትውዓል ይከኣል’ዩ።
7 Comments
ኣነ ዝገረመኒ ናይ ሶፍያ ተስፋማርያም እዩ። ዘርኣይ ደረስ ኣብ ሰገነይቲ ስለ ዝተማህረ ስለ ዝተማህረ በዓልቲቤቱ ጓል ሰገነይቲ (ሓትኖኡ ንወዲፊሊፖ) እየን። ሕጂ ሶፍያ ብበዓልቲቤቱ ኣቢላ ድያ ዘመድ ዘርኣይ ክትከውን ትፍትን ዘላ? ምኽንያቱ ዘርእእይ ካብ ዓዲ ይሃይስ ሰራየ እዩ ዝውለድ፡ ብስደት ምስ ወላዲቱ ናብ ሃዘጋ ስለ ዝኸደ ግን ኣብኡ ዓብዩ። ብወገነይ ዘርኣይ ደረስ፡ ንዓሌታዊ መደረ ናይቲ ኢጣልያዊ በዓል ስልጣን ምጽዋር ስኢኑ ቍጥዓኡ ምርኣይ ሰባት ቀቲሉ ወይ ክቐትል ፈቲኑ። ጋዜጣታት ኢጣልያ ድማ ነቲ ጕዳይ ኣጋኒነን ከም ዘቕረቦኦ ሓደ ሓቂ እዩ። እንታይ ነይሩ እቲ ብጭቡጥ ዘጋጠመ ብዘየገድስ ዘርኣይ ደረስ ከም ሓደ ጅግና ክድነቕ ከም ዝግብኦ እፈልጥ። ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ኣፍሪቃ ሓበን እዩ። እቲ ዝጽላእ ስለ ባንዴራ ኢትዮጵያ ፍርቂ ደርዘን ኢጣልያውያን ቀቲሉ ዝብል ናይ ሓሶት ታሪኽ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንተስፋይ ገብረኣብን መኰነን ተስፋይን ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ።
ane zigermeni kulu ane hakena endabelu nimen ena kinamin .
ABEBA NAY BHAQI ZEKTAM IKI. MIKNYATU HAQI NMFLAT LIQ MKWAN AYEDLN aYUØ WEDISEB HAQI NKFELT KHASBN KMERAMERN TRAY IYU ZELEWOØ DEHAR KEA ETI HASOT KULU GZIE KEM SNQI ENAFEKOSE SILE ZKEYD MFLATU ZEXEGIM AYKONEN. SLEZI BZEBA EZI AYTCHENEQI.
any way I am understand they heister more exsblayin for they zaray dareace but I am happy ❗
መኮነን ተስፋይ ጽሕፍካ ዝድነቅ እዩ፡፡ ኩሉ ክትከውን ምፍታን እውን ኣይጽላእን። እንተ ተካኢሉስ ምዃን ድኣ። ሃደ ግዜ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ኣፍልጦ የብለን፡ ኣይግደስ እየ ኢልካኒ ነይርካ። መልስኻ ኣንጻር መንነትካ ምዃኑ እኳ ኣንተተረድእኒ ግና፡ ኣብዚጽሑፍ ከምቲ ነብስኻ ነጊሩካ ዝመስከርካዮ፡ ኣብዘይትፈልጦ ዝኣተኻ ይመስለኒ፡፡ ነገስታት ኢትዮጵያ ኮነ ታሪኽ ኢትዮጵያ ክትዝንጥልን ሓቅነት ዘብሉ ሓቂ ዝብልዎ ክእርውም ኣለዎ ክትብል ኣይቃወመካን እየ። ከመይ ስርሖም ዝምስክሮ ስለዝኾነ። ንኣብነት ንጉስ ራእሲ ተፈሪ መኮነን፥ ንጉስ ሃይለስለሴ ሙኳኑ እዩ፡ ንጉሰ ነግስት ኣንበሳ ዘነገደ ይሁዳ ዝብል ተለጢፍዎ ኣብ መጻሕፍቶም ኮነ ኣዳባያቶም ዝጸውዕዎ ስም እዩ። ግና እዚ ስም እዚ ኣብ ራኢየውሃንስ ምዕራፍ 5 ዘሎ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ስም እዩ። ስለዚናይ እግዚኣብሄር ስም ንባዕሉ ዝወሰደ ንጉስ ኣይፋሉን ምባል ኣገዳሲ እዩ። መበገሲ ነጥበይ ግና ንቅዱሳን ሰባት ምስኦም ምጽንባርካ ኣብዘይትፈልጦ ትእቱ ኣሎኻ። መጀመርያ ስለ ቅዱሳን ሰባትን ገድለምን ሕይወቶም ብመንፈሳዊ መንገዲ ኣጽንዕ ሽዑ ተዛረብ። ቅዱስ ኣቡነ ተክላሂማኖት ምስዚ ናትካ መንገዲ ክተታሓሕዞ እንተፈቲንካ፡ ወጋ ከኽፍለካ ዘይኮነስ ሕይወትውን ከኽፍለካ እዩ፡ ምኽንያቱ ይንኣስ ይዕበ እግዚኣብሔር ብቅድሳኑ ቀናእ ስለዝኾነ። ስለዚ ጽልኢ ሓዊ ከምትዓሙኽ ይገብር እዩ ኣሞ፡ ኣብተድማዓሉን እትፈልጦን ድኣ። ንሱ ነቶም ቅዱሳን መጻሕፍቲ ዝግንጽሉን ዝምርምሩን ግደፎ፡፡ ምኽናይቱ ከም ቃልካ ብዙሕ ስለዘይትፈልጥን ዘይትግደስን። እግዚኣብሔር ምስ ቅዱሳኑ ንኽትኣምኖ ዝሸግር ብዙሕ ስራሕ ይሰርሕ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ልዕሊ ጥበባት ጥበበኛ፡ ልዕሊ መንክራት ምንክረኛ፡ ብስብ ዘይግለጽ፡ ዘይድፈር ዘይብጻሕ ስለዝኾነ። ሰብ ክሳዕ እቲ እግዚኣብሔር ዘፍቀደሉ እንተዘይኮይኑ ማንም ክበጽሖ ዘይክእል ተእምረኛ እዩ፡፡ ስለዚ ብድኹም እምነትና ብቅዱሳኑ ዝሰርሖ ትኣምር ምቅባሉ እንተሸገረና ጽውጽዋይ እዩ ክንብል ኣይንክእልን ኢና። ከምቲ ዝበልካዮ ክኸብደካ እዩ እሞ። ብኣፍልጦ ብምንባርን ግበሮ። ምባር ክብል ከለኹ ብቲ ክትነብሮ ዝተጸዋዕካዮ ብቅድስናን ንጽሕናን እና ነበርካ፡ ወትሩ እናጸለኻን ምስ እግዚኣብሔር ዘለካ ርክብ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለካ ዝምድና ከምቲ ነቶም ካልኦት መጻሕፍቲ ይጠቅሙኒ እዮም ኢልካ ግዜኻ ሂብካ እተንብቦም ብመንፈሳዊ ዓይንን ልብን ተመሪሕኻ ኣንብቦ እሞ። ሽዑ ስለቲ ተንኪፍካዮ ዘለኻ ኣስፊሕካ ክትጽሕፍ ኢኻ። ሰላም እግዚኣብሔ ይብዝሓልካ፡፡ ምንጪ ጠበብን ፍልጠትን ዝኾነ ሓይሊ ኣምላኽ ጠበብ ኣምላኽ ዝኾነ ጎይታ እየሱስ ክርስቶስ ጸግኡ የብዝሓልካ።
ሰላም kigoso on ፈላማ ነዛ ሰኪዔት ሓበሬታ ኣንቢብካ ርእይቶ ምሃብካ ከመስግነካ: ቀጺለ ነቲ ክትብሎ ዝደለኻዮ ኣብ ውሽጥኻ ዝዓቖርካዮ ነገር ደኣ መበገሲ ረኺበ ኢልካ ተሃኒድድካ ትጽሕፍ ኣለኻ እምበር:: ካብ ፈለማ ነዚ ጽሑፍ ርግእ ኢልካ እንተኣንቢብካዮ ጸሓፊ ተስፋየ ገብረኣብ ተርጓሚ ድማ መኮነን ተስፋይ ስለዝብል እዚ ጽሑፍካዮ ዘለካ መልሲ ንተስፋየ ገብረኣብ ዝምልከት ጽሑፍ እምበር ንመኮነን ተስፋይ ዝምልከት ኣይኮነን። ካብ ናብ ነቐፌታ ትህንደድ ፈለማ ርግእ ኢልካ ኣንብብ። ኣብዚ ጽሒፍካዮ ዘለኻ መልስታት’ውን ዝምልሰልካ ምሃለው ኔሩ ግን ብዓቢዩ ብዛዕባ ኣቡነ ተኽለሃማኖት ዝዛረብ ዘሎ ተስፋይ ገብረኣብ እምበር መኮነን ተስፋይ ስለዘይኮነ ኣይክልምልሰልካን’የ። እንተኺኢልካ ግን ነዚ ናይ ተስፋየ ገብረኣብ ጽሑፍ ዝብድህ ጽሑፍ ጸሓፍ’ሞ ናብ ዛራጥበባት ስደዶ ከነአንግደልካ። የቐንየለይ !!